Skip to content
Opens in a new window
Listen to this chapter • 5:01

[1] በታ ሰዓት እቲኣ እቶም ደቀ መዛሙርቱ ኣብ መንግሥተ ሰማያት መን የዓቢ? እናበሉ ናብ ኢየሱስ ቀረቡ።

[2] ኢየሱስ ድማ ንሓደ ሕፃን ናብኡ ጸዊዑ ኣብ ማእኸሎም ኣቖሞ እሞ ከምዙይ በለ፦

[3] እንተ ዘይተመሊስኩም ከምዝ ሕፃን እዙይውን እንተ ዘይኮይንኩም ናብ መንግሥተ ሰማያት ከቶ ኸም ዘይትኣትዉ እማን እብለኩም ኣለኹ።

[4] እቲ ኸምዝ ሕፃን እዙይ ርእሱ ዘትሕት ንሱ እዩ ኣብ መንግሥተ ሰማያት ካብ ኲሉ ዝዓቢ።

[5] እቲ ንኸምዙይ ዝበለ ሕፃን ብስመይ ዝቕበል ንኣይ ይቕበል።

[6] እቲ ንሓደ ኻብዞም ብኣይ ዝኣምኑ ኣናእሽተይ ዘስሕት ድማ እምኒ መጥሓን ኣብ ክሳዱ ተኣሲሩ ኣብ ዓሚቝ ባሕሪ እንተዝሰጥም ምሐሾ።

[7] ዕንቅፋት ግድን ክመጽእ እዩ እሞ ብዛዕባ ዕንቅፋት ንዓለም ወይለኣ! ምናዳ ነቲ ብሰንኩ ዕንቅፋት ዝመጽእ ሰብ ወይለኡ!

[8] ኢድካ ወይ እግርኻ እንተስሓተትካ ካባኻ ቖሪጽካ ደርብያ! ምስ ክልተ ኢድካን ክልተ እግርኻን ኣብ ናይ ዘለዓለም ሓዊ ካብ እትድርበ ብቖራጽካ ወይ ብሓንካስካ ናብ ሕይወት ክትኣቱ ይሕሸካ።

[9] ዓይንኻ እንተስሓተትካ ድማ ካባኻ መዝሒቕካ ደርብያ! ምስ ክልተ ዓይንኻ ናብ ገሃነም እሳት ካብ እትድርበስ ነቛር ኴንካ ናብ ሕይወት ምእታው ይሕሸካ።

[10] መላእኽቶም ኣብ ሰማያት ኲልሻዕ ገጽ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ይርእዩ እዮም እሞ ካብዞም ኣናእሽተይ ንሓደ እኳ ኸይትንዕቑ ተጠንቀቑ።

[11] ወዲ ሰብ ንዝጠፍአ ኽደልን ከድኅንን እዩ ዝመጸ እሞ።

[12] እንታይ ይመስለኩም? ሚእቲ ኣባጊዕ ዘለዋኦ ሰብኣይ ካብኣተን ሓንቲ እንተ ጠፍኣቶ ነተን ተስዓን ትሽዓተን ኣብ በረኻ ኃዲጉ ነታ ዝጠፍአት ክደሊዶ ኣይኸይድን?

[13] እንተ ረኸባ ድማ ኻብተን ዘይጠፍኣ ተስዓን ትሽዓተን ብኣኣ የመና ከም ዝሕጐስ እማን እብለኩም ኣለኹ።

[14] ከምኡ ድማ ኻብዞም ኣናእሽተይ ሓደ እኳ ኽጠፍእ ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኹም ኣይኮነን። ኃውካ እንተ በደለካ

[15] ኃውካ እንተ በደለካ ኼድካ ንስኻን ንሱን በይንኹም ኴንኩም መዓዶ፤ እንተ ሰምዐካ ንኃውካ ረባሕኻዮ።

[16] እንተ ዘይሰምዐካ ግና ኲሉ ነገር ብኣፍ ክልተ ወይ ሠለስተ መሰኻኽር እዩ ዝቐውም እሞ ኣብ ካልኣይ ጊዜ ሓደ ወይ ክልተ ምሳኻ ውሰድ።

[17] ንኣኣቶም እንተ ዘይሰምዖም ድማ ንቤተ ክርስቲያን ንገራ፤ ንቤተ ክርስቲያን እንተ ዘይሰምዓ ግና ከም ኣረሚን ከም ዘይንሳሕ ኃጢኣተኛን ቊጸሮ።

