ወንጌል ማቴዎስ 24
[1] ኢየሱስ ካብ ቤተ መቕደስ ወፂኡ ክኸይድ እንተሎ ደቀ መዛሙርቱ ናብኡ ቐሪቦም ሕንጻ ቤተ መቕደስ ኣርአይዎ።
[2] ንሱ ድማ መሊሱ እዙይ ኲሉ ትርእይዎዶ ኣለኹም? ኣብዙይ እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ እንተይፈረሰ ኸም ዘይተርፍ እማን እብለኩም ኣለኹ በሎም።
[3] ኣብ ደብረ ዘይት ተቐሚጡ እንተሎ ደቀ መዛሙርቱ ንበይኖም ቅርብ ኢሎም እዙይ መኣዝ እዩ ዝኸውን? ናይ ምምጻእኻን ናይ ዓለም ፍጻሜን ምልክቱኸ እንታይ እዩ? እስኪ ንገረና ኢሎም ጠየቕዎ።
[4] ኢየሱስ ከዓ ኸምዙይ በሎም፦ ሓደ እኳ ከየስሕተኩም ተጠንቀቑ።
[5] ኣነ ክርስቶስ እየ!› እናበሉ ብዙኃት ብስመይ ክመጹ እዮም፤ ንብዙኃትውን ከስሕቱ እዮም።
[6] ውግእን ወረ ውግእን ክትሰምዑ ኢኹም፤ ኣስተውዕሉ ኣይትደንግጹ እዝ ዂሉ ብርግጽ ክኸውን እዩ፤ እንተኾነ መወዳእትኡ ሽዑ ኣይኮነን።
[7] ሕዝቢ ኣብ ልዕሊ ሕዝቢ መንግሥቲውን ኣብ ልዕሊ መንግሥቲ ኽለዓል እዩ፤ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታ ጥሜትን ምንቅጥቃጥ ምድርን ክኸውን እዩ።
[8] እዝ ዂሉ ቕልውላው ናይ መከራ መጀመርታ እዩ።
[9] በቲ እዋን እቱይ ንመከራ ኣኅሊፎም ክህቡኹምን ክቐትሉኹምን እዮም፤ ስለ ስመይ ከዓ ብዂሎም ኣሕዛብ ጽሉኣት ክትኮኑ ኢኹም።
[10] ሽዑ ብዙኃት እምነቶም ብምኽሓድ ንስንሳቶም ኣኅሊፎም ክወሃሃቡን ክጻልኡን እዮም።
[11] ብዙኃት ሓሰውቲ ነቢያት ክለዓሉ ንብዙኃትውን ከስሕትዎም እዮም።
[12] ብሰንኪ ብዝሒ ኽፍኣት ከዓ ካብ ብዙኃት ሰባት ፍቕሪ ኽትንኪ እያ።
[13] እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዝዕገሥ ግና ንሱ ኽድኅን እዩ።
[14] ንዂሎም ኣሕዛብ ምስክር ምእንቲ ክኸውን እዝ ወንጌል መንግሥቲ እዙይ ኣብ ምሉእ ዓለም ክስበኽ እዩ፤ ሽዑ መወዳእታ ክኸውን እዩ።
[15] እቲ ብነቢይ ዳንኤል ዝተነግረ ናይ ጥፍኣት ርኽሰት ኣብ ዘይግብኦ ቅዱስ ስፍራ ቖይሙ ምስ ረአኹም እቲ ዘንብብ የስተውዕል!
[16] እቶም ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ናብ እምባታት ይህደሙ።
[17] እቲ ኣብ ዝባን ናሕሲ ዝጸንሐ ኸዓ ኣብ ገዝኡ ንዘሎ ኽወስድ ኣይውረድ፤
[18] እቲ ኣብ ግራት ዝጸንሐ ድማ ኽዳኑ ኽወስድ ኢሉ ንድኅሪት ኣይመለስ።
[19] በተን መዓልትታት እቲአተን ንጥኑሳትን ንመጥበውቲ ሕፃናትን ወይለአን!
