ግብሪ ሓዋርያት 5
[1] ሓናንያ ዝስሙ ሓደ ሰብኣይ ምስ ሰጲራ እትብሃል ሰበይቱ መሬቱ ሸጠ።
[2] ምስ ሰበይቱ ተማኺሩ ድማ ኻብቲ ዋግኡ መቒሉ ኣትረፈ፤ ነቲ ሓደ ምቃል ጥራሕ ድማ ንሓዋርያት ኣረከበ።
[3] ጴጥሮስ ከዓ ኸምዙይ በሎ፦ ኦ ሓናንያ! ንመንፈስ ቅዱስ ክተታልል ካብ ዋጋ እቲ መሬት መቒልካ ኽትኃብእ ከመይ ሰይጣን ኣብ ልብኻ መልኦ?
[4] እንተይተሸጠስ ናትካዶ ኣይነበረን? ምስ ሸጥካዮኸ ኣብ ኢድካዶ ኣይነበረን? ከመይ ጌርካ ነዝ ነገርዙይ ብልብኻ ሓሰብካዮ? ንሰብ ዘይኮነስ ንእግዚኣብሔር ኢኻ ኣታሊልካ ዘለኻ።
[5] ሓናንያ እዝ ቓል እዙይ ምስ ሰምዐ ወዲቑ ሞተ። እቶም ነዙይ ዝሰምዑ ዂሎም ከዓ የመና ፈርሑ።
[6] ካብኣቶም ኣጓብዝ ተሢኦም ገነዝዎ፤ ተሸኪሞም ኣውፂኦምውን ቀበርዎ።
[7] ድኅሪ ሠለስተ ሰዓት ኣቢሉ ሰበይቱ እቲ ዝኾነ እንተይፈለጠት ኣተወት።
[8] ጴጥሮስ ከዓ እስኪ ንገርኒ፤ ንመሬትኩም በዝ ኽንድዙይ ዲኹም ዝሸጥኩምዎ? ኢሉ ጠየቓ፤ ንሳ ድማ እወ ብኽንድኡ እዩ በለቶ።
[9] ጴጥሮስ ድማ ከመይከ ንመንፈሰ እግዚኣብሔር ክትፈታተንዎ ሓበርኩም? ኣእጋር እቶም ንሰብኣይኪ ዝቐበሩ እኒሆም ኣብ በሪ ኣለዉ፤ ንኣኺውን ከውጽኡኺ እዮም በላ።
[10] ሽዑ ንሽዑ ኣብ ትሕቲ እግሩ ወዲቓ ሞተት። እቶም ኣጓብዝ ምስ ኣተዉ ሞይታ ስለ ዝጸንሐቶም ተሸኪሞም ወሲዶም ኣብ ጥቓ ሰብኣያ ቐበርዋ።
[11] ኣብ ኲላ እታ ቤተ ክርስቲያንን ኣብቶም ነዝ ነገርዙይ ዝሰምዑ ዂሎምን ከዓ ዓብዪ ፍርሓት ኮነ።
[12] ብዙኅ ምልክትን ተኣምራትን ብኢድ ሓዋርያት ኣብ ማእኸል እቲ ሕዝቢ ተገብረ፤ ኲላቶም ድማ ብሓንቲ ልቢ ሓቢሮም ኣብ ገበላ ሰሎሞን ይእከቡ ነበሩ።
[13] እቲ ሕዝቢ የመና የኽብሮም እንተነበረ እኳ ካብቶም ካልኦት ክሕወሶም ዝደፈረ ሓደኳ ኣይነበረን።
[14] ካብ ቅድም ብዝበለጸ ብዙሓት ሰብኡትን ኣንስትን ብጐይታ እናኣመኑ ናብኣቶም ይውሰኽዎም ነበሩ።
[15] ጴጥሮስ ክሓልፍ እንተሎ ጽላሎቱ ንኽዓርፎም ነቶም ሕሙማት ብዓራታትን ብቓሬዛታትን ፀይሮም የምጽእዎም እሞ ኣብቲ ኣደባባይ የንብርዎም ነበሩ።
