ግብሪ ሓዋርያት 19
[1] ኣጵሎስ ኣብ ቆሮንቶስ እንተሎ ጳውሎስ በቲ ላዕላይ ሃገር ኃሊፉ ናብ ኤፌሶን በጽሐ። ኣብኡ ኸዓ ውሑዳት ደቀ መዛሙርት ረኸበ።
[2] ምስ ኣመንኩምስ መንፈስ ቅዱስዶ ተቐቢልኩም? ኢሉ ጠየቖም። ንሳቶም ከዓ ኣይተቐበልናን መንፈስ ቅዱስ ከም ዘሎውን ሰሚዕና ኣይንፈልጥን ኢሎም መለሱሉ።
[3] ንሱ ኸዓ በየናይ ጥምቀት ደኣ ተጠመቕኩም? በሎም፤ ንሳቶም ድማ ብጥምቀት ዮሓንስ በልዎ።
[4] ሽዑ ጳውሎስ ዮሓንስ በቲ ድኅሪኡ ዝመጽእ ብኢየሱስ ክርስቶስ ክኣምኑ ነቶም ሕዝቢ እናነገረ ጥምቀት ንስሓ እዩ ዘጥመቐ በሎም።
[5] እዙይ ምስ ሰምዑ ብስም ጐይታና ኢየሱስ ተጠመቑ።
[6] ጳውሎስ ኢዱ ምሰንበረሎም ድማ መንፈስ ቅዱስ ናብኣቶም ወረደ። ሽዑ ብቛንቋታት ተዛረቡን ተነበዩን።
[7] እቶም ሰባት ከዓ ዂሎም ዓሠርተ ኽልተ ዝኣኽሉ ነበሩ።
[8] ጳውሎስ ኣብ ቤተ ጸሎት ኣይሁድ ኣትዩ ብዛዕባ መንግሥቲ እግዚኣብሔር እናተኻትዐን እናረድአን ንሠለስተ ወርኂ ብትብዓት ተናገረ።
[9] ሓድሓደ ነቲ መንገዲ ጐይታ ኣብ ቅድሚ ሕዝቢ እናካፍኡ ልቦም ምሰትረሩን ምእማን ምስ ኣበዩን ግና ኻብኣቶም ረኃቐ፤ ነቶም ደቀ መዛሙርት ፈልዩ ድማ በብመዓልቱ ኣብቲ ጢራኖስ ዝምህረሉ ዝነበረ ኣዳራሽ ይሰብከሎም ነበረ።
[10] እዙይ እቶም ኣብ እስያ ዝነበሩ ዂሎም ኣይሁድን ግሪካውያንን ነቲ ቓል እግዚኣብሔር ክሳዕ ዝሰምዕዎ ኽልተ ዓመት ምሉእ ቀጸለ።
[11] እግዚኣብሔር ከዓ ብኢድ ጳውሎስ ብዙኅ ዘደንቕ ተኣምራት ይገብር ነበረ።
[12] እንሆ ድማ መንዲል ወይ ክዳን ካብ ሰብነቱ ወሲዶም ኣብቶም ሕሙማት የንብሩ እሞ ሕማሞም የኃድጎም ርኹሳት መናፍስቲውን ካብኣቶም ይወፁ ነበሩ።
[13] ካብ ሰብ ኣጋንንቲ እናውፅኡ ዝዞሩ ዝነበሩ ኣይሁድ ገሊኦም ነቶም ርኹሳት መናፍስቲ ዝኃደርዎም በቲ ጳውሎስ ዝሰብኮ ብስም ኢየሱስ ክትወፁ ንእዝዘኩም ኣለና እናበሉ ስም ጐይታና ኢየሱስ ክጽውዑ ሎም ፈተኑ።
[14] እቶም እዙይ ዝገበሩ ኸዓ ሸውዓተ ደቂ ሓደ ኣስቄዋ ዝበሃል ኣይሁዳዊ ሊቀ ካህናት ነበሩ።
