ወንጌል ማቴዎስ 3
[1] -
[2] በቲ ወርኃት እቱይ ዮሓንስ መጥምቕ መንግሥተ ሰማያት ቀሪባ እያ እሞ ንስሓ እተዉ እናበለ ኣብ በረኻ ይሁዳ እናሰበኸ መጸ።
[3] እቲ ብነቢይ ኢሳይያስ ጐደና እግዚኣብሔር ጽረጉ መንገዱውን ኣቕንዑ › ኢሉ ኣብ በረኻ ዝእውጅ ድምፂ ኣዋጅ ነጋሪ ተብሂሉ ዝተነግረሉ ንሱ ዮሓንስ እዩሞ።
[4] ክዳኑ ኻብ ፀጕሪ ገመል ዝተሠርሐ ነበረ፤ ዕጣቕ ሕቝኡ ድማ ፈልቍ ቅርበት ቀለቡ ኸዓ ኣንበጣን መዓር ጽዴናን ነበረ።
[5] ሽዑ ሰብ ኢየሩሳሌምን ኲሎም ሰብ ይሁዳን ኲሉ ሃገር ዙርያ ዮርዳኖስን ናብኡ ይመጹ ነበሩ።
[6] ኃጢኣቶም እናተናዘዙ ኸዓ ኣብ ፈለግ ዮርዳኖስ ብዮሓንስ ይጥመቑ ነበሩ።
[7] ካብ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ብዙኃት ክጥመቑ እንትመጹ ምስ ረአየ ኸምዙይ በሎም፦ ኣቱም ውሉድ ኣትማን ካብቲ ዝመጽእ መዓት ክተምልጡ መን ሓበረልኩም?
[8] እምበኣርከስ ንንስሓ ዘብቅዕ ፍረ ኣፍርዩ።
[9] ብልብኹም ኣብርሃም ኣቦ ኣለና› ብምባል እተምልጡ ኣይምሰልኩም። ንኣብርሃም ካብዘን ኣእማን እዚኣተን ውሉድ ከተሥአሉ ንእግዚኣብሔር ከም ዝከኣሎ እብለኩም ኣለኹ።
[10] እንሆ ሕዚ ማሕፀ ናብቲ ጕንዲ ኦም ተቐሪቡ ኣሎ። እምበኣር ጽቡቕ ፍረ ዘይፈሪ ዂሉ ኦም ይቝረጽ፤ ናብ ሓዊ ድማ ይድርበ።
[11] ኣነስ ንንስሓ ብማይ አጥምቐኩም ኣለኹ፤ እቲ ብድኅረይ ዝመጽእ ግና ካባይ ይኅይል እዩ፤ ኣነ ኣሣእኑ ኽፀውር እኳ ኣይበቅዕን እየ፤ ንሱ ብመንፈስ ቅዱስን ብሓውን ከጥምቐኩም እዩ።
[12] ዓውዱ ዘጽርየሉ መስአ ኣብ ኢዱ ዘለዎ እዩ፤ ስርናዩ ኣብ ቆፎኡ ኽእክብ፤ ነቲ ሓሰር ግና ብዘይጠፍእ ሓዊ ኸቓጽሎ እዩ።
[13] ሽዑ ኢየሱስ ብዮሓንስ ክጥመቕ ካብ ገሊላ ናብ ዮርዳኖስ መጸ።
[14] ዮሓንስ ግና ኣነ ደኣ ብኣኻ ኽጥመቕ ይግብአኒ እምበር ንስኻዶ ናባይ ትመጽእ! ኢሉ ኣበዮ።
[15] ኢየሱስ ከዓ ኲሉ ጽድቂ ኽንፍጽም ይግብአና እዩ እሞ ሕዝስ ኅደግ! ይኹን ደኣ ኢሉ መለሰሉ። ድኅርዙይ ይኹን በሎ።
[16] ኢየሱስ ምስ ተጠመቐ ሽዑ ንሽዑ ካብ ማይ ወፀ። እንሆ ኸዓ ሰማይ ተኸፈተ፤ መንፈስ እግዚኣብሔር ድማ ኸም ርግቢ ወሪዱ ኣብ ልዕሊኡ እንትዓልብ ረአየ።
[17] እንሆ ድማ ብእኡ ዝተሓጐስኩ ዝፈትዎ ወደይ እዙይ እዩ ዝብል ድምፂ ኻብ ሰማይ መጸ።