ወንጌል ማቴዎስ 14
[1] በቲ እዋን እቱይ ገዛኢ ገሊላ ሄሮድስ ዝና ኢየሱስ ሰምዐ።
[2] ንሓሻኽሩ ድማ እዙይ ዮሓንስ መጥምቕ እዩ፤ ንሱ ኻብ ምዉታን ተሢኡ ኣሎ፤ ስለዙይ ከዓ እዝ ተኣምራት እዙይ ብእኡ ይግበር ኣሎ በሎም።
[3] ሄሮድስ ብሰንኪ ሄሮድያዳ ሰበይቲ ፊልጶስ ሓዉ ንዮሓንስ ኂዙ ናብ ቤት ማእሰርቲ አእትይዎ ነበረ።
[4] ዮሓንስ ሰበይቲ ኃውካ ኽተእቱ ኣይግብአካን እዩ ይብሎ ነበረሞ።
[5] ክቐትሎ እኳ እንተ ደለየ እቶም ሕዝቢ ንዮሓንስ ከም ነቢይ ይርእይዎ ስለ ዝነበሩ ፈርሖም።
[6] በዓል ልደት ሄሮድስ ምስ ኮነ ጓል ሄሮድያዳ ኣብ ማእኸሎም ሳዕሲዓ ንሄሮድስ ኣሐጐሰቶ፤
[7] ሽዑ ዝደለየቶ ኽህባ መሓለላ።
[8] ንሳ ኸምቲ እኖኣ ኣቐዲማ ዝመኸረታ ርእሲ ዮሓንስ መጥምቕ ኣብ ጻሕሊ ገይርካ ሃበኒ በለቶ።
[9] እቲ ንጉሥ ጐሃየ፤ እንተኾነ ምእንቲ ማሕላኡን ምእንቲ እቶም ምስኡ ዝተቐመጡን ክህብዋ ኣዘዘ።
[10] ሰብ ልኢኹ ድማ ርእሲ ዮሓንስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣሰየፈ።
[11] ነታ ርእሱ ብጻሕሊ ኣምጺኦም ነታ ጓል ሃብዋ፤ ንሳ ድማ ወሲዳ ንእኖኣ ሃበታ።
[12] ደቀ መዛሙርት ዮሓንስ ድማ መጺኦም ነቲ ሬሳኡ ኣልዒሎም ቀበርዎ፤ ከይዶምውን ንኢየሱስ ነገርዎ።
[13] ኢየሱስ ነዙይ ምስ ሰምዐ ካብኡ ብጃልባ ኣግሊሱ ንበይኑ ናብ ጽምዊ ቦታ ኸደ፤ እቶም ሕዝቢ ሰሚዖም ከካብ ዓዶም ተኣኪቦም ብእግሪ ተኸተልዎ።
[14] ኢየሱስ ካብኡ ወፂኡ ብዙኅ ሕዝቢ ረአየ እሞ ራህረሀሎም፤ ሕሙማቶም ድማ ኣሕወየ።
[15] ምስ መሰየ ደቀ መዛሙርቱ ናብኡ ቐሪቦም እዝ ቦታ እዙይ በረኻ እዩ፤ ሰዓትውን ኃሊፉ እዩ፤ ስለዙይ እዞም ሕዝቢ ናብ ዓድታት ከይዶም ንባዕሎም ምግቢ ኽዕድጉ ኣሰናብቶም በልዎ።
[16] ኢየሱስ ግና ብጥሙዮም ክኸዱ ኣይግባእን እዩ፤ ዝብላዕ ድኣ ንስኻትኩም ሃብዎም በሎም።
[17] ንሳቶም ድማ ኣብዙይ እንትርፊ ኃሙሽተ እንጀራን ክልተ ዓሣን ካልእ የብልናን በልዎ።
[18] ንሱ ግና ናባይ ኣምጽእወን በለ።
