Skip to content
Opens in a new window
Listen to this chapter • 6:01

[1] በቲ ጊዜ እቱይ መንግሥተ ሰማያት መመብራህተን ኂዘን መርዓዊ ኽቕበላ ዝወፃ ዓሠርተ ደናግል ትመስል።

[2] ካብኣተን እተን ኃሙሽተ ሰነፋት እተን ኃሙሽተ ኸዓ ለባማት ነበራ።

[3] እተን ሰነፋት ቀቀንዲለን ኂዘን ዘይቲ ኣይተማልኣን።

[4] እተን ለባማት ግና መምስ ቀንዲለን ዘይቲ ኣብ ጢናአን ተማሊአን ነበራ።

[5] መርዓዊ ምስ ደንጐየ ድማ ዂለን ተታኺሰን ደቀሳ።

[6] ፍርቂ ለይቲ ምስ ኮነ እንሆ መርዓዊ መጺኡ እዩሞ ኽትቅበሉ ውፁ!› ዝብል ዋዕዋዕታን ዕልልታን ኮነ።

[7] ሽዑ ዂለን እተን ደናግል ተሢአን ቀቀንዲለን ኣሰናደዋ።

[8] እተን ሰነፋት ግና ነተን ለባማት መብራህትና ኽጠፍአና ኢሉሞ ካብ ዘይትኽን እንዶ ሃባና› በላአን።

[9] እተን ለባማት ግና ናብቶም ዝሸጡ ደኣ ኼድክን ንባዕልኻትክን ዓድጋ እምበር ንኣናን ንኣኻትክንን ዝኣክል የብልናን› በላዐን።

[10] ክዕድጋ ምስ ከዳ እቲ መርዓዊ መጸ፤ እተን ተዳልየን ዝጸንሓ ምስኡ ናብ መርዓ ኣተዋ፤ በሪ ድማ ተዓጽወ።

[11] ደኃር እተን ዝተረፋ ደናግል መጺአን ኦ ጐይታ! ኦ ጐይታ! ኽፈተልና!› በላ።

[12] ንሱ ግና እማን እብለክን ኣለኹ፤ ኣይፈልጠክንን! ኢሉ መለሰለን።

[13] እምብኣር እታ ወዲ ሰብ ዝመጸላ መዓልትን ሰዓትን ኣይትፈልጥዋን ኢኹም እሞ ንቕሑ።

[14] መንግሥተ ሰማያት ከምቲ ኽገይሽ ዝደለየ ሰብ እሞ ንኣገልገልቱ ጸዊዑ ገንዘቡ ዝሃቦም ትመስል።

[15] ንነፍስ ወከፎም ከከም ዓቕሞም ንሓደ ሓሙሽተ መክሊት ነቲ ኻልአይ ክልተ መክሊት ነቲ ሣልሳይ ድማ ሓደ መክሊት ሂብዎም ገሸ።

[16] እቲ ኃሙሽተ መክሊት ዝተቐበለ ሽዑ ኸይዱ ነገደሉ። ካልእ ኃሙሽተ መክሊት ድማ ኣትረፈ።

[17] እቲ ኽልተ መክሊት ዝተቐበለ ድማ ካልእ ክልተ መክሊት ኣትረፈ።

[18] እቲ ሓንቲ መክሊት ዝተቐበለ ግና ኸይዱ ምድሪ ዂዒቱ ገንዘብ ጐይታኡ ኃብአ።

[19] ድኅሪ ነዊኅ እዋን ጐይታ እቶም ኣገልገልቲ መጺኡ ኽተሓሳሰቦም ጀመረ።

[20] እቲ ኃሙሽተ መክሊት ዝተቐበለ ቐሪቡ ጐይታይ! ሓሙሽተ መክሊት ሂብካኒ ኔርካ፤ እንሆ ድማ ኻልእ ኣብ ልዕሊአን ኃሙሽተ መክሊት ኣትረፍኩ!› እናበለ ካልእ ኃሙሽተ መክሊት ኣምጽአ።

[21] ጐይታኡ ድማ ኣታ ሕያዋይን እሙንን ኣገልጋሊ ጽቡቕ ገበርካ! ብውሑድ ተኣሚንካ ኢኻ እሞ ኣብ ልዕሊ ብዙኅ ክሸመካ እየ፤ ናብ ታሕጓስ ጐይታኻ እቶ!› በሎ።

[22] እቲ ኽልተ መክሊት ዝተቐበለ ድማ ቐሪቡ ጐይታይ! ክልተ መክሊት ሂብካኒ ነይርካ፤ እንሆ ኸዓ ኽልተ ኻልእ መክሊት ኣብ ልዕሊአን ኣትሪፈ ኣለኹ!› በለ።

[23] ጐይታኡ ኸዓ ኣታ ሕያዋይን እሙንን ኣገልጋሊ ጽቡቕ ገበርካ! ብውሑድ ተኣሚንካ ኢኻ እሞ ኣብ ልዕሊ ብዙኅ ክሸመካ እየ፤ ናብ ታሕጓስ ጐይታኻ እቶ!› በሎ።

[24] እቲ ሓደ መክሊት ዝተቐበለ ድማ ቐሪቡ ጐይታይ! ዘይዘራእኻዮ እትዓጽድ ዘይበተንካዮውን እትእክብ ጨካን ሰብ ምዃንካ እፈልጥ እየ፤

