Skip to content
Opens in a new window
Listen to this chapter • 4:39

[1] ድኅሪ ሓሙሽተ መዓልቲ ሓናንያ እቲ ሊቀ ካህናት ምስ ሽማግሌታትን ጠርጠሉስ ምስ ዝበሃል ሓደ ወዳእ ነገርን ወረደ፤ ንሳቶም ድማ ንጳውሎስ ኣብ ቅድሚ እቲ ሹም ከሰስዎ።

[2] ጳውሎስ ምስ ተጸውዐ ድማ ጠርጠሉስ ከምዙይ እናበለ ክኸሶ ጀመረ፦ ኦ ኽቡር ፊልክስ! ብኣኻ ብዙኅ ሰላም ረኺብና ኣለና፤ ሳላ ብልሓትካ ድማ ነዝ ሕዝቢ እዙይ ብዙኅ ምምሕያሽ ኮይኑሉ ኣሎ።

[3] ነዝ ነገር እዙይ ድማ ኲልሻዕ ኣብ ኲሉ ሃገር ብታሕጓስ እናተቐበልና ነመስግነካ ኣለና።

[4] እንተኾነ ምእንቲ ኸየንውኀልካ ነዝ ብሓፂሩ ዝብለካ ተዓጊሥካ ብቅንዕና ኽትሰምዐኒ እልምነካ ኣለኹ።

[5] እዝ ሰብኣይ እዙይ ናይቶም ናዝራውያን ተብሂሎም ዝጽውዑ ወገን መራሒ እዩ፤ በብዓዱ ንዘለዉ ዂሎም ኣይሁድ ድማ ዕግርግርን ህውከትን እናፈጠረ ሕማም ኮይኑ ረኺብናዮ ኣለና።

[6] ቤተ መቕደስ ከርክስ ምስ ደለየ ኸዓ ኂዝና ከም ሕግና ኽንፈርዶ ደለና።

[7] ግና ሉስዮስ እቲ ሓለቓ ሽሕ መጺኡ ብብዙኅ ኃይሊ ካብ ኢድና መንዚዑ ወሰዶ።

[8] ነቶም ከሰስቱ ድማ ናባኻ ኽመጹ ኣዘዞም። ብዛዕባ እዝ ንሕና እንኸሶ ዘለና ዂሉ ኸዓ ባዕልኻ ንእኡ መርሚርካ ኽትፈልጦ ትኽእል ኢኻ።

[9] ኣይሁድውን እወ እዝ ነገር እዙይ ልክዕ እዩ በሉ።

[10] እቲ ሹም ክዛረብ ምሰመልከቶ ኸዓ ጳውሎስ ከምዙይ እናበለ መለሰ፦ ካብ ብዙኅ ዓመት ጀሚርካ ነዝ ሕዝቢ እዙይ ፈራዲ ምዃንካ እፈልጥ እየሞ። ነገረይ ብታሕጓስ እነግረካ ኣለኹ።

[11] ክሰግድ ኢለ ናብ ኢየሩሳሌም ካብ ዝድይብ ካብ ዓሠርተ ኽልተ መዓልቲ ዝበዝኅ ከም ዘይገበርኩ ኽትፈልጦ ትኽእል ኢኻ።

[12] ኣብ ቤተ መቕደስ ምስ ሓደኳ ኽዛረብ ወይ ሕዝቢ ኣኪበ ክህውኽ ኣብ ኣብያተ ጸሎት ኮነ ኣብ ከተማ ኣይረኸቡንን።

[13] ሕዝውን በዝ ዝኸሱኒ ዘለዉ ነገር ኣብ ቅድሜኻ ክረትዑሉ ኣይኽእሉን እዮም።

[14] ኣነ ግና ነቲ ዂሉ ኣብ ሕጊ ሙሴ ዘሎን ነቲ ዂሉ ኣብ ነቢያት ተጽሒፉ ዘሎን ከም ዝኣምን በታ ንሳቶም መናፍቕነት ብዝብልዋ መንገዲ ጐይታ ንኣምላኽ ኣቦታተይ ከም ዘምልኽ እእመነልካ ኣለኹ።

