ግብሪ ሓዋርያት 7
[1] እቲ ሊቀ ካህናት ንእስጢፋኖስ እዝ ነገር ከምዙይ ዲዩ? ኢሉ ጠየቖ።
[2] ንሱ ድማ ኸምዙይ ኢሉ መለሰ፦ ኣቱም ኣኅዋትናን ኣቦታትናን ስምዑ ። ነቦና ኣብርሃም ኣብ ካራን እንተይተቐመጠ ገና ኣብ መሶጶታምያ እንተሎ ናይ ክብሪ ኣምላኽ ተርአዮ እሞ
[3] ካብ ምድርኻን ካብ ኣዝማድካን ውፃእ፤ ናብቲ ኣነ ዘርእየካ ምድሪውን ኪድ› በሎ።
[4] ሽዑ ኻብ ምድሪ ከለዳውያን ወፂኡ ኣብ ካራን ተቐመጠ። ኣቦኡ ምስ ሞተ ኸዓ እግዚኣብሔር ካብኡ ናብዛ ሕዚ እትነብሩላ ዘለኹም ምድሪ ኣግዓዞ።
[5] ኣብኣ ኽንዲ መርገጽ እግሪ እትኣክል እኳ ርስቲ ኣይሃቦን፤ እንተኾነ ውሉድ ዘይብሉ እንተሎ እታ ምድሪ ንእኡን ብድኅሪኡውን ንዘርኡን ከም ዘውርሶ ተስፋ ሃቦ።
[6] እግዚኣብሔር ድማ ኸምዙይ ኢሉ ተዛረቦ፦ ዘርእኻ ኣብ ካልእ ዓዲ ስደተኛታት ክኾኑ እዮም፤ ነርባዕተ ሚእቲ ዓመት ከዓ ከም ባርያ ኽገፍዕዎምን ከሳቕይዎምን እዮም።
[7] ኣነ ግና ነቶም ዝገዝእዎም ሕዝቢ ኽፈርዶም እየ› ከምኡውን እግዚኣብሔር ብድኅርዙይ ካብኡ ወፂኦም ኣብዛ ሥፍራ እዚኣ ኸምልኹኒ እዮም።›
[8] ኪዳን ከም ዝኣተወሉ ኸርኢ ድማ ናይ ግርዘት ሥርዓት ሃቦ። ኣብርሃም ከዓ ንይስሓቅ ምስ ወለደ ብሻምነይቲ መዓልቲ ገረዞ፤ ይስሓቅ ድማ ንያዕቆብ ያዕቆብ ከዓ ነቶም ዓሠርተ ኽልተ ኣቦታት ነገደ እስራኤል።
[9] እቶም ቀዳሞት ኣቦታት ነገደ እስራኤል ድማ ንዮሴፍ ስለ ዝቐንኡሉ ናብ ግብጺ ሸጥዎ፤ እግዚኣብሔር ግና ምስኡ ነበረ።
[10] ካብ ኲሉ መከራኡ ኸዓ ኣውጽኦ፤ ኣብ ቕድሚ ፈርዖን ንጉሥ ግብጺ ድማ ሞገስን ጥበብን ሃቦ፤ ንሱውን ኣብ ግብጽን ኣብ ኲሉ ቤቱን ኣዛዚ ገይሩ ሸሞ።
[11] ኣብ ኲሉ ግብጽን ከነኣንን ከዓ ጥሜትን ብዙኅ መከራን ኮነ፤ ኣቦታትና ድማ ዝምገብዎ ሰኣኑ።
[12] ሽዑ ያዕቆብ ኣብ ግብጺ እኽሊ ኸም ዝርከብ ምስ ሰምዐ ነቦታትና ንመጀመሪያ ጊዜ ለኣኾም።