[19] ነቶም ሰብውን ኣብ ሣዕሪ ኽቕመጡ ኣዘዞም፤ ነተን ኃሙሽተ እንጀራን ክልተ ዓሣን ኣልዒሉ ናብ ሰማይ ኣንቃዕሪሩ እናጠመተ ኣመስጊኑ ባረኸ፤ ቖሪሱውን ንደቀ መዛሙርቱ ሃቦም፤ ደቀ መዛሙርቱ ድማ ነቶም ሕዝቢ ኣቕረቡሎም።
[20] ኲሎም በሊዖም ጸገቡ፤ እቲ ዝተረፈ ቝርስራስ ድማ ዓሠርተ ኽልተ መሶብ ምሉእ ኣልዓሉ።
[21] እቶም ዝበልዑ ውን ብዘይ ኣንስትን ቈልዑ ን ኃሙሽተ ሽሕ ዝኾኑ ነበሩ።
[22] ሽዑ ኢየሱስ ነቶም ሕዝቢ ኽሳዕ ዘሰናብቶም ደቀ መዛሙርቱ ናብ ጃልባ ኣትዮም ናብ ማዕዶ ኽቕድምዎ ኣዘዞም።
[23] ነቶም ሕዝቢ ኣሰናቢቱ ኸዓ ኽጽሊ በይኑ ናብ እምባ ደየበ። ምድሪ ምስ መሰየ ድማ በይኑ ኣብኡ ነበረ።
[24] እታ ጃልባ ኃሙሽተ ኪሎ ሜትር ኣቢላ ካብ ምድሪ ርሒቓ ነበረት፤ ንፋስ ብቕድሚኣ ስለ ዝነበረ ኸዓ ብማዕበል ትናወጽ ነበረት።
[25] ኢየሱስ ከባቢ ትሽዓተ ሰዓት ናይ ለይቲ ብልዕሊ ባሕሪ እናኸደ ናብኣቶም መጸ።
[26] እቶም ደቀ መዛሙርቱ ብልዕሊ ባሕሪ እንትኸይድ ምስ ረአይዎ ምትሃት እዩ ኢሎም ተሸበሩ፤ ካብ ፍርኃት ዝተልዓለውን ኣእወዩ።
[27] ኢየሱስ ግና ሽዑ ንሽዑ ኣይዞኹም ኣይትፍርኁ ኣነ እየ በሎም።
[28] ጴጥሮስ መሊሱ ጐይታይ! ንስኻ እንተ ዄንካስ ብልዕሊ ባሕሪ ናባኻ ኽመጽእ ኣዝዘኒ በሎ።
[29] ንሱ ድማ ነዓ! በሎ፤ ሽዑ ጴጥሮስ ካብ ጃልባ ወሪዱ ብልዕሊ ባሕሪ ናብ ኢየሱስ ከደ።
[30] ብርቱዕ ንፋስ ምስ ረአየ ግና ፈርኀ፤ ክጠልቕ ምስ ጀመረ ድማ ጐይታይ! ኣድኅነኒ ኢሉ ኣእወየ።
[31] ኢየሱስ ድማ ሽዑ ኢዱ ዘርጊሑ ኃዞ እሞ ኣታ እምነት ዝጐደለካ ስለ ምንታይከ ተጠራጠርካ? በሎ።
[32] ናብ ጃልባ ምስ ደየቡ ግና እቲ ንፋስ ሃድአ።
[33] እቶም ኣብ ጃልባ ዝነበሩ ኸዓ ንስኻ እማን ወዲ እግዚኣብሔር ኢኻ! እናበሉ ሰገዱሉ።
[34] ባሕሪ ተሳጊሮም ድማ ናብ ምድሪ ጌንሳሬጥ በጽሑ።
[35] እቶም ሰብ ምሰለለይዎ ኣብ ከባቢኦም ናብ ዘለዋ ዂለን ዓድታት ልኢኾም ንኲሎም ሕሙማት ኣምጽኡሉ።
[36] ዘፈር ክዳኑ ኽነኽኡ ጥራሕ ለመንዎ፤ ዝነኽእዎ ኲሎም ድማ ሓወዩ።