ወንጌል ማቴዎስ 12
[1] በቲ ጊዜ እቱይ ኢየሱስ ብሰንበት ብማእኸል ዝሩእ ገርሁ ኃለፈ። ደቀ መዛሙርቱ ድማ ጠምዮም ስለ ዝነበሩ ሸዊት እናቐንጠቡ ኽበልዑ ጀመሩ።
[2] ፈሪሳውያን ድማ እዙይ ርእዮም ርአ! ደቀ መዛሙርትኻ ብሰንበት ክግበር ዘይግባእ ይገብሩ ኣለዉ በልዎ።
[3] -
[4] ንሱ ድማ፦ ዳዊት ምስ ጠመየ እንታይ ድዩ ዝገበረ ኣብ ቤተ እግዚኣብሔር ኣትዩ ንካህናት ንበይኖም እምበር ንሱን እቶም ምስኡ ዝነበሩን ክበልዕዎ ዘይግባእ ኅብስተ ቝርባን ከምዝበልዐዶ ኣየንበብኩምን ኢኹም?
[5] ካህናት ኣብ ቤተ መቕደስ ብሰንበት ንሰንበት ከም ዝሥዕርዋ በደል ከዓ ኸም ዘይኾኖም ኣብ ኦሪትዶ ኣየንበብኩምን ኢኹም?
[6] ኣነ ግና ካብ ቤተ መቕደስ ዝዓቢ ኣብዙይ ኣሎ እብለኩም ኣለኹ።
[7] ግና ካብ መሥዋዕቲ ምሕረት እፈቱ› ዝበሎ እንታይ ምዃኑ እንተ ትፈልጡስ ነዞም በደል ዘይብሎም ኣይምፈረድኩምዎምን ኔርኩም።
[8] ወዲ ሰብ ጐይታ ሰንበት እዩሞ በሎም።
[9] ኢየሱስ ካብኡ ኃሊፉ ናብ ቤተ ጸሎት ኣይሁድ ኣተወ።
[10] እንሆ ኸዓ ኢዱ ዝሰለለት ሰብኣይ ኣብኡ ነበረ። ምእንቲ ክኸስዎ ኸዓ ብሰንበት ምሕዋይዶ ይግባእ እዩ? ኢሎም ጠየቕዎ።
[11] ኢየሱስ ከዓ ኸምዙይ በሎም፦ ካባኻትኩምከ ሓንቲ በጊዕ ዘላቶ እሞ ብሰንበት ኣብ ጕድጓድ እንተ ወደቐት ኂዙ ዘየውፅኣ ሰብ መን እዩ?
[12] ካብ በጊዕስ ሰብዶ ግዳ እምብዛ ኣይበልጽን? እምበኣር ብሰንበት ጽቡቕ ምግባር ግቡእ እዩ።
[13] ሽዑ ነቲ ሰብኣይ ኢድካ ዘርግሕ! በሎ። ንሱ ኸዓ ዘርግሓ፤ ሽዑ ንሽዑ ድማ ሓወየት። ከምታ ኻልአይታውን ኮነት።
[14] ፈሪሳውያን ግና ኻብኡ ወፂኦም ከመይ ገይሮም ከም ዝቐትልዎ ተማኸሩ።
[15] ኢየሱስ ድማ ነዙይ ፈሊጡ ኻብኡ ኣግለሰ፤ ብዙኃት ሰባት ከዓ ተኸተልዎ። ንዂሎምውን ኣሕወዮም።
[16] ከየግህድዎ ድማ ኣጠንቀቖም።
[17] እዙይ ከዓ እቲ ብነቢይ ኢሳይያስ
[18] እንሆ እቲ ዝኃረኽዎ ብእኡ ደስ ዝብለኒ ዘፍቅሮ ኣገልጋልየይ ኣብኡ መንፈሰይ ከኅድር እየ ነሕዛብ ድማ ፍትሒ ኸብሥር እዩ።
[19] ንሱ ኣይከራኸርን ኣይጸርሕን እዩ፤ ሓደ እኳ ኣብ ኣደባባይ ድምፁ ኣይሰምዕን እዩ።