[13] ኣብ ካልኣይ መንገዶም ከዓ ዮሴፍ ነኅዋቱ መን ከም ዝኾነ ነገሮም። ዓሌቱውን ብፈርዖን ተፈለጠ።
[14] ዮሴፍ ድማ ነቦኡ ያዕቆብን ነቶም ሰብዓን ኃሙሽተን ዝኾኑ ዂሎም ኣዝማዱን ልኢኹ ጸውዖም።
[15] ያዕቆብ ድማ ናብ ግብጺ ወረደ፤ ንሱ ሞተ ኣቦታትናውን ሞቱ።
[16] ናብ ሰኬም ኣግዓዝዎም፤ ኣብቲ ኣብርሃም ካብ ደቂ ኤሞር ብወርቂ ዝዓደጎ መቓብር ኣብ ሰኬም ድማ ቐበርዎም።
[17] -
[18] እግዚኣብሔር ንኣብርሃም ብማሕላ ዝሃቦ ዘመን ተስፋ እናቐረበ ምስ ኸደ ኣብ ግብጺ ኸዓ ንዮሴፍ ዘይፈልጥ ካልእ ንጉሥ ክሳዕ ዝነግሥ እቲ ሕዝቢ ኣብ ግብጺ እናበዝኀን እናሰፍሐን ከደ።
[19] እዝ ንጉሥ እዙይ እቶም ሕፃናቶም ብሕይወት ምእንቲ ኸይነብሩ ኣብ ልዕሊ ዓሌትና ብተንኰል ተልዒሉ ነቦታትና ኽሳዕ ናብ ምድርባይ ደቆም ዝበጽሑ ገፍዖም።
[20] ሙሴ ድማ በቲ ዘመን እቱይ ተወልደ፤ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔርውን ምልኩዕ ነበረ፤ ሠለስተ ወርኂ ድማ ኣብ እንዳ ኣቦኡ ጸንሐ።
[21] ምስ ተደርበየ ጓል ፈርኦን ኣልዒላ ወዳ ክኸውን ኣዕበየቶ።
[22] ሙሴ ድማ ዂሉ ጥበብ ግብጻውያን ተምሃረ፤ ብቓሉን ብሥርሑን ከዓ ኃያል ነበረ።
[23] ሙሴ ወዲ ኣርብዓ ዓመት ምስ ኮነ ነኅዋቱ ደቂ እስራኤል ክርእዮም ብልቡ ሓሰበ።
[24] ሓደ ኻብቶም ኣኅዋቱ እንትግፋዕ ምስ ረአየ ዘርዩ ነቲ ግብጻዊ ብምቕታል ሕነ ፈደየሉ።
[25] እግዚኣብሔር ብኢዱ ገይሩ ኸድኅኖም ከም ዝደለየ ኣኅዋቱ ዝፈልጡ መሲልዎ ነበረ፤ እንተኾነ ንሳቶም ኣይተረድኡን።
[26] ንጽባሒቱ ኽልተ ኻብቶም ኣኅዋቱ ኽበኣሱ እንተለዉ ረኸቦም፤ ከተዓርቖም ደልዩ ኸዓ ኣቱም ሰባት ንስኻትኩምስ ኣኅዋት ኢኹም፤ ስለምንታይከ ንስንሳትኩም ትበኣሱ› በሎም።
[27] እቲ ንብጻዩ ዝዕምፆ ዝነበረ ግና ኸምዙይ በሎ፦ ንኣኻ ኣብ ልዕሌና ሓለቓን ፈራድን ገይሩ መን ሸመካ?
