Skip to content
Opens in a new window
Listen to this chapter • 5:35

[1] ኢየሱስ መሊሱ ብምስላ ኸምዙይ ኢሉ ነገሮም፦

[2] መንግሥተ ሰማያት ንወዱ መርዓ ዝገበረ ንጉሥ ትመስል።

[3] ንሱ ነቶም ናብ መርዓ ዝተዓደሙ ኽጽውዕዎም ኣገልገልቱ ለኣኸ፤ ግና ኽመጹ ኣይደለዩን።

[4] መሊሱ ድማ ነቶም ዕዱማት እንሆ ድግሰይ ኣዳልየ ኣለኹ፤ ሰባብሕተይን ኣስዋረይን ሓሪደ ኲሉ ተዳልዩ ኣሎ እሞ ናብቲ መርዓ ንዑ ! በልዎም› ኢሉ ኻልኦት ኣገልገልቱ ለኣኸ።

[5] እቶም ዕዱማት ግና ሸለል ኢሎም ገሊኦም ናብ ግራቶም ከዱ፤ ገሊኦም ከዓ ናብ ንግዶም ከዱ።

[6] እቶም ዝተረፉ ድማ ነቶም ኣገልገልቲ ኂዞም ኣዋረድዎምን ቀተልዎምን።

[7] እቲ ንጉሥ ተቖጢዑ ወታደራቱ ልኢኹ ነቶም ቀተልቲ ኣጥፍኦም፤ ከተማኦምውን ኣቃጸለ።

[8] ሽዑ ነቶም ኣገልገልቱ ኸምዙይ በሎም፦ ድግስ እቲ መርዓ ተዳሊዉ እዩ፤ ግና እቶም ዕዱማት ኣይተገበኦምን።

[9] እምበኣርከስ ናብ ኣደባባያትን ናብ ቀራናት መንገድን ኪዱ እሞ ንዝረኸብኩምዎ ዂሉ ናብ መርዓ ጸውዑ !› በሎም።

[10] እቶም ኣገልገልቲ ድማ ናብ መንገድታት ወፂኦም ንሕያዎትን ንኽፉኣትን ዝረኸብዎ ዂሉ ኣከቡ፤ እቲ ናይ መርዓ ኣዳራሽ ብተዓደምቲ መልአ።

[11] እንተኾነ እቲ ንጉሥ ነቶም ተቐማጦ ኽርኢ ምስ ኣተወ ክዳን መርዓ ዘይተኸደነ ሓደ ሰብኣይ ኣብኡ ረአየ እሞ

[12] ዓርከይ! ክዳን መርዓ እንተይተኸደንካ ኸመይ ኢልካ ናብዙይ ኣቲኻ?› በሎ፤ ንሱ ግና ስቕ በለ።

[13] ሽዑ እቲ ንጉሥ ንኣገልገልቱ ኸምዙይ በሎም፦ ኣእዳዉን ኣእጋሩን ኣሲርኩም ኣብ ወፃኢ ናብ ዘሎ ጸልማት ደርብይዎ፤ ኣብኡ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ክኸውን እዩ› በለ።

[14] ጽዉዓት ብዙኃት ኅሩያት ግና ውሑዳት እዮምሞ።

[15] ድኅርዙይ ፈሪሳውያን ብዘረባኡ ኸመይ ገይሮም ከም ዘጋግይዎ ኸይዶም ተማኸሩ።

[16] ንደቀ መዛሙርቶም ከዓ ምስ ናይ ሄሮድስ ሰባት ገይሮም ከምዙይ ኢሎም ናብኡ ለኣኹ፦ መምህር! ቅኑዕ ምዃንካ መንገዲ እግዚኣብሔር ከዓ ብሓቂ ኸም እትምህር ገጽ ሰብ ርኢኻ ድማ ኸም ዘይተዳሉ ንሓደ እኳ ኸም ዘይትፈርኅ ንፈልጥ ኢና።

[17] እምበኣር እንታይ ይመስለካ እስኪ ንገረና? ንቄሣር ግብሪ ምሃብ ይግባእ ድዩ ወይ ኣይግባእን? በልዎ።

[18] ኢየሱስ ግና ተንኰሎም ፈሊጡ ኣቱም ግብዛት! ንምንታይ ትፍትኑኒ ኣለኹም?

