Skip to content
Opens in a new window
Listen to this chapter • 5:10

[1] ድኅርዙይ ካብ ኢየሩሳሌም ዝመጹ መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን ናብ ኢየሱስ ቀሪቦም

[2] ስለምንታይ ደቀ መዛሙርትኻ ሥርዓት ዓበይቲ ዝጥሕሱ? እንጀራ ኽበልዑ እንተለዉ ኣእዳዎም ኣይምሕጻቦም እናበሉ ጠየቕዎ።

[3] ኢየሱስ ድማ መሊሱ ስለምንታይ ድኣ ንስኻትኩም ምእንቲ ሥርዓትኩም ትእዛዝ እግዚኣብሔር እትጥሕሱ?

[4] እግዚኣብሔር ኣቦኻን እኖኻን ኣኽብር፤ ነቦኡን ንኖኡን ሕማቕ ቃል ዝዛረብ ፈጺሙ ይሙት› ኢሉ ኣሎ።

[5] ንስኻትኩም ግና እቲ ነቦኡ ወይ ንንኡ እቲ ኻባይ ዝግብአኩም ሓገዝ ንእግዚኣብሔር መባእ ገይረዮ እየ› ዝብል ሰብ

[6] ነቦኡ ወይ ንኖኡ ከኽብር ኣይግደድን እዩ› ትብሉ፤ ስለዙይ ምእንቲ ሥርዓትኩም ቃል እግዚኣብሔር ትሥዕሩ፤

[7] -

[9] ኣቱም ግብዛት! ኢሳይያስ እዝ ሕዝቢ እዙይ ብኸናፍሩ የኽብረኒ፤ ብልቡ ግና ኻባይ እምብዛ ዝረሓቐ እዩ። ትምህርቲ ስርዓት ሰብ እናመሃሩ ብኸንቱ የምልኹኒ።› ኢሉ ብዛዕባኻትኩም ሓቂ ተነበየ።

[10] ኢየሱስ ነቶም ሕዝቢ ናብኡ ጸዊዑ ስምዑ ! ኣስተውዕሉውን!

[11] ንሰብ ዘርክሶ ካብ ኣፍ ዝወፅእ ደኣ እምበር ናብ ኣፍ ዝኣቱ ኣየርክሶን!

[12] ሽዑ ደቀ መዛሙርቱ ቐሪቦም ፈሪሳውያን ዘረባኻ ሰሚዖም ከም ዝተዓንቀፉስ ፈሊጥካዶ? በልዎ።

[13] ንሱ ኸዓ መሊሱ ናይ ሰማይ ኣቦይ ዘይተኸሎ ዂሉ ተኽሊ ኽብቖስ እዩ፤

[14] ኅደግዎም፤ ዕዉራን መራሕቲ ዕውራን እዮም። ዕዉር ንዕዉር እንተ መርሖ ክልቲኦም ናብ ጕድጓድ ይወድቁ በሎም።

[15] ጴጥሮስ ድማ ነዝ ምስላ እዙይ እንዶ ተርጕመልና በሎ።

[16] ኢየሱስ ከዓ ንስኻትኩምውንዶ ገና ኣየስተውዓልኩምን?

[17] እቲ ብኣፍ ዝኣቱ ዂሉ ናብ ከብዲ ኸም ዝኃልፍ እሞ ንደገ ኸም ዝወፅእዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም?

[18] እቲ ኻብ ኣፍ ዝወፅእ ግና ካብ ልቢ እዩ ዝወጽእ እሞ ንሱ እዩ ንሰብ ዘርክሶ።

[19] ካብ ልቢ ኽፉእ ሓሳብ ቅትለት ዝሙት ምንዝርና ስርቂ ብሓሰት ምምስካር ጸርፊ ይወፅእ።

[20] እዙይ እዩ ንሰብ ዘርክሶ እምበር ብዘይተሓጽበ ኣእዳው ምብላዕስ ንሰብ ኣየርክሶን በሎም።

[21] ኢየሱስ ካብኡ ወፂኡ ናብ ወሰን ምድሪ ጢሮስን ሲዶናን ኣግለሰ።

[22] እንሆ ድማ ሓንቲ ከነኣናዊት ሰበይቲ ኻብ ከባቢ እቲ ዓዲ መጺኣ ኦ ጐይታይ ወዲ ዳዊት! ንጓለይ ክፉእ ጋኔን ኂዙዋ የሳቕያ ኣሎ እሞ ራህርሀለይ! እናበለት ጸርሐት።