[20] ጕያኹም ብኽረምቲ ወይ ከዓ ብሰንበት ምእንቲ ኸይኸውን ጸልዩ!
[21] ሽዑ ኻብ መጀመርታ ዓለም ኂዙ ኽሳዕ ሎሚ ዘይኮነ ድኅሪ ሕዝውን ከቶ ዘይኸውን ብርቱዕ መከራ ክኸውን እዩ።
[22] እተን መዓልትታት እቲኣተን እንተዘየሓጽራስ ሥጋ ዝለበሰ ዂሉ ኣይምደኃነን ነይሩ፤ ግና እተን መዓልትታት እቲኣተን ምእንቲ እቶም ኅሩያት ክሓጽራ እየን።
[23] ሽዑ ዝኾነ ሰብ ክርስቶስ እንሆ ኣብዙይ ኣሎ!› ወይ ከዓ ኣብቱይ ኣሎ!› እንተ በለኩም ኣይትእመኑ።
[24] ሓሰውቲ ክርስቶሳትን ሓሰውቲ ነቢያትን ክለዓሉ እዮም፤ እንተ ተኽኢልዎምስ ነቶም ኅሩያት እንተይተረፈ እኳ ንምስሓት ዓብዪ ምልክታትን ዘደንቕ ነገራትን ከርእዩ እዮም።
[25] እንሆ ኣቐዲመ ነጊረኩም ኣለኹ፤
[26] እምበኣር እንሆ ኣብ ምድረ በዳ ኣሎ!› እንተ በሉኹም ናብኡ ኣይትኺዱ፤ እንሆ ኣብ ውሽጢ ገዛ ኣሎ!› እንተ በሉኹምውን ኣይትእመኑ።
[27] መብረቕ ካብ ምብራቕ ወፂኡ ኽሳዕ ምዕራብ ከም ዝርአ ምጽኣት ወዲ ሰብውን ከምኡ ክኸውን እዩ።
[28] ገምቢ ኣብ ዘለዎ ኣሞራታት ኣብኡ እዮም ዝእከቡ።
[29] ድኅሪ መከራ ናይተን መዓልትታት እቲኣተን ከዓ ሽዑ ንሽዑ ፀሓይ ክትጽልምት እያ፤ ወርኂውን ብርሃና ኣይትህብን እያ፤ ከዋኽብቲውን ካብ ሰማይ ክወድቁ እዮም፤ ኃይልታት ሰማያት ድማ ኽናወጹ እዮም።
[30] ሽዑ ኸዓ ምልክት ወዲ ሰብ ኣብ ሰማይ ክረአ እዩ፤ እንሆ ድማ ዂሎም ኣብ ዓለም ዘለዉ ኣሕዛብ ወዲ ሰብ ብኃይልን ብዓብዪ ኽብርን ብደመና ሰማይ እንትመጽእ ምስ ረአይዎ ኽበኽዩ እዮም።
[31] ንሱ ንመላእኽቱ ብብርቱዕ ድምፂ መለኸት ክልእኾም እዩ፤ ንሳቶም ድማ ንኅሩያቱ ካብ ሓደ ወሰን ሰማይ ክሳዕ እቲ ሓደ ወሰን ካብ ኣርባዕተ መዓዝን ክእክብዎም እዮም።
[32] ምስላኡ ኻብ ኦም በለስ ተምሃሩ፤ ጨንፈራ ምስ ለምለመ ቖጽላውን ምስ ጠጠዐ ሓጋይ ከም ዝቐረበ ትፈልጡ ኢኹም።
[33] ከምኡ ኸዓ ንስኻትኩም ነዝ ዂሉ ነገራት እዙይ ምስ ረአኹም ኣብ ኣፍ ደገ ኸም ዝቐረበ ፍለጡ።
[34] እዝ ነገራት እዙይ ኲሉ ኽሳዕ ዝፍጸም እዝ ትውልዲ እዙይ ከም ዘይኃልፍ እማን እብለኩም ኣለኹ።
