ወንጌል ማቴዎስ 10
[1] ኢየሱስ ነቶም ዓሠርተ ኽልተ ደቀ መዛሙርቱ ጸዊዑ ንርኹሳት መናፍስቲ ኸውፅእዎም ንዝኾነ ደዌን ሕማምን ድማ ኸሕውዩ ሥልጣን ሃቦም።
[2] ስም ናይቶም ዓሠርተ ኽልተ ሓዋርያት ድማ፦ ቀዳማይ እቲ ጴጥሮስ ዝተብሃለ ስምዖንን እንድርያስ ሓዉን ያዕቆብ ወዲ ዘብዴዎስን ዮሓንስ ሓዉን
[3] ፊልጶስ በርተሎሜዎስ ቶማስ እቲ ተቐባሊ ቐረጽ ማቴዎስ ያዕቆብ ወዲ እልፍዮስ ታዴዎስ ዝተብሃለ ልብድዮስ
[4] ስምዖን ቀናኢን እቲ ዘትኃዞ ይሁዳ ኣስቆሮታዊን እዩ።
[5] -
[6] ኢየሱስ ነዞም ዓሠርተ ኽልተ ለኣኾም። ከምዙይ ኢሉውን ኣዘዞም፦ ናብተን ከም ኣባጊዕ ዝጠፍኣ ሕዝቢ እስራኤል ደኣ እምበር ናብ ምድሪ ኣሕዛብ ኣይትኺዱ፤ ናብ ከተማ ሳምራውያን ድማ ኣይትእተዉ።
[7] ኬድኩም ድማ መንግሥተ ሰማያት ቀሪባ እያ› እናበልኩም ስበኹ።
[8] ሕሙማት ኣሕውዩ፤ ምዉታን ኣተሥኡ፤ ለምጻማት ኣንጽሁ፤ ኣጋንንቲ ኣውፅኡ፤ ብኸምኡ ዝተቐበልኩምዎ ብኸምኡ ሃቡ።
[9] ኣብ ቅናውትኹም ወርቂ ብሩር ወይ ነሃስ ኣይትኃዙ።
[10] ከምኡ ኸዓ ስንቂ ንመንገዲ ወይ ክልተ ኽዳን ወይ ኣሣእን ወይ በትሪ ኣይትኃዙ፤ ንሠራሕተኛ ዓስቡ ይግብኦ እዩሞ።
[11] ኣብ ዝኣተኹምዋ ኸተማ ወይ ዓዲ ኣብኣ እቲ ብቑዕ መን ምዃኑ ጠይቑ፤ ክሳዕ እትወፁ ድማ ኣብኣ ጽንሑ።
[12] ኣብ ገዛ ኽትኣትዉ እንተለኹም ሰላም በልዎ።
[13] እቲ ገዛ ነዙይ ዝበቅዕ እንተኾይኑ ሰላምኩም ይኅደሮ፤ ዘይበቅዕ እንተ ኾይኑ ግና ሰላምኩም ናባኻትኩም ይመለስ።
[14] እንተ ዘይተቐበለኩም ወይ ቃልኩም እንተ ዘይሰምዐኩም ግና ካብታ ገዛ ወይ ከተማ ኽትወፁ እንተለኹም ሓመድ ኣእጋርኩም ንገፉ።
[15] ብመዓልቲ ፍርዲ ኻብ ነታ ኸተማ እቲኣስ ንምድሪ ሰዶምን ገሞራን ከም ዝቐለለን እማን እብለኩም ኣለኹ።
[16] እንሆ ኣነ ኸም ኣባጊዕ ናብ ማእኸል ተዃሉ እሰደኩም ኣለኹ ደጊም ከም ተመን ብልህታት ከም ርግቢ ኸዓ የዋሃት ኩኑ።
[17] ካብ ክፉኣት ሰባትውን ተጠንቀቑ፤ ንሳቶም ናብ መጋባእያታት ኣኅሊፎም ክህቡኹም ኣብ ኣብያተ ጸሎቶም ድማ ኽገርፉኹም እዮምሞ።
[18] ንኣኣቶምን ነሕዛብን ምስክር ምእንቲ ክኸውን ብኣይ ምኽንያት ናብ መኳንንትን ናብ ነገሥታትን ክትውሰዱ ኢኹም።
[19] ኣኅሊፎም ክህቡኹም እንተለዉ በታ ሰዓት እቲኣ እንታይ ከም እትዛረቡ ኽወሃበኩም እዩ እሞ ከመይ ወይ እንታይ ክንዛረብ ኢና ኢልኩም ኣይትጨነቑ።
[20] መንፈስ ሰማያዊ ኣቦኹም እዩ ብኣኻትኩም ኣቢሉ ዝዛረብ እምበር ንስኻትኩም ኣይኮንኩምን እትዛረቡ።
[21] ኃው ንኃዉ ኣቦ ንውሉዱ ንሞት ኣኅሊፉ ኽህብ እዩ፤ ውሉድውን ኣብ ልዕሊ ወለዶም ክለዓሉ ክቐትልዎምውን እዮም።
