ወንጌል ማቴዎስ 23
[1] ድኅርዙይ ኢየሱስ ነቶም ሕዝብን ንደቀ መዛሙርቱን ከምዙይ ኢሉ ተዛረቦም፦
[2] መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን ኣብ መንበር ሙሴ ተቐሚጦም ኣለዉ።
[3] ስለዙይ ንሳቶም ዝብሉኹም ኲሉ ግበሩን ሓልዉን፤ ንሳቶም እቲ ንሰብ ዝምህርዎ ኣይገብርዎን እዮም እሞ ከምቲ ዝገብርዎ ግና ኣይትግበሩ።
[4] ከቢድ ምፅዋሩ ዘይምቹ ፆር ጠሚሮም ንሰብ ኣብ ማእገሩ የሰክምዎ፤ ባዕላቶም ግና በፃብዕቶም እኳ ኽነኽእዎ ኣይደልዩን።
[5] ኲሉ ዝገብርዎ ሰብ ክርእየልና ኢሎም ይገብሩ፤ ክታባቶም የግፍሑ፤ ዘፈር ክዳውንቶምውን የንውኁ።
[6] ኣብ ማእዲ ዝለዓለ ሥፍራ ኣብ ቤተ ጸሎቶም ድማ ኣብ ናይ ክብሪ መናብር ይቕመጡ።
[7] ኣብ ዕዳጋታት ሰብ ኢድ ክነሥአሎምን መምህር› ኢሉ ኽጽውዖምን ይፈትዉ፤
[8] ንስኻትኩም ግና መምህርኩም ሓደ እዩ እሞ መምህራን› ኣይትበሃሉ፤ ንስኻትኩም ኲልኹም ኣኅዋት ኢኹም።
[9] ኣብ ሰማይ ሓደ ኣቦ ስለ ዘለኩም ኣብ ምድሪ ንሓደ እኳ ኣቦ ኢልኩም ኣይትጸውዑ ።
[10] መራሒኹም ሓደ ክርስቶስ እዩ እሞ ንስኻትኩምስ መራሕቲ› ኣይትበሃሉ።
[11] -
[12] እቲ ርእሱ ዘልዕል ክዋረድ እዩ፤ እቲ ርእሱ ዘትሕት ከዓ ልዕል ክብል እዩ እሞ እቲ ኻባኻትኩም ዝዓበየ ኣገልጋሊኹም ይኹን።
[13] ኣቱም ግብዛት መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን! መንግሥተ ሰማይ ንሰብ ኣብ ገጹ እትዓፅዉሉ ንርእስኹም ኣይትኣትዉን፤ ነቶም ክኣትዉ ዝደልዩ ድማ ምእታው ትኽልክልዎም ኣለኹም እሞ ወይለኹም!
[14] ኣቱም ግብዛት መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን! ንኽተምስሉ ኣብዚኅኹም ብምጽላይ ኣብያተ መበለታት ትብዝብዙ ኣለኹም፤ ስለዙይ ጽኑዕ ፍርዲ ኽትቅበሉ ኢኹም እሞ ወይለኹም!
[15] ኣቱም ግብዛት መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን! ንሓደ ሰብ ናብ ሃይማኖትኩም ክተእትዉ ባሕርን ምድርን እትዞሩ፤ ምስ ኣተወ ኸዓ ካባኻትኩም ብዕጽፊ ዝገደደ ወዲ ገሃነም ትገብርዎ ኢኹም እሞ ወይለኹም!
[16] ኣቱም ብቤተ መቕደስ ዝምሕል ኣይበደለን ደኃን እዩ፤ ብወርቂ ቤተ መቕደስ ዝምሕል ግና ማሕላ ይኾኖ› እትብሉ፤ ዕዉራት መራሕቲ ወይለኹም!
[17] ኣቱም ደናቝርን ዕዉራትን! ኣየናይ የዓቢ? ወርቅዶ ወይ እቲ ንወርቂ ዝቕድሶ ቤተ መቕደስ?
[18] ብመሠውዒ ዝምሕል ኣይቝጸሮን እዩ፤ በቲ ኣብ ልዕሊኡ ዘሎ መሥዋዕቲ ዝምሕል ግና ማሕላ ይኾኖ› ትብሉ።
[19] ኣቱም ደናቝርን ዕዉራትን! ኣየናይ የዓቢ? መሥዋዕቲዶ ወይ እቲ ንመሥዋዕቲ ዝቕድሶ መሠውዒ?
