ግብሪ ሓዋርያት 27
[1] ናብ ኢጣልያ ብመርከብ ክንከይድ ምስ ተወሰነ ንጳውሎስን ንኻልኦት እሱራትን ነቲ ኣብ ሠራዊት ቄሣር ሓለቓ ሚእቲ ዝኾነ ዩልዮስ ዝስሙ ኣመኃላለፍዎም።
[2] ናብ ሃገር እስያ ዝነቐለት ካብ ኣድራሚጢስ ዝመጸት መርከብ ጌርና ጕዕዞና ጀመርና። ኣብ ተሰሎንቄ ዝነብር ኣርስጣርኮስ ዝተብሃለ መቄዶንያዊ ድማ ምሳና ኸደ።
[3] ብጽባሒቱ ኣብ ሲዶና በጻሕና፤ ዩልዮስ ከዓ ንጳውሎስ ራህረሀሉ ናብ ፈተውቱ ኽበጽሕ እሞ ካብኣቶም ሓገዝ ክረክብውን ፈቐደሉ።
[4] ካብኣ ተልዒልና ኸዓ ንፋስ ብቕድሜና ስለ ዝኾነ ንቆጵሮስ ከውሊ ጌርና ኃለፍና።
[5] ኣብ ጥቓ ቂልቅያን ጵምፍልያን ዘሎ ባሕሪ ኃሊፍና ናብታ ኣብ ሃገር ሉቅያ እትርከብ ሙራ ናብ እትበሃል ወደብ ኣተና።
[6] እቲ ሓለቓ ሚእቲ ኣብኣ ናብ ኢጣልያ እትኸይድ ናይ እስክንድርያ መርከብ ረኸበ እሞ ናብኣ ኣደየበና።
[7] እታ መርከብ ብዙኅ መዓልቲ ሰለይ እናበለት ትጐዓዝ ነበረት፤ ብጭንቂ ድማ ኣብ ማዕዶ ቀኒዶስ በጻሕና፤ ናብኣ ኸይንቐርብ ንፋስ ምስ ከልከለና ኸዓ ንቀርጤስ ከውልና ጌርና ብማዕዶ ሰልሙና ኃለፍና።
[8] ብብዙኅ ጭንቂ ጸግዒ ጸግዒ ምስ ኃለፍና ኣብ ጥቓ ኸተማ ላስያ እትርከብ ጽብቕቲ ወደብ ናብ እትብሃል በጻሕና።
[9] ከምዙይ ኢሉውን ብዙኅ ጊዜ ኃለፈ እቲ መዓልቲ ጾም ኣይሁድ ምስ ኃለፈ ብባሕሪ ምጕዓዝ ዘጸግመሉ ወርኃት ስለ ዝኾነ ጳውሎስ ከዓ፦
[10] ኣቱም ሰባት ስምዑ ኒ ጕዕዞና ንመርከብን ፅዕነትን ጥራሕ ዘይኮነስ ንሕይወትና ብዙኅ ጥፍኣትን ጕድኣትን ከም ዘስዕብ ይረአየኒ ኣሎ ኢሉ መኸሮም።
[11] እቲ ሓለቓ ሚእቲ ግና ካብቲ ጳውሎስ ዝተዛረቦ ዘረባ ነቲ መራሒ መርከብን ነቲ ዋናኡን ኣብሊጹ የኣምን ነበረ።
[12] ኣብቲ ወደብ ክረምቲ ክኸርሙሉ ዘይምቾ ስለ ዝነበረ መብዛኅትኦም ካብኡ ኽወፁ እንተ ተኻኢልዎም ከዓ ኣብ ፊንቄ ክኸርሙ መኸሩ። ንሳ እታ ናብ ደቡባዊ ምዕራብን ሰሜናዊ ምዕራብን ኣቢላ እትርኢ ናይ ቀርጤስ ወደብ ነበረት።
[13] ንፋስ ደቡብ ምስ ነፈሰ ኸዓ ከም ሓሳቦም ዝኾነሎም መሲልዎም መልህቅ ኣልዒሎም ብጸግዒ ቀርጤስ ኃለፉ።
[14] ሽዑ ኸዓ ብዙኅ እንተይደንጐየ ሰሜናዊ ምብራቕ› ዝበሃል ህቦብላ ንፋስ ካብታ ደሴት ተልዓለ።
