ወንጌል ማቴዎስ 20
[1] መንግሥተ ሰማያት ነታኽልቲ ወይኑ ሰብ ውዕለት ክደሊ ኣንጊሁ ዝወፀ በዓል ቤት ትመስል።
[2] ምስቶም ሰብ ውዕለት ንነፍስ ወከፎም ንመዓልቲ ሓደ ዲናር ክህቦም ምስ ተሰማምዐ ክሠርሑ ናብ ኣታኽልቲ ወይኑ ሰደዶም።
[3] ብሠለስተ ሰዓት ምስ ወፀ ድማ ሥራሕ ዘይብሎም ካልኦት ኣብ ዕዳጋ ቐንፈዘው እንትብሉ ረአየ፤
[4] ንኣኣቶም ከዓ ንስኻትኩምውን ናብቲ ኣታኽልቲ ወይነይ ኪዱ እሞ ሥርሑ፤ እቲ ዝግባእ ክኸፍለኩም እየ› በሎም፤ ንሳቶም ከዓ ኸዱ።
[5] መሊሱ ድማ ብሽድሽተን ብትሽዓተን ሰዓት ወፂኡ ኸምኡ ገበረ።
[6] ኣብ መበል ዓሠርተ ሓደ ሰዓት ወፂኡ ድማ ካልኦት ቐንፈዘው ዝብሉ ረኸበ፤ ንምንታይ ምሉእ መዓልቲ ብዘይ ሥራሕ ኣብዙይ ቐንፈዘው እትብሉ?› በሎም።
[7] ንሳቶም ከዓ ውዕለት ዘውዕለና ስለ ዝሰኣንና ኢና› በልዎ። እምበኣር ንስኻትኩምውን ናብቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ኺዱሞ ሥርሑ! ዝግባእ ክኸፍለኩም እየ በሎም።
[8] ምስ መሰየ እቲ በዓል ኣታኽልቲ ወይኒ ንኣዛዝ ገዝኡ ነቶም ሰብ ውዕለት ጸውዓዮም፤ ካብቶም ዳኅረዎት ጀሚርካ ኽሳዕ እቶም ቀዳሞት ውዕለቶም ሃቦም!› በሎ።
[9] እቶም ብዓሠርተ ሓደ ሰዓት ናይ መዓልቲ ዝመጹ ቐሪቦም ደዲናሮም ተቐበሉ።
[10] እቶም ቀዳሞት ምስ ቀረቡ ኸዓ ካብቶም ዳኅረዎት ዝበዝኅ ዝቕበሉ መሰሎም፤ ግና ንሳቶምውን ደዲናሮም ተቐበሉ።
[11] -
[12] ምስ ተቐበሉ ኸዓ ነዞም ሓንቲ ሰዓት ዝሠርሑ ዳኅረዎት ድኻም መዓልትን ሃሩርን ምስ ዝፆርና ምሳና ኣደላደልካዮም› እናበሉ ኣብ ልዕሊ እቲ በዓል ቤት ኣጕረምረሙ።
[13] ንሱ ኸዓ ንሓደ ኻብኣቶም ዓርከይ! ኣይዓመፅኩኻን፤ ብሓደ ዲናርዶ ኣይተሰማማዕኻንን?
