ግብሪ ሓዋርያት 28
[1] ብድኃን ናብ ምድሪ ምስ በጻሕና እታ ደሴት ማልታ ከም እትብሃል ፈለጥና።
[2] እቶም ደቂ ዓዲ ድማ የመና ራህሩህልና፤ ጽቡቕ ድማ ገበሩልና፤ ሽዑ ዝናም ይዘንም ስለ ዝነበረ ቝሪውን ስለ ዝነበረ ሓዊ ኣንዲዶም ብጽቡቕ ተቐበሉና።
[3] ጳውሎስ ከዓ ብዙኅ ጭራሮ ኣኪቡ ናብ ሓዊ ኸእቱ እንተሎ ካብ ሙቐት እቲ ዝነድድ ሓዊ ዝተልዓለ ኣፍዑ ት ወፂኡ ንኢዱ ነኺሱ ተንጠልጠለ።
[4] እቶም ደቂ ዓዲ ኸዓ እቲ ኣፍዑ ት ኣብ ኢዱ ኣንጠልጢሉ ምስ ረአዩዎ ንስንሳቶም እዝ ሰብኣይ እዙይ ብርግጽ ቀታል ነፍሲ እዩ፤ ካብ ባሕሪ እኳ እንተ ደኃነ ፍርዲ እግዚኣብሔር ብሕይወት ክነብር ኣይኃደጎን ተበሃሃሉ።
[5] ጳውሎስ ግና ነቲ ኣፍዑ ት ናብቲ ሓዊ ነጸጎ ምንም ጕድኣት ድማ ኣይረኸቦን።
[6] ንሳቶም ግና ዝሓብጥ እሞ ሽዑ ንሽዑ ዝመውት መሲልዎም ነበረ። እናረአዩዎ ድማ ንነዊኅ ጊዜ ጸንሑ ዝኾነ ጕድኣት ከምዘይበጽሖ ምስ ረአዩ ቃሎም ለዊጦም እዙይስ ኣምላኽ እዩ በሉ።
[7] ኣብታ ቦታ ፑብልዮስ ዝበሃል ገዛኢ እታ ደሴት ከዓ ኣብ ጥቓ እታ ሥፍራ እቲኣ መሬት ነበሮ። ንሱ ብጽቡቕ ተቐቢሉ ንሠለስተ መዓልቲ ኣብ ገዝኡ ኣአንገደና።
[8] ኣቦ ፑብልዮስ ድማ ረስንን ውፅኣትን ሓሚሙ ነበረ፤ ጳውሎስ ከዓ ናብኡ ኣትዩ ጸለየሉ ኣእዳዉ ኣንቢሩውን ኣሕወዮ።
[9] ከምኡውን ኣብታ ደሴት ዝነብሩ ሕሙማት ናብኡ እናመጹ ተፈወሱ።
[10] ንሳቶም ከዓ ብዙኅ ኣኽበሩና ብመርከብ ክንልዓል እንተለናውን ንጕዕዞና ዘድልየና ዂሉ ሂቦም ኣፋነውና።
[11] ድኅሪ ሠለስተ ወርኂ ኸዓ በታ ኣብታ ደሴት ከሪማ ዝነበረት ናይ ዲዮስቆሮስ ዝተብሃለት ናይ መንታ ኣማልኽቲ ምልክት ዝነበራ መርከብ እስክንድርያ ጌርና ተልዓልና።
[12] ኣብ ስራኩስ ምስ በጻሕና ኸዓ ኣብኣ ሠለስተ መዓልቲ ጸናሕና።
[13] ካብኣ ኃሊፍና ኸዓ ክናብ ሬግዩም ኣተና፤ ንጽባሒቱ ተልዒልና ድኅሪ ሓደ መዓልቲ ንፋስ ደቡብ ነፈሰ እሞ ብኻልአይቲ መዓልቲ ናብ ፑቲዮሉስ በጻሕና።
[14] ኣብኣ ድማ ኣመንቲ ረኸብና እሞ ሸውዓተ መዓልቲ ምስኣቶም ክንቅኒ ለመኑና፤ ብድሕሪኡ ናብ ሮም ከድና።
[15] እቶም ኣመንቲ ወረና ምስ ሰምዑ ኽሳዕ እቲ ኣጵያስ ዝበሃል ዕዳጋን ክሳዕ ሠለስተ መኃድር እትብሃል ቦታን መጺኦም ተቐበሉና፤ ጳውሎስ ከዓ ምስ ረአዮም ንእግዚኣብሔር ኣመስገነ የመናውን ተጸናንዐ።
[16] ኣብ ሮም ምስ ኣተና ኸዓ እቲ ሓለቓ ሚእቲ ነቶም እሱራት ንሓለቓ ሠራዊት ኣኅሊፉ ሃቦም ንጳውሎስ ግና ምስ ሓደ ዝሕልዎ ወታሃደር ንበይኑ ኽቕመጥ ፈቐደሉ።