[15] ነታ መርከብ ደፊኡ ምስ ወሰዳ ኸዓ ንሳ ነቲ ንፋስ ክትቃወሞ ስለ ዘይከኣለት ናብ ዝኸደት ትኪድ ኢልና ኃደግናያ።
[16] ኣብ ከውሊ እታ ከላውዳ እትበሃል ደሴት ምስ በጻሕና ድማ ብብዙኅ ጭንቂ ንጃልባ እታ መርከብ ክነድኅና ኸኣልና።
[17] ነታ ጃልባ ስሒቦም ምሰውጽእዋ ነታ መርከብ ብታሕቲ ብገመድ ኣሰርዋ። ኣብ ድበት ሑፃ ናብ ሱርቱስ ከይወድቁ ፈሪኆም ድማ ነቲ ጋንጽላ ጠቕሊሎም ብንፋስ ክትከይድ ኃደግዋ።
[18] ንጽባሒቱ ማዕበል እናበርትዐና ምስ ከደ ድማ ካብቲ ፅዕነት ናብ ባሕሪ ኽድርብዩ ጀመሩ።
[19] ብሣልሰይቲ መዓልቲ ድማ ነቲ መሣርሒ መርከብ በእዳዎም እናልዓሉ ደርበይዎ።
[20] ብዙኅ መዓልቲ ፀሓይ ኮነ ከዋኽብቲ እንተይረአና ቐኒና እቲ ማዕበል እናበርትዐና ምስ ከደ ኸዓ ዂሉ ተስፋ ድኅነት ሕይወትና ፈጺምና ቐበጽናዮ።
[21] እኽሊ እንተይጠዓሙ ብዙኅ መዓልቲ ምስ ገበሩ ጳውሎስ ኣብ ማእኸል ደው ኢሉ ኣቱም ኣኅዋተይ ምኽረይ ሰሚዕኹምኒ እንተ ትኾኑ ኔርኩም ካብ ቀርጤስውን እንተዘይትወፁ እዝ መከራን ጕድኣትን ኣይምረኸበኩምን ነይሩ።
[22] ሕዚ ድማ ብዘይ እታ መርከብ ካባና ሓደኳ ኣይጕዳእን እሞ ኣይትፍርኁ እብለኩም ኣለኹ።
[23] በዛ ለይቲ እዚኣ መልኣኽ ናይቲ ኣነ ናቱ ዝኾንኩን ዘገልግሎን እግዚኣብሔር ኣብ ቅድመይ ቆይሙ
[24] ጳውሎስ ኣብ ቅድሚ ቄሣር ደው ክትብል ኢኻ፤ እንሆ ነቶም ምሳኻ ዝጐዓዙ ዂላቶምውን እግዚኣብሔር ሂቡካ ኣሎ እሞ ኣይትፍራኅ› በለኒ።
[25] ሕዝውን ኣቱም ሰባት ኣይዞኹም ኣነ ኸዓ ኸምቲ ንሱ ዝነገረኒ ኸም ዝኸውን ንእግዚኣብሔር አኣምኖ እየሞ።
[26] እንተኾነ ናብ ሓንቲ ደሴት ክንበጽሕ ኣለና በሎም።
[27] ኣብ መበል ዓሠርተ ኣርባዕተ ለይቲ ኣብ ባሕሪ ኣድርያ ንፋስ እናኣጋፍዐና ኽንከይድ እንተለና እቶም መርከበኛታት ኣብ ፍርቂ ለይቲ ናብ ምድሪ ዝቐረቡ መሰሎም።
[28] ሽዑ መለክዒ እንተውረዱ ኣርብዓ ሜትር ኮይኑ ረኸብዎ። ካብኡ ቑሩብ ኅልፍ ኢሎም ከዓ ኻልኣይ መለክዒ ኣውረዱ እሞ ሠላሳ ሜትር ኮይኑ ረኸብዎ።
[29] ምስ ከውሒ ኸይላተሙ ፈሪኆም ከዓ ብወገን ድኅሪት እታ መርከብ ኣርባዕተ መልህቅ ኣውረዱ፤ ክወግሐሎም ድማ ጸለዩ።
