ወንጌል ማቴዎስ 17
[1] ኢየሱስ ድኅሪ ሽዱሽተ መዓልቲ ንጴጥሮስን ንያዕቆብን ንኃዉ ዮሓንስን ወሲዱ ንበይኖም ናብ ነዊኅ እምባ ኣደየቦም።
[2] ኣብ ቅድሚኦም ድማ ትርኢቱ ተለወጠ፤ ገጹ ኸም ፀሓይ በርሀ፤ ክዳኑውን ከም በረድ ፃዕደወ።
[3] እንሆ ኸዓ ሙሴን ኤልያስን ምስኡ እንትዘራረቡ ተርኣዩ።
[4] ጴጥሮስ ድማ ንኢየሱስ ጐይታይ! ንኣና ኣብዙይ ምንባር ጽቡቕ እዩ፤ ፍቓድካ እንተ ደኣ ኾይኑስ ኣብዙይ ሠለስተ ዳስ ክሠርሕ፤ ሓደ ንኣኻ ሓደ ንሙሴ ሓደውን ንኤልያስ በሎ።
[5] ገና ጴጥሮስ እዙይ እናተዛረበ እንተሎ ደመና ኸወሎም፤ እንሆ ድማ ኻብቲ ደመና ዘፍቅሮ ብእኡ ዝተሓጐስኩ ወደይ እዙይ እዩ፤ ንእኡ ስምዕዎ! ዝብል ድምፂ ተሰምዐ።
[6] ደቀ መዛሙርቱ እዙይ ሰሚዖም እምብዛ ስለ ዝፈርሑ ብግምባሮም ተደፍኡ።
[7] ኢየሱስ ቅርብ ኢሉ ነኽኦምሞ ተሥኡ፤ ኣይትፍርኁ! በሎም።
[8] ኣዒንቶም ንላዕሊ ቈላሕ እንተበሉ ድማ እንትርፊ ኢየሱስ በይኑ ሓደ እኳ ኣይረአዩን።
[9] ካብ እምባ ኽወርዱ እንተለዉ ኢየሱስ ወዲ ሰብ ካብ ምዉታን ክሳዕ ዝትሥእ ነዝ ዝረአኹምዎ ንሓደ እኳ ኣይትንገሩ! ኢሉ ኣዘዞም።
[10] ደቀ መዛሙርቱ ኸዓ ንምንታይ ደኣ መምህራን ሕጊ ቅድም ኤልያስ ክመጽእ ኣለዎ› ዝብሉ? ኢሎም ጠየቕዎ።
[11] ንሱ ድማ መሊሱ እወ፤ ኣቐዲሙ ኤልያስ ክመጽእ እዩ፤ ንዂሉ ድማ ኸቃንዕ እዩ።
[12] ኣነ ግና ኤልያስ ድሮ መጺኡ እዩ እብለኩም ኣለኹ፤ ንሳቶም ግና ኣብ ልዕሊኡ ኸም ዝደለዩ ገበሩ እምበር ኣይፈለጥዎን። ከምኡ ድማ ወዲ ሰብ ብኣኣቶም መከራ ኽቕበል ከም ዘለዎ እብለኩም ኣለኹ በሎም።
[13] ሽዑ ደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ ዮሓንስ መጥምቕ ከም ዝበሎም ኣስተውዓሉ።
[14] ናብቲ ሕዝቢ ምስ በጽሑ ሓደ ሰብኣይ ናብኡ ቐረበሞ ተንበርኪኹ፦
[15] ጐይታይ! ንወደይ መሓረለይ፤ በብወርኁ ዘውድቕ ሕማም እናተልዓሎ የመና ይሳቐ፤ ብዙኅ ጊዜውን ኣብ ማይን ሓውን የውድቖ እዩ እሞ ራህርህለይ፤
[16] ናብ ደቀ መዛሙርትኻውን ኣምጺአዮስ ከሕውይዎ ኣይከኣሉን በሎ።
[17] ኢየሱስ መሊሱ ኣታ ዘይትኣምን ቀይናን ትውልዲ! ኽሳዕ መኣዝ ምሳኻትኩም ክነብር እየ? ክሳዕ መኣዝከ ኽዕገሠኩም እየ? ናብዙይ ናባይ ኣምጽእዎ! በሎም።
[18] ሽዑ ኢየሱስ ገሰጾ፤ እቲ ጋኔን ከዓ ኻብኡ ወፀ፤ እቲ ቖልዓ ድማ በታ ሰዓት እቲኣ ሓወየ።
[19] ድኅርዙይ ደቀ መዛሙርቱ ንበይንቶም ናብ ኢየሱስ ቀሪቦም ስለምንታይ ደኣ ንሕና ምውፅኡ ዝሰኣንና? በልዎ።
[20] ኢየሱስ ከዓ ብጕድለት እምነትኩም እዩ፤ እማን እብለኩም ኣለኹ፤ ክንዲ ፍረ ኣድሪ እትኣክል እምነት እንተልያትኩም ነዝ እምባ እዙይ ካብዙይ ናብቱይ ተልዓል!› እንተ በልኩምዎ ይልዓል፤ ዘይከኣለኩም ነገርውን የለን።
[21] እዝ ኸምዙይ ዝዓይነቱ ግና ብጾምን ብጸሎትን እንተ ዘይኮይኑ ኣይወፅእን እዩ በሎም።
[22] ደቀ መዛሙርቱ ኣብ ገሊላ ተኣኪቦም እንተለዉ ኢየሱስ ንወዲ ሰብ ናብ ኢድ ሰብ ኣኅሊፎም ክህብዎ እዮም፤
[23] ንሳቶም ከዓ ኽቐትልዎ እዮም፤ ብሣልሰይቲ መዓልቲ ድማ ኽትሥእ እዩ በሎም፤ ደቀ መዛሙርቱ እዙይ ሰሚዖም ኃዘኑ።
[24] ናብ ቅፍርናሆም ምስ መጹ እቶም ግብሪ ቤተ መቕደስ ዝቕበሉ ናብ ጴጥሮስ መጺኦም መምህርኩምስ ግብሪዶ ኣይኸፍልን እዩ? በልዎ።
[25] ንሱ ድማ ይኸፍል እባ ኢሉ መለሰ። ናብ ገዛ ምስ ኣተወ ኢየሱስ ኣቐዲሙ ስምዖን! እንታይ ይመስለካ? ነገሥታት ምድሪ ግብርን ቀረጽን ካብ መን ይቕበሉ? ካብ ደቆምዶ ወይ ካብ ካልኦት? በሎ።
[26] ጴጥሮስ ከዓ ካብ ካልኦት እባ በለ። ኢየሱስ ድማ እምበኣር ደቆምስ ናፃ እዮም?
[27] ግና ምእንቲ ኸይነዕንቅፎም ናብ ባሕሪ ኼድካ መቝለብ ዓሣ ደርቢ፤ ነቲ ቕድም እትኅዞ ዓሣ ውሰድ፤ ኣፉ ምስ ከፈትካ ኣብኡ ሓደ ኣስታቴር ክትረክብ ኢኻ፤ ንእኡ ወሲድካ ኽንዳይን ክንዳኻን ሃቦም በሎ።