Skip to content
Opens in a new window
Listen to this chapter • 3:26

[1] ብድኅርዙይ መንፈስ ቅዱስ ንኢየሱስ ብዲያብሎስ ክፍተን ናብ በረኻ ወሰዶ።

[2] ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ጾመ፤ ድኅርዙይ ጠመየ።

[3] እቲ ዝፍትኖ ድማ ቐሪቡ ወዲ እግዚኣብሔር እንተ ዄንኻስ እዘን ኣእማን እዚአን እንጀራ ይኹና በል በሎ።

[4] ኢየሱስ ግና ሰብ ካብ ኣፍ እግዚኣብሔር ብዝወፅእ ኲሉ ቓል ደኣ እምበር ብእንጀራ ጥራሕ ኣይነብርን እዩ› ዝብል ጽሑፍ ኣሎ ኢሉ መለሰሉ።

[5] ሽዑ ዲያብሎስ ናብታ ቕድስቲ ኸተማ ወሲዱ ኣብ ላዕለዋይ ጫፍ ቤተ መቕደስ ኣቖሞ።

[6] ወዲ እግዚኣብሔር እንተ ዄንኻስ እግርኻ ብእምኒ ኸይትዕንቀፍ በእዳዎም ክፆሩኻ ንመላእኽቱ ምእንታኻ ይእዝዞም› ዝብል ጽሑፍ ኣሎ እሞ እስኪ ዘሊልካ ንታሕቲ ተወርወር በሎ።

[7] ኢየሱስ ድማ ንእግዚኣብሔር ኣምላኽካ ኣይትፈታተኖ› ዝብል ጽሑፍ ኣሎ በሎ።

[8] መሊሱ ዲያብሎስ ኬርና ነዊኅ ናብ ዝኾነ እምባ ወሲዱ መንግሥታት ኲሉ ዓለምን ክብሮምን ኣርኣዮ እሞ ተደፊእኻ እንተ ሰጊድካለይ እዝ ዂሉ ኽህበካ እየ በሎ።

[10] ሽዑ ኢየሱስ ንእግዚኣብሔር ኣምላኽካ ስገድ፤ ንእኡ በይኑ ድማ ኣምልኽ› ዝብል ጽሑፍ ኣሎ እሞ ኪድ ሰይጣን ካባይ ረሓቕ በሎ።

[11] ድኅርዙይ ዲያብሎስ ኃደጎ፤ እንሆ ድማ መላእኽቲ መጺኦም ኣገልገልዎ።

[12] ኢየሱስ ዮሓንስ ከም ዝተኣሰረ ምስ ሰምዐ ናብ ኣውራጃ ገሊላ ኣግለሰ።

[13] ንናዝሬት ኃዲጉ ድማ ኣብ ምድሪ ዛብሎንን ንፍታሌምን ኣብ ጥቓ ባሕሪ ናብ ዘላ ቅፍርናሆም መጺኡ ተቐመጠ።

[14] እዙይ ኸዓ እቲ ብነቢይ ኢሳይያስ፦

[15] ምድሪ ዛብሎንን ምድሪ ንፍታሌምን መንገዲ ባሕሪ ማዕዶ ዮርዳኖስ ኣሕዛብ ዝነብሩሉ ገሊላ

[16] ኣብ ጸልማት ዝነብር ሕዝቢ ዓብዪ ብርሃን ረአየ፤ ነቶም ኣብ ጸልማትን ኣብ ጽላሎት ሞትን ዝነብሩ ድማ ብርሃን ወጸሎም ዝተብሃለ ምእንቲ ኽፍጸም እዩ።

[17] ኢየሱስ ካብታ እዋን እቲኣ መንግሥተ ሰማያት ቀሪባ እያ እሞ ንስሓ እተዉ እናበለ ኽሰብኽ ጀመረ።

[18] ኢየሱስ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ገሊላ እናተመላለሰ እንተሎ ኽልተ ኣኅዋት ጴጥሮስ ዝተብሃለ ስምዖንን እንድርያስ ሓዉን ኣሥገርቲ ዓሣ ስለ ዝነበሩ መርበቦም ናብ ባሕሪ እናደርበዩ ረአየ።

[19] ኢየሱስ ከዓ ኣነ ኣሥገርቲ ሰብ ክገብረኩም እየ ንዑ ተኸተሉኒ በሎም።

[20] ሽዑ ንሽዑ ድማ መርበቦም ኃዲጎም ተኸተልዎ።

[21] ካብኡ ቑሩብ ኅልፍ ኢሉ ኻልኦት ክልተ ኣኅዋት ያዕቆብ ወዲ ዘብዴዎስን ዮሓንስ ሓዉን ምስ ዘብዴዎስ ኣቦኦም ኣብ ጃልባ መርበቦም ከተዓራርዩ ርእዩ ጸውዖም።

[22] ንሳቶም ከዓ ነታ ጃልባን ነቦኦምን ኃዲጎም ሽዑ ንሽዑ ተኸተልዎ።

[23] ኢየሱስ ድማ ኣብ ኲላ ገሊላ ኣብ ናይ ኣይሁድ ኣብያተ ጸሎት እናመሃረ ብሥራት መንግሥቲ እግዚኣብሔር እናሰበኸ ኣብ ሕዝቢ ዘሎ ዂሉ ዓይነት ሕማም እናሕወየ ይዘዋወር ነበረ።

[24] ዝናኡውን ኣብ ኲላ ሶርያ ተሰምዐ ኲሎም ሕሙማት በብዓይነቱ ሕማምን ቃንዛን ዘለዎም ኣጋንንቲ ዝኃደርዎም በብወርኁ ዝለዓል ሕማም ዘለዎምን መፃጕዓትን ኣምጽኡሉ፤ ንሱ ድማ ኣሕወዮም።

[25] ካብ ገሊላን ካብ ዓሠርተ ከተማታትን ካብ ኢየሩሳሌምን ካብ ይሁዳን ካብ ማዕዶ ዮርዳኖስን ከዓ ብዙኃት ሕዝቢ ተኸተልዎ።

ወንጌል ማቴዎስ — Chapters