Skip to content
Opens in a new window
Listen to this chapter • 10:21

[1] ኢየሱስ እዝ ዂሉ ነገር ተናጊሩ ምስ ወድአ ንደቀ መዛሙርቱ

[2] ድኅሪ ኽልተ መዓልቲ ፋሲካ ኸም ዝኸውን ትፈልጡ ኢኹም፤ ንወዲ ሰብ ድማ ኽስቀል ኣኅሊፎም ክህብዎ እዮም በሎም።

[3] ሽዑ ሊቃነ ካህናትን መምህራን ሕግን ዓበይቲ ሕዝብን ኣብ ኣዳራሽ ቀያፋ ዝብሃል ሊቀ ካህናት ተኣከቡ።

[4] ንኢየሱስ ብተንኰል ኂዞም ክቐትልዎ ድማ ተማኸሩ።

[5] እንተኾነ ኣብ ማእኸል ሕዝቢ ሁከት ምእንቲ ኸይለዓል ብበዓል ኣይኹን በሉ።

[6] ኢየሱስ ኣብ ቢታንያ ኣብ ቤት ስምዖን እቲ ለምጻም እንተሎ

[7] ሓንቲ ሰበይቲ ብዙኅ ዝዋግኡ ሽቱ ዝመልአ ብኣልባስጥሮስ ዝተሠርሐ ብልቃጥ ኂዛ ናብኡ መጸት፤ ኣብ ማእዲ ተቐሚጡ እንተሎ ድማ ኣብ ርእሱ ኣፍሰሰቶ።

[8] -

[9] ደቀ መዛሙርቱ ግና ነዙይ ርእዮም ተቖጥዑ እሞ እዛ ሰበይቲ ኽንድዙይ ዝኣክል ሽቱ ንምንታይ ኣጥፍአት? ብብዙኅ ዋጋ ተሸይጡዶ ንድኻታት ግዳ ኣይምተውሃበን ነይሩ? በሉ።

[10] ኢየሱስ ግና ነዙይ ፈሊጡ እዛ ሰበይቲ ጽቡቕ እያ ዝገበረትለይ፤ ስለምንታይ ተጕህይዋ ኣለኹም?

[11] ድኻታትስ ኲልሻዕ ምሳኻትኩም ኣለዉ፤ ኣነ ግና ዂሉ ጊዜ ምሳኻትኩም የለኹን።

[12] እዝ ኣብ ርእሰይ ዘፍሰሰቶ ኽቡር ሽቱ ግና ንቐብረይ ኢላ እያ ዝገበረቶ።

[13] እዝ ወንጌል እዙይ ኣብ ዝስበኸሉ ዂሉ ዓለም እዛ ሰበይቲ እዚኣ ዝገበረቶ ንመዘከሪኣ ኸም ዝንገር እማን እብለኩም ኣለኹ በሎም።

[14] ሽዑ እቲ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ዝተብሃለ ሓደ ኻብቶም ዓሠርተ ኽልተ ናብ ሊቃነ ካህናት ከይዱ

[15] ኣነ ንኢየሱስ ኣኅሊፈ ኽህበኩምስ እንታይ ትህቡኒ? በሎም። ንሳቶም ኸዓ ሠላሳ ቕርሺ ሃብዎ።

[16] ካብታ ዕለት እቲኣ ጀሚሩ ኣኅሊፉ ኽህቦ ምችው ጊዜ ይደሊ ነበረ።

[17] በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ በዓል ፋሲካ ደቀ መዛሙርቱ ናብ ኢየሱስ ቀሪቦም ድራር ፋሲካ ኽትበልዕስ ኣበይ ክነዳልወልካ ትደሊ? በልዎ።

[18] ንሱ ድማ ናብ ከተማ ኸይድኩም ንገለ ሰብ መምህር! ጊዜይ ቀሪቡ እዩ እሞ ምስ ደቀ መዛሙርተይ ኣብ ገዛኻ ፋሲካ ኸብዕል እየ ይብል ኣሎ በልዎ› በሎም።