[16] ካብተን ኣብ ከባቢ ኢየሩሳሌም ዝነበራ ኸተማታት ድማ ብዙኃት ሰባት ሕሙማትን ኣጋንንቲ ዝኃደርዎምን ኂዞም ይመጹ ነበሩ። ኲሎም ከዓ ይሓውዩ ነበሩ።
[17] ሽዑ እቲ ሊቀ ካህናትን እቶም ምስኡ ዝነበሩን ኲሎም ወገን ሰዱቃውያንን ቅንኣት መሊእዎም ተሥኡ።
[18] ንሓዋርያት ኂዞም ድማ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተውዎም።
[19] መልኣኽ እግዚኣብሔር ግና ብለይቲ ነቲ ማዕጾ ቤት ማእሰርቲ ኸፊቱ ኣውፅኦምሞ፤
[20] ኺዱ! ኣብ ቤተ መቕደስ ደው ኢልኩም ነዝ ናይ ሕይወት ቃል ንሕዝቢ ንገሩ! ድማ በሎም።
[21] ሓዋርያት ነዙይ ምስ ሰምዑ ኣንጊሆም ናብ ቤተ መቕደስ ኣትዮም መሃሩ። እቲ ሊቀ ካህናትን እቶም ምስኡ ዝነበሩን መጺኦም ነቲ መጋባእያን ነቶም ሽማግለታት ደቂ እስራኤልን ክእከቡ ጸውዕዎም። ንሓዋርያት ከምጽእዎም ድማ ናብ ቤት ማእሰርቲ ለኣኹ።
[22] እቶም ሓሻኽር ግና ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ምስ በጽሑ ሰኣንዎም። ተመሊሶም ድማ፦
[23] እቲ ቤት ማእሰርቲ ተዓጽዩ እቲ ማዕፆ ድማ ብዝግባእ ተሸጕሩ እቶም ሓለውቲውን ኣብ ኣፍ ደገ ደው ኢሎም ጸኒሖምና፤ ምስ ከፈትናዮ ግና ሓደኳ ኣይረኸብናን ኢሎም ነገርዎም።
[24] እቲ ሓለቓ ሓለውቲ ቤተ መቕደስን ሊቃነ ካህናትን እዝ ነገር እዙይ ምስ ሰምዑ እዙይ እንታይ ኮን ይኸውን? ኢሎም ብዛዕባኦም ዝብልዎ ሰኣኑ።
[25] ሓደ መጺኡ ግና እቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘእተኹምዎም ሰባት እኔዉ ኣብ ቤተ መቕደስ ደው ኢሎም ንሕዝቢ ይምህሩ ኣለዉ ኢሉ ነገሮም።
[26] ሽዑ እቲ ሓለቓ ሓለውቲ ቤተ መቕደስ ምስቶም ሓሻኽር ከይዱ ኣምጽኦም። እንተምጽእዎምውን ብኃይሊ ዘይኮነስ ብምቅብጣር እዩ፤ ንሱውን እቲ ሕዝቢ ብእምኒ ኸይቐትሎም ስለ ዝፈርሑ እዩ።
[27] ምሰምጽእዎም ኣብቲ መጋባእያ ደው ኣበልዎም፤ እቲ ሊቀ ካህናት ከዓ
[28] ብስም እዝ ሰብ እዙይ ከይትምህሩዶ ብጽኑዕ ኸልኪልናኩም ኣይነበርናን? እንሆ ኸዓ ንኢየሩሳሌም ብትምህርትኹም መላእኹምዋ። ነዝ ሰብ እዙይ ንሕና ኸም ዝቐተልናዮ ጌርኩም ክተርእዩ ዲኹም ትደልዩ ዘለኹም? ኢሉ ጠየቖም።
