ወንጌል ማቴዎስ 28
[1] ድኅሪ ሰንበት ለይቲ ናብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ናይ ሰሙን ዘውግሕ ማርያም መግደላዊትን እታ ኻልአይታ ማርያምን ነቲ መቓብሩ ኽሪኣ መጻ።
[2] እንሆ መልኣኽ እግዚኣብሔር ካብ ሰማይ ወረደ እሞ ዓብዪ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኾነ፤ ቅርብ ኢሉ ኸዓ ነቲ እምኒ ኣንከባሊሉ ኣብ ልዕሊኡ ተቐመጠ።
[3] ትርኢቱ ኸም መብረቕ ዘንጸባርቕ ክዳኑ ድማ ኸም በረድ ፃዕዳ ነበረ።
[4] እቶም ሓለውቲ መቓብር ድማ ፈሪሖም ኣንቀጥቀጡ፤ ከም ዝሞቱውን ኮኑ።
[5] እቲ መልኣኽ ድማ መሊሱ ነተን ኣንስቲ ንስኻትክንስ ነቲ ዝተሰቕለ ኢየሱስ ትደልያ ኸም ዘለኽን እፈልጥ እየ እሞ ኣይትፍርኃ።
[6] ንሱ ኣብዙይ የለን፤ ከምቲ ዝበሎ ተሢኡ እዩሞ ንዕነ ነታ ጐይታ ተቐቢሩላ ዝነበረ ሥፍራ ረአያ።
[7] ቀልጢፍክን ከይድክን ንደቀ መዛሙርቱ ካብ ሞት ተሢኡ እዩ፤ እንሆ ንሱ ናብ ገሊላ ኽቕድመኩም እዩ፤ ኣብኡ ድማ ኽትርእይዎ ኢኹም› ኢልክን ንገራኦም፤ እንሆ ነጊረክን ኣለኹ! በለን።
[8] ንሳተን ከዓ ኻብቲ መቓብር ብፍርኃትን ብዝለዓለ ታሕጓስን ቀልጢፈን ወፃ፤ ንደቀ መዛሙርቱ ኸበሥራኦም ድማ ጐየያ።
[9] ክነግራኦም እናኸዳ እንተለዋ እንሆ ኢየሱስ ተራኸበን እሞ ሰላም ንኣኻትክን ይኹን! በለን። ንሳተን ከዓ ቕርብ ኢለን እግሩ ኂዘን ሰገዳሉ።
[10] ሽዑ ኢየሱስ ኣይትፍርኃ! ናብ ኣኅዋተይ ከይድክን ናብ ገሊላ ክኸዱ ንገራኦም ኣብኡ ድማ ኽርእዩኒ እዮም በለን።
[11] ንሳተን ምስ ከዳ እንሆ ገሊኣቶም ካብቶም ወታደራት ናብታ ኸተማ ኣትዮም ኲሉ እቲ ዝኾነ ንሊቃነ ካህናት ነገርዎም።
[12] ንሳቶም ድማ ምስቶም ዓበይቲ ተኣኪቦም መኸሩ፤ ብዙኅ ገንዘብ ከዓ ነቶም ወታደራት ሃብዎም።
[13] ንሕና ደቂስና እንተለና ደቀ መዛሙርቱ ብለይቲ መጺኦም ሰሪቖምዎ› ኢልኩም ንገሩ።
[14] እዝ ነገር እዙይ ኣብቲ ሹም ኣሕዛብ እንተ ተሰምዐ ንሕና ኽነረድኦ ኢና፤ ንኣኻትኩም ድማ ሽግር ከም ዘይበጽሐኩም ክንገብር ኢና በልዎም።
[15] ንሳቶም ድማ ገንዘብ ተቐቢሎም ከምቲ ዝነገርዎም ገበሩ። እዝ ነገርዙይ ክሳዕ ሎሚ ኣብ ኣይሁድ ይንገር ኣሎ።
[16] እቶም ዓሠርተ ሓደ ደቀ መዛሙርቱ ድማ ናብቲ ኢየሱስ ክኸዱ ዝነገሮም እምባ ናይ ገሊላ ኸዱ።
[17] ምስ ረአይዎ ኸዓ ሰገዱሉ፤ ገሊኦም ግና ተጠራጠሩ።
[18] ኢየሱስ ከዓ ቐሪቡ ሥልጣን ሰማይን ምድርን ኲሉ ተውሂቡኒ ኣሎ፤
[19] እምበኣር ኪዱ እሞ ንኹሎም ኣሕዛብ ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን እናጥመቕክምዎም ደቀ መዛሙርተይ ግበርዎም።
[20] ነቲ ዝኣዘዝኩኹም ኲሉ ምእንቲ ኽሕልዉዎ መሃርዎም! እንሆ ኣነ ድማ ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም ኲሉ ጊዜ ምሳኻትኩም እየ በሎም።