[28] ከምቲ ትማሊ ነቲ ግብጻዊ ዝቐተልካዮ ንኣይውን ክትቐትለኒዶ ደሊኻ?› በሎ።
[29] ሙሴ እዝ ዘረባዙይ ምስ ሰምዐ ሃደመ፤ ኣብ ምድሪ ምድያም ድማ ስደተኛ ኾይኑ ተቐመጠ፤ ኣብኡ ኸዓ ኽልተ ቖልዑ ወለደ።
[30] ኣብ ምድያም ኣርብዓ ዓመት ምስ ተቐመጠ ድማ ኣብ ምድረ በዳ ደብረ ሲና መልኣኽ እግዚኣብሔር ብዝነድድ ቈጥቋጥ ተርኣዮ።
[31] ሙሴ ነዝ ትርኢት እዙይ ምስ ረአየ ተገረመ፤ ክጥምቶ እንተ ቐረበ ድማ፦
[32] ኣነ ኣምላኽ ኣቦታትካ ኣምላኽ ኣብርሃምን ይስሓቅን ያዕቆብን እየ› ዝብል ድምፂ እግዚኣብሔር ሰምዐ። ሽዑ ሙሴ ኣንቀጥቀጠ፤ ክጥምት ከዓ ኣይደፈረን።
[33] እግዚኣብሔር ድማ እዛ ደው ኢልካላ ዘለኻ ቦታ ቕድስቲ ምድሪ እያ እሞ ኣሣእንካ ኻብ እግርኻ ኣውፅእ።
[34] ናይቶም ኣብ ግብጺ ዘለዉ ሕዝበይ ግፍዒ ብርግጽ ረአኹ፤ ገዓሮምውን ሰማዕኹ፤ ከድኅኖም ድማ ወረድኩ፤ ሕዚ ኸዓ ነዓ ናብ ግብጺ ኽልእኸካ እየ› በሎ።
[35] ነዝ ኣባና ሓለቓን ፈራድን ገይሩ መን እዩ ዝሸመካ?› ኢሎም ዝኸሓድዎ ሙሴ ንእኡ እግዚኣብሔር ኣብ ቈጥቋጥ ብዝተርኣዮ መልኣኽ ገይሩ ሓለቓን መውጽኢ ሓራን ምእንቲ ክኸውን ለኣኾ።
[36] ንሱ ኸዓ ኣብ ግብጽን ኣብ ባሕሪ ኤርትራን ነርብዓ ዓመት ዝኣክል ኣብ ምድረ በዳ ምልክትን ተኣምራትን እናገበረ ኣውፅኦም።
[37] እዝ ሙሴ እዙይ እዩ ንደቂ እስራኤል ከምቲ ንኣይ ዘተሥአ እግዚኣብሔር ካብ ኣኅዋትኩም ከማይ ነቢይ ከተሥአልኩም እዩ› ዝበሎም።
[38] ኣብ ምድረ በዳ ምስቲ ማኅበርን ምስቲ ኣብ ደብረ ሲና ዝተዛረቦ መልኣኽን ምሰቦታትናን ዝነበረ ናባና ንኸመኃላልፎ ድማ ናይ ሕይወት ቃል ዝተቐበለ ንሱ ሙሴ እዩ።
[39] ንእኡ ኣቦታትና ኣበይዎ እምበር ክእዘዝዎ ኣይደለዩን፤ ብልቦምውን ናብ ግብጺ ተመለሱ።
[40] ንኣሮን ድማ እቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘውፅአና ሙሴ እንታይ ከም ዝኾነ ስለ ዘይንፈልጥ ቀቅድሜና ዝመርሑና ኣማልኽቲ ግበረልና› በልዎ።
[41] በቲ ቕነ እቱይ ብምስሊ ምራኽ ጣዖት ኣቖሙ፤ መሥዋዕቲ ድማ ሠውዑ ሉ፤ ብሥራሕ ኣእዳዎም ድማ ደስ በሎም።
[42] እግዚኣብሔር ከዓ ኻብኣቶም ረኃቐ፤ ንኸዋኽብቲ ሰማይ ከምልኹ ኸዓ ኃደጎም። እዙይ ድማ ኸምቲ ኣብ መጽሓፍ ነቢያት ዝተጽሓፈ እዩ፤ ኦ ቤተ እስራኤል! ኣብ ምድረ በዳ ነርብዓ ዓመት ዝኣክል ሕሩድ ኮነ መሥዋዕትታት ዘቕረብኩምለይዶ ነይሩኩም እዩ?