[29] ጴጥሮስን ሓዋርያትን ግና ኸምዙይ ኢሎም መለሱሎም፦ ካብ ንሰብስ ንእግዚኣብሔር ክንእዘዝ እዩ ዝግባእ።
[30] ነቲ ንስኻትኩም ኣብ ዕንፀይቲ ሰቒልኩም ዝቐተልኩምዎ ኢየሱስ ኣምላኽ ኣቦታትና ኣተሥኦ።
[31] ንእስራኤል ንስሓን ኅድገት ኃጢኣትን ምእንቲ ኽህቦም እግዚኣብሔር ንእኡ መራሕን መድኃንን ገይሩ ናብ የማኑ ልዕል ኣበሎ።
[32] ንሕና ናይዝ ነገር እዙይ ምስክር ኢና፤ እቲ እግዚኣብሔር ነቶም ዝእዘዝዎ ዝሃቦም መንፈስ ቅዱስውን ምስክር እዩ።
[33] ንሳቶም ነዙይ ምስ ሰምዑ ተቖጥዑ ንሓዋርያትውን ክቐትልዎም ደለዩ።
[34] እንተኾነ ሓደ ገማልያል ዝስሙ ፈሪሳዊ መምህር ሕጊ ብዂሉ ሕዝቢውን ክቡር ንሓዋርያት ሓንሳእ ኣብ ደገ ኸጽንሕዎም ኣዘዘ።
[35] ከምዙይ ድማ በሎም፦ ኣቱም ሰብ እስራኤል! ብዛዕባ እዝ ኣብዞም ሰባት እዚኣቶም ክትገብርዎ እትሓስብዎ ዘለኹም ነገር ተጠንቀቑሉ።
[36] ቅድሚ ሕዚውን ቴዎዳስ ኣነ ዓብዪ እየ ኢሉ ተሢኡ ነይሩ፤ ኣርባዕተ ሚእቲ ዝኣኽሉ ሰባት ከዓ ተኸተልዎ። እንተኾነ ንሱ ተቐትለ፤ እቶም ሰዓብቱ ድማ ኲሎም ተበቲኖም ጠፍኡ።
[37] ብድኅሪኡ ኸዓ ብጊዜ እቲ ሕዝቢ ዝተጽሓፈሉ ዘመን ይሁዳ በዓል ገሊላ ተሥአ፤ ብዙኅ ሕዝቢ ድማ ኣስድዐ፤ ንሱ ተቐተለ፤ እቶም ዝሰዓብዎ ዂሎም ድማ ተበተኑ።
[38] ሕዚ ኸዓ እነግረኩም ኣለኹ፤ ነዞም ሰባት እዚኣቶም ኅደግዎም፤ ኣይትንክእዎም፤ እዝ ምኽሪ እዙይን እዝ ግብሪ እዙይን ካብ ሰብ እንተ ኾይኑ ኽፈርስ እዩ።
[39] ናይ እግዚኣብሔር እንተ ድኣ ኾይኑ ግና ነዞም ሰባት እዚኣቶም ክተጥፍእዎም ኣይትኽእሉን ኢኹም፤ ምስ እግዚኣብሔር ምብኣስ ከይኾነኩም!
[40] ነቲ ምኽሩ ተቐበልዎ፤ ንሓዋርያት ግና ጸዊዖም ገረፍዎም፤ ብስም ኢየሱስ ከይናገሩ ኣዚዞም ከዓ ኃደግዎም።
[41] ንሳቶም ግና ምእንቲ ስም ኢየሱስ ውርደት ንምቕባል ብቑዓት ኮይኖም ስለ ዝተረኽቡ ካብቲ መጋባእያ እናተሓጐሱ ወፁ።
[42] በብመዓልቱ ኣብ ቤተ መቕደስን ገዛ ገዛ እናዞሩን ኢየሱስ ክርስቶስ መሢሕ ከም ዝኾነ እንተየብኰሩ ይምህሩን የብሥሩን ነበሩ።