[35] ሰማይን ምድርን ክኃልፍ እዩ፤ ቃለይ ግና ኣየኃልፍን።
[36] ነታ መዓልቲ እቲኣን ነታ ሰዓት እቲኣን ግና እንትርፊ ኣብ በይኑ ናይ ሰማይ መላእኽቲ ኾኑ ወይ ወልድ ሓደ እኳ ዝፈልጣ የለን።
[37] ከምቲ ብዘመን ኖኅ ዝኾነ ምጽኣት ወዲ ሰብ ከዓ ከምኡ ክኸውን እዩ።
[38] ከምቲ ቕድሚ ማይ ኣይኂ ዝነበረ ጊዜ ኽሳዕ እታ ኖኅ ናብ መርከብ ዝኣተወላ መዓልቲ ኽበልዑ ን ክሰትዩን ከውስቡን ክዋሰቡን ዝጸንሑ እሞ
[39] ማይ ኣይኂ መጺኡ ንዂሉ ኽሳዕ ዘጥፍእ ዘይፈለጡ ምጽኣት ወዲ ሰብ ከዓ ኸምኡ ክኸውን እዩ።
[40] ሽዑ ኽልተ ሰብ ኣብ ሓደ ግራት ክሠርሑ እዮም። እቲ ሓደ ኽውሰድ እቲ ሓደ ድማ ክኅደግ እዩ።
[41] ክልተ ኣንስቲ ኣብ ሓደ መጥሓን ክጥሕና እየን፤ እታ ሓንቲ ኽትውሰድ እታ ሓንቲ ድማ ክትኅደግ እያ።
[42] እምበኣርከስ ጐይታኹም በየነይቲ መዓልቲ ኸም ዝመጽእ ኣይትፈልጡን ኢኹም እሞ ንቕሑ።
[43] ግና እዙይ ደኣ ኣስተውዕሉ፤ በዓል ገዛ በየነይቲ ኽፍለ ጊዜ ናይ ለይቲ ሰራቒ ኸም ዝመጽእ እንተ ዝፈልጥስ ነቒሑ ምሓለወ ነይሩ፤ ገዝኡ ኽትኰዓት እንተላውን ሱቕ ኣይምበለን ነይሩ።
[44] እምበኣርከስ ንስኻትኩምውን ብዘይ ሓሰብኩምዋ ሰዓት ወዲ ሰብ ክመጽእ እዩ እሞ ተዳሊኹም ንበሩ።
[45] እቲ በብጊዜኡ ምግቦም ክህቦም ኢሉ ጐይትኡ ኣብ ልዕሊ ስድራ ቤቱ ዝሸሞ እሙንን ለባምን ኣገልጋሊ መን እዩ?
[46] እቲ ጐይትኡ ምስ መጸ ከምዙይ እናገበረ ዝረኽቦ ኣገልጋሊ ብፁዕ እዩ።
[47] ኣብ ልዕሊ ዂሉ ንብረቱ ኸም ዝሸሞ እማን እብለኩም ኣለኹ።
[48] እቲ ኽፉእ ኣገልጋሊ ግና ብልቡ ጐይታይ ክድንጕ እዩ ኢሉ
[49] ነቶም ብጾቱ ኣገልገልቲ ኽወቕዖም ይጅምር፤ ምስ ሰካራማት ድማ ይበልዕን ይሰትን።
[50] ጐይታ እቲ ኣገልጋሊ ብዘይ ተጸበያ መዓልትን ብዘይ ፈለጣ ሰዓትን መጺኡ፤ ብዘሰቅቕ ሞት ይቐጽዖ፤ ዕድሉ ኸዓ ምስ ግብዛት ይገብሮ፤ ኣብኡ ድማ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ይኸውን።