[23] ንሱ ግና ሓንቲ ቓል እኳ ኣይመለሰላን፤ ደቀ መዛሙርቱ ኸዓ ቐሪቦም ደድኅረና ትጠርዕ ኣላ እሞ ኣፋንዋ! ኢሎም ለመንዎ።

[24] ንሱ ግና እንትርፊ ናብቶም ከም ኣባጊዕ ዝጠፍኡ ሕዝቢ እስራኤል ናብ ካልእ ኣይተልኣኽኩን ኢሉ መለሰ።

[25] ንሳ ድማ ጐይታይ ርድአኒ እናበለት ቀሪባ ሰገደትሉ።

[26] ንሱ ኸዓ መሊሱ እንጀራ ውሉድ ኣልዒልካ ነኽላባት ምሃብ ጽቡቕ ኣይኮነን! በላ።

[27] ንሳ ድማ እወ ጐይታይ! ኣኽላባትውንኮ ኻብ ማእዲ ጐይተቶም ዝወደቐ ርፍራፍ ይበልዑ እዮም በለቶ።

[28] ሽዑ ኢየሱስ ኣቲ ሰበይቲ እምነትኪ ዓብዪ እዩ፤ ከምቲ ዝደለይኽዮ ይኹነልኪ! በላ። በታ ሰዓት እቲኣ እታ ጓላ ሓወየት።

[29] ኢየሱስ ካብኡ ኃሊፉ ብወሰን ባሕሪ ገሊላ ኸደ፤ ናብ እምባ ደይቡ ድማ ኣብኡ ተቐመጠ።

[30] ብዙኅ ሕዝቢ ድማ ሓንካሳት ዕዉራት ጸማማት ቖራያት ብዙኃት ካልኦትውን ምስኣቶም ኂዞም ናብኡ ቐረቡ፤ ኣብ ጥቓ እግሪ ኢየሱስውን ኣቐመጥዎም፤ ንሱ ኸዓ ኣሕወዮም።

[31] እቶም ሕዝቢ ድማ በሃማት እንትዛረቡ ቖራያት እንትሓውዩ ሓንካሳት እንትኸዱ ዕዉራትውን እንትርእዩ ተመልኪቶም ተገረሙ እሞ ንኣምላኽ እስራኤል ኣመስገንዎ።

[32] ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ጸዊዑ እዞም ሕዝቢ እዚኣቶም ሠለስተ መዓልቲ ምሳይ ቀንዮም እዮም ዝበልዕዎ ድማ የብሎምን እሞ የኅዝኑኒ ኣለዉ፤ ስለዙይ ኣብ መንገዲ ኸይደኽሙ ጾሞም ከፋንዎም ኣይደልን በሎም።

[33] ደቀ መዛሙርቱ ድማ ኣብዝ በረኻ እዙይ ደኣ ንኽንድዙይ ዝኣክል ሕዝቢ ዘጽግብ እንጀራ ኻበይ ክንረክብ ኢና? በልዎ።

[34] ኢየሱስ ከዓ ክንደይ እንጀራኸ ኣሎኩም? በሎም። ንሳቶም ድማ ሸውዓተ እንጀራን ቊሩብ ዓሣን በልዎ።

[35] ነቶም ሕዝቢ ኸዓ ኣብ ምድሪ ኽቕመጡ ኣዘዞም።

[36] ሽዑ ነተን ሸውዓተ እንጀራን ነቲ ቝሩብ ዓሣን ኣልዒሉ ኣመስገነ፤ ቖሪሱ ድማ ንደቀ መዛሙርቱ ሃቦም፤ ደቀ መዛሙርቱ ኸዓ ነቶም ሕዝቢ ኣቕረቡ።

[37] ኲሎም ድማ በሊዖም ጸገቡ፤ ዝተረፈ ቝርስራስ ድማ ሸውዓተ መሶብ መሊኦም ኣልዓሉ።

[38] እቶም ዝበልዑ ኸዓ ብዘይ ኣንስትን ቈልዑ ን ኣርባዕተ ሽሕ ሰብኡት ነበሩ።

[39] ነቶም ሕዝቢ ምሰፋነዎም ድማ ናብ ጃልባ ደይቡ ናብ ወሰን መጌዶን ከደ።

ወንጌል ማቴዎስ — Chapters