ግብሪ ሓዋርያት 9
[1] ሳውል ግና ነቶም ደቀ መዛሙርት ጐይታ ክቐትሎም እየ ኢሉ እናተሓነየ ናብቲ ሊቀ ካህናት ከደ።
[2] ዝኾነ ይኹን ነቶም መንገዲ ጐይታ ዝስዕቡ ሰብኡትን ኣንስትን እንተ ረኸበ ድማ ኣኣሲሩ ናብ ኢየሩሳሌም ከምጽኦም ዘኽእሎ ናብተን ኣብ ደማስቆ ዘለዋ ኣብያተ ጸሎት ኣይሁድ ዝበጽሕ ናይ ፍቓድ መልእኽቲ ካብ ሊቃነ ካህናት ለመነ።
[3] ክኸይድ እንተሎ ኸዓ ናብ ከተማ ደማስቆ ቐረበ፤ ብድንገት ድማ ካብ ሰማይ ብርሃን ኣብ ዙርያኡ ኣንጸባረቐ።
[4] ናብ ምድሪውን ወደቐ፤ ሳውል! ሳውል! ስለ ምንታይ ተሳጕጐኒ? ዝብል ድምፂውን ሰምዐ።
[5] ንሱ ድማ ጐይታይ! መን ኢኻ? በሎ፤ ጐይታ ኸዓ ኣነ እቲ ንስኻ እተሳጕጐኒ ዘለኻ ኢየሱስ እየ። በሊሕ ነገር እንተ ረገጽካ ንርእስኻ እዩ ዝገደካ በሎ።
[6] ንሱ ኸዓ ፈሪኁ እናንቀጥቀጠ ጐይታይ! እንታይ ክገብር ትደሊ ኣለኻ? በሎ። ጐይታ ድማ ተሥእ እሞ ናብ ከተማ እቶ፤ እንታይ ክትገብር ከም ዝግብአካውን ኣብኡ ኽንገረካ እዩ በሎ።
[7] እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰባት ድማ ድምፂ እናሰምዑ ሓደኳ ብዘይምርኣዮም ገሪምዎም ደው በሉ።
[8] ሳውል ድማ ካብቲ ዝወደቐሉ ምድሪ ተሢኡ ኣዒንቱ ቋሕ ኣበለ፤ እንተኾነ ኽርኢ ኣይከኣለን፤ ስለዙይ ብኢዱ እናመርሑ ናብ ደማስቆ ኣእተውዎ።
[9] እንተይረአየን እንተይበልዐን እንተይሰተየን ድማ ሠለስተ መዓልቲ ገበረ።
[10] ኣብ ደማስቆ ኸዓ ሓደ ሃናንያ ዝስሙ ደቀ መዝሙር ነበረ። ንእኡ ጐይታ ብራእይ ሓናንያ! ኢሉ ጸውዖ፤ ንሱ ኸዓ እኔኹ ጐይታይ! በለ።
[11] ጐይታ ድማ ተሥእ እሞ ናብታ ቕንዕቲ ተብሂላ እትጽዋዕ መንገዲ ኺድ፤ ሳውል ዝበሃል ሰብኣይ በዓል ጠርሴስ ይጽሊ ኣሎ እሞ ኣብ እንዳ ይሁዳ ድለዮ፤
[12] ብራእይ ሓናንያ ዝበሃል ሰብ ናብኡ ኣትዩ ኢዱ ኣብ ልዕሊኡ እንተንብረሉ ኣዒንቱ ኸም ዝርእያ ብራእይ ተገሊጹሉ ኣሎ በሎ።
[13] ሓናንያ ኸዓ ጐይታይ! ብዛዕባ እዝ ሰብኣይ እዙይ ኣብ ኢየሩሳሌም ንኣመንቲ ኽንደይ ክፉእ ከም ዝገበሮም ካብ ብዙኃት ሰሚዐ ኣለኹ።
[14] ናብዙይ ድማ ነቶም ስምካ ዝጽውዑ ዂሎም ክኣስር ካብ ሊቃነ ካህናት ሥልጣን ተውሂብዎ ኣሎ ኢሉ መለሰ።