[20] ፍትሒ ናብ ዓወት ክሳዕ ዘብጽሕ ንቕጥቁጥ ሻምበቆ ኣይሰብርን፤ ንዝተክኽ ፈትሊ ጥዋፍውን ኣየጥፍእን እዩ፤
[21] ኣሕዛብ ድማ ብስሙ ተስፋ ኽገብሩ እዮም። ተብሂሉ ዝተነግረ ምእንቲ ኽፍጸም እዩ።
[22] ድኅርዙይ ጋኔን ዝኃደሮ ሓደ ዕዉርን በሃምን ኣምጽኡሉ ንሱ ኸዓ ከም ዝርእን ከም ዝዛረብን ገይሩ ኣሕወዮ።
[23] እቶም ሕዝቢ ዂሎም ከዓ እዙይስ እቲ ወዲ ዳዊትዶ ኣይኮነን? ኢሎም ተደነቑ።
[24] ፈሪሳውያን ምስ ሰምዑ ግና እዙይ ብሓለቓ ኣጋንንቲ ብብኤልዜቡል› እዩ እምበር ነጋንንቲ ኣየውፅኦምን እዩ በሉ።
[25] ኢየሱስ ድማ ሓሳቦም ፈሊጡ ኸምዙይ በሎም ንስንሳታ እትፈላለ ዂላ መንግሥቲ ትጠፍእ ንስንሳታ እትፈላለ ዂላ ኸተማ ወይ ገዛ ድማ ኣይትቐውምን እያ።
[26] እምበኣር ሰይጣን ንሰይጣን ዘውፅኦ እንተደኣኾይኑ ንስንሳቱ ተፈላልዩ ማለት እዩ፤ እታ መንግሥቱኸ ኸመይ ኢላ ትቐውም?
[27] ኣነ ነጋንንቲ ብብኤልዜቡል ዘውፅኦም እንተድኣኾይነደቅኹም ደኣ ብመን የውፅእዎም? ስለዙይ ንሳቶም ፈረድቲ ክኾኑኹም እዮም።
[28] ኣነ ንኣጋንንቲ ብመንፈስ እግዚኣብሔር ዘውፅኦም እንተ ደኣ ኾይነ ግና እምበኣር መንግሥቲ እግዚኣብሔር ናባኻትኩም መጺኣ ኣላ ማለት እዩ።
[29] ወይ ከዓ መን እዩ ቅድም ነቲ ኃያል እንተይኣሰረ ናብ ገዛ ኃያል ኣትዩ ኣቑሑቱ ኽጕርጕር ዝኽእል? ድኅርዙይ እዩ ነቲ ገዝኡ ዝጕርጕር።
[30] እቲ ምሳይ ዘይኮነ ተጻራርየይ እዩ፤ እቲ ምሳይ ዘይእክብ ከዓ ይብትን።
[31] ስለዙይ ንሰብ ኃጢኣትን ጸርፍን ኲሉ ይኅደገሉ እዩ፤ ንመንፈስ ቅዱስ ዝጸረፈ ግና ኣይኅደገሉን እዩ እብለኩም ኣለኹ።
[32] ኣብ ልዕሊ ወዲ ሰብ ዘይግባእ ቃል ዝተዛረበ ክኅደገሉ እዩ፤ ኣብ ልዕሊ መንፈስ ቅዱስ ዘይግባእ ዝተዛረበ ግና ኣብዛ ዓለም እዚኣ ኾነ ኣብታ እትመጽእ ኣይኅደገሉን እዩ እብለኩም ኣለኹ።
[33] ጽቡቕ ኦም ብፍሪኡ እዩ ዝፍለጥ እሞ ነቲ ኦም ጽቡቕ ግበርዎ ፍሪኡ ድማ ጽቡቕ ይኸውን፤ ወይ ከዓ ነቲ ኦም ሕማቕ ግበርዎ ፍሪኡ ድማ ሕማቕ ይኸውን።
[34] ኣቱም ውሉድ ኣትማን! ኣፍ ካብ ምልኣት ልቢ ይዛረብ እዩ እሞ ክፉኣት እንተለኹም ከመይ ኢልኩም ጽቡቕ ምዝራብ ትኽእሉ?
