Skip to content
Opens in a new window
Listen to this chapter • 7:16

[1] ናብ ኢየሩሳሌም ምስ ቀረቡ ኣብ ደብረ ዘይት ናብ ዘላ ቤተ ፋጌ በጽሑ፤ ሽዑ ኢየሱስ ካብ ደቀ መዛሙርቱ ኽልተ ልኢኹ

[2] ኣብ ቅድሜኹም ናብ ዘላ ዓዲ ኺዱ፤ እስርቲ ኣድጊ ምስ ዒሉኣ ኽትረኽቡ ኢኹምሞ ፈቲሕኹም ኣምጽኡለይ።

[3] ዝኾነ ሰብ እንታይ ትገብሩ ኣለኹም እንተበለኩም ጐይታ ይደልዮም ኣሎ› በልዎ፤ ሽዑ ኽሰዶም እዩ በሎም።

[4] -

[5] እዝ ዂሉ ዝኾነ እቲ ብነቢይ ንጓል ጽዮን እንሆ ንጉሥኪ የዋህን ጻድቕን ኣብ ኣድግን ኣብ ገልገል ኣድግን ተቐሚጡ ናባኺ ይመጽእ ኣሎ!› በልዋ ዝተብሃለ ምእንቲ ኽፍጸም እዩ።

[6] ደቀ መዛሙርቱ ድማ ኸይዶም ከምቲ ኢየሱስ ዝኣዘዞም ገበሩ።

[7] ነታ ኣድግን ነታ ዒሉን ኣምጽኡሉ፤ ኽዳውንቶም ድማ ኣብ ዝባነን ጐዝጐዙሉ፤ ኢየሱስ ከዓ ተቐመጠ።

[8] እቶም ሕዝቢ ብምሉኦም ድማ ኽዳውንቶም ኣብ መንገዲ ኣንጸፉ፤ ኻልኦትውን ካብ ኣእዋም ጨንፈር እናሰልዑ ኣብቲ መንገዲ ይንስንሱ ነበሩ።

[9] እቶም ቀቅድሚኡ ዝኸዱ ደድኅሪኡውን ዝስዕቡ ሕዝቢ ኸዓ ዓው ኢሎም ሆሣዕና ንወዲ ዳዊት እቲ ብስም እግዚኣብሔር ዝመጽእ ቡሩኽ እዩ! ሆሣዕና ኣብ ኣርያም! እናበሉ ይጸርሑ ነበሩ።

[10] ናብ ኢየሩሳሌም ምስ ኣተወ ኸዓ ዂላ እታ ኸተማ መን እዩ እዙይ? እናበለት ተናወጸት።

[11] እቶም ሕዝቢ ድማ እዙይ ካብ ናዝሬት ናይ ገሊላ ዝመጸ ነቢይ ኢየሱስ እዩ በሉ።

[12] ኢየሱስ ኣብ ቤተ መቕደስ ኣትዩ ኣብ ቤተ መቕደስ ዝሸጡን ዝዕድጉን ንዝነበሩ ዂሎም ኣባረሮም። ጠረጴዛታት መሽረፍትን መናብር ሸየጥቲ ርግብንውን ገልበጠ።

[13] ቤተይ ቤተ ጸሎት ክብሃል እዩ› ዝብል ጽሑፍ ኣሎ፤ ንስኻትኩም ግና በዓቲ ጐሓሉትን ሰረቕትን ገበርኩምዎ! በሎም።

[14] ኣብ ቤተ መቕደስ ከዓ ዕዉራትን ሓንካሳትን ናብኡ መጹ፤ ንሱ ድማ ኣሕወዮም።

[15] ሊቃነ ካህናትን መምህራን ሕግን ግና ነቲ ዝገበሮ ተኣምራት ርእዮም ሕፃናትውን ኣብ ቤተ መቕደስ ዓው ኢሎም ሆሣዕና ንወዲ ዳዊት! እንትብሉ ሰሚዖም ተናደዱ።

[16] እዞም ቈልዑ ዝብልዎዶ ትሰምዕ ኣለኻ? በልዎ፤ ኢየሱስ ከዓ እወ እቲ ካብ ኣፍ ቈልዑ ን ሕፃናትን ምስጋና ኣዳለኻ› ዝብልዶ ኣየንበብኩምን ኢኹም? በሎም፤

