Skip to content
Opens in a new window
Listen to this chapter • 4:37

[1] ድኅርዙይ ጳውሎስ ካብ ኣቴና ወፂኡ ናብ ቆሮንቶስ ከደ።

[2] ቀላውዴዎስ ቄሣር ኲሎም ኣይሁድ ካብ ሮም ክወፁ ኣዚዙ ስለ ዝነበረ ኸዓ ምስ ሰበይቱ ጵርስቅላ ካብ ኢጣልያ ሽዑ ቕነ ዝመጸ ሓደ ኣቂላስ ዝበሃል ኣይሁዳዊ በዓል ጳንጦስ ኣብ ቆሮንቶስ ነበረ። ጳውሎስ ከዓ ምስኣቶም ተራኸበ።

[3] ከምኣቶም ሰፋይ ድንኳን ስለ ዝነበረ ድማ እናሠርሐ ምስኣቶም ተቐመጠ።

[4] ሰንበት ሰንበት ኣብ ቤተ ጸሎት ኣይሁድ እናሰበኸ ድማ ንኣይሁድን ንግሪኻውያንን የረድኦም ነበረ።

[5] ሲላስን ጢሞቴዎስን ካብ መቄዶንያ ናብ ቆሮንቶስ ምስ መጹ ጳውሎስ ኢየሱስ መሢሕ ከም ዝኾነ ኣበርቲዑ ይምስክር ነበረ።

[6] ንሳቶም ምስ ተቓወምዎን ምስ ጸረፍዎን ግና ኽዳኑ ነጊፉ ደምኩም ኣብ ርእስኹም ይኹን ኣነ ንጹህ እየ ድሕሪ ሕዚ ናብ ኣሕዛብ ክኸይድ እየ በሎም።

[7] ካብኡ ወፂኡ ድማ እቲ ገዝኡ ኣብ ጥቓ ቤተ ጸሎት ኣይሁድ ዝነበረት ንእግዚኣብሔር ዘምልኽ ናብ ቲቶስ ኢዮስጦስ ዝበሃል ሰብ ኣተወ።

[8] ቀርስጶስ ዝበሃል መራሕ ቤተ ጸሎት ኣይሁድ ከዓ ምስ ስድራ ቤቱ ብጐይታ ኣመነ፤ ብዙኃት ካብ ሰብ ቆሮንቶስውን ትምህርቲ ጳውሎስ ሰሚዖም ኣመኑን ተጠመቑን።

[9] ጐይታ ኸዓ ንጳውሎስ ለይቲ ብራእይ ከምዙይ በሎ፦ ኣይትፍራኅ! ተዛረብ ደኣ እምበር ስቕ ኣይትበል።

[10] ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ብዙኅ ሕዝቢ ኣለኒ ኣነ ምሳኻ ስለ ዝኾንኩ ድማ ክጐድአካ ዝኽእል ሓደኳ የለን በሎ።

[11] ጳውሎስ ኣብ ማእኸሎም ቃል እግዚኣብሔር እናመሃረ ዓመትን መንፈቕን ኣብ ቆሮንቶስ ተቐመጠ።

[12] ጋልዮስ ሹም ኣካይያ እንተሎ ኣይሁድ ኃቢሮም ኣንጻር ጳውሎስ ተሢኦም ናብ መጋባእያ ኣቕረብዎ።

[13] ካብ ኦሪት ወፃኢ ሰባት ንእግዚኣብሔር ከምልኽዎ የሓባብል ኣሎ እናበሉ ድማ ኸሰስዎ።

[14] ጳውሎስ መልሲ ኽህብ ምስ ተዳለወ ድማ ጋልዩስ ንኣይሁድ ከምዙይ በሎም፦ ኣቱም ኣይሁድ ብዛዕባ ዝኾነ ዓመፅ ወይ ክፉእ ግብሪ እንተ ዝኸውንስ ሃዲአ ኽሰምዐኩም ግቡእ ነይሩ፤

[15] ሕዚ ግና ክትዕኹም ብዛዕባ ቃልን ስምን ናይ ባዕልኻትኩም ሕግን ስለ ዝኾነ ባዕልኻትኩም ፍለጡ፤ ኣነ ናይዝ ነገር እዙይ ፈራዲ ክኸውን ኣይደልን በሎም።