[17] ድኅሪ ሠለስተ መዓልቲ ጳውሎስ ነቶም መራሕቲ ኣይሁድ ጸዊዑ ኣከቦም። ምስ ተኣከቡ ድማ ኣቱም ኣኅዋተይ ኣነ ምስ ሕዝብና ኾነ ወይ ምስ ሥርዓት ኣቦታትና ዝጻረር ነገር እኳ ኣይገበርኩን፤ እንተኾነ ካብ ኢየሩሳሌም ብእሱረይ ናብ ኢድ ሮማውያን ኣኅለፉኒ።
[18] ንሳቶም መርሚሮም ናብ ሞት ዘብጽሕ ምኽንያት ምስ ሰኣኑለይ ከዓ ኽፈትሑኒ ደለዩ።
[19] ኣይሁድ ምስ ቲወሙኒ ግና ንሕዝበይ ዝኸሰሉ ነገር ዘይብለይ እንተለኹ ናብ ቄሣር ይግባይ ክብል ተገደድኩ።
[20] እምበኣር ብዛዕባ እታ ተስፋ እስራኤል እየ በዝ መቝሕ እዙይ ተኣሲረ ዘለኹ። በዝ ምኽንያት እዙይ እየ ኸዓ ኽርእየኩምን ክዛረበኩምን ዝጸዋዕኩኹም በሎም።
[21] ንሳቶም ከዓ ንሕና ብዛዕባኻ ካብ ሃገር ይሁዳ መልእኽቲ ኣይተቐበልናን፤ ካብ ኣኅዋትውን መጺኡ ዝገለጸልና ወይ ብዛዕባኻ ኽፉእ ዝነገረና የለን።
[22] ብዛዕባ እዛ እምነት እዚኣ ግና ኣብ ኲሉ ቦታ ኸም ዝቃወምዋ ንፈልጥ ኢና እሞ እቲ ንስኻ እትሓስቦ ካባኻ ኽንሰምዖ ንደሊ ኢና በልዎ።
[23] መዓልቲ ምስተቛጸሩ ድማ ብዙኃት ኮይኖም ናብታ ሰፊርዋ ዝነበረ ገዛ መጹ። ካብ ንግሆ ጀሚሩ ኽሳዕ ምሸት ድማ ካብ ሕጊ ሙሴን መጻሕፍቲ ነቢያትን ብዛዕባ ኢየሱስ እናኣረድአ ብዛዕባ መንግሥቲ እግዚኣብሔር ከዓ እናመስከረ ገለጸሎም።
[24] ገሊኦም ነቲ ዝተነግረ ኣመንዎ ገሊኦም ግና ኣበይዎ።
[25] ጳውሎስ ነዝ ዝስዕብ ቃል ምስ ተዛረበ ንስንሳቶም ምስምማዕ ስኢኖም ተፈላለዩ፦ መንፈስ ቅዱስ ብነቢይ ኢሳይያስ ነቦታትኩም ከምዙይ እናበለ ዝተዛረቦም ጽቡቕ ገበረ፦
[26] ናብዝ ሕዝቢ ኺድ እሞ ምስማዕ ኽትሰምዑ ኢኹም፤ ግና ኣይተስተውዕሉን። ምርኣይ ክትርእዩ ኢኹም፤ ግና ኣይትርድኡን› ኢልካ ንገሮም።
[27] በእዛኖም ከይሰምዑ ኣእዛኖም ኣጽመሙ። በዒንቶም ከይርእዩ ኣዒንቶም ዓመቱ ብልቦም ከየስተውዕሉ ኸይምለሱ እሞ ኣነውን ከየሕውዮምስ ልቢ እዝ ሕዝቢ እዙይ ድንዙዝ እዩ።›
[28] እምበኣርከስ እዝ ምድኃን እግዚኣብሔር ነሕዛብ ከም ዝኸውን ፍለጡ ንሳቶም ከዓ ኽቕበልዎ እዮም።
[29] እዙይ ምስ ተዛረበ ኣይሁድ ንስንሳቶም ብዙኅ እናተኻትዑ ወፁ።
[30] ጳውሎስ ከዓ ኣብታ ዝተኻረያ ገዛ ኽልተ ዓመት ምሉእ ተቐመጠ ነቶም ናብኡ ዝመጹ ዂሎምውን ይቕበሎም ነበረ።
[31] እንተይተኸልከለ ኸዓ መንግሥቲ እግዚኣብሔር ብብዙኅ ትብዓት ይሰብኽ ብዛዕባ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስውን ይምህር ነበረ።