ወንጌል ማቴዎስ 11
[1] ኢየሱስ ከዓ ነቶም ዓሠርተ ኽልተ ደቀ መዛሙርቱ ኣዚዙ ምስ ወድአ ኣብ ከተማታቶም ክምህርን ክሰብኽን ካብኡ ኃለፈ።
[2] እንሆ ዮሓንስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እንተሎ ብዛዕባ ተግባራት ክርስቶስ ምስ ሰምዐ ካብ ደቀ መዛሙርቱ ኽልተ ልኢኹ
[3] እቲ ዝመጽእ ንስኻ ዲኻ ወይ ድማ እንጽበዮ ኻልእ ኣሎ? በሎ።
[4] ኢየሱስ ከዓ፦ ኬድኩም እዝ እትሰምዕዎን እትርእይዎን ዘለኹም ንዮሓንስ ንገርዎ።
[5] ዕዉራት ይርእዩ፤ ሓንካሳት ይኸዱ፤ ለምጻማት ይነጽሁ፤ ጸማማት ይሰምዑ ፤ ምዉታን ይትሥኡ፤ ድኻታት ወንጌል ይብሠሩ ኣለዉ።
[6] ብኣይ ዘይዕንቀፍ ከዓ ብፁዕ እዩ በሎም።
[7] ልኡኻት ዮሓንስ ምስ ከዱ ኢየሱስ ነቶም ሕዝቢ ብዛዕባ ዮሓንስ መጥምቕ ከምዙይ ክብሎም ጀመረ፦ እንታይ ክትርእዩ ናብ በረኻ ወፃእኹም? ብንፋስ ነነው ዝብል ሻምብቆ?
[8] እንታይ ደኣ ኽትርእዩ ወፃእኹም? ብቐጭን ክዳውንቲ ዘጌጸ ሰብ? ቀጭን ክዳውንቲ ዝኽደኑስ እንሆ ኣብ ኣብያተ ነገሥታት ኣለዉ።
[9] ንምንታይ ደኣ ወፃእኹም? ነቢይ ኽትርእዩ? እወ ካብ ነቢይ እኳ ደኣ ዝበልጽ እዩ እብለኩም ኣለኹ።
[10] ንሱ እቲ ብዛዕባኡ እንሆ ኣነ ቀቅድሜኻ መንገድኻ ዝጸርግ ልኡኸይ ኣቐዲመ እልእኽ ኣለኹ› ተብሂሉ ዝተጽሓፈሉ እዩ እሞ
[11] ኣንስቲ ኻብ ዝወለዳኦም ካብ ዮሓንስ መጥምቕ ዝዓቢ ሓደ እኳ ኸም ዘይተሥአ እማን እብለኩም ኣለኹ። ኣብ መንግሥተ ሰማያት ግና እቲ ኻብኡ ዝንእስ እዩ ዝዓብዮ።
[12] ካብ ዘመን ዮሓንስ መጥምቕ ክሳዕ ሎሚ መንግሥተ ሰማያት ትድፋእ ኣላ፤ እቶም ዝዳፍኡ ድማ ይመናጠልዋ ኣለዉ።
[13] ኲሎም ነቢያትን ሕግን ክሳዕ ዮሓንስ ተነብዮም እዮምሞ።
[14] ክትቅበልዎ እንተ ደኣ ደሊኹም እቲ ኽመጽእ ዘለዎ ኤልያስ ንሱ ዮሓንስ እዩ።
[15] ዝሰምዕ እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ።
[16] ነዝ ትውልዲ እዙይ እሞ ብምንታይ ክምስሎ እየ? ኣብ ዕዳጋ ተቐሚጦም መሓዙቶም ዝጽውዑ ቖልዑ እዩ ዝመስል።
[17] ከምዙይ ኸዓ ይብልዎም፦ እምቢልታ ነፋሕናልኩም ኣይሳዕሳዕኹምን፤ ኣልቀስናልኩም ኣይበኸኹምን።›
[18] ዮሓንስ እንተይበልዐን እንተይሰተየን እንተ መጸ ጋኔን ኣለዎ ይብሉ።
[19] ወዲ ሰብ እናበልዐን እናሰተየን እንተመጸ ኸዓ እንሆ በላዕን ሰታይ ወይንን ዓርኪ ተቐበልቲ ቐረፅን ኃጥኣንን ይብሉ። ጥበብ ግና ብተግባራ ሓቅነታ ተረጋገጸ።
[20] ድኅርዙይ ኢየሱስ ነተን ብዙኅ ተኣምራት ዝገበረለን ከተማታት ስለ ዘይተነስሓ ኸምዙይ ኢሉ ኽነቕፈን ጀመረ፦
[21] ወይለኺ ኾራዚ! ወይለኺ ቤተ ሳይዳ! እዝ ኣባኻትክን ዝተገብረ ተኣምራት ኣብ ጢሮስን ኣብ ሲዶናን ተገይሩ እንተ ዝኸውንስ ቀደም ወጮ ተኸዲነን ሓመዂሽቲ ነስኒሰን ምተነስሓ ነይረን።
[22] እንተኾነ ብመዓልቲ ፍርዲ ካብ ንኣኻትክን ንጢሮስን ሲዶናን ከም ዝቐለለን እነግረክን ኣለኹ።
[23] ንስኺ ኸዓ ኣቲ ቅፍርናሆም ክሳዕ ሰማይ እኳ እንተ ተልዓልኪ ክሳዕ ሲኦል ክትወርዲ ኢኺ፤ እቲ ኣባኺ ዝተገብረ ተኣምራት ኣብ ሰዶም ተገይሩ እንተ ዝኸውንስ ክሳዕ ሎሚ ምሃለወት ነይራ።
[24] ብመዓልቲ ፍርዲ ግና ካባኽስ ንምድሪ ሰዶም ከም ዝቐለላ እነግረኪ ኣለኹ።
[25] በቲ እዋን እቱይ ኢየሱስ ከምዙይ በለ፦ ኦ ኣቦይ! ጐይታ ሰማይን ምድርን እዝ ነገራት እዙይ ካብ ብልህታትን መስተውዓልትን ሠዊርካ ንሕፃናት ስለ ዝገለጽካዮ አመስግነካ ኣለኹ።
[26] እወ ኦ ኣቦይ! ፍቓድካ ኸምኡ እዩ እሞ።
[27] ካብ ኣቦይ ኲሉ ተውሂቡኒ ኣሎ። ብዘይ ኣብ ንወልድ ዝፈልጦ ሓደ እኳ የለን፤ ንኣብውን ብዘይ ወልድን እቲ ወልድ ኽገልጸሉ ዝደለየን እንተዘይኮይኑ ሓደ እኳ ዝፈልጦ የለን።
[28] ኣቱም እትፅዕሩን ፆር ዝኸበደኩምን ኲልኹም ናባይ ንዑ ፤ ኣነውን ከዕርፈኩም እየ።
[29] ኣርዑ ተይ ፁሩ፤ ካባይውን ተምሃሩ፤ ኣነ የዋህ እየ ልበይውን ትሑት እዩ እሞ ንነፍስኹም ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም።
[30] ኣርዑ ተይ ልዙብ ፆረይውን ቀሊል እዩሞ።