[25] ስለዝፈራኅኹውን ከይደ ነቲ መክሊትካ ኣብ ምድሪ ሓባእኽዎ፤ ሕዚ ኸዓ እንሆ ገንዘብካ!› በሎ።

[26] እቲ ጐይታኡ ግና መሊሱ በሎ፦ ኣታ ኽፉእ ሃካይ ኣገልጋሊ! ዘይዘራእኽዎ ኸም ዝዓጽድ ዘይበተንክዎ ኸም ዝእክብ ትፈልጥ እንተድኣ ነይርኻ

[27] ነቲ ገንዘበይ ባንክ ክተእትዎ ምተገብአካ ነይሩ፤ ኣነ ኸዓ መጺአ ምስ ወለዱ ምወሰድክዎ ነይረ።

[28] እምብኣርከስ ነቲ መክሊት ካብኡ ኣኅዲግኹም ነቲ ዓሠርተ መክሊት ዘለዎ ሃብዎ።

[29] ንዘለዎ ዂሉ ይህብዎ፤ ይውስኽዎውን፤ ንዘይብሉ ግና እቲ ዘለዎ እኳ የኅድግዎ እዮምሞ።

[30] ነዝ ሃካይ መገልገሊውን ናብ ፍጹም ጸልማት ኣውጺእኹም ደርብይዎ፤ ኣብኡ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ክኸውን እዩ።›

[31] ወድ ሰብ ምስ ኲሎም ቅዱሳን መላእኽቱ ብኽብሩ ኣብ ዝመጸሉ ጊዜ ሽዑ ኣብ ዝፋን ክብሩ ኽቕመጥ እዩ።

[32] ኲሎም ኣሕዛብ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ኽእከቡ እዮም፤ ጓሳ ነባጊዕ ኻብ ኣጣል ከም ዝፈላሊ ከምኡ ኸዓ ንሱ በብወገኖም ክፈልዮም እዩ።

[33] ነባጊዕ ብየማኑ ነጣል ድማ ብጸጋሙ ኸቕውም እዩ።

[34] ሽዑ እቲ ንጉሥ ብየማኑ ንዘለዉ ኣቱም ናይ ኣቦይ ቡሩኻት! እቲ ዓለም ካብ ዝፍጠር ጀሚሩ ዝተዳለወልኩም መንግሥተ ሰማያት ክትወርሱ ንዑ !

[35] ጠምየ ኣብሊዕኹምኒ፤ ጸሚአ ኣስቲኹምኒ፤ ጋሻ ኾይነ ተቐቢልኩምኒ፤

[36] ዓሪቐ ኸዲንኩምኒ፤ ሓሚመ በጺሕኹምኒ፤ ተኣሲረ ናባይ መጺእኹም ጠይቕኩምኒ፤› ኽብሎም እዩ።

[37] ሽዑ እቶም ጻድቃን ኦ ጐይታ! መኣዝ ጠሚኻ ርኢናካስ ኣብሊዕናካ? ወይ ጸሚእኻስ ኣስቲናካ?

[38] መኣዝከ ጋሻ ኾይንካ ርኢናካስ ተቐቢልናካ? ወይ ዓሪቕካስ ከዲንናካ?

[39] መኣዝ ሓሚምካ ወይ ተኣሲርካ በጺሕናካ?› ይብልዎ።

[40] እቲ ንጉሥ ከዓ ካብዞም ንኡሳት ኣኅዋተይ ንሓደ ዝገበርኩምዎ ንኣይ ከም ዝገበርክምዎ እማን እብለኩም ኣለኹ!› ኢሉ ይምልሰሎም።

[41] ብድኅርዙይ ኣብ ጸጋሙ ንዘለዉ ኣቱም ርጉማን! ካባይ ረሓቑ! ናብቲ ንሰይጣንን ንመላእኽቱን ዝተዳለወ ናብ ናይ ዘለዓለም ሓዊ ኺዱ!

[42] ጠምየ ኣየብላዕኹምንን፤ ጸሚአ ኣየስተይኹምንን፤

[43] ጋሻ ኾይነ ኣይተቐበልኩምንን፤ ዓሪቐ ኣይከደንኩምንን፤ ሐሚመን ተኣሲረን ኣይበጻሕኹምንን፤› ይብሎም።

[44] ሽዑ ንሳቶም ‹ኦ ጐይታ! መኣዝ ጠሚኻ ርኢናካስ ወይ ጸሚእኻ ወይ ጋሻ ዄንካ ወይ ዓሪቕካ ወይ ሓሚምካ ወይ ተኣሲርካ ዘየገልገልናካ?› ኢሎም ይምልሱሉ።

[45] ሽዑ እቲ ንሓደ ኻብዞም ዝነኣሱ ኣኅዋተይ ዘይገበርኩምዎ ንኣይ ከም ዘይገበርኩምዎ እማን እብለኩም ኣለኹ፤› ኢሉ ይምልሰሎም።

[46] ሽዑ ንሳቶም ናብ ናይ ዘለዓለም ቅጽዓት ጻድቃን ግና ናብ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ክኸዱ እዮም።

ወንጌል ማቴዎስ — Chapters