ወንጌል ማቴዎስ 19
[1] ኢየሱስ ነዝ ነገር እዙይ ምስ ፈጸመ ካብ ገሊላ ናብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ናብ ዘሎ ምድሪ ይሁዳ በጽሐ።
[2] ብዙኃት ሕዝቢ ድማ ተኸተልዎ፤ ኣብኡ ኸዓ ነቶም ዝሓመሙ ኣሕወዮም።
[3] ፈሪሳውያን ድማ ሰብኣይ ንሰበይቱ ብዝኾነ ምኽንያት ክፈትሓዶ ይግባእ እዩ? እናበሉ ኽፍትንዎ ናብኡ መጹ።
[4] -
[5] መሊሱ ድማ እቲ ኻብ መጀመርታ ዝፈጠረ እግዚኣብሔር ሰብኣይን ሰበይትን ገይሩ ኸም ዝፈጠሮም› ስለዙይ ድማ ሰብኣይ ኣቦኡን እኖኡን ኃዲጉ ምስ ሰበይቱ ይወሃድ፤ ክልቲኦም ድማ ሓደ ኣካል ይኾኑ ዝብልዶ ኣብ ኦሪት ኣየንበብኩምን ኢኹም?›
[6] ስለዙይ እዚኣቶም ሓደ ኣካል እዮም እምበር ክልተ ኣይኮኑን። እምበኣር ነቲ እግዚኣብሔር ሓደ ዝገበሮ ሰብ ኣይፍለዮ በሎም።
[7] ንሳቶም ከዓ ስለምንታይ ደኣ ሙሴ መፍትሒኣ ጽሑፍ ሂቡ ኽፈትሓ ዝኣዘዘ? በልዎ።
[8] ኢየሱስ ድማ ሙሴስ ብሰንኪ ትረት ልብኹም ኣንስትኹም ክትፈትሑ ፈቐደልኩም እምበር ካብ መጀመርታስ ከምኡ ኣይነበረን።
[9] ኣነ ግና እቲ ንሰበይቱ ብዘይ ምኽንያት ዝሙት ዝፈትሓ ካልእውን ዘእቱ ይዝሙ፤ ፍትሕቲ ዘእቱውን ይዝሙ› እብለኩም ኣለኹ በሎም።
[10] እቶም ደቀ መዛሙርቱ ኸዓ ሥርዓት ሰብኣይን ሰበይትን ከምዙይ እንተ ደኣ ኾይኑስ ዘይምውሳብ ይሐሽ በልዎ።
[11] ኢየሱስ ድማ እዝ ነገር እዙይ ነቶም ዝተውሃቦም እንተ ዘይኮይኑ ኲሉ ዝኽእሎ ኣይኮነን።
[12] ካብ ከርሢ እኖኦም ህጽዋን ኮይኖም ዝተወለዱ ኣለዉ፤ ሰባት ህጽዋን ዝገበርዎምውን ኣለዉ፤ ምእንቲ መንግሥተ ሰማያት ኢሎም ንባዕልቶም ከም ህጽዋን ዝገበሩውን ኣለዉ፤ ነዝ ትምህርትዙይ ክቕበሎ ዝኽእል ይቀበሎ በሎም።
[13] ሽዑ ኢዱ ኣንቢሩ ኽጽልየሎም ንሕፃናት ናብኡ ኣምጽኡሉ፤ እቶም ደቀ መዛሙርቱ ድማ ነቶም ዘምጽእዎም ገሰጽዎም።
[14] ኢየሱስ ግና መንግሥተ ሰማያት ንኸምዚኣቶም ዝበሉ እያ እሞ ንሕፃናት ኅደግዎም፤ ናባይ ይምጽኡ፤ ኣይትኽልእዎም በሎም።
[15] ኢዱ ምሰንበረሎም ድማ ኻብኡ ኸደ።
