ወንጌል ማቴዎስ 9
[1] ኢየሱስ ናብ ጃልባ ደይቡ ምስ ተሳገረ ናብ ዓዱ መጸ።
[2] እንሆ ኸዓ ኣብ ዓራት ዝደቀሰ ሓደ መፃጕዕ ናብኡ ኣምጽኡሉ፤ ኢየሱስ ድማ እምነቶም ርእዩ ነቲ መፃጕዕ ኣይዞኻ ወደይ! ኃጢኣትካ ተኃዲጉልካ እዩ በሎ።
[3] እንሆ ኸዓ ገሊኦም ካብ መምህራን ሕጊ ብልቦም እዙይስ ንእግዚኣብሔር ይጻረፍ ኣሎ! በሉ።
[4] ኢየሱስ ድማ ሓሳባቶም ፈሊጡ ኸምዙይ በሎም፦ ስለምንታይ ብልብኹም ክፉእ እትሓስቡ?
[5] ኣየናይ ይቐልል? ኃጢኣትካ ተኃዲጉልካ› ምባልዶ ወይ ተሥእሞ ኺድ!› ምባል?
[6] እምበኣርከስ ወዲ ሰብ ኣብ ምድሪ ኃጢኣት ክኃድግ ሥልጣን ከም ዘለዎ ምእንቲ ኽትፈልጡ ኢሉ ሽዑ ነቲ መፃጕዕ ተሥእ! ዓራትካ ኣልዒልካ ናብ ገዛኻ ኺድ! በሎ።
[7] ተሢኡ ድማ ናብ ገዛኡ ኸደ።
[8] እቶም ሕዝቢ ኸዓ ነዙይ ርእዮም ተደነቑ፤ ንሰብ ከምዙይ ዝበለ ሥልጣን ንዝሃበ እግዚኣብሔር ድማ ኣመስገንዎ።
[9] ኢየሱስ ካብኡ ምስ ኃለፈ ማቴዎስ ዝስሙ ሰብኣይ ኣብቲ ቐረጽ ዝቕረፀሉ ተቐሚጡ ረአየ እሞ ተኸተለኒ! በሎ፤ ንሱ ድማ ተሢኡ ተኸተሎ።
[10] ብድኅርዙይ ኣብ እንዳ ማቴዎስ ኣብ ማእዲ ምስ ተቐመጠ እንሆ ብዙኃት ተቐበልቲ ቐረጽን ኃጥኣንን ምስ ኢየሱስን ደቀ መዛሙርቱን ተቐመጡ።
[11] ፈሪሳውያን ከዓ ነዙይ ርእዮም ንደቀ መዛሙርቱ፦ መምህርኩም ምስ ተቐበልቲ ቐረፅን ኃጥኣንን ስለምንታይ ይበልዕ? በልዎም።
[12] ኢየሱስ ነዙይ ሰሚዑ ንሓኪም ሕሙማት እምበር ጥዑ ያት ኣይደልይዎን እዮም።
[13] ምሕረት ደኣ እምበር መሥዋዕቲ ኣይኮንኩን ዝደሊ› ዝብል እንታይ ምዃኑ ኺዱ መርሚርኩም ፍለጡ። ኣነ ንኃጥኣን ናብ ንስሓ ኽጽውዕ እምበር ንጻድቃን ክጽውዕ ኣይመጻእኹን በሎም።
[14] ሽዑ ደቀ መዛሙርት ዮሓንስ ናብ ኢየሱስ መጺኦም ንሕናን ፈሪሳውያንን ብዙኅ ንጸውም ደቀ መዛሙርትኻ ደኣ ስለምንታይ እዮም ዘይጾሙ? በልዎ።
[15] ኢየሱስ ከዓ ኸምዙይ በሎም፦ መርዓዊ ምስኣቶም እንተሎ ኣዕርኽቲ መርዓዊ ኽጾሙን ክኃዝኑን ይኽእሉ ድዮም? ግና መርዓዊ ካብኣቶም ዝውሰደላ መዓልቲ ኽትመጽእ እያሞ ሽዑ ኽጾሙ እዮም።
[16] ሓድሽ ቍራፅ ዓለባ ኣብ ብላይ ክዳን ዝልግብ ሓደ እኳ የለን፤ እቲ መልግባ ነቲ ጥዑይ ይልክሞ እዩሞ እቲ ምቕዳዱ ኸዓ ዝገደደ ይኸውን።
[17] ንሓድሽ ወይኒ ኣብ ዝበለየ አሕርብቲ ኣይመልእዎን እዮም፤ እንተ ተገብረውን እቲ አሕርብቲ ይቕደድ፤ እቲ ወይኒውን ይፈስስ፤ እቲ አሕርብቲ ኸዓ ይበላሾ። ንሓድሽ ወይኒ ግና ኣብ ሓደሽ አሕርብቲ ይመልእዎ፤ ክልቲኦም ድማ ይሕለዉ።