[22] ስለ ስመይ ከዓ ብዂሉ ሰብ ዝተጸላእኹም ክትኮኑ ኢኹም፤ እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዝዕገሥ ግና ንሱ ኽድኅን እዩ።
[23] ካብዛ ዓዲ እዚኣ እንተሳጐጉኹም ናብ ካልእ ህደሙ፤ ወዲ ሰብ ክሳዕ ዝመጽእ ከተማታት እስራኤል በጺሕኹም ከም ዘይትውድእወን እማን እብለኩም ኣለኹ።
[24] ካብ መምህሩ ዝበልጽ ተምሃራይ ካብ ጐይትኡ ዝበልጽ ኣገልጋሊ የለን።
[25] ተምሃራይ ከም መምህሩ ሓሽከር ከም ጐይታኡ እንተ ኾነ የኣኽሎ እዩ። ንበዓል ገዛ ብኤልዜቡል› ካብ በልዎ ንቤተ ሰቡ ግዳ ኸመይ ብዙኅ ዘይብልዎም።
[26] እምበኣር ዘይቕላዕ ኽዱን ዘይፍለጥ ድማ ኅቡእ የለን እሞ ኣይትፍርኅዎም።
[27] ብጸልማት ዝነገርኩኹም ብብርሃን ተዛረብዎ፤ ኣብ እዝንኹም ሕሹኽ ዝበልኩኹም ከዓ ኣብ ልዕሊ ናሕሲ ዄንኩም ስበኽዎ።
[28] ነቲ ነፍስን ሥጋን ኣብ ገሃነም ከእቱ ዝከኣሎ ደኣ ፍርኅዎ እምበር ነቶም ንሥጋ ዝቐትሉ ንነፍሲ ግና ክቐትልዋ ዘይከኣሎም ኣይትፍርኅዎም።
[29] ክልተ ኣዕዋፍዶ ብሳንቲም ይሽየጣ ኣይኮናን? ሓንቲ እኳ ኻብኣተን ብዘይ ፍቓድ ሰማያዊ ኣቦኹም ኣብ ምድሪ ኣይትወድቕን እያ።
[30] ንስኻትኩም ግና ዂለን ፀጕሪ ርእስኹም እኳ ቝጹራት እየን።
[31] እምበኣርከስ ንስኻትኩም ካብ ብዙኃት ኣዕዋፍ እምብዛ ትበልጹ ኢኹም እሞ ኣይትፍርኁ።
[32] ኣብ ቅድሚ ሰብ ንዝምስክረለይ ኲሉ ኣነ ኸዓ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ክምስክረሉ እየ።
[33] ኣብ ቅድሚ ሰብ ንዝኸሓደኒ ግና ኣነውን ኣብ ቅድሚ እቲ ሰማያዊ ኣቦይ ክኽሕዶ እየ።
[34] ኣነ ናብ ምድሪ ሰላም ከውርድ ዝመጻእኹ ኣይምሰልኩም፤ ሰይፊ እምበር ሰላም ከውርድ ኣይመጻእኹን።
[35] ወዲ ክኻብ ኣቦኡ ጓል ካብ እኖኣ መርዓት ካብ ሓማታ ኽፈላሊ እየ ዝመጻእኹ።
[36] ንሰብ ጸላእቱ ቤተ ሰቡ ክኾኑ እዮም።
[37] እቲ ነቦኡ ወይ ንኖኡ ካባይ ኣብሊጹ ዝፈቱ ንኣይ ዝግባእ ኣይኮነን። ንወዱ ወይ ንጓሉ ኻባይ ኣብሊጹ ዝፈቱውን ንኣይ ዝግባእ ኣይኮነን።
[38] እቲ መስቀሉ ፆይሩ ደድኅረይ ዘይኽተል ንኣይ ዝግባእ ኣይኮነን።
[39] ንሕይወቱ ዝረኽባ ኸጥፍኣ እዩ፤ ንሕይወቱ ምእንታይ ዘጥፍኣ ግና ኽረኽባ እዩ።
[40] ንኣኻትኩም ዝቕበል ንኣይ ይቕበል፤ ንኣይ ዝቕበል ድማ ነቲ ዝለኣኸኒ ይቕበል።
[41] ንነቢይ ብስም ነቢይ ዝቕበል ዓስቢ ነቢይ ይረክብ፤ ንጻድቕ ብስም ጻድቕ ዝቕበልውን ዓስቢ ጻድቕ ይረክብ።
[42] ካብዞም ኣናእሽተይ ንሓደ እኳ ብስም ደቀ መዝሙረይ ጽዋዕ ዝሑል ማይ ዘስቲ ዓስቡ ኸቶ ኸም ዘይስእን እማን እብለኩም ኣለኹ።