[17] ኃዲጉዎም ድማ ኻብታ ኸተማ ወፂኡ ናብ ቢታንያ ኸደ፤ ኣብኡውን ኃደረ።

[18] ንግሆ ናብ ከተማ ኽምለስ እንተሎ ጠመየ፤

[19] ኣብ ጥቓ መንገዲ ሓንቲ ኦም በለስ ርእዩ ናብኣ ኸደ፤ እንተኾነ ቖጽሊ ጥራሕ እምበር ሓንቲ ፍረ ስለ ዘይረኸበላ ደጊም ካባኺ ንሓዋሩ ፍረ ኣይረኸብ! በላ፤ እታ ኦም በለስ ከዓ ሽዑ ንሽዑ ነቐጸት።

[20] ደቀ መዛሙርቱ ድማ ርእዮም እዛ ኦም በለስ ከመይ ኢላ ሽዑ ንሽዑ ነቐጸት! እናበሉ ተገረሙ።

[21] ኢየሱስ ከዓ እማን እማን እብለኩም ኣለኹ፤ እምነት እንተ ሃልያትኩም እሞ እንተዘይተጠራጢርኩም እዛ ዕፀ በለስ ከም ዝኾነቶ ጥራሕ ኣይኮነን እትገብሩ፤ ነዝ እምባዙይ ተልዒልካ ናብ ባሕሪ ተወርወር!› እንተ በልኩምዎ ክኾነልኩም እዩ።

[22] ኣሚንኩም ብጸሎት ዝለመንኩምዎ ዂሉ ኽትቅበሉ ኢኹም ኢሉ መለሰሎም።

[23] ናብ ቤተ መቕደስ ኣትዩ ኽምህር እንተሎ ሊቃነ ካህናትን ሽማግለታት ሕዝብን ናብኡ መጺኦም በየናይ ሥልጣን ነዝ ነገራት እዙይ ትገብር ኣለኻ? ነዝ ሥልጣን እዙይከ መን ሃበካ? በልዎ።

[24] ኢየሱስ ከዓ መሊሱ በሎም፦ ኣነ ድማ ሓንቲ ነገር ክጥይቐኩም፤ ነዚኣ እንተ ነጊርኩምኒ ኣነውን በየናይ ሥልጣን ነዝ ነገራት እዙይ ከም ዝገብር ክነግረኩም እየ።

[25] ጥምቀት ዮሓንስ ካበይ እዩ? ካብ ሰማይ ድዩ ወይ ካብ ሰብ? ንስንሳቶም ከዓ ኸምዙይ እናበሉ ተዘራረቡ፤ ካብ ሰማይ እንተ በልናዮ ስለምንታይ ድኣ ዘይኣመንኩምዎ?› ኽብለና እዩ፤

[26] ካብ ሰብ እንተ በልናዮ ድማ ንዮሓንስ ኲሎም ከም ነቢይ ስለ ዝርእይዎ ነቶም ሕዝቢ ንፈርሖም ኢና።

[27] ንኢየሱስ ከዓ ኣይንፈልጥን! ኢሎም መለሱሉ። ንሱ ድማ ኣነውን በየናይ ሥልጣን ነዝ ነገራት እዙይ ከም ዝገብር ኣይነግረኩምን! በሎም።

[28] ቀጺሉ ኢየሱስ እንታይ ይመስለኩም? ንሓደ ሰብኣይ ክልተ ደቂ ነበርዎ፤ ናብቲ ቐዳማይ ቀሪቡ ወደይ ሎሚ ናብ ኣታኽልቲ ወይኒ ውፈር እሞ ሥራሕ › በሎ።

[29] ንሱ ኸዓ እምቢ › ኢሉ መለሰ፤ ደኃር ግና ተናሲሑ ወፈረ።

[30] ናብቲ ኻልኣይ ቀሪቡ ኸዓ ኸምኡ በሎ፤ ንሱ ድማ እሺ ጐይታይ › በሎ፤ ግና ኣይወፈረን።

[31] ካብ ክልቲኦም ኣየናይ እዩ ፍቓድ ኣቦኡ ዝመልአ? በሎም። ንሳቶም ከዓ እቲ ቐዳማይ በልዎ፤ ኢየሱስ ድማ ተቐበልቲ ቐረጽን ኣመንዝራታትን ናብ መንግሥቲ እግዚኣብሔር ምእታው ከም ዝቕድሙኹም እማን እብለኩም ኣለኹ።

