ግብሪ ሓዋርያት 16
[1] ካብኡ ጳውሎስ ኣብ ደርቤንን ኣብ ልስጥራንን በጽሐ፤ ኣብኡ ኸዓ ካብ ሓንቲ ኣይሁዳዊት ኣማኒት ሰበይትን ካብ ሓደ ግሪካዊ ሰብኣይን ዝተወልደ ጢሞቴዎስ ዝበሃል ደቀ መዝሙር ነበረ።
[2] እቶም ኣብ ልስጥራንን ኣብ ኢቆንዮንን ዝነበሩ ኣኅዋት ንእኡ ይንእድዎ ነበሩ።
[3] ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ምስኡ ኽወስዶ ደለየ ኣቦኡ ግሪካዊ ምዃኑ ዂላቶም ይፈልጡ ስለ ዝነበሩ ምእንቲ እቶም ኣብተን ዓድታት እቲኣተን ዝነበሩ ኣይሁድ ገረዞ።
[4] ኣብ ዘዝኣተዉዋ ኸተማ ኸዓ ነቲ ሓዋርያትን መራሕቲ ቤተ ክርስቲያንን ኣብ ኢየሩሳሌም ዝወሰንዎ ሥርዓት ክሕልዉዎ ሃቡዎም።
[5] እተን ኣብያተ ክርስቲያን ከዓ ብእምነት ጸንዓ፤ ቝጽረን ድማ በብመዓልቱ ይውስኽ ነበረ።
[6] ጳውሎስን ብጾቱን ኣብ እስያ ነቲ ቓል ከይነግሩ መንፈስ ቅዱስ ምስ ከልከሎም ናብ ፍርግያን ገላትያን ኃለፉ።
[7] ኣብ ሚስያ ምስ በጽሑ ናብ ቢታንያ ክኸዱ ደለዩ መንፈስ ኢየሱስ ግና ኣይፈቐደሎምን።
[8] ስለዙይ ካብ ሚስያ ኃሊፎም ናብ ጢሮኣዳ ወረዱ።
[9] ጳውሎስ ከዓ ብለይቲ ሓደ በዓል መቄዶንያ ሰብኣይ ደው ኢሉ ናባና ናብ መቄዶንያ ኅለፍ እሞ ርድአና እናበለ ኽልምኖ እንተሎ ራእይ ረአየ።
[10] እዙይ ምስ ረአየ ወንጌል ክንሰብከሎም እግዚኣብሔር ከም ዝጸውዐና ስለ ዝፈለጥና ሽዑ ንሽዑ ናብ መቄዶንያ ኽንከይድ ደለና።
[11] ሽዑ ኻብ ጢሮኣዳ ብመርከብ ምስ ከድና ቐኒዕና ናብ ሰሞትራቄ ኣምራሕና ንጽባሒቱ ድማ ናብ ናጱሌ ኸድና።
[12] ካብኣ ድማ ናብታ ክፍለ ሃገር መቄዶንያ ቐዳመይቲ ኸተማን ግዝኣት ሮምን ዝኾነት ፊልጵስዩስ ኣተና ኣብኣ ኸዓ ብዙኅ መዓልቲ ቐኔና።
[13] ብመዓልቲ ሰንበት ድማ ካብ ቅጽሪ እታ ኸተማ ወፂእና ኣብቲ ጥቓ ገምገም ሩባ ቤተ ጸሎት ስለ ዝነበረ ናብኡ ኸድና ኣብኡ ኾፍ ኢልና ኸዓ ነተን ኣብኡ ዝተኣከባ ኣንስቲ ተናገርናየን።
[14] ልድያ እትበሃል ንእግዚኣብሔር እትፈርኅ ሰበይቲ በዓልቲ ኸተማ ትያጥሮን ሸያጢት ቀይሕ ሓሪ ድማ ትሰምዕ ነበረት፤ ነቲ ጳውሎስ ዝብሎ ዝነበረ ኽተስተውዕል ድማ ጐይታ ልባ ኸፈተላ።
[15] ንሳ ምስ ስድራ ቤታ ምስ ተጠመቐት ከዓ ብጐይታ ኸም ዝኣመንኩ እንተ ድኣ ተቐቢልኩምኒ ዄንኩምስ ናብ ገዛይ ኣቲኹም ኅደሩ ኢላ ለመነትና ግዲውን በለትና።
[16] ናብ ቤተ ጸሎት ክንከይድ እንተለና መንፈስ ጥንቈላ ዘለዋ ንጐይቶታ ኸዓ በቲ ጥንቈላኣ ብዙኅ እቶት እተእትወሎም ዝነበረት ግዝእቲ ጓል ረኸበትና።
[17] ንሳ ኸዓ ደድኅሪ ጳውሎስን ደድኅሬይናን እናሰዓበት እዞም ሰባት እዚኣቶም ኣገልገልቲ ልዑ ል እግዚኣብሔር እዮም መንገዲ ምድኃን ይምህሩኹም ኣለዉ እናበለት ዓው ኢላ ትዛረብ ነበረት።
[18] ነዝ ነገር እዙይውን ብዙኅ መዓልቲ ደጋገመቶ፤ ጳውሎስ ድማ ብዙኅ ጊዜ ምሰትከረቶ ምልስ ኢሉ ነቲ ርኹስ መንፈስ ካብኣ ኽትወፅእ ብስም ኢየሱስ እእዝዘካ ኣለኹ በሎ። በታ ጊዜ እቲኣውን ወፀ።
[19] ጐይቶታ ግና ዝረኽብዎ ዝነበሩ እቶት ከም ዘቋረጸ ምስ ረአዩ ንጳውሎስን ሲላስን ኃዝዎም ጐቲቶም ናብ ዕዳጋ ወሲዶም ድማ ናብቶም ሹመኛታት ኣቕረብዎም።