[14] ዝብጽሓካ ደኣ ኂዝካ ኺድ፤ ነዝ ዳኅረዋይ ድማ ኽንዲ ናትካ ኽህቦ ፍቓደይ እዩ።
[15] ወይ ድማ ብገንዘበይ ዝደለኽዎ ኽገብርዶ ኣይግብአንን እዩ? ወይ ኣነ ሕያዋይ ስለ ዝኾንኩ ዓይንኻዶ ጠባን እዩ?› ኢሉ መለሰሉ።
[16] እቶም ዳኅረዎት ቀዳሞት ክኾኑ እቶም ቀዳሞት ከዓ ዳኅረዎት ክኾኑ እዮም፤ ጽዉዓት ብዙኃት ኅሩያት ግና ውሑዳት እዮም እሞ።
[17] ኢየሱስ ናብ ኢየሩሳሌም ክድይብ እንተሎ ነቶም ዓሠርተ ኽልተ ደቀ መዛሙርቱ ንበይኖም ወሰዶም፤ ኣብ መንገዲ ድማ
[18] እንሆ ናብ ኢየሩሳሌም ንድይብ ኣለና፤ ንወዲ ሰብ ንሊቃነ ካህናትን ንመምህራን ሕግን ኣኅሊፎም ክህብዎ እዮም፤ ንሳቶምውን ንሞት ክፈርድዎ እዮም።
[19] ነሕዛብ ኣኅሊፎም ክህብዎ ንሳቶምውን ከላግጹሉን ክገርፍዎን ክሰቕልዎን እዮም፤ ብሣልሰይቲ መዓልቲውን ክትሥእ እዩ።
[20] ድኅርዙይ እኖ ደቂ ዘብዴዎስ ምስ ደቃ ናብኡ ቐሪባ እናሰገደት ሓደ ነገር ለመነቶ።
[21] ኢየሱስ ከዓ እንታይ ትደልዪ? በላ። ንሳ ድማ እዞም ክልተ ደቀይ ኣብ መንግሥትኻ ሓደ ብየማንካ ሓደ ብጸጋምካ ኽቕመጡ ግበረለይ! በለቶ።
[22] ኢየሱስ ግና መሊሱ እትልምንዎ ኣይትፈልጡን ኢኹም፤ እቲ ኣነ ዝሰትዮ ናይ መከራ ጽዋዕ ኽትሰትዩዶ ትኽእሉ? በሎም። ንሳቶም ድማ እወ ንኽእል! በልዎ።
[23] ኢየሱስ ከዓ ጽዋዐይስ ክትሰትዩ ኢኹም፤ ኣብ የማነይን ጸጋመይን ምቕማጥ ግና ነቶም ሰማያዊ ኣቦይ ዘዳለወሎም እዩ እምበር ኣነ ኣይኮንኩን ዝህብ በሎም።
[24] እቶም ዓሠርተ ደቀ መዛሙርቱ ነዙይ ሰሚዖም በቶም ክልተ ኣኅዋት ኰረዩ።
[25] ስለዙይ ኢየሱስ ጸዊዑ ነኣሕዛብ እቶም ሹመኛታቶም ከም ዝገዝእዎም ዓበይቶም ድማ ኣብ ልዕሊኦም ከም ዝሥልጥኑ ትፈልጡ ኢኹም።
[26] ኣባኻትኩም ግና ኸምዙይ ኣይኮነን፤ እቲ ኻባኻትኩም ክዓቢ ዝደሊ ኣገልጋሊኹም ይኹን።
[27] እቲ ኻባኻትኩም ሓለቓ ክኸውን ዝደሊ ኣገልጋሊኹም ይኹን።
[28] ወዲ ሰብውን ከገልግልን ሕይወቱ ምእንቲ ብዙኃት ቤዛ ገይሩ ክህብን ደኣ እምበር ከገልግልዎ ኣይመጸን እሞ በሎም።
[29] ካብ ኢያሪኮ ኽወፁ እንተለዉ ኸዓ ብዙኃት ሰባት ተኸተልዎ።
[30] እንሆ ድማ ኽልተ ዓይነ ስዉራት ኣብ ወሰን መንገዲ ተቐሚጦም ነበሩ እሞ ኢየሱስ የኃልፍ ከም ዘሎ ሰሚዖም ኦ ጐይታ! ወዲ ዳዊት መሓረና! እናበሉ ጸርሑ።
[31] እቶም ሕዝቢ ድማ ስቕ ክብሉ ገሰጽዎም፤ ንሳቶም ግና ኦ ጐይታ! ወዲ ዳዊት! መሓረና! እናበሉ ኣበርቲዖም ጸርሑ።
[32] ኢየሱስ ደው ኢሉ ጸውዖም፤ እንታይ ክገብረልኩም ትደልዩ? በሎም።
[33] ንሳቶም ድማ ጐይታይ! ኣዒንትና ክኽፈታ! በልዎ።
[34] ኢየሱስ ድማ ራህርሀሎም ኣዒንቶምውን ዳህሰሰ እሞ ሽዑ ረአዩ፤ ተኸተልዎውን።