[35] ሕያዋይ ሰብ ካብቲ ሠናይ መዝገብ ልቡ ሠናይ ነገር የውፅእ፤ እቲ ኽፉእ ሰብ ግና ካብቲ ኽፉእ መዝገብ ልቡ ክፉእ ነገር የውፅእ።
[36] -
[37] ኣነ ግና እትጸድቕ ብቓልካ እትዂነንውን ብቓልካ ኢኻ እሞ፤ ሰባት ብዝዛረብዎ ዘይጠቅም ቃል ኲሉ ብመዓልቲ ፍርዲ ኽጥየቑሉ እዮም እብለኩም ኣለኹ።
[38] ሽዑ ገሊኣቶም ካብ መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን መጺኦም ኦ መምህር! ካባኻ ምልክት ክንርኢ ንደሊ ኢና በልዎ። ንሱ ግና ኸምዙይ ኢሉ መለሰሎም፦
[39] እዛ ኽፍእትን ዘይተኣምንን ትውልዲ እዚኣ ምልክት ትደሊ ኣላ፤ እንተኾነ ብዘይ ምልክት ነቢይ ዮናስ ካልእ ምልክት ኣይወሃባን እዩ።
[40] ዮናስ ኣብ ከርሢ ዓሣ ሠለስተ መዓልትን ሠለስተ ለይትን ከም ዝጸንሐ ከምኡ ኸዓ ወዲ ሰብ ኣብ ከርሢ ምድሪ ሠለስተ መዓልትን ሠለስተ ለይትን ክጸንሕ እዩ።
[41] ሰብ ነነዌ ብስብከት ዮናስ ተነሲሖም እዮም እሞ ብመዓልቲ ፍርዲ ነዛ ትውልዲ እዚኣ ተሢኦም ክዂንንዋ እዮም። እምበኣር ካብ ዮናስ ዝዓቢ ኣብዙይ ኣሎ።
[42] ንግሥቲ ኣዜብ ጥበብ ሰሎሞን ክትሰምዕ ካብ ወሰን ምድሪ መጺኣ እያ እሞ ብመዓልቲ ፍርዲ ተሢኣ ነዛ ትውልዲ እዚኣ ኽትኲንና እያ እምበኣር ካብ ሰሎሞን ዝዓቢ ኣብዙይ እንሆ።
[43] ርኹስ መንፈስ ካብ ሰብ ምስ ወፀ ዕረፍቲ ደልዩ ማይ ኣብ ዘይብሉ ቦታ ዀለል ይብል ግና ኣይረክብን።
[44] ሽዑ ናብቲ ዝወፃእዂሉ ቤተይ ድኣ ኽምለስ› ይብል እሞ እንተ መጸ ድማ ጥራሑን ተዀስቲሩን ተመዓራርዩን ይረኽቦ።
[45] ድኅርዙይ ይኸይድ እሞ ካብኡ ዝገደዱ ሸውዓተ ኻልኦት ርኹሳት መናፍስቲ ኂዙ ይመጽእ፤ ኣትዮም ከዓ ኣብኡ የኃድሩ። ነቲ ሰብ እቱይ ካብ ቀዳማዩ ዳኅራዩ ዝገደደ ይኸውን፤ ነዝ ኽፉእ ትውልዲ እዙይ ድማ ከምኡ ክኾኖ እዩ።
[46] ነቶም ሕዝቢ ኽነግሮም እንተሎ እንሆ እኖኡን ኣኅዋቱን ከዛርብዎ ደልዮም ኣብ ደገ ደው ኢሎም ነበሩ።
[47] ሓደ ኸዓ እኖኻን ኣኅዋትካን ከዘራርቡኻ ደልዮም ኣብ ደገ ደው ኢሎም ኣለዉ በሎ።
[48] ኢየሱስ ግና ነቲ ዝነገሮ እኖይ መን እያ? ኣኅዋተይከ እንመን እዮም? ኢሉ መለሰሉ።
[49] -
[50] ናብ ደቀ መዛሙርቱ እናመልከተ እኖይን ኣኅዋተይን እዚኣቶም እዮም። ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦይ ዝገብር ኲሉ ንሱ ሓወይን ሓፍተይን እኖይን እዩ በለ።