ግብሪ ሓዋርያት 6
[1] በቲ እዋን እቱይ ደቀ መዛሙርት ብቝጽሪ እናበዝኁ ምስ ከዱ እቶም ግሪኽ ዝቛንቋኦም ኣይሁዳውያን እተን ናታቶም መበለታት ኣብቲ ዕለታዊ ምዕዳል ምግቢ ሸለል ስለ ዝተብሃላ ኣብ ልዕሊ እቶም ዕብራውያን ኣጕረምረሙ።
[2] ሽዑ እቶም ዓሠርተ ኽልተ ሓዋርያት ንዂሎም እቶም ደቀ መዛሙርት ኣኪቦም ንሕና ማእዲ ኽንሠርዕ ኽንብል ቃል እግዚኣብሔር ምስባኽ ክንኃድግ ኣይግብኣናን እዩ።
[3] ስለዙይ ኣቱም ኣኅዋትና ካባኻትኩም ብጽቡቕ ዝተመስከረሎም መንፈስን ጥበብን ዝመልኦም ሸውዓተ ሰባት ኅረዩ፤ ነዝ ጉዳይ እዙይ ከዓ ኽንሾሞም።
[4] ንሕና ግና ኣብ ጸሎትን ኣብ ምምሃር ቃሉን ክንተግህ ኢና በልዎም።
[5] እዝ ዘረባ እዙይ ንዂሉ እቲ ሕዝቢ ኣሐጐሰ፤ ነቲ እምነትን መንፈስ ቅዱስን ዝመልኦ ሰብ እስጢፋኖስ ንፊልጶስን ንጵሮኮሮንን ንኒቃሮናን ንጢሞናን ንጰርሜናን ነቲ ናብ እምነት ኣይሁድ ዝኣተወ ኒቆላዎስ በዓል ኣንጾኪያን ድማ ኃረዩ።
[6] ነዚኣቶም ኣብ ቅድሚ ሓዋርያት ኣቖምዎም፤ ንሳቶምውን ጸለዩሎም፤ ኣእዳዎም ከዓ ኣንበሩሎም።
[7] ቃል እግዚኣብሔር ድማ እናሰፍሐን እናተባጽሐን ከደ፤ ቊጽሪ እቶም ደቀ መዛሙርትውን ኣብ ኢየሩሳሌም የመና እናበዝኀ ኸደ፤ ካብ ካህናትውን ብዙኃት ኣመኑ።
[8] እስጢፋኖስ ድማ ጸጋን ኃይልን መሊእዎ ኣብ ማእኸል እቲ ሕዝቢ ዓበይቲ ምልክታትን ተኣምራትን ይገብር ነበረ።
[9] ገሊኣቶም ናይታ ውፁኣት ሓራ እትበሃል ቤተ ጸሎትን ሰብ ቀሬኔዎንን ሰብ እስክንድርያን ሰብ ቂልቅያን እስያን ግና ተልዒሎም ንእስጢፋኖስ ይቃወምዎን ይከራኸርዎውን ነበሩ።
[10] ነቲ ዝዛረበሉ ዝነበረ ጥበብን መንፈስን ግና ኽረትዕዎ ኣይከኣሉን።
[11] ሽዑ እዝ ሰብ እዙይ ኣብ ልዕሊ ሕጊ ሙሴን ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሔርን እንትጻረፍ ሰሚዕናዮ ዝብሉ ሰባት ሓባበሉ።
[12] በዙይ ከዓ ንሕዝብን ንሽማግለታትን ንመምህራን ሕግን ኣለዓዓሉ፤ ንሳቶም ድማ መጺኦም ኃዝዎ፤ ናብ መጋባእያ ድማ ኣቕረብዎ።
[13] እዝ ሰብ እዙይ ኣብ ልዕሊ እቲ ቕዱስ ሥፍራን ኣብ ልዕሊ ሕጊ ሙሴን ምጽራፍ ኣቋሪጹ ኣይፈልጥን ዝብሉ ሓሰውቲ መሰኻኽር ኣተሥኡሉ።
[14] ንሳቶም ናይ ናዝሬት ኢየሱስ ነዝ ቤተ መቕደስ እዙይ ከፍርሶ እዩ፤ ነቲ ሙሴ ዝሃበና ሕጊውን ክልውጦ እዩ› ክብል እንተሎ ሰሚዕናዮ ኢሎም መስከሩ።
[15] እቶም ኣብቲ መጋባእያ ተቐሚጦም ዝነበሩ ሰባት ኲላቶም ጠመትዎ፤ ገጹ ኸዓ ኸም ገጽ መልኣኽ ኮይኑ ተርአዮም።