[15] ከምቲ ንሳቶም ተስፋ ዝገብርዎ ኣነውን ጻድቃንን ኃጥኣንን ካብ ሞት ከም ዝትሥኡ ኣብ እግዚኣብሔር ተስፋ ኣለኒ።

[16] ስለዙይ ከዓ እየ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔርን ኣብ ቅድሚ ሰብን ብንጹህ ኅሊና ኽነብር ዝፅዕር ዘለኹ።

[17] ድኅሪ ብዙኅ ዓመታት ከዓ ናብ ሕዝበይ ምጽዋት ከብጽሕን መሥዋዕቲ ኸቕርብን ናብ ኢየሩሳሌም መጻእኹ።

[18] እዞም ሰባት እዚኣቶም ከምቲ ሥርዓት ዝእዝዞ ኣብ ቤተ መቕደስ ርእሰይ ከንጽህ እንተለኹ ደኣ ረኸቡኒ እምበር ዝኣከብክዎ ወይ ንህውከት ዘለዓዓልክዎ ሕዝቢ ኣይነበረን

[19] ገሊኦም ካብ እስያ ዝመጹ ኣይሁድ ግና ኣብኡ ነበሩ፤ ንሳቶም ኣባይ ነገር እንተ ድኣ ኣልይዎም ኣብ ቅድሜኻ መጺኦም ክኸሱኒ እዩ ዝግባእ።

[20] ወይ ከዓ ኣብ ቅድሚ ዋዕላ ቖይመ እንተለኹ ዝኾነ በደል ረኺቦምለይ እንተ ኾይኖም እዚኣቶም ይንገሩ።

[21] ብዘይ እታ ኣብ ማእኸሎም ቆይመ ዓው ኢለ ሎሚ ኣነ ብዛዕባ ትንሣኤ ምዉታን ኣብ ቅድሜኹም እፍረድ ኣለኹ› ዝበልክዋ እንተ ዘይኮይና ሓንቲ እኳ ኣይረኸቡለይን።

[22] ፊልክስ እዙይ ምስ ሰምዐ ብዛዕባ መንገዲ ጐይታ ኣጸቢቑ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ እቲ ሓለቓ ሽሕ ሉስዮስ ምስ ወረደ ሽዑ ነገርኩም ኣጸቢቐ ኽምርምሮ እየ ኢሉ ኽጸንሕ ገበሮ።

[23] ነቲ ሓለቓ ሚእቲ ንጳውሎስ ክሕልዎ ማእሰርቲ ኸቃልለሉ ካብቶም ከገልግልዎ ዝደልዩ ሰባትውን ንሓደኳ ኸይኽልክል ኣዘዞ።

[24] ድኅሪ ቑሩብ መዓልቲ ኸዓ ፊልክስ ምስታ ድሩሲላ ዝተብሃለት ኣይሁዳዊት ሰበይቱ መጺኡ ንጳውሎስ ልኢኹ ጸውዖ እሞ ብዛዕባ ብኢየሱስ ክርስቶስ ምእማን ካብኡ ሰምዑ ።

[25] ብዛዕባ ጽድቅን ርእስኻ ምግታእን ብዛዕባ ዝመጽእ ፍርድን ምስ ነገሮም ፊልክስ ፈሪኁ ሕዚ ኺድ ብዝምችወኒ ጊዜ ኽትመጽእ ክልእኸልካ እየ በሎ።

[26] ምስዙይ ድማ ካብ ጳውሎስ ገንዘብ ክረክብ ተስፋ ይገብር ስለ ዝነበረ ብዙኅ ጊዜ ለልኢኹ እናምጽአ ይዛረቦ ነበረ።

[27] ክልተ ዓመት ምስ ኃለፈ ጶርቅዮስ ፊስጦስ ክንዲ ፊልክስ ተሸመ። ፊልክስ ከዓ ንኣይሁድ ከሕጕስ ደልዩ ንጳውሎስ ብእሱሩ ኃደጎ።

ግብሪ ሓዋርያት — Chapters