[15] እቲ ርኹስ መንፈስ ድማ ንኢየሱስ እፈልጦ ንጳውሎስውን እፈልጦ እየ ንስኻትኩም ደኣ እንታዎት ኢኹም? እናበለ መለሰሎም።
[16] እቲ ርኹስ መንፈስ ዝኃደሮ ሰብኣይ ከዓ ዘሊሉ ሓኒም እሞ ሰዓሮም ክዳኖም ቀዲዱ ዕርቃን ዝባኖም ኣውጺኡ ኣቝሲሉ ካብታ ገዛ ሃዲሞም ክሳዕ ዝወፁ ድማ ንዂሎም ኣሰነፎም።
[17] እዝ ነገር እዙይ ኣብቶም ኣብ ኤፌሶን ዝነብሩ ኣይሁድን ግሪካውያንን ኲሎም ተሰምዐ፤ ንዂሎምውን ፍርኃት ኃዞም ስም ጐይታና ኢየሱስ ድማ ኸበረ።
[18] ካብቶም ዝኣመኑ ኸዓ ብዙኃት እናመጹ ነቲ ዝገበርዎ ኽፉእ ግብሮም ብገሃድ ይንስሑ ነበሩ።
[19] ብዙኃት ጠንቈልቲ ድማ መጻሕፍቶም ኣኪቦም ኣብ ቅድሚ ዂሉ ሰብ ኣንደድዎ ዋግኡ ምስ ጸብጸብዎ ኸዓ ኃምሳ ሽሕ ድሪም ኮይኑ ተረኽበ
[20] ቃል እግዚኣብሔር ድማ ኸምዙይ ኢሉ እናሰፍሐ ብኃይሊ በርትዐ።
[21] እዝ ነገር እዙይ ምስ ኃለፈ ጳውሎስ ብመቄዶንያን ብኣካይያን ገይሩ ናብ ኢየሩሳሌም ክኸይድ ሓሰበ እሞ ኣብኣ ምስ በጻሕኹውን ንሮም ክርእያ ይግብኣኒ እዩ በለ።
[22] ንኽልተ ኻብቶም ሓገዝቱ ንጢሞቴዎስን ንኣርስጦንን ናብ መቄዶንያ ሰደዶም ንሱ ግና ኣብ እስያ ብዙኅ መዓልቲ ጸንሐ።
[23] በቲ ቕነ እቱይ ብዛዕባ እቲ መንገዲ ጐይታ ኣብ ኤፌሶን ብዙኅ ሁከት ኮነ።
[24] ሓደ ድሜጥሮስ ዝተብሃለ ሠራሕ ብሩር ነበረ። ንሱ ኣብ ቤተ መቕደስ ኣርጤምስ ዝኸውን ምስሊ ብሩር እናሠርሐ ነቶም ኣንጠረኛታት የርብሖም ነበረ።
[25] ነዚኣቶምን ነቶም ብሥራሖም ዝተኃባበርዎምን ኣኪቡ ከምዙይ በሎም፦ ኣቱም ሰባት ጥቕምና ካብዝ ሥራሕዙይ ምዃኑ ትፈልጡ ኢኹም።
[26] ከም እትርእዩዎን እትሰምዕዎን ዘለኹም እዝ ጳውሎስ እዞም ብኢድ ሰብ ዝግበሩስ ኣማልኽቲ ኣይኮኑን› እናበለ ኣብ ኤፌሶን ጥራሕ ዘይኮነስ ዳርጋ ኣብ ኲላ እስያ ንብዙኃት ሰባት ከም ዘስድዕን ከም ዘስሕትን ትርእዩን ትሰምዑ ን ኣለኹም።
[27] ዘፍርኀና ዘሎ እታ ዂላ እስያን ብዘላ ዓለምን ዘምልኻኣ ዓባይ ኣርጤምስ ዕብየታ ኸይሠዓር መቕደሳውን ከም ከንቱ ኸይቝጸር እምበር ሥራሕና ኸይንዓቕ ጥራሕ ኣይኮነን።