[19] እቲ ናይ ግብሪ ገንዘብ እስኪ ኣርእዩኒ! በሎም። ንሳቶም ድማ ሓደ ዲናር ኣምጽኡሉ።

[20] ኢየሱስ ድማ እዙይ መልክዑ ን ጽሕፈቱን ናይ መን እዩ? በሎም።

[21] ንሳቶም ከዓ ናይ ቄሣር እዩ! በልዎ። እምበኣር ናይ ቄሣር ንቄሣር ናይ እግዚኣብሔር ድማ ንእግዚኣብሔር ሃቡ፤ በሎም።

[22] ነዙይ ሰሚዖም ተገረሙ፤ ኃዲጎምዎ ድማ ኸዱ።

[23] በታ መዓልቲ እቲኣ ትንሣኤ ሙታን የለን ዝብሉ ሰዱቃውያን ናብኡ መጺኦም

[24] ከምዙይ ኢሎም ጠየቕዎ፦ መምህር! ሙሴ ሓደ ሰብ ውሉድ እንተይኃደገ እንተ ሞተ፤ እቲ ኃዉ ነታ ሰበይቲ ኃዉ የእትዋ፤ ንኃዉ ድማ ውሉድ የቑመሉ፤› ኢሉ ኣሎ።

[25] እምበኣር ኣባና ሸውዓተ ኣኅዋት ነበሩ፤ እቲ ዓብዪ ሰበይቲ ኣእትዩ እንተይወለደ ሞተ፤ እታ ሰበይቱ ድማ ንኃዉ ኃደጋ፤

[26] ከምኡ ድማ እቲ ኻልኣይን ሣልሳይን ክሳዕ ሸውዓቲኦም ኣእቲዮምዋ እንተይወለዱ ሞቱ።

[27] ድኅሪ ዂሎም ከዓ እታ ሰበይቲ ሞተት።

[28] ኲሎም ኣእትዮምዋ ነይሮም እዮም እሞ ብጊዜ ትንሣኤ ሙታን ካብ ሸውዓቲኦም ሰበይቲ ኣይንኦም እያ ኽትከውን? ኢሎም ጠየቕዎ።

[29] ኢየሱስ ድማ መጻሕፍቲ ኾነ ኃይሊ እግዚኣብሔር ብዘይምፍላጥ ትጋገዩ ኣለኹም።

[30] ኣብ ጊዜ ትንሣኤስ ኣብ ሰማያት ከም መላእኽቲ እግዚኣብሔር እዮም እምበር ኣይዋሰቡን ኣየዋስቡን።

[31] -

[32] ብዛዕባ ትንሣኤ ሙታን ግና እቲ ኻብ እግዚኣብሔር ኣነ ኣምላኽ ኣብርሃም ኣምላኽ ይስሓቅ ኣምላኽ ያዕቆብ እየ፤› ዝተብሃለልኩምዶ ኣየንበብኩምን ኢኹም? እምበኣርከስ ንሱ ኣምላኽ ሕያዋን እዩ እምበር ኣምላኽ ምዉታን ኣይኮነን ኢሉ መለሰሎም።

[33] እቶም ሕዝቢ ነዙይ ሰሚዖም ብትምህርቱ ተገረሙ።

[34] ንሰዱቃውያን መልሲ ኸም ዘስኣኖም ፈሪሳውያን ሰሚዖም ኣብ ዙርያኡ ተኣከቡ።

[35] -

[36] ካብኣቶም ሓደ ምሁር ሕጊ ድማ ኽፈታተኖ መምህር! ካብ ኦሪት ኣየነይቲ ትእዛዝ ተዓቢ? ኢሉ ጠየቖ።

[37] ኢየሱስ ከዓ ንእግዚኣብሔር ኣምላኽካ ብዂሉ ልብኻ ብዂሉ ነፍስኻ ብዂሉ ሓሳብካ ኣፍቅሮ፤›

[38] እታ ዓባይን ቀዳመይትን ትእዛዝ እዚኣ እያ።

[39] እታ እትመስላ ኻልኣይታ ድማ ንብጻይካ ከም ነፍስኻ ኣፍቅሮ፤› እትብል እያ።

[40] ኲሎም ኦሪትን ነቢያትን ኣብዘን ክልተ ትእዛዛት እዚኣተን ተጠሪፎም ኣለዉ በሎ።

[41] ፈሪሳውያን ተኣኪቦም እንተለዉ ኢየሱስ

[42] ብዛዕባ ክርስቶስ እንታይ ይመስለኩም? ወዲ መንከ እዩ? ኢሉ ጠየቖም። ንሳቶም ከዓ ወዲ ዳዊት በልዎ።

[43] -

[44] ኢየሱስ ድማ ከመይ ኢሉ ደኣ ባዕሉ ዳዊት ብመንፈስ ቅዱስ ጐይታ ንጐይታይ ንጸላእትኻ ኣብ ትሕቲ መርገጽ እግርኻ ኽሳዕ ዝገብሮም ኣብ የማነይ ተቐመጥ!› እናበለ ከመይ ኢሉ ጐይታይ ይብሎ?

[45] እምበኣር ዳዊት ጐይታይ ዝበሎ ድኣ ኸመይ ኢሉ ወዱ ይኸውን? በሎም።

[46] እንተኾነ ሓደ እኳ ቓል ክመልሰሉ ዝኸኣለ ኣይነበረን። ካብታ መዓልቲ እቲኣ ኸዓ ሓደ እኳ ኽጥይቖ ዝደፈረ የለን።

ወንጌል ማቴዎስ — Chapters