ወንጌል ማቴዎስ 16
[1] ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ክፍትንዎ መጹ፤ ካብ ሰማይ ምልክት ከርእዮም ድማ ጠየቕዎ።
[2] ኢየሱስ ድማ ምስ መሰየ ሰማይ ይቐይሕ ኣሎ እሞ ጻሕያ ክኸውን እዩ› ትብሉ፤
[3] ምስ ወግሐ ድማ ደመና ኾይኑ ሰማይ ይቐይሕ ኣሎ እሞ ሎምስ ክዘንም እዩ› ትብሉ፤ ኣቱም ግብዛት! ገጽ ሰማይ ምልላይ ትፈልጡ፤ ናይ ዘመናት ምልክት ድኣ ኸመይ ዘይትፈልጡ?
[4] ክፉእን ዘይኣምንን ትውልዲ ምልክት ይደሊ፤ ብዘይ ምልክት ነቢይ ዮናስ ግና ካልእ ምልክት ኣይወሃቦን እዩ በሎም። ኃዲጉዎም ከዓ ኸደ።
[5] ደቀ መዛሙርቱ ናብ ማዕዶ ኽሳገሩ እንተለዉ እንጀራ ምኃዝ ረሲዖም ነበሩ፤
[6] ኢየሱስ ድማ ካብ ማይ ብሒቝ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ተጠንቀቑን ተዓቀቡውን! በሎም።
[7] ንሳቶም ግና እንጀራ ስለ ዘይኃዝና ድዩ ኸምዙይ ዝብለና ዘሎ ኢሎም ንስንሳቶም ተዘራረቡ።
[8] ኢየሱስ ድማ ፈሊጥዎም ኣቱም እምነት ዝጐደለኩም! ስለምንታይ እንጀራ ብዘይ ምኃዝኩም ንስንሳትኩም ትዘራረቡ?
[9] ገናዶ ኣይተስተውዕሉን ኢኹም? እቲ ኃሙሽተ እንጀራ ንኃሙሽተ ሽሕ ሰብ ኣኺሉስ ክንደይ መሶብ ከም ዘልዓልኩምዶ ኣይትዝክሩን ኢኹም?
[10] ወይ ድማ እቲ ሸውዓተ እንጀራ ነርባዕተ ሽሕ ሰብ ኣኺሉስ ክንደይ መሶብ ከምዘልዓልኩምዶ ኣይትዝክሩን ኢኹም?
[11] እቲ ኻብ ማይ ብሒቝ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ተጠንቀቑ!› ዝበልኩኹም ብዛዕባ እንጀራ ከም ዘይኮነ ንምንታይ ዘይተስተውዕሉ? በሎም።
[12] ንሳቶም ድማ ኢየሱስ ተጠንቀቑ ዝበሎም ካብ ትምህርቲ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ደኣ እምበር ካብ ማይ ብሒቝ እንጀራ ከም ዘይኮነ ሽዑ ኣስተውዓሉ።
[13] ኢየሱስ ኣብ ናይ ፊልጶስ ሃገር ቂሳርያ ምስ በጽሐ ሰባት ንወዲ ሰብ መን ይብልዎ? ኢሉ ንደቀ መዛሙርቱ ጠየቖም።
[14] ንሳቶም ድማ ገሊኦም ዮሓንስ መጥምቕ› ገሊኦም ኤልያስ› ገሊኦም ኤርምያስ› ወይ ድማ ሓደ ኻብ ቀዳሞት ነቢያት እዩ› ዝብሉኻ ኣለዉ በልዎ።
[15] ንሱ ድማ ንስኻትኩምከ መን ትብሉኒ? በሎም።
[16] ስምዖን ጴጥሮስ ንስኻ ክርስቶስ ወዲ ሕያው እግዚኣብሔር ኢኻ፤ ኢሉ መለሰሉ።
[17] ኢየሱስ ድማ መሊሱ ስምዖን ወዲ ዮና እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ደኣ እምበር ሥጋን ደምን ኣይገለጸልካን እሞ ብፁዕ ኢኻ! ኢሉ መለሰሉ።
[18] ኣነ ኸዓ እብለካ ኣለኹ ንስኻ ጴጥሮስ ኢኻ፤ ኣብ ልዕሊ እዝ ኰዂሒ እዙይ ድማ ንቤተ ክርስቲያነይ ክሓንጻ እየ፤ በሪታት ሲኦልውን ኣይኅይልዋን እዮም።
[19] መፋትሕ መንግሥተ ሰማያት ድማ ኽህበካ እየ፤ ኣብ ምድሪ ዝኣሰርካዮ ኣብ ሰማይ እሱር ክኸውን እዩ፤ ኣብ ምድሪ ዝፈታሕኻዮ ኸዓ ኣብ ሰማይ ፍቱሕ ክኸውን እዩ በሎ።
[20] ድኅርዙይ ንሱ ክርስቶስ ከም ዝኾነ ንሓደ እኳ ኸይነግሩ ንደቀ መዛሙርቱ ኣጠንቀቖም።
[21] ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኢየሱስ ናብ ኢየሩሳሌም ክኸይድ ከም ዘለዎ ብዓበይትን ብሊቃነ ካህናትን ብመምህራን ሕግን ብዙኅ መከራ ኸም ዝቕበል ኸም ዝቕተልን ብሣልሰይቲ መዓልትውን ከም ዝትሥእን ንደቀ መዛሙርቱ ኽነግሮም ጀመረ።
[22] ጴጥሮስ ከዓ ቕርብ ኢሉ ጐይታይ! እዙይ ኣባኻ ከቶ ኣይብጻሕ! እናበለ ክኽልክሎ ጀመረ።
[23] ኢየሱስ ግና ግልጽ ኢሉ ንጴጥሮስ ሰይጣን ንስኻ ናይ ሰብ እምበር ናይ እግዚኣብሔር ስለ ዘይትሓስብ ንኣይ ዕንቅፋት ኮይንካኒ ኢኻሞ ካባይ ረሓቕ! በሎ።
[24] ሽዑ ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ክስዕበኒ ዝደሊ ሕይወቱ ይኽሓድ፤ መስቀሉ ኣልዒሉ ድማ ይከተለኒ።
[25] እቲ ንሕይወቱ ኸድኅና ዝደሊ ኸጥፍኣ እዩ፤ እቲ ንሕይወቱ ምእንታይ ዘጥፍኣ ኸዓ ኽረኽባ እዩ።
[26] ሰብከ ኣብ ዓለም ብዘሎ ዂሉ ረቢኁስ ነፍሱ እንተጥፍአ እንታይ ይጠቕሞ? ሰብከ ቤዛ ነፍሱ እንታይ ምሃበ?
[27] ወዲ ሰብ ብኽብሪ ኣቦኡ ምስ መላእኽቱ ኽመጽእ እዩ፤ ሽዑ ንዂሉ ከከም ግብሩ ኽፈድዮ እዩ።
[28] ካብዞም ኣብዚኣ ደው ኢሎም ዘለዉ ንወዲ ሰብ ብመንግሥቱ ኽመጽእ እንተሎ ኽሳዕ ዝርእይዎ ዘይሞቱ ኸም ዘለዉ እማን እብለኩም ኣለኹ በሎም።