[19] እቶም ደቀ መዛሙርቱ ድማ ከምቲ ኢየሱስ ዝኣዘዞም ገበሩ፤ ድራር ፋሲካውን ኣዳለዉ።

[20] ምስ መሰየ ምስቶም ዓሠርተ ኽልተ ደቀ መዛሙርቱ ኣብ ማእዲ ተቐመጠ።

[21] እናበልዑ እንተለዉ ኸዓ ካባኻትኩም ሓደ ኣኅሊፉ ኸም ዝህበኒ እማን እብለኩም ኣለኹ፤ በሎም።

[22] ንሳቶም ከዓ ብዙኅ ጐሃዩ፤ ነፍስ ወከፍውን ጐይታይ! ኣነ ደኾን እኸውን? ክብልዎ ጀመሩ።

[23] ኢየሱስ መሊሱ እቲ ኢዱ ኣብ ጻሕሊ ምሳይ ዝጸብሕ ንሱ እዩ ኣኅሊፉ ዝህበኒ።

[24] ወዲ ሰብ ከምቲ ብዛዕባኡ ዝተጽሓፈ ኽመውት እዩ፤ ነቲ ንወዲ ሰብ ኣኅሊፉ ዝህቦ ሰብ ግና ወይልኡ! እቲ ሰብ እቱይ ከም ዘይተወልደ ምሐሾ ነይሩ።

[25] እቲ ዘትኅዞ ይሁዳ ድማ መምህር! ኣነ ደኾን እየ? ኢሉ ጠየቖ፤ ኢየሱስ ከዓ ባዕልኻ እኳ ትብል ኣለኻ በሎ።

[26] እናበልዑ እንተለዉ ኢየሱስ ኅብስቲ ኣልዓለ፤ ኣመስጊኑ ድማ ቖሪሱ ነቶም ደቀ መዛሙርቱ እዙይ ሥጋይ እዩ፤ እንኩ ብልዑ ኢሉ ሃቦም።

[27] -

[28] ከምኡውን ጽዋዕ ኣልዒሉ ኣመስጊኑ እዙይ ምእንቲ ብዙኃት ንኅድገት ኃጢኣት ዝፈስስ ናይ ሓድሽ ኪዳን ደመይ እዩ እሞ ካብዙይ ኲልኻትኩም ስተዩ ኢሉ ሃቦም።

[29] ድኅሪ ሕዚ ኽሳዕ እታ መዓልቲ እቲኣ ኣብታ መንግሥቲ ኣቦይ ምሳኻትኩም ከም ብሓድሽ ክሳዕ ዝሰትዮ ካብዝ ፍረ ወይኒ እዙይ ከቶ ኸም ዘይሰቲ እብለኩም ኣለኹ፤ ድማ በሎም።

[30] ናይ ምስጋና መዝሙር ምስ ዘመሩ ናብ ደብረ ዘይት ደየቡ።

[31] ሽዑ ኢየሱስ ነቲ ጓሳ ኽቐትሎ እየ፤ እተን መጓሰ ኣባጊዕ ድማ ፋሕ ክብላ እየን፤› ዝብል ተጽሒፉ ኣሎ እሞ በዛ ለይቲ እዚኣ ዂልኻትኩም ክትክሕዱኒ ኢኹም።

[32] ምስ ተሣእኩ ግና ናብ ገሊላ ኽቕድመኩም እየ በሎም።

[33] ጴጥሮስ ከዓ ኲላቶም እኳ እንተኸሓዱኻ ኣነስ ፈጺመ ኣይክሕደካን! ኢሉ መለሰሉ።

[34] ኢየሱስ ከዓ በዛ ለይቲ እዚኣ ደርሆ እንተይነቀወ ሠለስተ ሻዕ ከም እትኽሕደኒ እማን እብለካ ኣለኹ በሎ።

[35] ጴጥሮስ ግና ምሳኻ ደኣ እመውት እምበር ከቶ ኣይክሕደካን እየ! በሎ። እቶም ካልኦት ደቀ መዛሙርትውን ኲላቶም ከምኡ በሉ።

[36] ድኅርዙይ ኢየሱስ ምስኣቶም ጌቴሴማኒ ናብ እትብሃል ቦታ ኸደ፤ ንደቀ መዛሙርቱ ድማ ናብቱይ ከይደ ኽሳዕ ዝጽሊ ኣብዙይ ጽንሑ! በሎም።

[37] ንጴጥሮስን ንኽልቲኦም ደቂ ዘብዴዎስን ምስኡ ተማሊኡ ክትክዝን ክኃዝንን ጀመረ።

[38] ሽዑ ነፍሰይ ብኃዘን ክሳዕ ሞት በጺሓ ኣላሞ ኣብዙይ ጽንሑ፤ ምሳይውን ንቕሑ፤ በሎም።

[39] ቁሩብ ርኅቅ ኢሉ ብገጹ ተደፊኡ ጸለየ፤ ኦ ኣቦይ! እዙይ ዝከኣል እንተ ኾይኑስ እዛ ጽዋዕ እዚኣ ኻባይ ትኅለፍ! ግና ከም ፍቓደይ ዘይኮነስ ከም ፍቓድካ ይኹን በለ።

[40] ናብ ደቀ መዛሙርቱ ምስ ተመለሰ ኸዓ ደቂሶም ረኸቦም እሞ ንጴጥሮስ ድማ ክሳዕ ኽንድዙይዶ ሓንቲ ሰዓት እኳ ምሳይ ምንቃሕ ኣይትኽእሉን?