[20] እምበኣርከ እቲ ብመሠውዒ ዝምሕል ብእኡን ኣብ ልዕሊኡ ብዘሎ ዂሉን ይምሕል።
[21] እቲ ብቤተ መቕደስ ዝምሕል ከዓ ብእኡን በቲ ኣብኡ ዝነብርን ይምሕል።
[22] እቲ ብሰማይ ዝምሕል ድማ ብዙፋን እግዚኣብሔርን በቲ ኣብኡ ዝነብርን ይምሕል።
[23] ኣቱም ግብዛት መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን! ካብ ጨና ኣዳም ካብ ሽላን ካብ ከሙን ዓሥራት እተውፅኡ፤ እቲ ኣብ ሕጊ ዘሎ ኣውራ ነገር ፍትሒ ምሕረት እምነት ግና እትኃድጉ ኢኹም እሞ ወይለኹም! ነዙይ ምግባር ነቱይውን ዘይምኅዳግ ይግባእ።
[24] ኣቱም ትንንያ ማጺኹም እንትፍ እትብሉ ገመል ግና እትውሕጡ ዕዉራት መራሕቲ ወይለኹም!
[25] ኣቱም ግብዛት መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን! ንጽዋዕን ንጻሕልን ኣብ ውሽጡ ኸትርን ስሰዐን መሊኡ እንተሎ ላዕሊ ላዕሉ እትሓጽቡ ወይለኹም!
[26] ኣታ ዕዉር ፈሪሳዊ! እቲ ጽዋዕን ጻሕልን ላዕላዩ ጽሩይ ምእንቲ ክኸውን ኣቐዲምካ ነቲ ውሽጡ ሕጸቦ።
[27] ኣቱም ግብዛት መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን! ብወፃኢ ጽቡቕ ኮይኖም ዝርኣዩ ውሽጦም ግና ዝበስበሰ ኣዕፅምትን ርኹስ ነገርን ዝመልኡ ዝተለመጹ መቓብራት እትመስሉ ወይለኹም!
[28] ከምኡ ድማ ንስኻትኩም ብላዕሊ ንሰብ ጻድቃን መሲልኩም ትርአዩ፤ ውሽጥኹም ግና ግብዝናን ዓመፅን ዝመላእኹም ኢኹም።
[29] -
[30] ኣቱም ግብዛት መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን! ብዘመን ኣቦታትና ኔርና እንተ ንኸውንስ ኣብ ምፍሳስ ደም ነቢያት ኣይምተሳተፍናን› እናበልኩም መቓብር ነቢያት እትሃንጹ ሓወልቲ ጻድቃን እተጊጹ ወይለኹም!
[31] እምበኣርከስ ደቂ ቐተልቲ ነቢያት ምዃንኩም ባዕልኻትኩም ትምስክሩ ኣለኹም።
[32] ንስኻትኩምውን መስፈር ኣቦታትኩም ምልኡ።
[33] ኣቱም ኣትማን ውሉድ ኣፍዑ ት ከመይ ገይርኩምከ ካብ ፍርዲ ገሃነም ክተምልጡ?
[34] ስለዙይ እንሆ ነቢያትን ጠቢባንን መምህራን ሕግን እልእኸልኩም ኣለኹ፤ ንገሊኦም ክትቀትልዎምን ክትሰቕልዎምን፤ ንገሊኦም ከዓ ኣብ ቤተ ጸሎትኩም ክትገርፍዎምን ካብ ዓዲ ናብ ዓዲውን ክተሳጕጉዎምን ኢኹም።
[35] ካብ ደም እቲ ጻድቕ ኣቤል ጀሚሩ ኽሳዕ ደም እቲ ኣብ መንጎ ቤተ መቕደስን መሠውዕን ዝቐተልኩምዎ ደም ዘካርያስ ወዲ በራኽዩ ፍዳ እቲ ኣብ ምድሪ ዝፈሰሰ ደም ኲሎም ጻድቃን ኣባኻትኩም ክበጽሕ እዩ።
[36] ናይዝ ዂሉ ፍዳ ነዝ ትውልዲ እዙይ ከም ዝበጽሖ እማን እብለኩም ኣለኹ።
[37] ኢየሩሳሌም ኢየሩሳሌም! ኣቲ ንነቢያት እትቐትሊ! ነቶም ናባኺ ዝተልኣኹ ብእምኒ እትቕጥቅጢ! ደርሆ ንጪቓውታ ኣብ ትሕቲ ኣኽናፋ ኸም እትእክቦም ክንደይ ንደቅኺ ኽእክቦም ዘይደለኹ! ንስኻትኩም ግና ኣበኹም።
[38] እንሆ ገዛኹም ዝፈረሰን ዝዓነወን ክኸውን እዩ።
[39] ደጊም ብስም እግዚኣብሔር ዝመጽእ ቡሩኽ እዩ› ኽሳዕ እትብሉ ድኅሪ ሕዚ ኸም ዘይትርእዩኒ እማን እብለኩም ኣለኹ።