[32] ዮሓንስ ብመንገዲ ጽድቂ ናባኻትኩም መጺኡ ነበረ እሞ ተቐበልቲ ቐረጽን ኣመንዝራታትን ደኣ ኣመንዎ እምበር ንስኻትኩምስ ኣይኣመንኩምዎን፤ ነዙይ ምስ ረአኹምውን ተናሲሕኹም ብእኡ ኣይኣመንኩምን በሎም።

[33] ካልእ ምስላውን ስምዑ ኣታኽልቲ ወይኒ ዝተኸለ በዓል ቤት ነበረ፤ ሓፁር ሓፀሮ፤ መጽመቕ ድማ ዀዓተሉ፤ መሐለዊ ደብሪ ሠርሐሉ፤ ንሓረስቶት ብብላዕ ሂብዎም ከዓ ናብ ካልእ ሃገር ኸደ።

[34] ጊዜ ፍርያት ምስ በጽሐ ካብ ፍረ ወይኑ ኸምጽኡሉ ኣገልገልቱ ናብቶም ሓረስቶት ለኣኸ።

[35] እቶም ሓረስቶት ከዓ ነቶም ኣገልገልቱ ኂዞም ንገሊኦም ወቕዕዎም፤ ንገሊኦም ቀተልዎም፤ ንገሊኦምውን ብእምኒ ቐጥቀጥዎም።

[36] ከምኡውን ካብቶም ቀዳሞት ዝበዝኁ ኻልኦት ኣገልገልቱ ለኣኸ፤ ንኣኣቶምውን ከምኡ ገበርዎም።

[37] ኣብ መወዳእታ ኸዓ ንወደይስ ይኃፍርዎ ይኾኑ› ኢሉ ወዱ ናብኣቶም ለኣኸ።

[38] እቶም ሓረስቶት ግና ነቲ ወዱ ምስ ረአይዎ ንስንሳቶም እንሆ እቲ ወራሲኡ እዙይ እዩ፤ ንዑ ንቕተሎሞ ርስቱ ኽንወርስ› ተበሃሃሉ።

[39] ኂዞም ድማ ኻብቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ኣውፂኦም ቀተልዎ።

[40] እቲ ጐይታ ኣታኽልቲ ወይኒ ምስ መጸ ነቶም ሓረስቶት እቲኣቶም እንታይኮን ይገብሮም?

[41] ንሳቶም ከዓ ነቶም ክፉኣት ብኽፉእ የጥፍኦም፤ ነቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ድማ ፍሪኡ በብጊዜኡ ንዝህብዎ ኻልኦት ሓረስቶት ብብላዕ ይህቦም በልዎ።

[42] ኢየሱስ ከዓ፦ እቲ ነደቕቲ ዝነዓቕዎ እምኒ ንሱ ርእሲ መኣዝን ኮነ፤ እዙይ ካብ እግዚኣብሔር ኮነ፤ ነዒንትናውን ዘደንቕ እዩ፤› ዝብልዶ ኣብ መጻሕፍቲ ኸቶ ኣየንበብኩምን? በሎም።

[43] ስለዙይ ድማ እታ መንግሥቲ እግዚኣብሔር ካባኻትኩም ከም እትውሰድ ፍሪኣ ንዘፍሪ ሕዝቢውን ከም እትወሃብ እብለኩም ኣለኹ፤

[44] ኣብቲ እምኒ እቱይ ዝወደቐይቕጥቀጥ፤ እቲ እምኒ እቱይ ዝወደቕ ድማ ይጭፍለቕ በሎም።

[45] ሊቃነ ካህናትን ፈሪሳውያንን ምስላታቱ ምስ ሰምዑ ብዛዕባኣቶም ከም ዝተዛረበ ፈለጡ።

[46] ክኅዝዎ ድማ ደለዩ፤ ግና እቶም ሕዝቢ ኸም ነቢይ ይርእይዎ ስለ ዝነበሩ ንኣኣቶም ፈርኅዎም።

ወንጌል ማቴዎስ — Chapters