ወንጌል ማቴዎስ 27
[1] ምስ ወግሐ ኲሎም ሊቃነ ካህናትን ሽማግለታት ሕዝብን ንኢየሱስ ክቐትልዎ ተማኸሩ።
[2] ኣሲሮም ወሰድዎ እሞ ንጲላጦስ ነቲ ሹም ኣኅሊፎም ሃብዎ።
[3] -
[4] ሽዑ እቲ ዘትኀዞ ይሁዳ ንኢየሱስ ከም ዝተፈርዶ ምስ ረአየ ተናሲሑ ንጹሕ ሰብ ንሞት ኣኅሊፈ ብምሃበይ በዲለ እናበለ ነቲ ሠላሳ ቕርሺ ናብ ሊቃነ ካህናትን ሽማግለታት ሕዝብን መለሶ። ንሳቶም ግና ንሕና እንታይ ኣእትዩና! ባዕልኻ ትፈልጥ! በልዎ።
[5] ንሱ ኸዓ ነቲ ሠላሳ ቕርሺ ኣብ ቤተ መቕደስ ደርብይዎ ወፀ፤ ከይዱውን ተሓኒቑ ሞተ።
[6] እቶም ሊቃነ ካህናት ግና ነቲ ገንዘብ ወሲዶም ዋጋ ደም ስለ ዝኾነ ኣብ ሙዳየ ምጽዋት ክነእትዎ ኣይግባእን እዩ በሉ።
[7] ተማኺሮም ከዓ ብእኡ ንመቓብር ኣጋይሽ ዝኸውን ግራት ሠራሕ ኣቅሓ መሬት ዓደጉሉ።
[8] ስለዙይ እታ ግራት ክሳዕ ሎሚ ግራት ደም ትብሃል ኣላ።
[9] እቲ ብነቢይ ኤርምያስ ነቲ ደቂ እስራኤል ዋጋ ዝገምገሙሉ ዋጋ ናይቲ ኽቡር ሠላሳ ብሩር ወሰዱ።
[10] ከምቲ እግዚኣብሔር ዝኣዘዘኒውን ንግራት ሠራሕ ኣቅሓ መሬት ሃብዎ ኢሉ ዝተነግረ ቃል ተፈጸመ።
[11] ኢየሱስ ኣብ ቅድሚ እቲ ገዛኢ ቖመ። እቲ ገዛኢ ድማ ንስኻዶ ንጉሥ ኣይሁድ ኢኻ? ኢሉ ጠየቖ። ኢየሱስ ከዓ ንስኻ እኳ ትብል ኣለኻ በሎ።
[12] ሊቃነ ካህናትን ሽማግለታት ሕዝብን ክኸስዎ እንተለዉ ሓንቲ እኳ ኣይመለሰን።
[13] ሽዑ ጲላጦስ ብኽንደይ ነገራት ኣብ ልዕሌኻ ይምስክሩ ኸም ዘለዉዶ ኣይትሰምዕን ኢኻ? በሎ።
[14] ንሱ ግና እቲ ገዛኢ ኼርና ኽሳዕ ዝግረም ሓንቲ ቓል እኳ ኣይመለሰሉን።
[15] እቲ ገዛኢ ብበዓል ነቶም ሕዝቢ ዝደለይዎ ሓደ እሱር ክፈትሓሎም ልማድ ነበሮ።
[16] ሽዑ በርባን ዝተብሃለ ብዓመፅ ዝተፈለጠ ሓደ እሱር ነበረ።
[17] -
[18] ጲላጦስ ከዓ ንኢየሱስ ብቕንኣት ከም ዘትኃዝዎ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ እቶም ሕዝቢ ምስ ተኣከቡ ነይንኦም ክፈትሐልኩም ትደልዩ? ንበርባንዶ ወይ ነዝ ክርስቶስ ዝብሃል ኢየሱስ? በሎም።
