ወንጌል ማቴዎስ 5
[1] ብዙኅ ሕዝቢ ምስ ረአየ ናብ እምባ ደይቡ ተቐመጠ፤ ደቀ መዛሙርቱ ድማ ናብኡ ቐረቡ።
[2] ከምዙይ እናበለ ድማ ኽምህሮም ጀመረ፦
[3] ብመንፈስ ድኻታት ዝኾኑ ብፁዓን እዮም፤ መንግሥተ ሰማያት ናታቶም እያሞ።
[4] ዝኃዝኑ ብፁዓን እዮም፤ ምጽንናዕ ኽረኽቡ እዮም እሞ።
[5] የዋሃን ብፁዓን እዮም፤ ንምድሪ ኽወርስዋ እዮም እሞ።
[6] ንጽድቂ ዝጠምዩን ዝጸምኡን ብፁዓን እዮም፤ ክጸግቡ እዮም እሞ።
[7] ዝምሕሩ ብፁዓን እዮም፤ ምሕረት ክረኽቡ እዮም እሞ።
[8] ንጹሃት ልቢ ብፁዓን እዮም፤ ንእግዚኣብሔር ክርእይዎ እዮም እሞ።
[9] ገበርቲ ሰላም ብፁዓን እዮም፤ ውሉድ እግዚኣብሔር ክበሃሉ እዮምሞ።
[10] ምእንቲ ጽድቂ ዝስደዱ ብፁዓን እዮም፤ መንግሥተ ሰማያት ናታቶም እያ እሞ።
[11] ምእንታይ እንተ ጸረፉኹምን እንተሳጐጉኹምን ኲሉ ኽፉእውን ብሓሰት እንተ ተዛረቡልኩምን ብፁዓን ኢኹም።
[12] ነቶም ቅድሜኹም ዝነበሩ ነቢያት ከምኡ ኣሳጕጐምዎም እዮም እሞ ኣብ ሰማያት ዓስብኹም ብዙኅ ስለ ዝኾነ ተሓጐሱ ባህውን ይበልኩም።
[13] ንስኻትኩም ናይ ምድሪ ጨው ኢኹም፤ ጨው መቐረቱ እንተ ጠፍአኸ ብምንታይ ይምቅር? ንደገ ተደርብዩ ብእግሪ ሰብ ክርገጽ እንተ ዘይኮይኑስ ዝጠቕሞ የብሉን።
[14] ንስኻትኩም ናይ ዓለም ብርሃን ኢኹም፤ ኣብ እምባ ዘላ ኸተማ ኽትክወል ኣይከኣላን እዩ።
[15] መብራህቲ ኣብ ገዛ ንዘሎ ዂሉ ምእንቲ ኸብርህ ኣብ በሪኽ መቐመጢኡ ተንብሮ እምበር ኣብ ትሕቲ ኸፈር ኣይተንብሮን።
[16] ከምኡ ኸዓ ነቲ ጽቡቕ ግብርኹም ርእዮም ኣብ ሰማያት ንዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ኸመስግንዎ ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ።
[17] ኣነ ንኦሪትን ንነቢያትን ክፍጽሞም ደኣ እምበር ክስዕሮም ዝመጻእኹ ኣይምሰልኩም።
[18] ሰማይን ምድርን ክሳዕ ዝኃልፍ ኲሉ ሕጊውን ክሳዕ ዝፍጸም ካብ ሕጊ የውጣ ወይ ሓንቲ ሕንጻጽ ከም ዘይትኃልፍ እማን እብለኩም ኣለኹ።
[19] እምበኣርከስ ካብዘን ኣናእሽቲ ትእዛዛት ንሓንቲ ዝጠሓሰ ከምኡውን ንሰብ ዝመሃረ ኣብ መንግሥተ ሰማያት ንእሽተይ ክኸውን እዩ። እናፈጸመ ዝምህር ግና ኣብ መንግሥተ ሰማያት ዓብዪ ክኸውን እዩ።
[20] ጽድቅኹም ካብ ጽድቂ መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን ኬርና እንተ ዘይበሊጹ ናብ መንግሥተ ሰማያት ከቶ ኣይትኣትዉን ኢኹም ኢለ እነግረኩም ኣለኹ።
[21] ነቶም ቀዳሞትዝቐተለ ክፍረዶ እዩ እሞ ኣይትቕተል› ከም ዝተብሃለ ሰሚዕኹም ኣለኹም።
[22] ኣነ ግና ንኃዉ ብዘይኮነ ዝቝጣዕ ዂሉ ኽፍረዶ እዩ፤ ንኃዉ ጨርቃም ዝብሎ ድማ ኣብ መጋባእያ ኽፍረዶ እዩ፤ ኣታ ዓሻ› ዝብሎውን ብገሃነመ እሳት ክፍረዶ እዩ እብለኩም ኣለኹ።
[23] እምበኣርከስ መባእኻ ናብ መሠውዒ እንተምጻእኻ ሓውካ ኸዓ ተቐይሙካ ምህላዉ ሽዑ እንተ ዘከርካ
[24] ነቲ መባእኻ ኣብኡ ኣብቲ ቕድሚ መሠውዒ ኃዲግካ ኺድሞ ኣቐዲምካ ምስቲ ሓውካ ተዓረቕ፤ ደኃር ተመሊስካ መባእኻ ኣቕርብ።
