Skip to content
Opens in a new window
Listen to this chapter • 8:09

[1] በታ መዓልቲ እቲኣ ኢየሱስ ካብ ገዛ ወፂኡ ኣብ ገምገም ባሕሪ ተቐመጠ።

[2] ናብ ጃልባ ኣትዩ ኽሳዕ ዝቕመጥ ብዙኅ ሕዝቢ ናብኡ ተኣከበ፤ ኲሉ ሕዝቢ ድማ ኣብ ገምገም ባሕሪ ደው ኢሉ ነበረ።

[3] ብምስላ ድማ ኸምዙይ እናበለ ብዙኅ ነገሮም እንሆ ዘራኢ ኽዘርእ ወፈረ፤

[4] ክዘርእ እንተሎ ገሊኡ ኣብ ወሰን መንገዲ ዝወደቐ ነበረ፤ ኣዕዋፍ መጺኦም ድማ በልዕዎ።

[5] ገሊኡውን ብዙኅ ሓመድ ኣብ ዘይብሉ ዂሒ ወደቐ፤ ዕምቖት መሬት ስለ ዘይብሉ ድማ ቐልጢፉ በቖለ።

[6] ፀሓይ ምስ በረቐት ጸምለወ፤ ሡር ስለ ዘይነበሮ ድማ ሓረረ።

[7] ገሊኡ ድማ ኣብ ማእኸል ዕሾዂ ወደቐ፤ እቲ ዕሾኲ ዓብዩ ሓኒ።

[8] ገሊኡ ግና ኣብ ጽቡቕ መሬት ወደቐ፤ ገሊኡ ሚእቲ ገሊኡ ስሳ ገሊኡ ሠላሳ ድማ ፈረየ።

[9] ዝሰምዕ እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ።

[10] ደቀ መዛሙርቱ ቐሪቦም ስለምንታይ ኢኻ ብምስላ እትዛረቦም ዘለኻ? በልዎ።

[11] ኢየሱስ ከዓ መሊሱ ኸምዙይ በሎም፦ ምፍላጥ ምሥጢር መንግሥተ ሰማያት ንኣኻትኩም ተውሂቡ ኣሎ፤ ንኣኣቶም ግና ኣይተውሃቦምን።

[12] ንዘለዎ ይወሃቦ ይበዝኀሉውን፤ ንዘይብሉ ግና እታ ዘላቶ እኳ የኅድግዎ።

[13] እናረአዩ ኣይርእዩን፤ እናሰምዑ ውን ኣይሰምዑ ን፤ ወይ ኣየስተውዕሉን እዮም እሞ ስለዙይ እየ ብምስላ ዝዛረቦም ዘለኹ።

[14] -

[15] በእዛኖም ከይሰምዑ ኣእዛኖም ኣጽመሙ፤ በዒንቶም ከይርእዩ ኣዒንቶም ዓመቱ፤ ብልቦም ከየስተውዕሉ ከይምለሱ ኣነውን ከየሕውዮምስ ልቢ እዝ ሕዝቢ እዙይ ተሪሩ እዩ እሞ ምስማዕስ ትሰምዑ ኢኹም ግና ኣይተስተውዕሉን፤ ምርኣይውን ትርእዩ ኢኹም ግና ኣይተስተብህሉን፤› ዝብል ትንቢት ኢሳይያስ ኣብኣቶም ምእንቲ ኽፍጸም እዩ።

[16] ንስኻትኩም ግና ኣዒንትኹም ይርእያ ኣእዛንኩምውን ይሰምዓ ኣለዋ እሞ ብፁዓን ኢኹም።

[17] ብዙኃት ነቢያትን ጻድቃንን ነዝ ንስኻትኩም እትርእይዎ ዘለኹም ክርእይዎ ተመንዮም ከም ዘይረአይዎ ነዝ ንስኻትኩም እትሰምዕዎ ዘለኹም ክሰምዑ ዎ ተመንዮም ከም ዘይሰምዑ ዎ እማን እብለኩም ኣለኹ።

[18] እምበኣር ንስኻትኩም ናይቲ ዘራኢ ምስላ ስምዑ ።

[19] ቃል መንግሥተ ሰማያት ሰሚዑ ዘየስተውዕሎ ዂሉ እቲ እኩይ መጺኡ ነቲ ኣብ ልቡ ዝተዘርአ ቓል ይምንጥሎ፤ ስለዙይ እቲ ኣብ ወሰን መንገዲ ዝተዘርአ እዙይ እዩ።

