Skip to content
Opens in a new window
Listen to this chapter • 5:09

[1] ፊስጦስ ናብታ ግዝኣቱ ቂሳርያ ምስ መጸ ድኅሪ ሠለስተ መዓልቲ ኻብ ቂሳርያ ናብ ኢየሩሳሌም ደየበ።

[2] ሊቃነ ካህናትን መኳንንቲ ኣይሁድን ድማ ብዛዕባ ጳውሎስ ነገርዎ።

[3] ኣብ መንገዲ ተጸናትዮም ክቐትልዎ መዲቦም ስለ ዝነበሩ ኸዓ ንጳውሎስ ናብ ኢየሩሳሌም ስደደልና ኢሎም ለመንዎ።

[4] ፊስጦስ ድማ ጳውሎስ ኣብ ቂሳርያ እዩ ዝሕሎ ዘሎ ኣነ ኸዓ ቐልጢፈ ናብኡ ኽምለስ እየ ኢሉ መለሰሎም።

[5] እምበኣር ካባኻትኩም ኃላፍነት ዘለዎም ወዳእቲ ነገር ምሳይ ይኺዱ እሞ እቲ ሰብኣይ እቱይ ዝኾነ በደል እንተልይዎ ኣብኡ ይኽሰስዎ በሎም።

[6] ፊስጦስ ምስኣቶም ሾሞንተ ወይ ዓሠርተ መዓልቲ ምስ ቀነየ ናብ ቂሳርያ ወረደ፤ ንጽባሒቱ ድማ ኣብ መንበር ፍርዲ ተቐሚጡ ንጳውሎስ ከምጽእዎ ኣዘዘ።

[7] ጳውሎስ ምስ መጸ ኸዓ እቶም ካብ ኢየሩሳሌም ዝወረዱ ኣይሁድ ከቢቦምዎ ደው በሉ። መርትዒ ኽረኽቡሉ ዘይኽእሉ ብዙኅን ከቢድን ክሲ ድማ ኸሰስዎ።

[8] ጳውሎስ ድማ ኣነ ኣብ ልዕሊ ሕጊ ኣይሁድ ኮነ ኣብ ልዕሊ ቤተ መቕደስ ወይ ኣብ ልዕሊ ቄሣር ኣይበደልኩን ኢሉ ናይ ምክልኻል መልሲ ሃበ።

[9] ፊስጦስ ከዓ ንኣይሁድ ከሕጕስ ደልዩ ንጳውሎስ ናብ ኢየሩሳሌም ክትድይብ እሞ በዝ ነገር እዙይ ኣብኡ ኣብ ቅድመይ ክትፍረድዶ ትደሊ ኢኻ? ኢሉ ጠየቖ።

[10] ጳውሎስ ግና ኣነ ኣብ ቕድሚ ናይ ቄሣር መንበር ፍርዲ ቖይመ ኣለኹ ፤ ክፍረድ ዝግብአኒ ድማ ኣብኡ እዩ፤ ኣብ ልዕሊ ኣይሁድ ዝበደልክዎ ኸምዘይብለይ ድማ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ።

[11] ንሞት ዘብጽሕ ዓመፅን ክፍኣትን ገይረ እንተኾይነ ሞት ኣይፈረደኒ ኣይብልን። እዝ ዝኸሱኒ ዘለዉ ብሓሰት እንተ ኾይኑ ግና ናብኣቶም ኣኅሊፉ ኽህበኒ ዝኽእል የለን፤ ኣነ ናብ ቄሣር ይግባይ ኢለ ኣለኹ በለ።

[12] ሽዑ ፊስጦስ ምስቶም ኣማኸርቱ ተነጋጊሩ ናብ ንጉሥ ቄሣር ይግባይ ካብ በልካ ናብኡ ኽትከይድ ኢኻ በሎ።

[13] ቁሩብ መዓልትታት ምስ ኃለፈ ድማ ንጉሥ ኣግሪጳን ብርኒቄን ንፊስጦስ ክራኽብዎ ናብ ቂሳርያ ወረዱ።

[14] ኣብኡ ብዙኅ መዓልቲ ምስ ገበሩ ኸዓ ፊስጦስ ነቲ ንጉሥ ናይ ጳውሎስ ነገር ከምዝ ዝስዕብ ገለጸሉ፦ ፊልክስ ብእሱሩ ዝኃደጎ ሰብኣይ ኣብዙይ ኣሎ።

