ወንጌል ማቴዎስ 2
[1] -
[2] ኢየሱስ ብዘመን ንጉሥ ሄሮድስ ኣብ ቤተ ልሔም ምድሪ ይሁዳ ምስ ተወለደእንሆ ካብ ሃገር ምብራቕ ዝተልዓሉ ሰብኣ ሰገል ኮኸቡ ብምብራቕ ርኢና ኽንሰግደሉ መጺእና እሞ እቲ ዝተወልደ ንጉሥ ኣይሁድ ኣበይ ኣሎ? እናበሉ ናብ ኢየሩሳሌም በጽሑ።
[3] ንጉሥ ሄሮድስ እዙይ ሰሚዑ ደንግጸ፤ ኲሎም ሕዝቢ ኢየሩሳሌምውን ምስኡ ደንገጹ።
[4] ንሱ ድማ ንዂሎም ሊቃነ ካህናትን መምህራን ሕዝብን ኣኪቡ ክርስቶስ ኣበይ እዩ ዝውለድ? ኢሉ ጠየቖም።
[5] -
[6] ንሳቶም ከዓ ኣቲ ቤተ ልሔም ምድሪ ይሁዳ ንሕዝበይ እስራኤል ዝሕልዎም ንጉሥ ካባኺ ኽወጽእ እዩሞ ካብ ነገሥታት ይሁዳ ከቶ ኣይትንእስን ኢኺ› ዝብል ብነቢይ ተጽሒፉ ስለ ዘሎ ኣብ ቤተ ልሔም ምድሪ ይሁዳ እዩ በልዎ።
[7] ድኅርዙይ ሄሮድስ ንሰብኣ ሰገል ብኅቡእ ጸዊዑ ካብኣቶም ድማ ዘመን እቲ ዝተርኣዮም ኮኸብ ኣጸቢቑ ተረድአ።
[8] ናብ ቤተ ልሔም ድማ ሰደዶምሞ ኬድኩም ብዛዕባ እቲ ሕፃን ብጥንቃቐ መርምሩ። ምስ ረኸብኩምዎ ድማ ኣነ መጺአ ምእንቲ ኽሰግደሉ ንገሩኒ በሎም።
[9] ንሳቶም ከዓ ኻብቲ ንጉሥ ሰሚዖም ከዱ። እንሆ እቲ ብምብራቕ ዝረአይዎ ኮኸብ ኣብ ልዕሊ እቲ ሕፃን ዝነበራ ቦታ መጺኡ ኽሳዕ ዝቐውም መርሖም።
[10] ነቲ ኮኸብ ምስ ረአይዎ ካብ መጠን ንላዕሊ ተሓጐሱ።
[11] ናብ ቤት ኣትዮም ነቲ ሕፃን ምስ ማርያም እኖኡ ረአይዎ። ተደፊኦም ድማ ሰገዱሉ። ሣጹኖም ከፊቶም ከዓ ወርቅን ዕጣንን ከርበን ገጸ በረኸት ኣቕረቡሉ።
[12] ናብ ሄሮድስ ከይምለሱ ብሕልሚ ስለ ዘጠንቀቖም ብኻልእ መንገዲ ናብ ሃገሮም ተመለሱ።
[13] ንሳቶም ምስ ከዱ ኸዓ መልኣኽ እግዚኣብሔር ንዮሴፍ ብሕልሚ ተርአዮ፤ ሄሮድስ ነዝ ሕፃን ክቐትሎ ይደሊ ኣሎ እሞ ተሥእ ነዝ ሕፃንን ንኖኡን ኂዝካ ናብ ግብጺ ህደም ክሳዕ ዝነግረካ ኸዓ ኣብኡ ጽናሕ በሎ።
[14] ዮሴፍ ድማ ተሢኡ ነቲ ሕፃንን ንኖኡን ኂዙ ብለይቲ ናብ ግብጺ ኸደ።
[15] እቲ እግዚኣብሔር ብነቢይ ንወደይ ካብ ግብጺ ጸዋዕኽዎ ዝበሎ ምእንቲ ኽፍጸም ድማ ሄሮድስ ክሳዕ ዝመውት ኣብኡ ጸንሐ።
[16] ሽዑ ሄሮድስ እቶም ሰብኣ ሰገል ከም ዘላገጹሉ ምስ ረአየ ብዙኅ ተቖጥዐ እሞ ንዂሎም ሕፃናት ቤተ ልሔምን ኣብ ኲሉ ኸባቢኣን ንዝነበሩን ካብ ሰብኣ ሰገል ጠይቑ ብዝተረድኦ ዘመን ወዲ ኽልተ ዓመትን ካብኡ ንታሕትን ንዝነበሩ ሕፃናት ሠራዊቱ ልኢኹ ኣቕተለ። ሽዑ እቲ ብነቢይ ኤርምያስ፦
[17] -
[18] ኣብ ራማ ድምፅን ብዙኅ ዋይዋይታን ብኽያትን ተሰምዐ፤ ራሄል ምእንቲ ደቃ በኸየት ሞይቶም እዮም እሞ ምጽንናዕ ኣበየት ዝተብሃለ ተፈጸመ።
[19] ሄሮድስ ምስ ሞተ እንሆ ኣብ ግብጺ መልኣኽ እግዚኣብሔር ንዮሴፍ ብሕልሚ ተርአዮ እሞ
[20] እቶም ነዝ ሕፃን እዙይ ክቐትልዎ ዝደልዩ ሞይቶም እዮም እሞ ተሥእ! ነዝ ሕፃንን ንኖኡን ኂዝካ ናብ ምድሪ እስራኤል ኪድ! በሎ።
[21] ንሱ ድማ ተሢኡ ነቲ ሕፃንን ንኖኡን ኂዙ ናብ ምድሪ እስራኤል ተመለሰ።
[22] ግና ኣርኬላዎስ ክንዲ ኣቦኡ ሄሮድስ ኣብ ይሁዳ ኸም ዝነገሠ ሰሚዑ ናብኡ ምኻድ ፈርኀ። ብሕልሚ ምስ ተገልጸሉ ድማ ናብ ምድሪ ገሊላ ኸደ።
[23] እቲ ብነቢያት ናዝራዊ ኽብሃል እዩ ዝተብሃለ ምእንቲ ኽፍጸም ናዝሬት ናብ እትብሃል ዓዲ መጺኡ ተቐመጠ።