[15] ጐይታ ግና ኪድ ድኣ እዝ ሰብኣይ እዙይ ኣብ ቕድሚ ኣሕዛብን ነገሥታትን ሕዝቢ እስራኤልን ስመይ ክጸውር ዘለዎ ናተይ ኅሩይ ኣቕሓ እዩ።
[16] ምእንቲ ስመይውን ብዙኅ መከራ ኽቕበል ከም ዝግብኦ ኸርእዮ እየ በሎ።
[17] ሓናንያ ኸዓ ኸይዱ ናብ ገዛ ኣተወ፤ ኢዱ ኣብ ልዕሊኡ ኣንቢሩ ድማ ሳውል ኃወይ! እቲ ኽትመጽእ እንተለኻ ኣብ መንገዲ ዝተርአየካ ጐይታ ኢየሱስ ክትርእን መንፈስ ቅዱስ ክመልአካን ናባኻ ልኢኹኒ በሎ።
[18] ሽዑ ንሽዑ ኸዓ ካብ ኣዒንቱ ኸም ቅርፍቲ ዝበለ ረጊፉ ወደቐ እሞ ረአየ፤ ተሢኡውን ተጠመቐ።
[19] ምግቢ ምስ በልዐ ድማ በርትዐ። ሳውል ከዓ ምስቶም ኣብ ደማስቆ ዝነበሩ ደቀ መዛሙርት ንቑሩብ መዓልቲ ተቐመጠ።
[20] ሽዑ ድማ ኣብ ቤተ ጸሎት ኣይሁድ ኢየሱስ ወዲ እግዚኣብሔር እዩ እናበለ ሰበኸ።
[21] እቶም ዝሰምዕዎ ዂሎም ድማ እዙይ ደኣ እቲ ነቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ስም ኢየሱስ ዝጽውዑ ዂሎም ዘሳጕጕ ዝነበረዶ ኣይኮነን? ናብዙይ መጺኡ ዘሎስ ንኣኣቶም እናኣሰረ ናብ ሊቃነ ካህናት ምእንቲ ኽወስዶምዶ ኣይኮነን? እናበሉ ተገረሙ።
[22] ሳውል ግና እናበርትዐ ኸደ፤ ነቶም ኣብ ደማስቆ ዝቕመጡ ዝነበሩ ኣይሁድ ከዓ ኢየሱስ ብሓቂ እቲ ክርስቶስ ከም ዝኾነ እናኣረድአ ይረትዖም ነበረ።
[23] ብዙኅ መዓልቲ ምስ ኃለፈ ድማ ኣይሁድ ንሳውል ክቐትልዎ ኃቢሮም ተማኸሩ።
[24] ንሱ ግና ኽቐትልዎ ኸም ዝተማኸሩ ፈለጠ፤ ንሳቶም ድማ ምእንቲ ኽቐትልዎ ነቲ ኣፍ ደጌታት እታ ኸተማ ለይትን መዓልትን ይሕልውዎ ነበሩ።
[25] እንተኾነ እቶም ደቀ መዛሙርት ብለይቲ ወሲዶም ኣብ ቅርጫት ገይሮም ብቕጽሪ ኣውረድዎ።
[26] ሳውል ኣብ ኢየሩሳሌም ምስ በጽሐ ናብቶም ደቀ መዛሙርት ክሕወስ ፈተነ፤ ንሳቶም ግና ደቀ መዝሙር ምዃኑ ስለ ዘይኣመኑ ዂላቶም ፈርኅዎ።
[27] በርናባስ ግና ተቐቢሉ ናብ ሓዋርያት ኣምጽኦ፤ ጐይታ ኣብ መንገዲ ኸመይ ኢሉ ኸም ዝተርኣዮን ከም ዝተዛረቦን ኣብ ደማስቆ ኸዓ ብስም ኢየሱስ ከመይ ገይሩ ብትብዓት ከም ዝመሃረን ነገሮም።