[18] እዝ ነገራት እዙይ እናነገሮም እንተሎ መራሒ ቤተ ጸሎት ኣይሁድ መጺኡ ጓለይ ሕዚ ሕዚ! ሞይታ፤ ንዓ ኢድካ ኣንብረላ እሞ ኽትሓዊ እያ እናበለ ሰገደሉ።
[19] ጐይታ ኢየሱስ ድማ ተሢኡ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ተኸተሎ።
[20] -
[21] እንሆ ካብ ዓሠርተ ኽልተ ዓመት ጀሚሩ ደም ዝፈሳ ዝነበረ ሓንቲ ሰበይቲ ብልባ ዘፈር ክዳኑ ጥራሕ እንተ ነኺአ ኽሓዊ እየ ኢላ ብልባ ትሓስብ ስለ ዝነበረት ብድኅሪኡ መጺኣ ዘፈር ክዳኑ ነኽአት።
[22] ኢየሱስ ከዓ ግልጽ ኢሉ ረአያ እሞ ኣይዞኺ ጓለይ! እምነትኪ ኣሕውያትኪ በላ። እታ ሰበይቲ ድማ በታ ሰዓት እቲኣ ሓወየት።
[23] ኢየሱስ ኣብ ገዛ እቲ መራሒ ቤተ ጸሎት ኣይሁድ ምስ በጽሐ ነፋሕቲ መለኸት ኃዘንን ዋይ ዋይ ዝብሉ ሕዝብን ምስ ረአየ፤
[24] እዛ ጓል ደቂሳ እያ ዘላ እምበር ኣይሞተትን እሞ ድኅር በሉ! በሎም። ንሳቶም ድማ ሰሓቕዎ።
[25] እቶም ሕዝቢ ምስ ወፁ ኣትዩ ኢዳ ኃዛ፤ እታ ጓል ከዓ ተሥአት።
[26] ኣብ ኲላ እታ ሃገርውን ዝናኡ ተሰምዐ።
[27] ኢየሱስ ካብኡ ምስ ኃለፈ ክልተ ዕዉራት ዓው ኢሎም ኦ! ወዲ ዳዊት! መሓረና! እናበሉ ተኸተልዎ።
[28] ናብ ገዛ ምስ ኣተወ ኸዓ እቶም ዕዉራት ናብኡ መጹ፤ ኢየሱስ ድማ እዙይ ክገብር ከም ዝኽእልዶ ተኣምኑ ኢኹም? በሎም። ንሳቶም ከዓ እወ ጐይታ በልዎ።
[29] ንሱ ድማ ከም እምነትኩም ይኹነልኩም እናበለ ኣዒንቶም ዳህሰሶም።
[30] ሽዑ ኣዒንቶም በርሃ። ኢየሱስ ድማ ንሓደ እኳ ኸይትነግሩ ኢሉ ኣበርቲዑ ኣጠንቀቖም።
[31] ንሳቶም ግና ወፂኦም ኣብ ኲላ እታ ዓዲ ብዛዕባኡ ኣውረዩ።
[32] ንሳቶም ምስ ወፁ ድማ እንሆ ሓደ ጋኔን ዝኃደሮ በሃም ኣምጽኡሉ።
[33] ኢየሱስ ነቲ ጋኔን ምስ ኣውፅኦ እቲ በሃም ተዛረበ። እቶም ሕዝቢ ድማ ከምዙይ ዝበለ ነገር ኣብ እስራኤል ከቶ ኣይተርአየን ኢሎም ተገረሙ።
[34] ፈሪሳውያን ግና ንኣጋንንቲ ብሓለቓ ኣጋንንቲ የውፅኦም ኣሎ በሉ።
[35] ኢየሱስ ከዓ ኣብ ቤተ ጸሎት ኣይሁድ እናመሃረ ወንጌል መንግሥቲ እናሰበኸ ኣብቲ ሕዝቢ ዝነበሩ ድዉያትን ሕሙማትን ኲሎም እናሕወየ ኣብ ኲለን ከተማታትን ዓድታትን ይዘዋወር ነበረ።
[36] ብዙኅ ሕዝቢ ምስ ረአየ ሓላዊ ኸም ዘይብለን ኣባጊዕ ግፉዓትን ዝተበታተኑን ነበሩ እሞ ራህርሀሎም።
[37] ሽዑ ንደቀ መዛሙርቱ ኣዝመርኡ ብዙኅ እዩ፤ ሠራሕተኛታት ግና ውሑዳት እዮም።
[38] ስለዙይ ነቲ ጐይታ ኣዝመራ ነዝመራኡ ሠራሕተኛታት ክሰድድ ለምንዎ በሎም።