[15] ናብ ኢየሩሳሌም ከይደ እንተለኹ ድማ ሊቃነ ካህናት ኣይሁድን ዓበይቶምን ናባይ መጺኦም ብዛዕብኡ ነገሩኒ ክፈርዶውን ለመኑኒ።

[16] ንተኸሳሲ ምስ ከሰስቱ ገጽ ንገጽ ደው እንተየበልካ በቲ ዝኸሰስዎ ናይ ምክልኻል መልሲ ዕድል እንተይሃብካ ተቐዳዲምካ ንሓደ እኳ ኽቕጻዕ ኣኅሊፍካ ምሃብ ሥርዓት ሮማውያን ከም ዘይኮነ ነገርክዎም።

[17] ድኅርዙይ ናብዙይ ተኣኪቦም ምስ መጹ እንተየደናጐኹ ንጽባሒቱ ኣብ መንበር ፍርዲ ተቐሚጠ ነቲ ሰብኣይ ከምጽእዎ ኣዘዝኩ።

[18] እቶም ከሰስቱ ምስኡ ምሲምኩዎም ኣነ ኸም ዝተጸበኽዎ ዝገበሮ ወንጀል ኣየቕረቡሉን።

[19] እንተኾነ ብዛዕባ ናይ ኣምልኾኦም ዝኾነ ነገርን ብዛዕባ ሓደ ዝሞተ ጳውሎስ ግና ሕያው እዩ› ዝብሎ ኢየሱስ ይካትዑ ነበሩ።

[20] ኣነ ኸዓ ዝገብሮ ምስ ሰኣንኩ ብዛዕባ እዝ ነገር እዙይ ክትፋረድ ናብ ኢየሩሳሌም ክትድይብዶ ትደሊ?› በልክዎ።

[21] ጳውሎስ ግና ፍርዲ ቄሣር ክሳዕ ዝወሃቦ ይግባይ ስለ ዝበለ ናብ ቄሣር ክሳዕ ዝሰዶ ክሕሎ ኣዘዝኩ።

[22] ኣግሪጳ ኸዓ ንፊስጦስ ነዝ ሰብኣይ እዙይ ኣነውን ባዕለይ ክሰምዖ እደሊ እየ በሎ። ፊስጦስ ድማ እምበኣር ጽባሕ ክትሰምዖ ኢኻ በሎ።

[23] ንጽባሒቱ ድማ ኣግሪጳን ብርኒቄን ልብሰ መንግሥት ለቢሶም ብዓብዪ ግርማ ፤ ምስቶም ሓለቓታት ሽሕን ናይታ ኸተማ ዓበይቲ ሰባትን ናብ ቤት ፍርዲ ኣተዉ። ፊስጦስ ከዓ ንጳውሎስ ከምጽእዎ ኣዘዘ።

[24] ጳውሎስ ምስ መጸ ፊስጦስ ኦ ንጉሥ ኣግሪጳ! ኣቱም ኣብዙይ ምሳና ዘለኹም ኲልኹም ስምዑ ፦ ኲላቶም ኣይሁድ ኣብ ኢየሩሳሌም ኮነ ኣብዙይ ብሕይወት ክነብር ኣይግብኦን እዩ› እናበሉ ዝጠርዑ ሉ እዝ እትርእይዎ ዘለኹም ሰብኣይ እዩ።

[25] ኣነ ግና መርሚረ ናብ ሞት ዘብጽሕ በደል ከቶ ኣይረኸብኩሉን፤ ባዕሉ ናብ ቄሣር ይግባይ› ምስ በለ ኸዓ ንምስዳዱ ወሲነ ኣለኹ።

[26] እንተኾነ ብዛዕባኡ ናብ ጐይታይ ዝጽሕፎ ፍሉጥ ነገር የብለይን፤ ስለዙይ ንሱ ምስ ተመርመረ ዝጽሕፎ ነገር ምእንቲ ኽረክብስ ናባኻትኩም ምናዳ ኸዓ ኦ ንጉሥ ኣግሪጳ! ናባኻ ኣምጺአዮ ኣለኹ።

[27] ንሓደ እሱር መኽሰሲኡ እንተይነገርኩ ምስዳዱ ቕኑዕ ኾይኑ ኣይተርኣየንንሞ በለ።

ግብሪ ሓዋርያት — Chapters