[19] ኣብ መንበር ፍርዲ ተቐሚጡ እንተሎ ድማ ሰበይቱ ሎሚ ለይቲ ብሕልሚ ብዛዕብኡ ብዙኅ ተሳቕየ እየ እሞ ኣብ ልዕሊ እቲ ጻድቕ ሰብ ሓንቲ ኸይትብድል ተጠንቀቕ! ኢላ ለኣኸትሉ።
[20] ሊቃነ ካህናትን ሽማግለታትን ግና ነቶም ሕዝቢ በርባን ይፈታሕ! ኢየሱስ ግና ይቀተል! ኢሎም ንኽልምኑ ሕራይ ኣበልዎም።
[21] ሽዑ እቲ ገዛኢ ካብ ክልቲኦም ነይንኦም ክፈትሐልኩም ትደልዩ? ኢሉ ጠየቖም። ንሳቶም ድማ ንበርባን! በልዎ።
[22] ጲላጦስ ከዓ ነዝ ክርስቶስ ዝተብሃለ ኢየሱስከ እንታይ ክገብሮ? በሎም። ኲሎም ድማ ይሰቐል! በሉ።
[23] ጲላጦስ ንሱ እንታይ ክፉእ ገበረ? በሎም። ንሳቶም ግና ይሰቐል! እናበሉ ኣበርቲዖም ጸርሑ።
[24] ስለዙይ ጲላጦስ እዝ ነገር እዙይ ሁከት ንምልዕዓል እንተ ዘይኮይኑ ኻልእ ምንም ከም ዘይጠቅም ምስ ረአየ ማይ ወሲዱ ኣነ ኻብ ደም እዝ ጻድቕ ሰብ እዙይ ንጹሕ እየ፤ ባዕልትኹም ትፈልጡ! እናበለ ኣብ ቅድሚ እቲ ሕዝቢ ኣእዳዉ ተሓጸበ።
[25] ኲሎም እቶም ሕዝቢ ኸዓ ደሙ ኣብ ልዕሌናን ኣብ ልዕሊ ደቅናን ይኹን! ኢሎም መለሱሉ።
[26] ሽዑ ንበርባን ፈትሐሎም፤ ንኢየሱስ ግና ገሪፉ ኽስቀል ኣኅሊፉ ሃቦም።
[27] ድኅርዙይ እቶም ወታደራት ጲላጦስ ንኢየሱስ ናብ ቤተ መንግሥቲ ወሲዶም ነቲ ሠራዊት ብምሉኡ ናብኡ ኣከብዎ።
[28] ክዳኑ ገፊፎም ከዓ ቐይሕ ካባ ኸደንዎ።
[29] ናይ እሾኲ ኣኽሊል ተኒጎምውን ኣብ ርእሱ ደፍኡሉ፤ ኣብ የማናይ ኢዱ ዘንጊ ኣትኂዞም ከዓ ኣብ ቅድሚኡ እናተምበርከኹ ሰላም! ኦ ንጉሥ ኣይሁድ! እናበሉ የላግጹሉ ነበሩ።
[30] እንትፍ ድማ በሉሉ፤ ነቲ ዘንጊ ኣኅዲጎም ከዓ ርእሱ ወቕዕዎ።
[31] ምሰላገጹሉ ድማ ነቲ ቐይሕ ካባ ቐንጢጦም ክዳውንቱ ኸደንዎ፤ ክሰቕልዎውን ወሰድዎ።
[32] ክወፁ እንተለዉ ድማ ስምዖን ዝስሙ ሓደ ቀሬናዊ ሰብኣይ ረኸቡ እሞ ንመስቀል ኢየሱስ ክፀውር ኣገደድዎ።
[33] ጎልጎታ ትርጕሙ ሓምሓም ርእሲ ተብሂሉ ናብ ዝጽዋዕ ሥፍራ ምስ በጽሑ
