Skip to content
Opens in a new window
Listen to this chapter • 5:03

[1] ብሰብ ምእንቲ ኽትርኣዩ ኢልኩም ምጽዋትኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ከይትገብሩ ተጠንቀቑ። እንተ ዘይኮነ ካብቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኹም ዓስቢ የብልኩምን።

[2] እምበኣርከስ ንስኻ ኽትምጽውት እንተለኻ እቶም ግብዛት ብሰብ ምእንቲ ኽንኣዱ ኣብ ኣብያተ ጸሎትን ዓበይቲ መንገድታትን ከም ዝገብርዎ ኣብ ቅድሜኻ መለኸት ኣይትንፋሕ። ዓስቦም ከም ዝተቐበሉ እማን እብለኩም ኣለኹ።

[3] -

[4] ንስኻ ግና ኽትምጽውት እንተለኻ የማነይትኻ እትገብሮ ጸጋመይትኻ ኣይትፍለጦ፤ ምጽዋትካ ብኅቡእ ይኹን፤ እቲ ብሥዉር ዝርኢ ኣቦኻ ድማ ብገሃድ ክፈድየካ እዩሞ።

[5] እቶም ግብዛት ብሰብ ምእንቲ ኽርኣዩ ኣብ ናይ ኣይሁድ ኣብያተ ጸሎትን ኣብ ቀራናታት መንገድን ደው ኢሎም ክጽልዩ ይፈትዉ እዮም እሞ ክትጽልዩ እንተለኹም ከምኣቶም ኣይትኹኑ፤ ዓስቦም ከም ዝተቐበሉ እማን እብለኩም ኣለኹ።

[6] ንስኻ ግና ኽትጽሊ እንተለኻ ናብ ገዛኻ እቶ፤ ማዕጾኻ ዓጺኻ ድማ ናብቲ ብሥዉር ዘሎ ኣቦኻ ጸሊ። እቲ ብሥዉር ዝርኢ ኣቦኻ ድማ ብገሃድ ክፈድየካ እዩ።

[7] ኣሕዛብ ብምብዛኅ ዘረባኦም ዝስምዑ እዩ ዝመስሎም እሞ ክትጽልዩ እንተለኹም ከምኣቶም ከንቱ ዘረባ ኣይተብዝኁ።

[8] እምበኣር ሰማያዊ ኣቦኹም እንተይለመንኩምዎ ዘድልየኩም ይፈልጥ እዩ እሞ ኣይትምሰልዎም።

[9] ንስኻትኩምስ ክትጽልዩ እንተለኹም ከምዙይ በሉ፦ ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና ስምካ ይቀደስ መንግሥትኻ ትምጻእ፤

[10] ፍቓድካ ከምቲ ኣብ ሰማይ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን።

[11] ናይ ዕለት ምግብና ሎሚ ሃበና።

[12] ንሕና ንዝበደሉና ከም እንኃድገሎም በደልና ኅደገልና።

[13] ካብ ክፉእ ኣድኅነና እምበር ናብ ፈተና ኣይተእትወና። መንግሥትን ኃይልን ክብርን ንዘለዓለም ናትካ እዩሞ ኣሜን።

[14] ንሰብ በደሎም እንተ ኃዲግኩምሎም ንኣኻትኩም ድማ ሰማያዊ ኣቦኹም በደልኩም ክኃድገልኩም እዩ።

[15] ንሰብ በደሎም እንተ ዘይኃዲግኩምሎም ግና ንኣኻትኩምውን ኣቦኹም በደልኩም ኣይኃድገልኩምን እዩ።

[16] እቶም ግብዛት ጸወምቲ ምዃኖም ብሰብ ምእንቲ ኽረአዩ ገጾም የጸምልዉ እዮም እሞ ክትጾሙ እንተለኹም ከምኣቶም ገጽኩም ኣይተጸምልዉ። ዓስቦም ከም ዝተቐበሉ እማን እብለኩም ኣለኹ።

[17] -

[18] ንስኻ ግና ኽትጸውም እንተለኻ እቲ ብኅቡእ ዘሎ ኣቦኻ እምበር ከም እትጸውም ሰብ ከይፈልጥ ርእስኻ ተቐባእ፤ ገጽካውን ተሓጸብ። እቲ ብኅቡእ ዝርኢ ኣቦኻ ብገሃድ ክፈድየካ እዩ።