[16] እንሆ ሓደ ሰብኣይ ናብኡ መጺኡ መምህር! ናይ ዘለዓለም ሕይወት ክወርስስ እንታይ ሠናይ ግብሪ ኽገብር? በሎ።
[17] ኢየሱስ ከዓ ንምንታይ ብዛዕባ ሠናይ ትጥይቐኒ? እቲ ሠናይስ ሓደ እዩ። ናብ ሕይወት ክትኣቱ እንተደሊኻስ ትእዛዛቱ ሓሉ!› በሎ።
[18] ንሱ ድማ ኣየንአን እየን? በሎ። ኢየሱስ ከዓ ኣይትቕተል፤ ኣይትዘሙ፤ ኣይትስረቅ፤ ብሓሰት ኣይትመስክር፤
[19] ኣቦኻን እኖኻን ኣኽብር፤ ብጻይካውን ከም ነፍስኻ ኣፍቅር፤ በሎ።
[20] እቲ ሰብኣይ ድማ ዝተረፈኒ ደኣ እንተልዩ እምበር ነዙይ ኲሉስ ካብ ንእስነተይ ጀሚረ ሓልየዮ ኣለኹ በሎ።
[21] ኢየሱስ ከዓ ኸምዙይ በሎ፦ እምበኣር ፍጹም ክትከውን እንተ ደሊኻስ ኪድ ዘለካ ዂሉ ሃብቲ ሼጥካ ንድኻታት ሃብ፤ ኣብ ሰማይ ሃብቲ ኽትረክብ ኢኻ እሞ ነዓ ሰዓበኒ! በሎ።
[22] እቲ ሰብኣይ ድማ ብዙኅ ሃብቲ ስለ ዝነበሮ ነዝ ቓልዙይ ምስ ሰምዐ እናጐሃየ ኸደ።
[23] ኢየሱስ ከዓ ንደቀ መዛሙርቱ ሃብታም ናብ መንግሥተ ሰማያት ክኣቱ ጭንቂ ኸም ዝኾነ እማን እብለኩም ኣለኹ።
[24] ደጊመ ሃብታም ናብ መንግሥቲ እግዚኣብሔር ካብ ዝኣቱስ ግመል ብዓይኒ መርፍእ ክኃልፍ ይቐልል እብለኩም ኣለኹ።
[25] ደቀ መዛሙርቱ ድማ ነዙይ ሰሚዖም መን ደኣ ኾን ክድኅን ይኽእል? እናበሉ የመና ተገረሙ።
[26] ኢየሱስ ድማ ጠመቶም እሞ እዙይ ብሰብ ኣይከኣልን እዩ፤ ብእግዚኣብሔር ግና ዂሉ ይከኣል እዩ በሎም።
[27] ሽዑ ጴጥሮስ መሊሱ እንሆ ንሕና ዂሉ ኃዲግና ተኸቲልናካ ኣለና፤ እንታይ ክንረክብ ኢና? በሎ።
[28] ኢየሱስ ድማ ኣቱም ዝተኸተልኩምኒ ዂሉ ኣብ ዝሕደሰሉ ጊዜ ወዲ ሰብ ኣብ ዙፋን ክብሩ ዝቕመጠላ እዋን ንስኻትኩም ድማ ኣብ ዓሠርተ ኽልተ ዙፋናት ተቐሚጥኩም ንዓሠርተ ኽልተ ነገደ እስራኤል ከም እትፈርዱ እማን እብለኩም ኣለኹ።
[29] ስለ ስመይ ኢሉ ኣባይቲ ኣኅዋት ኣኃት ኣቦ እኖ ሰበይቲ ውሉድ ገራሁ ዝኃደገ ዂሉ ሚእቲ ዕጽፊ ኽረክብ እዩ፤ ናይ ዘለዓለም ሕይወትውን ክወርስ እዩ።
[30] ብዙኃት ቀዳሞት ዳኅረዎት ክኾኑ እዮም፤ ዳኅረዎት ድማ ቀዳሞት ክኾኑ እዮም በሎም።