Skip to content
Opens in a new window
Listen to this chapter • 5:46

[1] ናይ ወዲ እግዚኣብሔር ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ወንጌል መጀመርታ እዙይ እዩ።

[2] -

[3] ከምቲ ኣብ መጻሕፍቲ ነቢያት፦ እንሆ ጐደና እግዚኣብሔር ጽረጉ መንገድታቱ ኸዓ ኣቕንዑ !› እናበለ ናይ ሓደ ኣብ ምድረ በዳ ዝእውጅ ድምፂ ቀቅድሜኻ መንገድኻ ዝጸርግ ልኡኸይ እሰደልካ ኣለኹ ዝብል ከም ዝተጽሓፈ

[4] ዮሓንስ ኣብ ምድረ በዳ እናጥመቐን ንኅድገት ኃጢኣት ዝኸውን ናይ ንስሓ ጥምቀት እናሰበኸን መጸ።

[5] ኲሎም ሰብ ይሁዳን ሰብ ኢየሩሳሌምን ናብኡ እናኸዱ ኃጢኣቶምውን እናተናዘዙ ኣብ ሩባ ዮርዳኖስ ብእኡ ይጥመቑ ነበሩ።

[6] ዮሓንስ ክዳኑ ኻብ ፀጕሪ ግመል ዝተሠርሐ ዕጣቕ ሕቝኡ ድማ ኣዲም ቀለቡውን ኣንበጣን መዓር ጽዴናን ነበረ።

[7] ንሱ ኸዓ ኻባይ ዝብርትዕ ኣነ ደኒነ ስራኽ ኣሣእኑ ኽፈትሐሉ ዘይበቅዕ ብድኅረይ ይመጽእ ኣሎ።

[8] ኣነ ብማይ አጥምቐኩም ኣለኹ፤ ንሱ ግና ብመንፈስ ቅዱስ ከጥምቐኩም እዩ እናበለ ይሰብኽ ነበረ።

[9] በቲ ጊዜ እቱይ ከዓ ኢየሱስ ካብ ናዝሬት ናይ ገሊላ መጸ፤ ኣብ ሩባ ዮርዳኖስ ድማ ብዮሓንስ ተጠመቐ።

[10] ኢየሱስ ካብ ማይ ምስ ወፀ ሽዑ ንሽዑ ሰማያት እንትኽፈታ መንፈስ ቅዱስ ድማ ብኣምሳል ርግቢ ኣብ ልዕሊኡ እንትዓልብ ረአየ።

[11] ብኣኻ ዝተሓጐስኩ ዝፈትወካ ወደይ ንስኻ ኢኻ ዝብል ድምፂ ካብ ሰማያት መጸ።

[12] ሽዑ ንሽዑ ኸዓ መንፈስ ቅዱስ ናብ በረኻ ኣውጽኦ።

[13] ኣብቲ በረኻ ድማ ብሰይጣን እናተፈተነ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ጸንሐ፤ ምስ ኣራዊት ከዓ ነበረ፤ መላእኽቲውን ኣገልገልዎ።

[14] ድኅሪ ምእሳር ዮሓንስ ኢየሱስ ናብ ገሊላ መጺኡ ወንጌል መንግሥቲ እግዚኣብሔር ሰበኽ።

[15] ኣስዒቡ እዋኑ በጺሑ እዩ፤ መንግሥተ ሰማያት ቀሪባ እያ እሞ ንስሓ እተዉ! ብወንጌልውን እመኑ! ይብል ነበረ።

[16] ብጥቓ ባሕሪ ገሊላ ኽኃልፍ እንተሎ ስምዖንን ኃዉ እንድርያስን ኣሥገርቲ ዓሣ ስለ ዝነበሩ መርበቦም ናብ ባሕሪ ኸውርዱ እንተለዉ ረአየ።

[17] ኢየሱስ ድማ ኣሥገርቲ ሰብ ክገብረኩምስ ንዑ ተኸተሉኒ! በሎም።

[18] ንሳቶም ድማ መርበቦም ኃዲጎም ሽዑ ንሽዑ ተኸተልዎ።

[19] ካብኡ ቝሩብ ኅልፍ ምስ በለ ድማ ንያዕቆብ ወዲ ዘብዴዎስን ንኃዉ ዮሓንስን ኣብ ጃልባኦም ኮይኖም መርበቦም ከተዓራርዩ እንተለዉ ረአዮም እሞ

[20] ጸውዖም። ንሳቶም ከዓ ነቦኦም ዘብዴዎስ ምስ ሠራሕተኛታቱ ኣብ ጃልባ ኃዲጎም ተኸተልዎ።

[21] ኢየሱስን ደቀ መዛሙርቱን ናብ ቅፍርናሆም ከዱ፤ ኢየሱስ ድማ ብሰንበት ናብ ቤተ ጸሎት ኣይሁድ ኣትዩ ኽምህር ጀመረ።

[22] ከምቶም መምህራን ሕጊ ዘይኮነስ ከም በዓል ሥልጣን ይምህሮም ስለ ዝነበረ ብትምህርቱ ተገረሙ።

[23] እንሆ ኸዓ ኣብቲ ቤተ ጸሎቶም ርኹስ መንፈስ ዝኃደሮ ሓደ ሰብ ነበረ።

[24] እናእወየ ናይ ናዝሬት ኢየሱስ! ንስኻ ምሳና እንታይ ኣለካ? ክተጥፍአናዶ መጺእኻ? ንስኻ ናይ እግዚኣብሔር ቅዱስ ምዃንካ ፈሊጠካ ኣለኹ በለ።

