Skip to content
Opens in a new window
Listen to this chapter • 5:08

[1] ካብቲ እምባ ኽወርድ እንተሎ ብዙኃት ሰባት ተኸተልዎ።

[2] እንሆ ኸዓ ሓደ ለምጻም ቀሪቡ ጐይታይ! እንተፈቐራድካስ ክተንጽሀኒ ትኽእል ኢኻ እናበለ ሰገደሉ።

[3] ኢየሱስ ከዓ ኢዱ ዘርጊሑ ዳህሰሶ፤ ፍቓደይ እዩ፤ ንጻህ! ድማ በሎ፦ ሽዑ ንሽዑ ኸዓ ካብ ለምጹ ነጽሀ።

[4] ኢየሱስ ድማ ንሓደ እኳ ኸይትነግር ተጠንቀቕ! ግና ርእስኻ ንካህን ኣርኢ፤ ንኣኣቶም ንምስክር ምእንቲ ክኾኖምውን ከምቲ ሙሴ ዝኣዘዞ መባእ ኣቕርብ! በሎ።

[5] -

[6] ኢየሱስ ናብ ቅፍርናሆም ምስ ኣተወ ሓደ ሓለቓ ሚእቲ ናብኡ ቐሪቡ ጐይታይ! ወደይ መፃጕዕ ኾይኑ ኣብ ገዛ ደቂሱ የመና ይሳቐ ኣሎ እናበለ ለመኖ።

[7] ኢየሱስ ድማ መጺአ ኸሕውዮ እየ በሎ።

[8] እቲ ሓለቓ ሚእቲ ኸዓ ጐይታይ! ናብ ገዛይ ክትኣቱ ኣይግብአንን፤ ግና ብቓልካ ኣዝዝ ወደይ ድማ ኽሓዊ እዩ።

[9] ኣነውን ሹም እየ፤ ኣብ ትሕተይ ዝእዝዞም ወታደራት ኣለዉኒ፤ ነዙይ ኪድ› እብሎ ይኸይድ፤ ነቱይ ከዓ ነዓ› እብሎ ይመጽእ፤ ንሓሽከረይ ድማ ከምዙይ ግበር› እንተበልክዎ ይገብር በሎ።

[10] ኢየሱስ ነዙይ ሰሚዑ ተደነቐ፤ ምልስ ኢሉ ነቶም ዝስዕብዎ ዝነበሩ ድማ፦ እማን እብለኩም ኣለኹ፤ ክንድዙይ ዝኣክል እምነት ዘለዎ ኣብ እስራኤል እኳ ኣይረኸብኩን።

[11] ብዙኃት ካብ ምብራቕን ካብ ምዕራብን ክመጹ እዮም፤ ኣብ መንግሥተ ሰማያት ምስ ኣብርሃምን ይስሓቅን ያዕቆብንውን ክቕመጡ እዮም።

[12] ደቂ መንግሥቲ ግና ናብቲ ኣብ ወፃኢ ዘሎ ጸልማት ክድርበዩ እዮም፤ ኣብኡ ድማ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ክኸውን እዩ በሎም።

[13] ሽዑ ኢየሱስ ነቲ ሓለቓ ሚእቲ ኪድ ከም ዝኣመንካዮ ይኹነልካ በሎ። እቲ ወዱ ኸዓ በታ ሰዓት እቲኣ ሓወየ።

[14] ኢየሱስ ናብ እንዳ ጴጥሮስ ምስ ኣተወ ንሓማት ጴጥሮስ ብረስኒ ተትኂዛ ደቂሳ ረኸባ።

[15] ኢዳ ምስ ዳህሰሳ ግና ረስና ኃደጋ፤ ተሢኣ ድማ ኣገልገለቶም።

[16] -

[17] ምስ መሰየ ኣጋንንቲ ዝኃደርዎም ብዙኃት ናብኡ ኣምጽኡ፤ እቲ ብነቢይ ኢሳይያስ ንሱ ድኻምና ወሰደ ሕማምናውን ፆረ ዝተብሃለ ምእንቲ ኽፍጸም ብቓሉ መናፍስቲ ኣውፅአ፤ ሕማም ንዘለዎም ኲሎም ድማ ኣሕወዮም።