[20] እቲ ኣብ ኰዂሒ ዝተዘርአ ግና ነቲ ቃል ሰሚዑ ሽዑ ብሓጐስ ዝቕበሎ ሰብ እዩ።

[21] እንተኾነ ሡር ስለ ዘይብሉ ንጊዜኡ እዩ እምበር ስለቲ ቓል ስደት ወይ መከራ ምስ ኮነ ሽዑ ንሽዑ ይኽሕድ።

[22] እቲ ኣብ እሾኽ ዝተዘርአ ኸዓ ነዝ ቓል ዝሰምዖ እዩ። ሓልዮት እዛ ዓለምዚኣን ሓሳብን ምትላል ሃብትን ድማ ነቲ ቓል የሓንቆ፤ እንተይፈረየውን ይተርፍ።

[23] እቲ ኣብ ጽቡቕ መሬት ዝተዘርአ ግና እቲ ነዝ ቓል ሰሚዑ ዘስተውዕል እዩ፤ ንሱውን ፍረ ይፈሪ፤ ገሊኡ ሚእቲ ገሊኡ ስሳ ገሊኡውን ሠላሳ ይህብ እዩ።

[24] ካልእ ምስላ ድማ ኸምዙይ ኢሉ ነገሮም፦ መንግሥተ ሰማያት ኣብ ግራቱ ጽቡቕ ዘርኢ ዝዘርአ ሰብ እያ እትመስል።

[25] እቶም ቤተሰቡ ደቂሶም እንተለዉ ጸላኢኡ መጺኡ ኣብቲ ማእኸል ሥርናይ ክርዳድ ዘሪኡ ኸደ።

[26] እቲ በቝሉ ዓብዩ ምስ ፈረየ ሽዑ እቲ ኽርዳድ ተርኣየ።

[27] ኣገልገልቲ ነቲ በዓል ግራት መጺኦም ጐይታይ! ኣብ ግራትካ ጽሩይ ዘርኢዶ ዘሪእኻ ኣይነበርካን? እዝ ኽርዳድ ደኣ ካበይ መጸ?› በልዎ።

[28] ነዙይስ ጸላኢ እዩ ዝገበሮ› በሎም፤ እቶም ኣገልገልቱ ግና እምበኣር ኬድና ኽንጻህዮዶ ትደሊ ኢኻ?› በልዎ።

[29] ንሱ ድማ ክርዳድ ክትጽህዩ እንተለኹም ምስኡ ሥርናይ ከይትብቝሱስ

[30] ክሳዕ ቀውዒ ብሓደ ይዕበዩ ኅደግዎም፤ ብእዋን ቀውዒ ነቶም ዓጻዶ ቅድም ነቲ ኽርዳድ መሓውዎ፤ ክነድድ ድማ በብእንዳእቲ እሰርዎ፤ ነቲ ሥርናይ ግና ኣብ ቆፎይ ኣእትውዎ› ኽብሎም እየ በሎም።

[31] ካልእ ምስላ ድማ ኸምዙይ ኢሉ መሰለሎም፦ መንግሥተ ሰማያት ሰብ ወሲዱ ኣብ ግራቱ ዝዘርኣ ፍረ ኣድሪ እያ እትመስል።

[32] ንሳ ድማ ኻብ ኲሉ ኣዝርእቲ ትንእስ ምስ በቖለት ግና ኣዕዋፍ ሰማይ መጺአን ኣብ ጨናፍራ ኽሳዕ ዘዕርፋ ካብ ኲሉ ተኽሊ ኣሕምልቲ ዝዓበየት ኦም ትኸውን።

[33] ካልእ ምስላውን ነገሮም መንግሥተ ሰማያት ሰበይቲ ወሲዳ ኲሉ ኽሳዕ ዝበኲዕ ኣብ ሠለስተ መስፈር ሕሩጭ ዝለወሰትሉ ማይ ብሒቝ ትመስል።

[34] -

[35] ኢየሱስ እቲ ብነቢይ ኣፈይ ብምስላ እኸፍት፤ እቲ ዓለም ካብ ዝፍጠር ተሠዊሩ ዝነበረውን እነግር ዝተብሃለ ምእንቲ ኽፍጸም ነቶም ሕዝቢ እዝ ዂሉ ብምስላ ተዛረቦም እምበር ብዘይ ምስላስ ሓንቲ እኳ ኣይተዛረቦምን።

[36] ድኅርዙይ ነቶም ሕዝቢ ኣፋንዩ ናብ ገዛ ኣተወ፤ ደቀ መዛሙርቱ ናብኡ ቐሪቦም ድማ ምስላ ናይቲ ኽርዳድን ሥርናይን ግራትን ተርጕመልና በልዎ።