[25] ኢየሱስ ድማ ስቕ በል! ካብኡውን ውፃእ! ኢሉ ገሠጾ።

[26] እቲ ርኹስ መንፈስ ከዓ ነቲ ሰብ ፈርፈር ኣበሎ፤ ብዓብዪ ድምፂ እናእወየ ድማ ኻብኡ ወፀ።

[27] ኲላቶም ከዓ እንታይ ደኣ እዩ እዝ ሓድሽ ትምህርቲ እዙይ? ንርኹሳት መናፍስቲ ብሥልጣን ይእዝዞም ንሳቶምውን ይእዘዝዎ እናበሉ ንስንሳቶም እናተጠያየቑ ተገረሙ።

[28] ሽዑ ዝናኡ ኣብ ኲሉ ኸባቢ ገሊላ ተሰምዐ።

[29] ሽዑ ኢየሱስ ካብ ቤተ ጸሎት ኣይሁድ ወፂኡ ምስ ያዕቆብን ዮሓንስን ናብ እንዳ ስምዖንን እንድርያስን ኣተወ።

[30] ሓማት ስምዖን ከዓ ረስኒ ሓሚማ ደቂሳ ነበረት እሞ ሽዑ ብዛዕባኣ ነገርዎ።

[31] ኢየሱስ ድማ ናብኣ ቐሪቡ ብኢዳ ኂዙ ኣተሥኣ እሞ እቲ ረስና ሽዑ ንሽዑ ኃደጋ፤ ንሳ ድማ ተሢኣ ኣገልገለቶም።

[32] ፀሓይ ዓሪቡ ምስ መሰየ ንዂሎም ሕሙማትን ኣጋንንቲ ዝኃደርዎምን ናብኡ ኣምጽእዎም።

[33] እቶም ናይታ ኸተማ ሰባት ኲሎም ድማ ኣብቲ በሪ ተኣከቡ።

[34] ንሱ ድማ ብዝተፈላለየ ሕማም ንዝሳቐዩ ብዙኃት ሰባት ኣሕወየ፤ ብዙኃት ኣጋንንቲውን ኣውፅአ፤ እቶም ኣጋንንቲ ኸዓ ንሱ መን ምዃኑ ይፈልጥዎ ስለ ዝነበሩ ኽዛረቡ ኣይፈቐደሎምን።

[35] ኢየሱስ ጎሕ እንተይቀደደ ገና ፀልማት እንተሎ ተሢኡ ወፀ፤ ናብ ጽምዊ ቦታ ኸይዱ ድማ ኣብኡ ጸለየ።

[36] ስምዖንን እቶም ምስኡ ዝነበሩን ድማ ኽደልይዎ ኸዱ።

[37] ምስ ረኸብዎ ኸዓ ኲሉ ሰብ እኮ ይደልየካ እዩ ዘሎ በልዎ።

[38] ንሱ ድማ ኣብኡ ምእንቲ ኽሰብኽ ናብተን ኣብዝ ኸባቢ ዘለዋ ኻልኦት ዓድታት ንኺድ፤ ብዛዕባ እዙይ እየ መጺአ ዘለኹሞ በሎም።

[39] ኣብ ኣብያተ ጸሎት ኣይሁድ እናሰበኸን ኣጋንንትውን እናውፅአን ኣብ ኲሉ ገሊላ ይዘዋወር ነበረ።

[40] ሓደ ለምጻም ናብኡ መጺኡ ተምበርኪኹ ፍቓድካ እንተ ደኣ ኾይኑስ ክተንጽሀኒ ትኽእል ኢኻ እናበለ ለመኖ።

[41] ኢየሱስ ከዓ ራህርሀሉ፤ ኢዱ ዘርጊሑ ድማ ዳህሰሶ፤ ፍቓደይ እዩ ንጻህ! በሎ።

[42] እዙይ ምስ በሎ ሽዑ ንሽዑ ኻብ ለምጹ ነጽሀ።

[43] -

[44] ኢየሱስ ድማ ንሓደኳ ኸይትነግር ተጠንቀቕ! ግና ኼድካ ርእስኻ ንካህን ኣርኢ፤ ንኣኣቶም ምስክር ምእንቲ ክኾኖም ድማ ከምቲ ሙሴ ዝኣዘዞ መባእ ኣቕርብ! ኢሉ ብብርቱዕ ኣጠንቀቖ።

[45] ንሱ ኸዓ ወፂኡ ብዙኅ ኽነግር ጀመረ ኢየሱስ ከዓ ኣብ ጽምዊ ቦታ ደኣ ነበረ እምበር ብገሃድ ናብ ከተማ ምእታው ኣይከኣለን፤ እቶም ሕዝቢ ድማ ኻብ ኲሉ ቦታ ናብኡ ይመጹ ነበሩ።

ወንጌል ማርቆስ — Chapters