[41] እምበኣር ናብ ፈተና ኸይትኣትዉስ ንቕሑን ጸልዩን፤ መንፈስ ድልዊ እዩ፤ ሥጋ ግና ድኹም እዩ በሎም።

[42] ካልኣይ ጊዜ ኸይዱ ኸዓ ኦ ኣቦይ! እዛ ጽዋዕ እዚኣ እንተይሰተኽዋ ኽትኃልፍ ዘይከኣል እንተ ኾይኑስ ፍቓድካ ይኹን! እናበለ ደጊሙ ጸለየ።

[43] እንደገና ናብ ደቀ መዛሙርቱ ተመሊሱ ኸዓ ኣዒንቶም ባዕዚዘን ስለ ዝነበራ ደቂሶም ረኸቦም።

[44] ኃዲግዎም ከይዱውን ከምቲ ቕድም ኢልዎ ዝነበረ ቓል ንሣልሳይ ጊዜ ጸለየ።

[45] ሽዑ ናብቶም ደቀ መዛሙርቱ ተመሊሱ ሕዚውን ገና ደቂስኩምን ዓሪፍኩምንዶ ኣለኹም? እምበኣር ወዲ ሰብ ናብ ኢድ ኃጥኣን ኣኅሊፎም ዝህቡሉ ሰዓት በጺሑ እዩ።

[46] ተሥኡ ንኺድ! እቲ ኣኅሊፉ ዝህበንውን እንሆ ቐሪቡ ኣሎ! በሎም።

[47] ገና እዙይ ክዛረብ እንተሎ እንሆ ይሁዳ ሓደ ኻብቶም ዓሠርተ ኽልተ መጸ፤ ምስኡ ድማ ብሊቃነ ካህናትን ሽማግለታት ሕዝብን ዝተልኣኹ ሰይፍታትን ኣብትርትን ዝኃዙ ብዙኃት ሰባት መጹ።

[48] እቲ ኣኅሊፉ ዝህቦ ኸዓ እቲ ኣነ ዝስዕሞ ንሱ እዩ እሞ ኃዝዎ! ኢሉ ምልክት ሂብዎም ነበረ።

[49] ሽዑ ናብ ኢየሱስ ቀሪቡ ሰላም መምህር! ኢሉ ሰዓሞ።

[50] ኢየሱስ ከዓ ዓርከይ! ዘምጽአካ ግበር! በሎ ሽዑ ቐሪቦም ንኢየሱስ ኃዝዎ።

[51] እንሆ ኻብቶም ምስ ኢየሱስ ዝነበሩ ሓደ ሰይፉ መዚዙ ነቲ ኣገልጋሊ ሊቀ ካህናት ወቕዖ፤ እዝኑውን ቖረጾ።

[52] ሽዑ ኢየሱስ ሰይፊ ዘልዕሉ ዂሎም ብሰይፊ እዮም ዝጠፍኡ እሞ ሰይፍኻ ናብ ሰፈሩ ምለሶ።

[53] ኣነ ነቦይ ክልምኖ ዘይከኣለኒ ንሱ ኸዓ ኻብ ዓሠርተ ኽልተ ሠራዊት ዝበዝኁ መላእኽቲ ብቕጽበት ክሰደለይ ዘይኽእልዶ ይመስለካ?

[54] እቶም ከምዙይ ክኸውን ኣለዎ› ዝብሉ መጻሕፍቲ ደኣ ከመይ ኢሎም ክፍጸሙ እዮም? በሎ።

[55] በታ ሰዓት እቲኣ ኢየሱስ ነቶም ሕዝቢ ከም ንሰራቒዶ ብኣስይፍትን ብኣብትርትን ክትኅዙኒ መጺእኹም? ዕለት ዕለት ኣብ ቤተ መቅደስ ተቐሚጠ እምህር ነይረ፤ ግና ሽዑ ኣይኃዝኩምንን።

[56] እዝ ዂሉ ዝኾነ ግና መጻሕፍቲ ነቢያት ምእንቲ ኽፍጸሙ እዩ በሎም። ሽዑ ደቀ መዛሙርቱ ዂሎም ኃዲጎምዎ ሃደሙ።

[57] እቶም ንኢየሱስ ዝኃዝዎ ኸዓ ናብቲ መምህራን ሕግን ሽማግለታትን ተኣኪቦምሉ ዝነበሩ ናብ እንዳ ቀያፋ ሊቀ ካህናት ወሰድዎ።