[28] ኣብ ኢየሩሳሌም ከዓ ተቢዑ ብስም ጐይታ እናተዛረበ ምስኣቶም የኣቱን ይወፅእን ነበረ።
[29] ምስቶም ካብ ግሪኽ ዝመጹ ኣይሁድ ድማ ይዛረብን ይከራኸርን ነበረ፤ ንሳቶም ግና ኽቐትልዎ ደለዩ።
[30] እቶም ኣኅዋት ምስ ፈለጡ ድማ ናብ ቂሳርያ ኣውረድዎ፤ ናብ ጠርሴስውን ሰደድዎ።
[31] ስለዙይ ከዓ እታ ኣብ ዂላ ይሁዳን ገሊላን ሰማርያን ዝነበረት ቤተ ክርስቲያን ሰላም ረኺባ ተሓንጸት፤ ብፍርኃት እግዚኣብሔር እናተመላለሰት ብመንፈስ ቅዱስ እናተጸናንዐት ትበዝኅ ነበረት።
[32] ጴጥሮስ ኣብ ኲሉ ኽዘውር እንተሎ ናብቶም ኣብ ልዳ ዝነብሩ ኣመንቲ ወረደ።
[33] ኣብኡ ድማ ንሾሞንተ ዓመት ዘኣክል ኣብ ዓራት ደቂሱ ዝነብር ሓደ ኤንያ ዝስሙ መፃጕዕ ረኸበ።
[34] ጴጥሮስ ድማ ኤንያ! ኢየሱስ ክርስቶስ ኣሕውዩካ ኣሎ፤ ተሥእ! ዓራትካ ኣንጽፍ! በሎ። ሽዑ ንሽዑ ተሥአ።
[35] ኣብ ልዳን ኣብ ሳሮንን ዝነብሩ ዂሎም ከዓ ንእኡ ርእዮም ናብ ጐይታ ተመልሱ።
[36] ኣብ ከተማ ኢዮጴ ድማ ጣቢታ እትበሃል ኣማኒት ነበረት፤ ትርጕሙ ድማ ድኲላ ማለት እዩ፤ ንሳ ኸዓ ሠናይ ምግባርን ምጽዋት ምሃብን እተዘውትር ነበረት።
[37] በቲ ቕነ እቱይ ሓሚማ ሞተት፤ ሓጺቦም ድማ ኣብ ደብሪ ኣንበርዋ።
[38] ከተማ ልዳ ንኢዮጴ ቀረባ ነበረት፤ እቶም ደቀ መዛሙርት ከዓ ጴጥሮስ ኣብ ልዳ ኸም ዘሎ ምስ ሰምዑ ክልተ ሰባት ልኢኾም እንተይደንጐየ ኽመጾም ለመንዎ።
[39] ሽዑ ጴጥሮስ ተሢኡ ምስኣቶም ከደ፤ ኣብኡ ምስ በጽሐ ድማ ናብ ደብሪ ኣደየብዎ፤ ኲለን እተን መበለታት ከዓ ኣብ ጥቓኡ ደው ኢለን እናበኸያ እቲ ጣቢታ ብሕይወት ምስኣተን እንተላ ብኢዳ ዝኣለመቶ ቐማውሽን ክዳውንትን ኣርአያኦ።
[40] ሽዑ ጴጥሮስ ንዂሎም ንደገ ኣውፂኡ ተንበርኪኹ ጸለየ፤ ናብቲ ሬሳኣ ቝልሕ ኢሉ ኸዓ ጣቢታ! ተሥኢ! በላ፤ ንሳ ድማ ኣዒንታ ቛሕ ኣቢላ ንጴጥሮስ ረአየቶ፤ ተሢኣ ኸዓ ኮፍ በለት።
[41] ንሱ ኸዓ ብኢዱ ኂዙ ኣተሥኣ፤ ነቶም ኣመንትን ነተን መበለታትን ጸዊዑ ድማ ብጥዒታ ሃቦም።
[42] እዙይ ኣብ ኲሉ ኢዮጴ ተፈልጠ፤ ብዙኃት ከዓ ብጐይታ ኣመኑ።
[43] ጴጥሮስ ድማ ኣብ ኢዮጴ ምስ ሓደ ቖርበት ዘልፍዕ ስምዖን ዝስሙ ንብዙኅ መዓልትታት ተቐመጠ።