[25] ምስ መባእስትኻ ድማ ገና ኣብ መንገዲ እንተለኻ ቐልጢፍካ ተዓረቕ፤ እንተ ዘይኮነ እቲ መባእስትኻ ንፈራዲ ኣኅሊፉ ኸይህበካ እቲ ፈራዲ ድማ ናብ ሓሽከሩ ኸየኅልፈካ እቲ ሓሽከሩ ድማ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኸየእትወካ።
[26] እታ ናይ መወዳእታ ሳንቲም ክሳዕ እትኸፍል ካብኣ ኸም ዘይትወፅእ እማን እብለካ ኣለኹ።
[27] ነቶም ቀዳሞት ኣይትዘሙ› ከም ዝተብሃለ ሰሚዕኹም ኣለኹም።
[28] ኣነ ግና ንሰበይቲ ርእዩ ዝተመነያ ዂሉ ብልቡ ፈጺሙ ኣብኣ ዘመወ እብለኩም ኣለኹ።
[29] የማነይቲ ዓይንኻ እንተስሓተትካ ካባኻ መዝሒቕካ ደርብያ። ብዘሎ ኣካልካ ናብ ገሃነም ካብ ዝኣቱስ ሓንቲ ኣካልካ እንተ ጠፍአት ይሕሸካ።
[30] የማነይቲ ኢድካ እንተስሓተትካውን ካባኻ ቖሪጽካ ደርብያ። ምሉእ ኣካልካ ናብ ገሃነም ካብ ዝኣቱ ሓንቲ ኣካልካ እንተ ጠፍአት ይሕሸካ።
[31] ንሰበይቱ ዝፈትሕ ኲሉ መፍትሒኣ ዝነግር ጽሑፍ ይሃባ› ተብሂሉ ኣሎ።
[32] ኣነ ግና ብምኽንያት ዝሙት እንተዘይኮይኑ ንሰበይቱ ዝፈትሕ ኲሉ ዘማዊት ይገብራ፤ እቲ ነታ ፍትሕቲ ዘእቱ ድማ ይዝሙ እብለኩም ኣለኹ።
[33] ከምኡ ድማ ነቶም ቀዳሞት ማሕላኻ ንእግዚኣብሔር ሃብ እምበር ብሓሰት ኣይትምሓል› ከም ዝተብሃለ ሰሚዕኹም ኣለኹም።
[34] ኣነ ግና ብሰማይ ዝፋን እግዚኣብሔር ስለ ዝኾነ
[35] ወይ ብምድሪ መርገጽ እግሩ ስለ ዝኾነት ወይ ብኢየሩሳሌም ከተማ እቲ ዓብዪ ንጉሥ ስለ ዝኾነት ከቶ ኣይትምሓሉ እብለኩም ኣለኹ።
[36] ካብ ፀጕሪ ርእስኻ ሓንቲ ኸተፃዕዱ ወይ ክተጸልም ኣይትኽእልን ኢኻሞ ብርእስኻውን ኣይትምሓል።
[37] ነገርኩም እወ እወ› ወይ ከዓ ኣይኮነን ኣይኮነን› ደኣ ይኹን። ካብዙይ ዝኃለፈ ግና ካብቲ ኽፉእ እዩ።
[38] ዓይኒ ኽንዲ ዓይኒ ስኒ ኽንዲ ስኒ› ከም ዝተብሃለ ሰሚዕኹም ኣለኹም።
[39] ኣነ ግና እብለኩም ኣለኹ፤ ንኽፉእ ብኽፉእ ኣይትቃወምዎ። የማነይቲ መትልሕኻ ንዝጸፍዐካ እታ ኻልአይትውን መልሰሉ።
[40] እጀ ጠባብካ ኽወስድ ኢሉ ንዝቃለሰካ ነጸላኻውን ኅደገሉ።
[41] ሓደ ምዕራፍ ክትከይድ ንዘገደደካ ክልተ ምዕራፍ ምስኡ ኺድ።
[42] ንዝለመነካ ሃቦ፤ ካባኻ ኽልቃሕ ንዝደልውን ኣይትኽልኣዮ።
[43] ብጻይካ ኣፍቅር ጸላኢኻ ጽላእ› ከም ዝተብሃለ ሰሚዕኹም ኣለኹም።
[44] -
[45] ኣነ ግና ጸላእትኹም ፍተዉ፤ ንዝረግሙኹም መርቑ ። ውሉድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ኽትኮኑ ንሱ ንኽፉኣትን ንሕያዎትን ፀሓይ የብርቕ ንጻድቃንን ንኃጥኣንን ድማ ዝናም የዝንም እዩ እሞ ንዝጸልኡኹም ጽቡቕ ግበሩ፤ ስለ እቶም ዝጸርፉኹምን ዘሳጕጉኹምን ጸልዩ! እብለኩም ኣለኹ።
[46] ነቶም ዝፈትውኹም እንተ ፈተኹም እንታይ ዓስቢ ኣለኩም? ኃጢኣተኛታትውን ከምኡዶ ይገብሩ ኣይኮኑን?
[47] ነኅዋትኩም ጥራሕ ሰላምታ እንተ ሃብኩምከ እንታይ ኅልፊ ገበርኩም? ኣሕዛብስ ከምኡ ይገብሩ እንድዮም?
[48] እምበኣርከ ኸምቲ ሰማያዊ ኣቦኹም ፍጹም ዝኾነ ንስኻትኩምውን ፍጹማን ኩኑ።