[30] እቶም መርከበኛታት ድማ ካብታ መርከብ ክሃድሙ ደልዮም ብወገን ቅድሚታ መልህቅ ከም ዘውርዱ መሲሎም ነታ ጃልባ ናብ ባሕሪ ኣውረድዋ።
[31] ጳውሎስ ከዓ ነቲ ሓለቓ ሚእትን ነቶም ወታደራትን እዚኣቶም ኣብ መርከብ እንተዘይጸኒሖም ንስኻትኩም ክትድኅኑ ኣይትኽእሉን ኢኹም በሎም።
[32] ሽዑ እቶም ወታደራት መእሰር እታ ጃልባ በቲኾም ክትወድቕ ኃደግዋ።
[33] ምስ ወግሐ ጳውሎስ እናተጸበኹም እኽሊ ካብ ዘይትጥዕሙ ሎሚ ዓሠርተ ኣርባዕተ መዓልትኹም እዩ እሞ እንጀራ ብልዑ ኢሉ ንዂሎም ለመኖም።
[34] እምበኣርከስ ካባኻትኩም ናይ ሓደ ፀጕሪ ርእሱ እኳ ኣይትጠፍእን እያ እሞ ብሕይወት ምእንቲ ኽትጸንሑ ክትበልዑ እልምነኩም ኣለኹ በሎም።
[35] እዙይ ምስ በለ እንጀራ ኣልዒሉ ኣብ ቅድሚ ዂላቶም ንኣምላኽ ኣመስገነ ቈሪሱ ድማ ኽበልዕ ጀመረ።
[36] ኲላቶም ከዓ ተጸናንዑ እንጀራውን በልዑ ።
[37] ኣብታ መርከብ ዝነበርና ዂላትና ኽልተ ሚእትን ሰብዓን ሽዱሽተን ሰባት ነበርና።
[38] በሊዖም ምስ ጸገቡ ኸዓ ነቲ ሥርናይ ናብ ባሕሪ ደርብዮም ነታ መርከብ ኣቓለሉላ።
[39] ምስ ወግሐ ነቲ ምድሪ ምልላዩ ሰኣኑ፤ ኣማዕድዮም ግና ገምገም ዘለዎ ልሳን ባሕሪ ረአዩ እሞ እንተተኽኢልዎምስ ነታ መርከብ ናብኡ ኸብጽሕዋ ደለዩ።
[40] ነቲ መልህቅ ፈቲሖም ከዓ ናብ ባሕሪ ደርበይዎ፤ ሽዑ ነቲ መእሰር ስካን ፈትሕዎ፤ ነቲ ንእሽቶይ ጋንጽላ ንንፋስ ገቲሮምውን ናብቲ ገምገም ገጾም ከዱ።
[41] ኣብ ሓደ ልሳን ምድሪ ምስ በጽሑ ኸዓ እታ መርከብ ብወገን ቅድሚታ ኣብ ምድሪ ተሸኽለት እሞ ዘይትንቕነቕ ኮነት፤ ብድኅሪኣ ኸዓ ማዕበል በርቲዑ ዋ ተሰብረት።
[42] እቶም እሱራት ምእንቲ ሓሚሶም ከየምልጡ እቶም ወታደራት ነቶም እሱራት ክቐትልዎም ተማኸሩ።
[43] እቲ ሓለቓ ሚእቲ ግና ንጳውሎስ ከድኅኖ ስለ ዝደለየ ነቲ ምኽሮም ኣይተቐበሎን እኳ ድኣ ነቶም ምሕማስ ዝኽእሉ ሓሚሶም ናብ ምድሪ ኽወፁ ኣዘዘ።
[44] ነቶም ዝተረፉ ኸዓ ገሊኦም ብሉሕ ገሊኦምውን ብስባር እታ መርከብ ክወፁ ኣዘዘ። በዝ ኸምዙይ ኲላቶም ድኂኖም ናብ ምድሪ በጽሑ።