Skip to content
Opens in a new window
Listen to this chapter • 3:19

[1] ወዲ ዳዊት ወዲ ኣብርሃም ናይ ዝኾነ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ትውልዲ መጽሓፍ፦

[2] ኣብርሃም ንይስሓቅ ወለደ፤ ይስሓቅ ንያዕቆብ ወለደ፤ ያዕቆብ ንይሁዳን ነኅዋቱን ወለደ

[3] ይሁዳ ኸዓ ካብ ትእማር ንፋሬስን ንዛራን ወለደ ፋሬስ ንኤስሮም ወለደ ኤስሮም ንኣራም ወለደ

[4] ኣራም ንኣሚናዳብ ወለደ ኣሚናዳብ ንነኣሶን ወለደ ነኣሶን ንሰልሞን ወለደ

[5] ሰልሞን ካብ ረኣብ ንቦኤዝ ወለደ ቦኤዝ ካብ ሩት ንኢዮቤድ ወለደ ኢዮቤድ ንእሴይ ወለደ

[6] እሴይ ንንጉሥ ዳዊት ወለደ። ንጉሥ ዳዊት ካብ ሰበይቲ ኦርዮ ንሰሎሞን ወለደ

[7] ሰሎሞን ንሮብኣም ወለደ ሮብኣም ንኣብያ ወለደ ኣብያ ንኣሳፍ ወለደ

[8] ኣሳፍ ንኢዮሳፍጥ ወለደ ኢዮሳፍጥ ንኢዮራም ወለደ ኢዮራም ንዖዝያ ወለደ

[9] ዖዝያ ንኢዮኣታም ወለደ ኢዮኣታም ንኣካዝ ወለደ ኣካዝ ንሕዝቅያስ ወለደ

[10] ሕዝቅያስ ንምናሴ ወለደ ምናሴ ንኣሞጽ ወለደ ኣሞጽ ንኢዮስያስ ወለደ

[11] ኢዮስያስ ከዓ ብጊዜ ምርኮ ባቢሎን ንኢኮንያንን ነኅዋቱን ወለደ።

[12] ድኅሪ ምርኮ ባቢሎን ድማ ኢኮንያን ንሰላትያል ወለደ ሰላትያል ንዘሩባቤል ወለደ

[13] ዘሩባቤል ንኣብዩድ ወለደ ኣብዩድ ንኤልያቄም ወለደ ኤልያቄም ንኣዛር ወለደ

[14] ኣዛር ንሳዶቅ ወለደ ሳዶቅ ንኣኪም ወለደ ኣኪም ንኤልዩድ ወለደ

[15] ኤልዩድ ንኣልኣዛር ወለደ ኣልኣዛር ንማታን ወለደ ማታን ንያዕቆብ ወለደ

[16] ያዕቆብ ድማ ክርስቶስ ዝተብሃለ ኢየሱስ ንዝወለደት ንሕጹይ ማርያም ንዮሴፍ ወለደ።

[17] እምበኣር ኲሉ ትውልዲ ካብ ኣብርሃም ክሳዕ ዳዊት ዓሠርተ ኣርባዕተ ትውልዲ ካብ ዳዊት ክሳዕ ምርኮ ባቢሎን ዓሠርተ ኣርባዕተ ትውልዲ ካብ ምርኮ ባቢሎን ክሳዕ ክርስቶስ ድማ ዓሠርተ ኣርባዕተ ትውልዲ እዩ።

[18] ልደት ኢየሱስ ክርስቶስ ከምዙይ እዩ፦ እኖኡ ማርያም ንዮሴፍ ተሓጽያ እንተላ እንተይቲረቡ ብመንፈስ ቅዱስ ጠኒሳ ተረኽበት።

[19] ሕጹያ ዮሴፍ ግና ጻድቕ ስለ ዝነበረ ብኅቡእ ክኃድጋ ድኣ ሓሰበ እምበር ክገልጻ ኣይደለየን።

[20] እዙይ እናሓሰበ እንተሎ እንሆ መልኣኽ እግዚኣብሔር ብሕልሚ ተርአዮ ከምዙይ ድማ በሎ፦ ዮሴፍ ወዲ ዳዊት እቲ ኻብኣ ዝውለድ ብመንፈስ ቅዱስ ስለ ዝኾነ ንሕጽይትኻ ማርያም ምውሳዳ ኣይትፍራኅ።

[21] ወዲ ኽትወልድ እያ ንሱ ንሕዝቡ ኻብ ኃጢኣቶም ከድኅኖም እዩሞ ስሙ ኢየሱስ ክትብሎ ኢኻ።

[22] -

[23] እዝ ዂሉ ዝኾነ ድማ እቲ እግዚኣብሔር ብነቢይ እንሆ ድንግል ክትጠንስ ወድውን ክትወልድ እያ ስሙ ኸዓ ኣማኑኤል ክብልዎ እዮም ትርጕሙ ድማ እግዚኣብሔር ምሳና› ማለት እዩ ኢሉ ዝተዛረባ ምእንቲ ኽፍጸም እዩ።

[24] ዮሴፍ ካብ ድቃሱ ተሢኡ ኸምቲ መልኣኽ እግዚኣብሔር ዝኣዘዞ ገበረ፤ ንሕጽይቱ ማርያም ድማ ወሰዳ፤

[25] በዂሪ ወዳ ኽሳዕ እትወልድ ኣይፈለጣን፤ ኢየሱስ ኢሉ ድማ ሰመዮ።

ወንጌል ማቴዎስ — Chapters