[34] ሓሞት ዝተሓወሶ መጺጽ ወይኒ ኽሰቲ ሃብዎ፤ ንሱ ኸዓ ጥዒሙ ምስታይ ኣበየ።
[35] ምስ ሰቐልዎ ነቲ ኽዳውንቱ ዕፃ ኣውዲቖም ተኻፈልዎ።
[36] ኣብኡ ተቐሚጦም ከዓ ይሕልውዎ ነበሩ።
[37] ኣብ ልዕሊ ርእሱ ድማ እዙይ ኢየሱስ ንጉሥ ኣይሁድ እዩ? ዝብል ናይ መኽሰሲኡ ጽሑፍ ኣንበሩሉ።
[38] ሽዑ ምስኡ ኽልተ ኸተርቲ ሓደ ብየማኑ ሓደ ድማ ብጸጋሙ ተሰቕሉ።
[39] እቶም ብጥቕኡ ዝኃልፉ ዝነበሩ ድማ ርእሶም እናነቕነቑ
[40] ኣታ ንቤተ መቕደስ ኣፍሪስካ ብሠለስተ መዓልቲ እትሓንጽ እስኪ ርእስኻ ኣድኅን! ወዲ እግዚኣብሔር እንተ ደኣ ኴንካስ እስኪ ኻብ መስቀል ውረድ! እናበሉ የላግጹሉ ነበሩ።
[41] ከምኡ ድማ እቶም ሊቃነ ካህናት ምስ መምህራን ሕግን ሽማግለታትን ኮይኖም፦
[42] ንኻልኦት ኣድኃነ፤ ንርእሱ ግና ከድኅን ኣይከኣለን! ንሱ ንጉሥ እስራኤል እንተ ድኣ ኾይኑስ እስኪ ሕዚ ኻብ መስቀል ይውረድ፤ ንሕና ኸዓ ብእኡ ኽንኣምን!
[43] ንሱ ብእግዚኣብሔር ተኣሚኑ እዩ፤ ኣነ ወዲ እግዚኣብሔር እየ› እውን ኢሉ እዩ እሞ ዝፈትዎ እንተ ደኣ ኾይኑስ እስኪ ሕዚ የድኅኖ! እናበሉ የላግጹሉ ነበሩ።
[44] ከምኡ ኸዓ እቶም ምስኡ ዝተሰቐሉ ኸተርቲውን የላግጹሉ ነበሩ።
[45] እንሆ ካብ ሽዱሽተ ሰዓት ጀሚሩ ኽሳዕ ትሽዓተ ሰዓት ኲሉ ምድሪ ጸልመተ።
[46] ብታሽዐይቲ ሰዓት ኣቢሉ ኢየሱስ ኤሎሄ! ኤሎሄ! ላማ ሰበቅታኒ? እናበለ ብዓብዪ ድምፂ ዓው ኢሉ ጸርሐ፤ እዙይ ከዓ ኣምላኸይ! ኣምላኸይ! ንምንታይ ኃደግካኒ? ማለት እዩ።
[47] ገሊኦም ካብቶም ኣብኡ ቆይሞም ዝነበሩ ሰባት ነዙይ ምስ ሰምዑ እዙይስ ንኤልያስ እዩ ዝጽውዕ ዘሎ! በሉ።
[48] ሽዑ ሓደ ኻብኣቶም ጐይዩ፤ ሰፍነግ ወሲዱ ኣብ መጺጽ ኣሊኹ ኣብ ዘንጊ ኣሲሩ ንኽሰትዮ ኣቕረበሉ።
[49] ገሊኦም ግና ኅደግዎ! ኤልያስ መጺኡ ዘድኅኖ እንተ ኾይኑ ኽንርኢ ኢና! በሉ።
[50] ኢየሱስ ደጊሙ ብዓብዪ ድምፂ ጸርሐ፤ ነፍሱ ድማ ወፀት።
[51] እንሆ ኸዓ መጋረጃ ቤተ መቕደስ ካብ ላዕሊ ኽሳዕ ታሕቲ ኣብ ክልተ ተቐደደ፤ ምድሪ ተናወጸት፤ ኣኻውሕ ድማ ተጨደዱ።
