Skip to content
Opens in a new window
Listen to this chapter • 4:17

[1] ሓዋርያትን እቶም ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ኣመንትን ኣሕዛብውን ቃል እግዚኣብሔር ከም ዝተቐበሉ ሰምዑ ።

[2] -

[3] ጴጥሮስ ናብ ኢየሩሳሌም ምስ ተመለሰ እቶም ካብ ግሩዛት ወገን ዝኾኑ ክርስቲያን ኣይሁድ ንስኻ ናብ ዘይተገረዙ ሰባት ኣቲኻ ምስኣቶም በሊዕኻ ኢኻ ኢሎም ነቐፍዎ።

[4] ጴጥሮስ ድማ ካብ መጀመርታ ጀሚሩ ኽነግሮም ጀመረ፤ ከምዙይ ድማ በለ፦

[5] ኣነ ኣብ ከተማ ኢዮጴ ኽጽሊ እንተለኹ ተመሰጥኩ እሞ ራእይ ረአኹ፤ እንሆ ኸዓ በርባዕተ መዓዝኑ ዝተትኃዘ ዓብዪ መጋረጃ ዝመስል ካብ ሰማይ ወሪዱ ናባይ መጸ።

[6] ናብኡ ኣትኲረ እንተ ጠመትኩ ኣርባዕተ መሓውር ዘለዎም እንስሳን ኣራዊትን ለመም ዝብሉን ኣዕዋፍ ሰማይን ረአኹ።

[7] ጴጥሮስ! ተሥእ! ሓሪድካ ብላዕ!› ዝብለኒ ድምፂ ኸዓ ሰማዕኹ።

[8] ኣነ ግና ጐይታይ! ርኹስ ወይ ዘጸይፍ ከቶ ኣብ ኣፈይ ኣትዩ ኣይፈልጥን እዩ እሞ ኣይኸውንን› በልኩ።

[9] ንኻልኣይ ጊዜ ኸዓ ነቲ እግዚኣብሔር ዘንጽሆ ንስኻ ርኹስ እዩ ኣይትበል› ዝብል ድምፂ ኻብ ሰማይ ሰማዕኹ።

[10] እዝ ነገርዙይ ሠለስተ ጊዜ ኾነ፤ መሊሱ ድማ ዂሉ ናብ ሰማይ ተስሓበ።

[11] እንሆ ኸዓ ሽዑ ሠለስተ ሰባት ካብ ቂሳርያ ናባይ ተልኢኾም ኣብ ጥቓ እታ ኣነ ዝነበርክዋ ገዛ ደው ኢሎም ነበሩ።

[12] መንፈስ ቅዱስ ከዓ እንተይተጠራጠርኩ ምስኣቶም ክኸይድ ነገረኒ፤ እዞም ሽዱሽተ ኣኅዋት ድማ ምሳይ ከዱ፤ ናብ እንዳ ቆርኔሌዎስውን ኣተና።

[13] -

[14] ንሱ ኸዓ መልኣኽ ኣብ ቤቱ ደው ኢሉ ናብ ኢዮጴ ለኣኽ እሞ ነቲ ጴጥሮስ ዝበሃል ስምዖን ጸዊዕኻ ኣምጽአዮ፤ ንስኻን ኲሉ ቤትካን እትድኅኑሉ ቓል ንሱ ኽነግረካ እዩ› ክብሎ እንተሎ ኸም ዝረአየ ነገረና።

[15] ክዛረብ ምስ ጀመርኩ ድማ ከምቲ ቕድም ኣባና ዝወረደ መንፈስ ቅዱስ ኣብኣቶምውን ወረደ።

[16] ሽዑ ነቲ ዮሓንስ ብማይ እዩ ዘጥመቐ፤ ንስኻትኩም ግና ብመንፈስ ቅዱስ ክትጥመቑ ኢኹም› ዝበሎ ቓል ጐይታ ዘከርኩ።

[17] እምበኣር ከምቲ ንኣና ብጐይታ ብኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ኣመንና ዝሃበና ኣምላኽ ማዕረና ገይሩ ውህብቶ ካብ ሃቦም ኣነ ድኣ ንእግዚኣብሔር ክኽልክሎ ዝኽእል ኣነ መን እየ! በለ።