[18] እማን እብለኩም ኣለኹ፤ ኣብ ምድሪ ዝኣሰርኩምዎ ኣብ ሰማይ እሱር ክኸውን እዩ፤ ኣብ ምድሪ ዝፈታሕኹምዎ ድማ ኣብ ሰማይ ፍቱሕ ክኸውን እዩ።

[19] -

[20] ክልተ ወይ ሠለስተ ኾይኖም ብስመይ ኣብ ዝተኣከቡሉ ኣነ ኸዓ ኣብኡ ኣብ ማእኸሎም ኣለኹ እሞ ክልተ ወይ ሠለስተ ካባኻትኩም ኣብ ምድሪ ብዝልምንዎ ነገር ኲሉ እንተ ተሰማሚዖም ካብቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ክወሃቦም እዩ ኢለ እማን እብለኩም ኣለኹ።

[21] ሽዑ ጴጥሮስ ቅርብ ኢሉ ጐይታይ! ኃወይ እንተ በደለኒ ክንደይ ሻዕ ይቕረ ኽብለሉ? ክሳዕ ሸውዓተዶ? በሎ።

[22] ኢየሱስ ድማ ሸውዓተ ሻዕ ሰብዓ ደኣ እምበር ክሳዕ ሸውዓተ ኣይብለካን፤

[23] ስለዙይ መንግሥተ ሰማያት ምሰገልገልቱ ኽጸባጸብ ዝደለየ ንጉሥ ትመስል፤

[24] ክጸባጸብ ምስ ጀመረ ዓሠርተ ሽሕ መክሊት ዕዳ ዘለዎ ሰብ ኣምጽኡሉ።

[25] ዝፈድዮ ምስ ሰኣነ ግና እቲ ጐይታኡ ንሱን ሰበይቱን ደቁን ዘለዎ ሃብቲ ዂሉን ክሽየጥ እሞ እቲ ዕዳ ክኽፈል ኣዘዘ።

[26] እቲ ኣገልጋሊ ድማ ናብ እግሩ ተደፊኡ ጐይታይ! ተዓገሠኒ ደኣ እምበር ኲሉ ኽፈድየካ እየ!› እናበለ ለመኖ።

[27] እቲ ጐይታኡ ድማ ነቲ ኣገልጋሊ ራህረሀሉሞ ፈትሖ፤ ዕዳኡውን ኃደገሉ።

[28] እቲ ኣገልጋሊ ምስ ወፀ ግና ካብቶም ብጾቱ ሚእቲ ዲናር ዕዳ ዘለዎ ሓደ ኣገልጋሊ ረኸበ እሞ ኣባኻ ዘሎ ዕዳ ፍደየኒ!› ኢሉ ሓኒቑ ኃዞ።

[29] ሽዑ እቲ ብጻዩ ኣገልጋሊ ተዓገሠኒ፤ ኲሉ ኽፈድየካ እየ!› እናበለ ተደፊኡ ለመኖ።

[30] ንሱ ግና ኣበዮ፤ ከይዱ ድማ ኽሳዕ ዕዳኡ ዝፈድዮ ኣእሰሮ።

[31] እቶም ብጾቱ ኣገልገልቲ ድማ እቲ ዝገበሮ ነገር ርእዮም የመና ኃዘኑ፤ ከይዶምውን እቲ ዝኾነ ዂሉ ነገር ንጐይታኦም ነገርዎ።

[32] ሽዑ እቲ ጐይታኡ ጸዊዑ ኣታ ኽፉእ ኣገልጋሊ! ኣነ ስለ ዝለመንካኒ ዂሉ ዕዳኻ ኃደግኩልካ፤

[33] ንስኻኸ ኸምቲ ኣነ ዝመሓርኩኻዶ ነቲ ብጻይካ ኽትምሕሮ ኣይምተገብአካን?› በሎ።

[34] ጐይታኡ ኸዓ ተቖጢዑ ዂሉ ዕዳኡ ፈጺሙ ኽሳዕ ዝፈዲ ንዘሳቕይዎ ኣኅሊፉ ሃቦ።

[35] እምበኣር ንስኻትኩምውን ነፍስ ወከፍኩም ንኃዉ ኻብ ልቡ በደሉ እንተ ዘይኃዲጉሉ ሰማያዊ ኣቦይውን ከምኡ ኽገብረኩም እዩ።

ወንጌል ማቴዎስ — Chapters