[19] ብልዕን ምምራትን ኣብ ዘበላሽዎ ሰረቕቲ ዂዒቶም ኣብ ዝሰርቅዎ ንኣኻትኩም ኣብ ምድሪ ሃብቲ ኣይትኣክቡ።

[20] እኳ ደኣ ብልዕን ምምራትን ኣብ ዘየበላሽዎ ሰረቕቲ ዂዒቶም ኣብ ዘይሰርቅዎ ኣብ ሰማይ ሃብቲ ኣክቡ እምበር።

[21] ሃብትኻ ኣብ ዘለዎ ልብኻ ኣብኡ ኣሎ እሞ።

[22] ናይ ሰብነት መብራህቲ ዓይኒ እዩ፤ ስለዙይ ዓይንኻ ጥዑ ይ እንተ ደኣ ኾይኑ ኲሉ ሰብነትካ ብሩህ ይኸውን።

[23] ዓይንኻ ሕሙም እንተ ኾይኑ ግና ዂሉ ሰብነትካ ጸልማት ይኸውን፤ እምበኣር እቲ ኣባኻ ዘሎ ብርሃን ጸልማት ካብ ኮነ ምጽልማቱ ኽንደይ ኮን ይብርትዕ!

[24] ሓደ ኣገልጋሊ ንኽልተ ጐይቶት ከገልግል አይኽእልን፤ ነቲ ሓደ ኽጸልእ ነቲ ሓደ ኸፍቅር እዩ፤ ወይ ከዓ ነቲ ሓደ ከኽብር ነቲ ሓደ ኽንዕቕ እዩ። እምበኣር ንእግዚኣብሔርን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይትኽእሉን ኢኹም።

[25] ስለዙይ ንሕይወትኩም ብትበልዕዎን ብትሰትይዎን ወይ ንሰብነትኩም ብትኽደንዎን ኣይትጨነቑ እብለኩም ኣለኹ። ሕይወት ካብ መብልዕ ሰብነት ከዓ ኻብ ክዳንዶ ኣይበልጽን እዩ?

[26] ነዕዋፍ ሰማይ ተመልከቱ፤ ናይ ሰማይ ኣቦኹም ደኣ ይምግቦም እምበር ኣይዘርኡ ኣይዓጽዱ ኣብ ማዕኸንውን ኣይእክቡን እዮም። ንስኻትኩምዶ ግዳ ኻብኣቶም የመና ኣይትበልጹን?

[27] ካባኻትኩምከ ተጨኒቑ ኣብ ልዕሊ ቑመቱ ሓንቲ እመት ክውስኽ ዝኽእል መን እዩ?

[28] ብዛዕባ ኽዳንከ ስለምንታይ ትጭነቑ? ዕምበባታት በረኻ ኣይፈትሉ ኣይደኽሙ ከመይ ኢሎም ከም ዝዓብዩ ተመልከቱ።

[29] ኣነ ግና ሰሎሞን እኳ በቲ ዂሉ ኽብሩ ኻብኣቶም ከም ሓደ ኸም ዘይተኸድነ እብለኩም ኣለኹ።

[30] እግዚኣብሔር ነዝ ሎሚ ዘሎ ጽባሕ ግና ናብ እቶን ዝድርበ ሣዕሪ በረኻ ኸምዙይ ገይሩ ዝኸድኖ ኻብ ኮነ ደኣ ኣቱም እምነት ዝጐደለኩም ንኣኻትኩም ግዳ ኽንደይ ኣብሊጹ ዘይኸድነኩም!

[31] እምበኣር እንታይ ክንበልዕ ኢና? እንታይ ክንሰቲ ኢና? እንታይከ ኽንክደን ኢና?› ኢልኩም ኣይትጨነቑ።

[32] ነዙይ ኲሉስ ኣሕዛብውን ይደልይዎ እዮም፤ ንኣኻትኩም ግና እዝ ዂሉ ኸም ዘድልየኩም ሰማያዊ ኣቦኹም ይፈልጥ እዩ።

[33] ንስኽ ግናእትኩምስ ኣቐዲምኩም መንግሥቲ እግዚኣብሔርን ጽድቁን ድለዩ እዝ ኲሉ ድማ ኽውሰኸኩም እዩ።

[34] እምበኣርከስ ጽባሕ ንርእሳ ትጭነቕ እያ እሞ ብዛዕባ ጽባሕ ኣይትጨነቑ፤ ንመዓልቲ መከራኣ የኣኽላ እዩ።

ወንጌል ማቴዎስ — Chapters