[18] ነዙይ ምስ ሰምዑ ስቕ በሉሞ እምበኣርከስ እግዚኣብሔር ነሕዛብ ድማ ንሕይወት ዝኸውን ንስሓ ሂብዎም ኣሎ እናበሉ ንእግዚኣብሔር ኣመስገኑ።

[19] እቶም በሰንኪ እቲ ኣብ እስጢፋኖስ ዝበጽሐ መከራ ዝተበተኑ ሰባት ግና ክሳዕ ፊንቂስን ቆጵሮስን ኣንጾኪያን ከዱ፤ ነቲ ቓል ድማ ንኣይሁድ እንተ ዘይኮይኑ ንሓደኳ ኣይነግሩን ነበሩ።

[20] ገሊኣቶም ግና ሰብ ቆጵሮስን ሰብ ቀርኔንን ነበሩ፤ እዚኣቶም ናብ ኣንጾኪያ መጺኦም ብዛዕባ ጐይታና ኢየሱስ ሰበኹሎም። ነቶም ግሪካውያን እንተይተረፈውን ነገርዎም።

[21] ኃይሊ እግዚኣብሔርውን ምስኣቶም ነበረት፤ ብዙኅ ዝቝጽሮም ሰባት ድማ ኣሚኖም ናብ እግዚኣብሔር ተመልሱ።

[22] እዝ ወረ እዙይ ከዓ ኣብታ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘላ ቤተ ክርስቲያን ተሰምዐ፤ ንበርናባስ ድማ ናብ ኣንጾኪያ ለኣኽዎ።

[23] ንሱ ኣብኡ ምስ በጽሐ ጸጋ እግዚኣብሔር ርእዩ ተሓጐሰ፤ ብምሉእ ልቦም ብእግዚኣብሔር ጸኒዖም ክነብሩ ድማ መዓዶም።

[24] ንሱ መንፈስ ቅዱስን እምነትን ዝመልኦ ሕያዋይ ሰብ ነበረሞ፤ ብዙኅ ሕዝቢ ድማ ናብ ጐይታ ተመለሰ።

[25] በርናባስ ካብኡ ወፂኡ ንሳውል ክደልዮ ናብ ጠርሴስ ከደ።

[26] ምስ ረኸቦ ናብ ኣንጾኪያ ኣምጽኦ፤ ኣብታ ቤተ ክርስቲያን ከዓ ዓመት ምሉእ ኃቢሮም ነበሩ፤ ንብዙኅ ሕዝብውን መሃሩ፤ እቶም ደቀ መዛሙርት ድማ ንፈለማ ጊዜ ኣብ ኣንጾኪያ ክርስቲያን ተብሂሎም ተጸዉዑ ።

[27] በተን መዓልትታት እቲኣተን ነቢያት ካብ ኢየሩሳሌም ናብ ኣንጾኪያ ወረዱ።

[28] ሓደ ኻብኣቶም ኣጋቦስ ዝስሙ ተሢኡ ኣብ ዂሉ ዓለም ብርቱዕ ጥሜት ከም ዝኸውን ብመንፈስ ቅዱስ ተዛረበ፤ እዙይ ዝኾነ ድማ ብዘመን ቀላውዴዎስ ቄሣር እዩ።

[29] ስለዙይ እቶም ደቀ መዛሙርት ነፍሲ ወከፍ ከከም ዓቕሞም ነቶም ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ኣኅዋት ረድኤት ክሰዱሎም መደቡ።

[30] ነቲ ዝተዋጽአ ገንዘብ ድማ ብኢድ በርናባስን ሳውልን ገይሮም ናብቶም መራሕቲ ቤተ ክርስቲያን ሰደድዎ።

ግብሪ ሓዋርያት — Chapters