[52] መቓብራትውን ተኸፍቱ፤ ሞይቶም ዝነበሩ ናይ ብዙኃት ቅዱሳን ሬሳታት ድማ ካብ ሞት ተሥኡ።
[53] ከካብ መቓብሮም ወፂኦም ድኅሪ ትንሣኤኡ ናብታ ቕድስቲ ኸተማ ኣተዉ፤ ንብዙኃትውን ተርኣይዎም።
[54] እቲ ሓለቓ ሚእትን እቶም ንኢየሱስ ክሕልዉ ምስኡ ዝነበሩን ከዓ ነቲ ምንዋጽ ምድርን ነቲ ዝኾነ ነገራትን ርእዮም እዙይስ እማን ወዲ እግዚኣብሔር እዩ! እናበሉ የመና ፈርኁ።
[55] ኣብኡ ኸዓ ንኢየሱስ እናኣገልገላኦ ኻብ ገሊላ ጀሚረን ዝተኸተላኦ ብዙኃት ኣንስቲ ብርኁቕ ይዕዘባ ነበራ።
[56] ካብኣተንውን ማርያም መግደላዊት ማርያም እኖ ያዕቆብን ዮሳን እኖ ደቂ ዘብዴዎስን ነበራ።
[57] ምስ መሰየ ግና ዮሴፍ ዝተብሃለ ሃብታም ሰብኣይ ካብ ኣርማትያስ መጸ። ንሱ ኸዓ ደቀ መዝሙር ኢየሱስ ነበረ።
[58] ናብ ጲላጦስ ቀሪቡ ድማ ናይ ኢየሱስ ሥጋ ኽህቦ ለመነ። ሽዑ ጲላጦስ ክህብዎ ኣዘዘ።
[59] ዮሴፍ ድማ ነቲ ናይ ኢየሱስ ሥጋ ወሲዱ ብጽሩይ ጻዕዳ ሓሪ ገነዞ፤
[60] ኣብቲ ኣብ ኰዂሒ ዘውቀሮ ናይ ባዕሉ ሓድሽ መቓብርውን ቀበሮ፤ ሓደ ዓብዪ እምኒ ኣንከባሊሉ ድማ ነቲ ኣፍ መቓብር ዓጽይዎ ኸደ።
[61] ኣብኡ ኸዓ ማርያም መግደላዊትን እታ ኻልአይታ ማርያምን መንጽር እቲ መቓብር ተቐሚጠን ነበራ።
[62] ንጽባሒቱ ድኅሪ እታ መዓልቲ ምድላው ሊቃነ ካህናትን ፈሪሳውያንን ተኣከቡ እሞ ናብ ጲላጦስ ከይዶም
[63] ጐይታና! እቲ መስሓቲ ብሕይወቱ እንተሎ ድኅሪ ሠለስተ መዓልቲ ኽትሥእ እየ› ከምዝበለ ዘከርና።
[64] ስለዙይ ደቀ መዛሙርቱ መጺኦም ከይሰርቅዎ ንሕዝቢ ኸዓ ካብ ሞት ተሢኡ ኸይብሉ እሞ ካብ እታ ቐዳመይቲ እታ ዳኅረወይቲ ጌጋ ዝገደደት ከይትኸውንስ ክሳዕ ሣልሳይ መዓልቲ እቲ መቓብር ብጽኑዕ ኽሕሎ ኣዝዝ! በልዎ።
[65] ጲላጦስ ከዓ ሓለውቲ ኂዝኩም ኪዱ እሞ ከም እትፈልጥዎ ጌርኩም ኣጽኒዕኹም ሓልዉ በሎም።
[66] ንሳቶም ድማ ኸይዶም ነቲ ናይ መቓብር እምኒ ብማኅተም ኃቲሞም ነቲ መቓብር ብወታደራት ኣጽኒዖም ኣሐለውዎ።