[16] ካብቲ መጋባእያውን ሰጐጎም።

[17] እቶም ግሪካውያን ኲላቶም ንሶስቴንስ መራሕ ቤተ ጸሎት ኣይሁድ ኂዞም ኣብ ቕድሚ መጋባእያ ዘበጥዎ፤ እንተኾነ ጋልዮስ ነዝ ነገር እዙይ ኣይተገደሰሉን።

[18] ጳውሎስ ኣብ ቆሮንቶስ ምስ ብጾቱ ንቑሩብ መዓልቲ ምስ ቀነየ ካብቶም ኣኅዋት ተሰናቢቱ ምስ ጵርስቅላን ኣቂላን ብመርከብ ናብ ሶርያ ኸደ። ቕድሚ ምኻዱ ግና መብጽዓ ስለ ዝነበሮ ኣብ ክንክራኦስ ዝተብሃለ ኸተማ ርእሱ ተላፀየ።

[19] ኣብ ኤፌሶን ምስ በጽሑ ኸዓ ንጵርስቅላን ኣቂላን ኣብኣ ኃደጎም፤ ናብ ቤተ ጸሎት ኣይሁድ ኣትዩ ድማ ምስቶም ኣይሁድ ተነጋገረ።

[20] ንሳቶም ብዙኅ መዓልቲ ምስኣቶም ክጸንሕ ለመንዎ፤ እንተኾነ ሕራይ ኣይበሎምን።

[21] ከፋንውዎ እንተለዉ በዝ ዝመጽእ በዓል ኣብ ኢየሩሳሌም ግድን ከኽብር ኣለኒ። ፍቓድ እግዚኣብሔር እንተኾይኑ ናባኻትኩም ክምለስ እየ ኢሉ ተሰናቢቱ፤ ካብ ኤፌሶን ብመርከብ ከደ።

[22] ኣብ ቂሳርያ ምስ በጽሐ ናብ ቤተ ክርስቲያን ኣትዩ ንኣመንቲ ሰላም ምስ በለ ናብ ኣንጾኪያ ወረደ።

[23] ቊሩብ መዓልቲ ኸዓ ኣብኣ ጾነየ፤ ካብኣ ተልዒሉ ኣብ ሃገር ገላትያን ፍርግያን እናዞረ ንዂሎም ደቀ መዛሙርት ኣጸናንዖም።

[24] ሓደ ኣጵሎስ ዝስሙ ኣይሁዳዊ በዓል እስክንድርያ ምሁር ቅዱሳት መጻሕፍትን ክእለት ዘረባ ዘለዎን ሰብኣይ ናብ ኤፌሶን መጸ።

[25] ንሱ ብዛዕባ መንገዲ ጐይታ ምሁር ነበረ፤ ንሱ ሽሕ እኳ ጥምቀት ዮሓንስ ጥራሕ ዝተጠመቐ እንተ ነበረ ብመንፈስ ተለዓዒሉ ብዛዕባ ኢየሱስ ኣበርቲዑ ይሰብኽን ይምህርን ነበረ።

[26] ንሱ ኣብ ቤተ ጸሎት ኣይሁድ ብትብዓት ክምህር ጀመረ፤ ጵርስቅላን ኣቂላን ምስ ሰምዕዎ ኸዓ ናብ ገዝኦም ወሲዶም መንገዲ ጐይታ ኣጸቢቖም ኣረድእዎ።

[27] ናብ ኣካይያ ክኃልፍ ምስ ሓሰበ እቶም ኣመንቲ ኣተባብዕዎ፤ ነቶም ኣብ ኣካይያ ዝነበሩ ደቀ መዛሙርት ድማ ኽቕበልዎ ጸሓፉሎም፤ ኣብኣቶም ምስ በጽሐ ኸዓ ነቶም ብጸጋ እግዚኣብሔር ዝኣመኑ ብዙኅ ረድኦም።

[28] ኢየሱስ መሢሕ ከም ዝኾነ ብቅዱሳት መጻሕፍቲ እናረድአ ንኣይሁድ ኣብ ቕድሚ ዂሉ በርቲዑ ይከራኸሮምን ይረትዖምን ነበረ እሞ።

ግብሪ ሓዋርያት — Chapters