Skip to content
Opens in a new window
Listen to this chapter • 5:18

[1] ጴጥሮስን ዮሓንስን ነቶም ሕዝቢ ኽነግርዎም እንተለዉ ካህናትን ሓለቓ ሓለውቲ ቤተ መቕደስን ሰዱቃውያንን መጽእዎም።

[2] ነቶም ሕዝቢ ስለ ዝመሃሩን ብኢየሱስውን ትንሣኤ ምዉታን ከም ዝርከብ ስለ ዝሰበኹን የመና ተናደዱ።

[3] ስለዙይውን ኃዝዎም፤ መስዩ ስለ ዝነበረ ኸዓ ምድሪ ኽሳዕ ዝወግሐሎም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣኅደርዎም።

[4] እንተኾነ ብዙኃት ካብቶም ነቲ ቓል ዝሰምዕዎ ኣመኑ። ብዝኂ እቶም ዝኣመኑ ሰባት ከዓ ሓሙሽተ ሽሕ ኾነ።

[5] -

[6] ንጽባሒቱ ድማ መኳንንቶምን ሽማግለታቶምን መምህራን ሕግን ምስ ሓና ሊቀ ካህናትን ቀያፋን ዮሓንስን እስክንድሮስን ኲሎም ወገን ሊቃነ ካህናትን ኣብ ኢየሩሳሌም ተኣከቡ።

[7] ኣብ ማእኸል ደው ኣቢሎም ድማ በየናይ ኃይሊ ወይ ብናይ መን ስም ኢኹም ነዙይ ዝገበርኩምዎ? ኢሎም ጠየቕዎም።

[8] ሽዑ ጴጥሮስ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሊኡ ኸምዙይ በሎም፦ ኣቱም መኳንንቲ ሕዝብን ሽማግለታትን

[9] ሎሚ ንሕና እንምርመር ዘለና ብዛዕባ ንሓደ ሕሙም ሰብ ዝተገብረሉ ሠናይ ነገርን ከመይ ኢሉ ኸም ዝሓወየን እንተኾይኑ

[10] እዝ ሓውዩ ኣብ ቕድሜኹም ደው ኢሉ ዘሎ ብስም እቲ ንስኻትኩም ዝሰቐልኩምዎ እግዚኣብሔር ከዓ ካብ ምዉታን ዘተሥኦ ናይ ናዝሬት ኢየሱስ ከም ዝኾነ ኣብ ኲልኻትኩምን ኣብ ዂሉ ሕዝቢ እስራኤልን ፍሉጥ ይኹን።

[11] ንሱ እቲ ንስኻትኩም ነደቕቲ ዝነዓቕኩምዎ፤ ግና ርእሲ መዓዝን ዝኾነ እምኒ እዩ።

[12] ብእኡ ኽንድኅን ዝግባእ ካልእ ስም ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንደቂ ሰብ ኣይተውሃበን ኢዩሞ ድኅነት ብኻልእ ከቶ የለን።

[13] ትብዓት ጴጥሮስን ዮሓንስን ምስ ረአዩ ዘይተምሃሩን ተራ ሰባት ምዃኖምውን ምስ ፈለጡ ኸዓ ተገረሙ፤ ምስ ኢየሱስ ከም ዝነበሩ ድማ ኣለለይዎም።

[14] እቲ ዝሓወየ ሰብኣይ ምስኣቶም ደው ኢሉ ምስ ረአይዎ ዝዛረብዎ ሰኣኑ።

[15] ስለዙይ ካብቲ መጋባእያ ድኅር ከብልዎም ኣዘዙ። ንስንሳቶም ከዓ ከምዙይ ኢሎም ተማኸሩ፦

[16] ኣሉ ኽንብላ ዘይንኽእል ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩ ኲላቶም ዝተግሃደት ፍልጥቲ ተኣምራት ብኣኣቶም ተገይራ እያሞ ነዞም ሰባት እዚኣቶም እንታይ ንግበሮም?

[17] ኣብ ሕዝቢ ገኒኑ ኸይውረ ደጊም ብስም ኢየሱስ ንሰብ ከይምህሩን ከይዛረቡን ብጽኑዕ ኣምሪርና ነጠንቅቆም በሉ።

[18] ጸዊዖም ድማ ብስም ኢየሱስ ንሓደኳ ኸይነግሩ ወይ ከይምህሩ ኣዘዝዎም።

[19] ጴጥሮስን ዮሓንስን ከዓ ንእግዚኣብሔር ካብ ምስማዕ ንኣኻትኩም ምስማዕ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ቅኑዕ እንተ ድኣ ኾይኑስ እስኪ ባዕልኻትኩም ፍረዱ።