[37] ንሱ ድማ ኸምዙይ ኢሉ መለሰሎም፦ እቲ ጽሩይ ዘርኢ ዝዘርእ ወዲ ሰብ እዩ፤

[38] እታ ግራት ዓለም እያ፤ ጽሩይ ዘርኢ ድማ ደቂ መንግሥቲ እዮም፤ እቲ ኽርዳድ ግና ደቂ እቲ እኩይ እዮም።

[39] እቲ ዝዘርኦም ጸላኢ ኸዓ ዲያብሎስ እዩ፤ ቀውዒ ድማ መወዳእታ ዓለም እዩ፤ እቶም ዓጻዶውን መላእኽቲ እዮም።

[40] እምበኣር ነቲ ኽርዳድ ኣኪቦም ብሓዊ ኸም ዘቃጽልዎ ኣብ መወዳእታ ዓለም ከዓ ኸምኡ ክኸውን እዩ።

[41] ወዲ ሰብ ንመላእኽቱ ኽልእኾም እዩ፤ ንሳቶም ከዓ ነቶም ናይ ኃጢኣት ምኽንያት ንዝኾኑን ገበርቲ ኽፉእን ኲሎም ካብ መንግሥቱ ኽኣርይዎም እዮም።

[42] ናብ እቶን ሓዊ ድማ ኽድርብይዎም እዮም፤ ኣብኡ ድማ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ክኸውን እዩ።

[43] ሽዑ ጻድቃን ኣብ መንግሥቲ ሰማያዊ ኣቦኦም ከም ፀሓይ ክበርሁ እዮም፤ ዝሰምዕ እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ።

[44] መንግሥተ ሰማያት ኣብ ግራት ዝተኃብአ ሃብቲ እሞ ሓደ ሰብ ምስ ረኸቦ ዝኃብኦ ካብ ታሕጓሱ ዝተልዓለ ኸዓ ኸይዱ ዘለዎ ዂሉ ሸይጡ ነታ ግራት ዝዕድግ ትመስል።

[45] -

[46] ከምኡ ድማ መንግሥተ ሰማያት ክቡር ዕንቊ ዝደሊ ነጋዳይ ሰብ እሞ ሓንቲ ኽብርቲ ዕንቊ ምስ ረኸበ ኸይዱ ዘለዎ ዂሉ ሸይጡ ነታ ዕንቊ ዝዕድጋ ትመስል።

[47] ከምኡውን መንግሥተ ሰማያት ኣብ ባሕሪ ዝተዘርግሐት እሞ ካብ ኲሉ ዓይነት ዓሣ ዝኣከበት መርበብ ትመስል።

[48] ምስ መልአት ናብ ደንደስ ኣውፅእዋ፤ ተቐሚጦም ድማ ጸጽቡቑ ኣርዮም ኣብ ኣቕሓ ኣከቡ፤ ነቲ ሐሕማቑ ግና ንወፃኢ ደርበይዎ።

[49] ኣብ መወዳእታ ዓለም ከዓ ኸምኡ ክኸውን እዩ፤ መላእኽቲ መጺኦም ነቶም ክፉኣት ካብ ማእኸል ጻድቃን ክፈልይዎም እዮም።

[50] ናብ እቶን ሓዊውን ክድርብይዎም እዮም፤ ኣብኡ ኸዓ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ክኸውን እዩ።

[51] ኣስዒቡ ኸዓ ነዝ ዂሉስ ተረዲእኹምዎዶ? በሎም። ንሳቶም ድማ እወ በልዎ።

[52] ንሱ ኸዓ እምበኣርከስ ናይ መንግሥተ ሰማያት ደቀ መዝሙር ዝኾነ መምህር ሕጊ ዂሉ ካብ መዝገቡ ሓድሽን ብሉይን ነገራት ዘውፅእ በዓል ገዛ እዩ ዝመስል በሎም።

[53] ኢየሱስ ነዘን ምስላታት እዚኣተን ምስ ፈጸመ ኻብኡ ኣግለሰ።

[54] ናብ ዓዱ መጺኡ ኸዓ ኣብ ቤተ ጸሎት ኣይሁድ ኣትዩ ከምዙይ ኢሎም ክሳዕ ዝድነቑ መሃሮም፦ እዝ ሰብዙይ እዝ ዂሉ ጥበብን እዝ ዂሉ ተኣምራትን ካበይ ረኸቦ?

[55] ወዲ እቲ ፀራቢዶ ኣይኮነን? እኖኡስ ማርያምዶ ኣይኮነትን? ኣኅዋቱስ ያዕቆብ ዮሳ ስምዖን ይሁዳዶ ኣይኮኑን?

[56] ኲለን ኣሓቱስ እተን ምሳና ዘለዋዶ ኣይኮናን? እዝ ዂሉ ጥበብን ኃይልን ደኣ ኻበይ ኣምጽኦ? በሉ፤

[57] ብእኡ ኸዓ ተዓንቀፉ። ኢየሱስ ግና ነቢይ እንትርፊ ኣብ ዓዱን ኣብ ገዛኡን ኣይነዓቕን በሎም።

[58] ብሰንኪ ጕድለት እምነቶም ድማ ኣብኡ ብዙኅ ተኣምራት ኣይገበረን።

ወንጌል ማቴዎስ — Chapters