[20] ኣብ ቕድሚ እቶም ሮማውያን ሰብ ሥልጣን ደው ኣቢሎምውን ከምዙይ ኢሎም ከሰስዎም፦ እዞም ሰባት እዚኣቶም ኣይሁድ እዮም ንኸተማና ኸዓ ይህውኽዋ ኣለዉ
[21] ንሕና ሮማውያን ክንቅበሎ ኾነ ኽንገብሮ ዘይግብኣና ሥርዓት ይምህሩ ኣለዉ።
[22] እቲ ሕዝቢ ኸዓ ኣብ ልዕሊኦም ተሢኡ ተበኣሶም፤ እቶም ሰብ ሥልጣን ድማ ኽዳውንቶም ገፊፎም ብበትሪ ኽወቕዕዎም ኣዘዙ።
[23] ብዙኅ ምስ ዘበጥዎም ከዓ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተውዎም፤ ነቲ ሓላው ቤት ማእሰርቲ ድማ ኣጽኒዑ ኽሕልዎም ኣዘዝዎ።
[24] ንሱ ነዝ ትእዛዝ እዙይ ምስ ተቐበለ ኸዓ ናብቲ ውሽጥ ዝበለ ቤት ማእሰርቲ ኣእተዎም፤ ኣእጋሮም ድማ ብመቝሕ ኣብ ጕንዲ ኣጽኒዑ ኣሰሮም።
[25] ፍርቂ ለይቲ ምስ ኮነ ድማ ጳውሎስን ሲላስን እናጸለዩ ንኣምላኽ ብመዝሙር የመስግኑ ነበሩ፤ እቶም ካልኦት እሱራትውን ይሰምዕዎም ነበሩ።
[26] ብድንገት ድማ መሠረት እታ ቤት ማእሰርቲ ኽሳዕ ዝናወጽ ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ኮነ፤ ሽዑ ንሽዑ ኸዓ ዂሉ እቲ መዓጹ ተኸፍተ፤ ናይ ኲላቶም መቓውሕውን ተፈትሐ።
[27] እቲ ሓላው ቤት ማእሰርቲ ምስ ተበራበረ ኸዓ መዓጹ እታ ቤት ማእሰርቲ ተኸፊቱ ምስ ረአየ፤ እቶም እሱራት ዘምለጡ መሲልዎ ሰይፉ መሊሑ ባዕሉ ንባዕሉ ኽቐትል ደለየ።
[28] ጳውሎስ ግና ዓው ኢሉ ኣብ ርእስኻ ኽፉእ ኣይትግበር ኲላትና ኣብዙይ ኣለና በሎ።
[29] ንሱ ድማ መብራህቲ ኣምጽኡለይ ኢሉ እናጐየየ ኣተወ እናንቀጥቀጠውን ኣብ ቕድሚ ጳውሎስን ሲላስን ፍግም ኢሉ ሰገደ።
[30] ናብ ደገ ኣውፂኡ ድማ ጐይቶተይ! ምእንቲ ኽድኅንስ እንታይ ክገብር ይግብኣኒ? በሎም።
[31] ንሳቶም ከዓ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እመን፤ ንስኻን ስድራኻን ድማ ኽትድኅኑ ኢኹም በልዎ።
[32] ንእኡን ንዂሎም እቶም ምስኡ ኣብ ገዝኡ ዝነበሩን ድማ ቃል እግዚኣብሔር ነገርዎም።
[33] ሽዑ በታ ለይቲ እቲኣ ወሲዱ ቝስሎም ሓጸበሎም ምስ ኲሎም ስድራ ቤቱ ኸዓ ተጠመቐ።
[34] ናብ ገዝኡ ወሲዱ ድማ ማእዲ ቐረበሎም፤ ብእግዚኣብሔር ስለ ዝኣመነውን ምስ ኲሎም ስድራ ቤቱ ተሓጐሰ።
[35] ምድሪ ምስ ወግሐ እቶም ሮማውያን ሰብ ሥልጣን ነቶም ሰባት ፈቲሕኻ ስደዶም እናበሉ ሓሻኽር ለኣኹሉ።
[36] እቲ ሓላው ቤት ማእሰርቲ ድማ እቶም ሰብ ሥልጣን ፍትሕዎም› ኢሎም ልኢኾም ኣለዉ እሞ ሕዚ እምበኣር ወፂእኹም ብሰላም ኪዱ ኢሉ ንጳውሎስ ነገሮ።
[37] ጳውሎስ ግና ንሕና ሮማውያን እንተለና ብዘይ ፍርዲ ብገሃድ ገሪፎም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣእትዮምናስ ሕዚዶ ብኅቡእ ክሰዱና? ባዕላቶም ደኣ መጺኦም የውፅኡና እምበር እዙይ ከቶ ኣይኸውንን እዩ በሎም።
[38] እቶም ሓሻኽር ድማ ነቶም ሰብ ሥልጣን ነዝ ነገር እዙይ ነገርዎም። ንሳቶም ድማ ሮማውያን ምዃኖም ምስ ሰምዑ ፈርኁ።
[39] መጺኦም ከዓ ይቕረ በሉልና ኢሎም ኣውፅእዎም ካብታ ኸተማ ኽወፁ ኸዓ ለመንዎም።
[40] ሽዑ ኻብ ቤት ማእሰርቲ ወፂኦም ናብ ቤት ልድያ ኣተዉ፤ ነቶም ኣኅዋት ምስ ረኸብዎም ድማ ኣጸናኒዖምዎም ካብኡ ወፁ።