Skip to content
Opens in a new window
Listen to this chapter • 3:43

[1] -

[2] ብዝፈረድኩምዎ ፍርዲ ኽፍረደኩም ብዝሰፈርኩምዎ መስፈርውን ክስፈረኩም እዩ እሞ ከይፍረደኩም ኣይትፍረዱ።

[3] ኣብ ዓይንኻ ዘሎ ጕንዲ ዘይረአኻስ ንምንታይ ኣብ ዓይኒ ኃውካ ዘሎ መንገፍ እትርኢ?

[4] ኣብ ዓይንኻ ጕንዲ እንተሎስ ከመይ ገይርካ ንሓውካ ካብ ዓይንኻ መንገፍ ከውፅአልካ› ትብሎ?

[5] ኣታ ግብዝ! ቅድም ካብ ዓይንኻ ጕንዲ ኣውጽእ፤ ብድኅሪኡ ኻብ ዓይኒ ኃውካ መንገፍ ንምውፃእ ኣጸቢቕካ ኽትርኢ ኢኻ።

[6] ተመሊሶም ከይነኽስኹም ዝተቐደሰ ነገር ነኽላባት ኣይትሃቡ፤ በእጋሮም ከይረግጽዎ ድማ ዕንቍኹም ኣብ ቅድሚ ሓሰማታት ኣይትደርብዩ።

[7] ለምኑ ኽወሃበኩም እዩ፤ ድለዩ ኽትረኽቡ ኢኹም፤ ማዕጾ ኳሕዂሑ ክኽፈተልኩም እዩ።

[8] ዝለመነ ዂሉ ይቕበል፤ ዝደለየውን ይረክብ፤ ማዕጾ ዝዃሕዂሐ ድማ ይኽፈተሉ እዩ።

[9] እንታዋይ ሰብ እዩ ኻባኻትኩም ወዱ እንጀራ እንተ ለመኖ እምኒ ዝህቦ?

[10] ወይ ከዓ ዓሣ እንተ ለመኖ ተመን ዝህቦ?

[11] እምበኣርከስ ንስኻትኩም እኳ ኽፉኣት እንተለኹም ንደቅኹም ሠናይ ውህብቶ ምሃብ ካብ ፈለጥኩም እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦኹም ግዳ ንዝለመንዎ ኽንደይ ኣብዚኁ ሠናይ ነገር ዘይህቦም?

[12] እምበኣር ሕግን ነቢያትን እዙይ እዩ እሞ ከምቲ ሰባት ክገብሩልኩም እትደልይዎ ዂሉ ንስኻትኩምውን ከምኡ ግበሩሎም።

[13] በታ ጸባብ በሪ እተዉ፤ እታ ናብ ጥፍኣት እትወስድ በሪ ገፋሕ መንገዳውን ሰፊሕ እዩሞ እቶም ናብኣ ዝኣትዉ ድማ ብዙኃት እዮም።

[14] እታ ናብ ሕይወት እትወስድ በሪ ግና ጸባብ እያ መንገዳውን ቀጢን እዩ፤ እቶም ዝረኽብዋ ኸዓ ውሑዳት እዮም።

[15] ውሽጣቶም መንጠልቲ ተዃሉ እናሃለዉ ኣባጊዕ መሲሎም ካብ ዝመጹኹም ሓሰውቲ ነቢያት ተጠንቀቑ።

[16] ብፍሪኦም ክትፈልጥዎም ኢኹም፤ ካብ ኣሜከላ ፍረ ወይኒ ወይ ካብ ዳንዴር በለስዶ ይቕንጠብ?

[17] ከምኡ ድማ እቲ ጽቡቕ ኦም ጽቡቕ ፍረ ይፈሪ፤ እቲ ሕማቕ ኦም ከዓ ሕማቕ ፍረ ይፈሪ።

[18] ጽቡቕ ኦም ሕማቕ ፍረ ኽፈሪ ሕማቕ ኦም ድማ ጽቡቕ ፍረ ኽፈሪ ኣይኽእልን እዩ።

[19] ጽቡቕ ፍረ ዘይፈሪ ዂሉ ኦም ይቝረጽ፤ ናብ ሓዊ ድማ ይድርበ።

[20] እምበኣርከስ ብፍሪኦም ክትፈልጥዎም ኢኹም።

[21] ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦይ ዝገብር ደኣ እምበር ጐይታይ! ጐይታይ! ዝብለኒ ዂሉ ናብ መንግሥተ ሰማያት ኣይኣቱን እዩ።

[22] በታ መዓልቲ እቲኣ ብዙኃት ጐይታይ! ጐይታይ! ብስምካዶ ትንቢት ኣይተናገርናን? ብስምካዶ ኣጋንንቲ ኣየውፃእናን? ብስምካኸ ብዙኅ ተኣምራትዶ ኣይገበርናን?› ክብሉኒ እዮም።

[23] ሽዑ ኣነ ኣቱም ገበርቲ ዓመፃ ከቶ ኣይፈልጠኩምን እየ፤ ካባይ ረኃቑ!› ኽብሎም እየ።

[24] ነዘን ቃላተይ ሰሚዑ ዝፍጽመን ኲሉ ገዝኡ ኣብ ልዕሊ ኰዂሒ ዝሠርሐ ለባም ሰብ ይመስል።

[25] ዝናም ዘነመ ወሓይዝ ወሓዙ ንፋሳትውን ነፈሱ ነቲ ገዛ ደፍእዎ፤ ኣብ ኰዂሒ ስለ ዝተመሥረተ ግና ኣይወደቐን።

[26] ነዘን ቃላተይ ሰሚዑ ዘይፍጽመን ኲሉ ኸዓ፤ ገዝኡ ኣብ ልዕሊ ኁፃ ዝሠርሐ ሰነፍ ሰብ ይመስል።

[27] ዝናም ዘነመ ወሓይዝ ወሓዙ ንፋሳት ነፈሱ ነቲ ገዛ ደፍእዎ ወደቐውን ኣወዳድቓኡ ድማ ዓብዪ ኾነ።

[28] ኢየሱስ ነዝ ነገር እዙይ ምስ ወድአ እቶም ሕዝቢ ብትምህርቱ ተደነቑ።

[29] ከም መምህራን ሕጊ ዘይኮነስ ሥልጣን ከም ዘለዎ ኾይኑ ይምህሮም ነበረ እሞ።

ወንጌል ማቴዎስ — Chapters