[28] ነዙይ ምስ ሰምዑ ኬርና ተቖጥዑ እሞ ናይ ኤፌሶን ኣርጤምስ ዓባይ እያ! እናበሉ ዓው ኢሎም ጸርሑ።
[29] ኣብታ ኸተማ ድማ ሁከት ኮነ፤ ነቶም ኣዕርኽቲ ጳውሎስ ዝኾኑ ንጋይዮስን ንኣርስጠርኮስን ሰብ መቄዶንያ ኂዞም እናጐተቱ ናብቲ መአከብ ሕዝቢ ጐየዩ።
[30] ጳውሎስ ድማ ናብ ማእኸል እቶም ሕዝቢ ኽኣቱ ደለየ እንተኾነ ደቀ መዛሙርት ከልከልዎ።
[31] ካብ እስያ ዝኮኑ ሹመኛታት ፈተውቱ ልኢኾም ናብቲ መአከብ ሕዝቢ ኸይኣቱ ለመንዎ።
[32] እቲ ሕዝቢ ድብልቕልቕ ኢሉ ስለ ዝነበረ ዝበዝኁ ብዛዕባ እንታይ ከም ዝተኣከቡ እኳ ኣይፈልጡን ነበሩ፤ ስለዙይ ገሊኦም ከምዙይ ገሊኦምውን ከምቱይ እናበሉ ዓው ኢሎም ይጸርሑ ነበሩ።
[33] እቶም ኣይሁድ ንእስክንድሮስ ኣብቲ ቕድሚ ሕዝቢ ምስ ኣቕረብዎ ካብቶም ሕዝቢውን ገሊኦም ዓው ኢሎም ኣደፋፈርዎ፤ እስክንድሮስ ድማ ነቶም ሕዝቢ ኽምጕተሎም ደልዩ ሱቕ ክብሉ ብኢዱ ኣመልከቶም።
[34] ኣይሁዳዊ ምዃኑ ምስ ፈለጡ ግና ዂላቶም ብሓደ ቓል ኮይኖም ናይ ኤፌሶን ኣርጤምስ ዓባይ እያ! እናበሉ ኽልተ ሰዓት ዝኣክል ዓው ኢሎም ጸርሑ።
[35] እቲ ናይታ ኸተማ ሹም ነቶም ሕዝቢ ኣህዲኡ ኸምዙይ በሎም፦ ኣቱም ሰብ ኤፌሶን ከተማ ኤፌሶን ነቲ መቕደስ እታ ዓባይ ኣርጤምስን ነቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ ምስላን ከም እትሕሉ ዘይፈልጥ ሰብ እንታዋይ እዩ?
[36] እምበኣርስ እዙይ ኣሉ ዘይበሃል ነገር ካብ ኮነ ክትሃድኡ ደኣ እምበር ብታህዋኽ ሓደ ነገር ክትገብሩ ኣይግብአኩምን እዩ።
[37] እዞም ሰባት እዚኣቶም መቕደስ እንተይሰረቑ ንኣምላኽናውን እንተይጸረፉ ኢኹም ኣምጺእኹምዎም ዘለኹም።
[38] ድሜጥሮስን እቶም መሣርሕቱን ግና ኽሲ እንተልይዎም መዓልቲ መጋባእያን ሹመኛታትን ኣለውዎም ንስንሳቶም ይካሰሱ።
[39] ካልእ ነገር እንተልይኩም ድማ ኣብቲ ሥሩዕ መጋባእያ ይረአ።
[40] ነዝ ሁከት እዙይ እንህቦ ምኽንያት የብልናን በዝ ሎሚ ዝኾነ ሁከት እኳ ኸይንኽሰስ ንፈርኅ ኢና ።
[41] ኢሉ ነቲ ኣኼባ በተኖ።