[18] ኢየሱስ ኣብ ዙርያኡ ብዙኅ ሕዝቢ ምስ ረአየ ናብቲ ማዕዶ ባሕሪ ኽሳገሩ ኣዘዘ።

[19] ሓደ መምህር ሕጊ ናብኡ ቐሪቡ መምህር! ናብ እትኸዶ ዂሉዶ ክኽተለካ? በሎ።

[20] ኢየሱስ ድማ ንወኻሩ ጕድጓድ ኣለወን፤ ነዕዋፍ ሰማይውን መጽለሊ ኣለወን፤ ወዲ ሰብ ግና ርእሱ ዘጸግዐሉ እኳ የብሉን በሎ።

[21] ሓደ ኻልእ ካብ ደቀ መዛሙርቱ ኸዓ ጐይታይ! ንቐደም ክኸይድ እሞ ነቦይ ክቐብሮ ፍቐደለይ! በሎ።

[22] ኢየሱስ ግና ንስኻስ ተኸተለኒ ደኣ ምውታንስ ንምውታኖም ክቐብርዎም ኅደጎም በሎ።

[23] ናብ ጃልባ ምስ ደየበ ደቀ መዛሙርቱ ተኸተልዎ።

[24] እንሆ ኸዓ እታ ጃልባ ብማዕበል ክሳዕ እትድፈን ኣብቲ ባሕሪ ብርቱዕ ምንዋጽ ኮነ፤ ንሱ ግና ደቂሱ ነበረ።

[25] ደቀ መዛሙርቱ ቐሪቦም ኦ ጐይታ! ከይንመውት ኣድኅነና! እናበሉ ኣንቅሕዎ።

[26] ንሱ ኸዓ ኣቱም እምነት ዝጐደለኩም! ንምንታይ ትፈርሑ? በሎም። ሽዑ ተሢኡ ንንፋስን ንባሕርን ገሠጾም እሞ ዓብዪ ህድኣት ኮነ።

[27] እቶም ሰባት ከዓ እዝ ንፋስን ባሕርን ዝእዘዝዎስ ከመይ ዝበለ እዩ! ኢሎም ተገረሙ።

[28] ኢየሱስ ናብ ማዕዶ ሃገር ጌርጌሴኖን ምስ በጽሐ ሓደ እኳ በታ መንገዲ ምኅላፍ ክሳዕ ዝስእን የመና ሕሱማት ዝነበሩ ኣጋንንቲ ዝኃደርዎም ክልተ ሰባት ካብ መቓብራት ወፂኦም ተራኸብዎ።

[29] እንሆ ኸዓ ኢየሱስ ወዲ እግዚኣብሔር! ንስኻ ምሳና እንታይ ኣለካ? ጊዜኡ እንተይበጽሐዶ ኽተሳቕየና ናብዙይ መፂእኻ? እናበሉ ዓው ኢሎም ኣእወዩ።

[30] ካብኣቶም ርሕቕ ኢሉ ብዙኅ መጓሰ ሓሰማታት ተዋፊሩ ነበረ።

[31] እቶም ኣጋንንቲ ድማ እተውፅአና እንተ ዄንካስ ናብዝ መጓሰ ሓሰማታት ስደደና ኢሎም ለመንዎ። ንሱ ኸዓ ኪዱ በሎም።

[32] ወፂኦም ድማ ናብቶም ሓሰማታት ከይዶም ኣተዉ። እንሆ ኸዓ እቶም መጓሰ ሓሰማታት ናብቲ ባሕሪ ጸደፉ፤ ኣብቲ ባሕርውን ጠሊቖም ሞቱ።

[33] እቶም ጓሶት ግና ሃዲሞም ናብ ከተማ ኣተዉ፤ እቲ ዝኾነ ዂሉን ብዛዕባ እቶም ኣጋንንቲ ኃዲሮምዎም ዝነበሩ ሰባትን ከዓ ኣውረዩ።

[34] እንሆ ድማ ዂሎም ሕዝቢ እታ ኸተማ ንኢየሱስ ክራኸብዎ ወፁ፤ ምስ ረአይዎ ድማ ካብ ዓዶም ክወፀሎም ለመንዎ።

ወንጌል ማቴዎስ — Chapters