[58] ጴጥሮስ ግና ኽሳዕ እቲ ቕጽሪ ገዛ ሊቀ ካህናት ብርሑቕ ሰዓቦ፤ ናይቲ ነገር መወዳእታ ምእንቲ ኽርኢውን ናብ ውሽጢ ኣትዩ ምስቶም ሓሻኽር ተቐመጠ።

[59] ሊቃነ ካህናትን እቲ ባይቶን ከዓ ንኢየሱስ ምእንቲ ኽቐትልዎ ሓሰውቲ መሰኻኽር ደለዩ፤

[60] እንተኾነ ኣይረኸቡን፤ ብዙኃት ሓሰውቲ መሰኻኽር እኳ እንተ ቐረቡ ሓንቲ በደል ኣይረኸቡሉን።

[61] ደኃር ግና ኽልተ ቐሪቦም እዝ ሰብ እዙይ ንቤተ መቕደስ ኣፍሪሰ ብሠለስተ መዓልቲ ኽሓንጾ እኽእል እየ› ኢሉ ተዛሪቡ እዩ በሉ።

[62] እቲ ሊቀ ካህናት ከዓ ተሢኡ ነዝ ኣብ ልዕሌኻ ዝምስክርዎ ዘለዉስ ሓንቲ እኳዶ ኣይትምልሰሉን? በሎ።

[63] ኢየሱስ ግና ኣይመለሰሉን። እቲ ሊቀ ካህናት ከዓ ንስኻ እቲ ክርስቶስ ወዲ እግዚኣብሔር እንተ ዄንካስ ክትነግረና በቲ ሕያው እግዚኣብሔር ኣማኅጽነካ ኣለኹ! በሎ።

[64] ኢየሱስ ከዓ ንስኻ እኳ ትብል ኣለኻ፤ ድኅሪ ሕዚ ግና ወዲ ሰብ ኣብ የማን ኃይሊ እግዚኣብሔር ተቐሚጡ ብደመና ሰማይ ክመጽእ እንተሎ ኽትርእይዎ ኢኹም እብለኩም ኣለኹ በሎ።

[65] -

[66] ሽዑ እቲ ሊቀ ካህናት ክዳኑ ቐዲዱ እንሆ ንእግዚኣብሔር ይጻረፍ ኣሎ፤ ጸርፉውን ሰሚዕኹም ኣለኹም፤ እንታይ ምስክር የድልየና እንታይከ ትብሉ? በለ። ንሳቶም ከዓ ሞት ይግብኦ! ኢሎም መለሱሉ።

[67] ሽዑ ኣብ ገጹ እንትፍ በሉሉ፤ ገሊኦም ድማ ወቕዕዎ።

[68] ኦ መሢሕ! መን እዩ ዝወቕዐካ? እስኪ ተነበየልና? እናበሉ ኸዓ ይጸፍዕዎ ነበሩ።

[69] ጴጥሮስ ኣብ ውሽጢ መረባ ተቐሚጡ እንተሎ ሓንቲ ገረድ መጺኣ ንስኻውን ምስቲ ኢየሱስ ገሊላዊ ኔርካ ኢኻ! በለቶ።

[70] ንሱ ኸዓ እዝ እትብልዮ ዘለኺ ኣይፈልጦን እየ! እናበለ ኣብ ቅድሚ ዂሎም ከሓደ።

[71] ናብቲ ኣፍደገ ምስ ወፀ ኸዓ ሓንቲ ኻልእ ገረድ ረአየቶ፤ ኣብኡ ንዝነበሩ ድማ እዙይ ምስ ናይ ናዝሬት ኢየሱስ ነይሩ እዩ! በለቶም።

[72] ንሱ ኸዓ ነዝ ሰብ እዙይ ኣይፈልጦን እየ! ኢሉ ንኻልኣይ ጊዜ ኸሓደ፤ መሓለውን።

[73] ድኅሪ ቑሩብ ጊዜ ድማ እቶም ደው ኢሎም ዝነበሩ ንጴጥሮስ ንስኻ እማን ኻብኣቶም ኢኻ፤ ዘረባኻ የፍልጠካ ኣሎ በልዎ።

[74] ሽዑ ንሱ ነቲ ሰብ እቱይ ኣይፈልጦን እየ! ኢሉ ኽምሕልን ንባዕሉ ኽረግምን ጀመረ። ሽዑ ንሽዑ ኸዓ ደርሆ ነቀወ።

[75] ጴጥሮስ ድማ ነቲ ኢየሱስ ደርሆ እንተይነቀወ ሠለስተ ሻዕ ኽትክሕደኒ ኢኻ ዝበሎ ቓል ዘከረ። ናብ ደገ ወጺኡ ድማ ኣምሪሩ በኸየ።

ወንጌል ማቴዎስ — Chapters