[43] ንስኻትኩም ነቶም ክተምልኽዎም ኢልኩም ዝሠራሕኹምዎም ምስልታት ድንኳን ሞሎኽን ኮኸብ ሬፋን ኣምሊኽኩምን ኢኹም፤ ምሳኻትኩም ዝተማላእኹም፤ ኣነ ኸዓ ካብ ባቢሎን ንንየው ከም እትስደዱ ኽገብረኩም እየ።›
[44] ኣቦታትና ኣብ ምድረ በዳ ናይ ምስክር ድንኳን ነበረቶም፤ ንሳ ኸዓ እታ እግዚኣብሔር ንሙሴ ከምታ ዝረአያ ምስሊ ገይሩ ኽሠርሓ ዝኣዘዞ እያ።
[45] ኣቦታትና ምስ ተቐበልዋ ኸዓ ብኢያሱ ተመሪሖም ናብታ እግዚኣብሔር ንኣሕዛብ ካብ ገጽ ኣቦታትና ኣሳጕጉ ዘውረሶም ሃገር ኣእተውዋ፤ ክሳዕ ዘመን ዳዊትውን ኣብኡ ጸንሐት።
[46] ዳዊት ድማ ኣብ ቕድሚ እግዚኣብሔር ሞገስ ረኸበ፤ ንኣምላኽ ያዕቆብ ዝኸውን መኅደሪ ኽሠርሕ ከዓ ለመነ።
[47] ቤት ዝሓነጸሉ ግና ሰሎሞን እዩ።
[48] -
[50] ከምቲ ነቢይ፦ ሰማይ ዝፋነይ እዩ፤ ምድሪ ኸዓ መርገጽ እግረይ እያ፤ ከመይ ዝበለ ቤት ደኣ ኢኹም እትሓንጹለይ? ይብል እግዚኣብሔር፤ ከመይ ዝበለ ሥፍራኸ እዩ እቲ ኣነ ዝዓርፈሉ? ነዝ ዂሉ ነገራትስ ኢደይዶ ኣይኮነን ዝገበሮ?› ዝበሎ እቲ ልዑ ል እግዚኣብሔር ብኢድ ሰብ ኣብ ዝተሓንጸ ቤት ኣይነብርን እዩ።
[51] ኣቱም ተረርቲ ኽሳድ ልብኹም ዝተደፍነ ኣእዛንኩምውን ዝጸመመ ንስኻትኩምውን ከም ኣቦታትኩም ንመንፈስ ቅዱስ ኲሉ ጊዜ ትቃወምዎ ኣለኹም።
[52] ካብ ነቢያትከ ኣቦታትኩም ዘየሳጐጕዎ መን ኣሎ? ንሳቶም ነቶም ብዛዕባ ምምጻእ እቲ ጻድቕ ኣቐዲሞም ንዝነገሩ ቀተልዎም፤ ሕዝውን ንስኻትኩም ነቲ ጻድቕ ኣኅሊፍኩም ብምሃብ ቐተልክምዎ።
[53] ንስኻትኩም ነቲ ሕጊ ብኢድ መላእኽቲ ተቐቢልኩምዎ ነይርኩም፤ እንተኾነ ኣይሓለኹምዎን።
[54] እቶም ሰብ ከዓ ነዙይ ምስ ሰምዑ ልቦም ነደደ፤ ኣስናኖምውን ሓርቀሙሉ።
[55] ንእስጢፋኖስ ግና መንፈስ ቅዱስ መልኦ፤ ናብ ሰማይ ኣንቃዕሪሩ ክብሪ እግዚኣብሔርን ኢየሱስ ድማ ኣብ የማን እግዚኣብሔር ቆይሙን ረአየ።
[56] ሽዑ እንሆ ሰማይ ተኸፊቱ ወዲ ሰብ ድማ ኣብ የማን እግዚኣብሔር ቆይሙ እርኢ ኣለኹ በለ።
[57] ንሳቶምውን ዓው ኢሎም እናጸርሑ ኣእዛኖም ደፊኖም ድማ ኃቢሮም ናብኡ ጐየዩ።
[58] ካብታ ኸተማ ኣውፂኦም ከዓ ብእምኒ ቐጥቂጦም ቀተልዎ፤ እቶም ዝቐተልዎ ድማ ኽዳውንቶም ኣብ ጥቓ ኣእጋር ሳውል ዝበሃል ጐበዝ ኣንበሩ።
[59] ብእምኒ ቐጥቂጦም ክቐትልዎ እንተለዉ ኸዓ እስጢፋኖስ ኦ ጐይታ ኢየሱስ! ንነፍሰይ ተቐበላ! እናበለ ጸለየ።
[60] ተንበርኪኹ ኸዓ ብዓብዪ ድምፂ ጐይታይ! እዝ ኃጢኣት እዙይ ኣይትቝጸረሎም ኢሉ ጸርሐ። እዙይ ምስ በለውን ዓረፈ።