[20] ንሕና ግና ነቲ ዝረአናዮን ዝሰማዕናዮን ምዝራብ ኣይንኃድግን እናበሉ መለሱሎም።

[21] ንሳቶም ከዓ በቲ ዝተገብረ ተኣምራት እቲ ሕዝቢ ንእግዚኣብሔር የመስግን ስለ ዝነበረ ፈሪሖም ዘቕጽዕ ምኽንያትውን ስለ ዝሰኣኑሎም መሊሶም ኣፈራሪሖም ሰደድዎም።

[22] እቲ ናይ ምሕዋይ ተኣምራት ዝተገበረሉ ሰብኣይ ዕድሜኡ ልዕሊ ኣርብዓ ዓመት ነበረሞ።

[23] ጴጥሮስን ዮሓንስን ምስ ተፈትሑ ናብቶም ኣመንቲ ኸይዶም ነቲ ሊቃነ ካህናትን ሽማግለታትን ዝበልዎ ዂሉ ነገርዎም።

[24] ንሳቶምውን ነዙይ ምስ ሰምዑ ብሓደ ልቢ ኾይኖም ድምፆም ልዕል ኣቢሎም ናብ እግዚኣብሔር ከምዙይ በሉ፦ ኦ ሰማይን ምድርን ባሕርን ኣብኣተን ዘሎ ዂሉን ዝፈጠርካ ጐይታ!

[25] ከምቲ ብመንፈስ ቅዱስ ብኣፍ ኣቦና ዳዊት ባርያኻ ስለምንታይ ኣሕዛብ ተቖጥዑ ፤ ሕዝብስ ንምንታይ ከንቱ ነገር ይኣልሙ?

[26] ነገሥታት ምድሪኸ ንምንታይ ተልዓሉ፤ እቶም መኳንንቲ ድማ ንእግዚኣብሔርን ንመሢሑን ክጻረሩ ብሓደ ተኣከቡ› ዝበልካዮ

[27] -

[28] እቲ ኃይልኻን ፍቓድካን ክኸውን ኢሉ ቕድም ዝመደቦ ምእንቲ ኽገብሩ ብሓቂ ሄሮድስን ጲላጦስ ጴንጤናዊን ምስ ኣሕዛብን ሕዝቢ እስራኤልን ኮይኖም ኣብ ልዕሊ እቲ ንስኻ ዝቐባእኻዮ ቕዱስ ወድኻ ኢየሱስ ንምፅራር ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ተኣከቡ።

[29] ሕዚ ድማ ኦ ጐይታ! ምፍርራሖም ርአ፤ ንኣገልገልትኻ ኸዓ ቃልካ ብምሉእ ትብዓት ክናገሩ ኣኽእሎም።

[30] ብስም እቲ ቕዱስ ወድኻ ኢየሱስ ሕሙማት ክሓውዩ ምልክትን ተኣምራትን ክፍጸም ከዓ ኢድካ ዘርግሕ ኢሎም

[31] እናጸለዩ እንተለዉ እቲ ተኣኪቦሙሉ ዝነበሩ ሥፍራ ተናወጸ፤ ኲላቶም ድማ ብመንፈስ ቅዱስ ተመልኡ፤ ቃል እግዚኣብሔርውን ብትብዓት ተዛረቡ።

[32] እቶም ዝኣመኑ ዂላቶም ሓደ ልብን ሓደ ሓሳብን ነበሩ፤ ንብረቶም ብምሉኡ ናይ ሓባር ደኣ ነበረ እምበር ካብኣቶም ሓደኳ እዙይ ናተይ እዩ ዝብል ኣይነበሮምን።

[33] ሓዋርያት ከዓ ብዛዕባ ትንሣኤ ጐይታና ኢየሱስ ብዓብዪ ኃይሊ ይምስክሩ ነበሩ፤ ኣብ ኲሎም ድማ ዓብዪ ሞገስ ነበረ።

[34] -

[35] ኲላቶም መሬት ወይ ኣባይቲ ዘለዎም ሸይጦም ዋጋ እቲ ዝተሸጠ ኣምጺኦም ንሓዋርያት የረክቡ ነበሩ። ንሳቶምውን ንነፍስ ወከፍ ከከም ዘድልዮ ይመቕልዎ ስለ ዝነበሩ ሓደኳ ጽጉም ኣይነበሮምን።

[36] ናይ ቆጵሮስ ተወላዲ ዝኾነ ሓዋርያት በርናባስ እናበሉ ዝጽውዕዎ ዮሴፍ ዝበሃል ሓደ ሌዋዊ ነበረ፤ በርናባስ ማለት ድማ ወዲ ምጽንናዕ ማለት እዩ።

[37] ንሱ ነቲ ዝነበሮ ግራት ሸይጡ ነቲ ገንዘብ ኣምጺኡ ንሓዋርያት ኣረከበ።

ግብሪ ሓዋርያት — Chapters