ግብሪ ሓዋርያት 23
[1] ሽዑ ጳውሎስ ነቶም ኣብ መጋባእያ ዝተኣከቡ ኣትኲሩ እናጠመተ ኣቱም ኣኅዋተይ ኣነ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ኣብ ቕድሚ እግዚኣብሔር ብዂሉ ቕኑዕ ሕሊና እየ ዝነብር በሎም።
[2] ሓናንያ እቲ ሊቀ ካህናት ግና ነቶም ኣብ ጥቓኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ኣፉ ኽጸፍዕዎ ኣዘዘ።
[3] ጳውሎስ ድማ ንእኡ ኣታ ዝተለመጸ መንደቕ እትመስል እግዚኣብሔር ክወቕዐካ እዩ። ንስኻ ብሕጊ ኽትፈርደኒ ኣብ መንበር ተቐሚጥካስ ብዘይ ሕጊ ክወቕዑ ኒዶ ትእዝዝ ኣለኻ? በሎ።
[4] እቶም ኣብ ጥቓኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ኸዓ ንምንታይ ንናይ እግዚኣብሔር ሊቀ ካህናት ትጻረፍ ኣለኻ? በልዎ።
[5] ጳውሎስ ድማ ኣኅዋተይ ሊቀ ካህናት ምዃኑ ኣይፈለጥኩን ንሹም ሕዝብኻ ኣይትጽረፍ› ዝብል ተጽሒፉ ኢዩ እሞ በሎም።
[6] ጳውሎስ ከዓ ገሊኦም ሰዱቃውያን ገሊኦም ፈሪሳውያን ምዃኖም ምስ ፈለጠ ኣብቲ መጋባእያ ዓው ኢሉ ኣቱም ኣኅዋተይ ኣነ ፈሪሳዊ ወዲ ፈሪሳዊ እየ፤ ምዉታን ከም ዝትሥኡ ተስፋ ስለ ዝገብር እዩ ዝፍረደኒ ዘሎ በሎም።
[7] እዙይ ምስ ተዛረበ ኣብ መንጎ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ባእሲ ኾነ እቲ ኣኼባውን ተፈላለየ።
[8] ሰዱቃውያን ትንሣኤ ሙታን መልኣኽ ወይ መንፈስ የለን ዝብሉ እንትኾኑ ፈሪሳውያን ግና እዙይ ኲሉ ኸም ዘሎ የኣምኑ ነበሩሞ።
[9] ብዙኅ ዋዕዋዕታ ድማ ኾነ ካብ ወገን ፈሪሳውያን ዝኾኑ ሓድሓደ መምህራን ሕጊ ኣብዝ ሰብኣይ እዙይ ሓደኳ ኽፋእ ነገር ኣይረኸብናን፤ መንፈስ ወይ መልኣኽ ተናጊርዎ እንተ ኾነኸ እንታይ ንፈልጥ? እናበሉ ተሢኦም ተኸራኸሩ።
[10] ብዙኅ ባእሲ ምስ ኮነ እቲ ሓለቓ ሽሕ እቶም ሕዝቢ ንጳውሎስ ከይምንዝዕዎ ፈሪኁ ነቶም ወታደራት ወሪድኩም ካብ ማእኸሎም ኂዝኩም ናብ ሰፈር ወታደራት ኣብጽሕዎ ኢሉ ኣዘዞም።
[11] በታ ኻልአይቲ ለይቲ ኸዓ ጐይታ ናብኡ ቐሪቡ ጳውሎስ! ከምቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ብዛዕባይ ዝመስከርካዮ ኸምኡውን ኣብ ሮም ክትምስክረለይ ኢኻ እሞ ኣይዞኻ በሎ።
[12] ምድሪ ምስ ወግሐ ኸዓ ኣይሁድ ንጳውሎስ ክሳዕ እንቐትሎ ኣይንብላዕ ኣይንስተ ኢሎም ተመሓሓሉ።
[13] እቶም ከምዙይ ዝተማሓሓሉ ድማ ካብ ኣርብዓ ዝበዝኁ ነበሩ።
[14] ንሳቶም ከዓ ናብ ሊቃነ ካህናትን ናብ ዓበይትን ከይዶም ንሕና ንጳውሎስ እንተይቀተልና ዝኾነ ኸይንጥዕም ተመሓሒልና ኣለና›
[15] ሕዚ ድማ ንስኻትኩም ምስቶም ኣብ መጋባእያ ዝተኣከቡ ኴንኩም ንጳውሎስ ናባኻትኩም ከውፅኦ እሞ ብዛዕባኡ ኣጸቢቕኩም ክትምርምሩ ከም ዝደለኹም ጌርኩም ነቲ ሓለቓ ሽሕ ንገርዎ፤ ንሕና ኸዓ ኣባኻትኩም እንተይበጽሐ ኽንቀትሎ ተዳሊና ኣለና በልዎም።
[16] ወዲ ሓፍቱ ንጳውሎስ ከዓ ነዝ ምኽሮም ሰሚዑ ኸደ፤ ናብቲ ሰፈር ወታደር ኣትዩ ድማ ንጳውሎስ ነገሮ።
[17] ጳውሎስ ድማ ካብቶም ኣሕሉቕ ሚእቲ ንሓደ ጸዊዑ እዝ ወድዙይ ንሓለቓ ሽሕ ዝነግሮ ነገር ኣለዎ እሞ ናብኡ ውሰዶ በሎ።
[18] እቲ ሓለቓ ሚእቲ ኸዓ ኂዙ ምስኡ ወሲዱ ናብቲ ሓለቓ ሽሕ ኣእተዎ እሞ እቲ እሱር ጳውሎስ ናብኡ ጸዊዑ እዝ ወድዙይ ዝነግረካ ዘረባ ስለ ዘለዎ ናባኻ ኸእትዎ ለሚኑኒ በሎ።
[19] እቲ ሓለቓ ሽሕ ከዓ ነቲ ቖልዓ ብኢዱ ኂዙ ንበይኑ ኣግልስ ኣቢሉ እቲ ኽትነግረኒ እትደልዮ እንታይ እዩ ኢሉ ጠየቖ።
[20] ንሱ ኸዓ ኣይሁድ ንጳውሎስ ብዛዕባኡ ኣጸቢቖም ክጥይቕዎ ከም ዝደለዩ ኣምሲሎም ጽባሕ ናብ መጋባእያ ኽተውርደሎም ክልምኑኻ ተማኺሮም ኣለዉ።
[21] ካብኣቶም ካብ ኣርብዓ ሰባት ዝበዝኁ ይጸናተዉ ኣለዉ ንእኡ ኽሳዕ ዝቐትልዎ ድማ ከይበልዑ ን ከይሰትዩን ተመሓሒሎም ኣለዉ። ሕዚ ኽሳዕ እትልእኸሎም እዮም ዝጽበዩ ዘለዉ። ንስኻ ግና ሕራይ ኣይትበሎም በሎ።
[22] ድኅሪዙይ እቲ ሓለቓ ሽሕ ነቲ ወዲ ንኣይ ከም ዝነገርካኒ ንኻሊእ አይትንገር ኢሉ ኣጠንቂቑ ሰደዶ።
[23] ብድኅሪኡ ንኽልተ ኣሕሉቕ ሚእቲ ጸዊዑ ንቂሳርያ ዝኸዱ ኽልተ ሚእቲ ወታደራት ሰብዓ ፈረሰኛታት ክልተ ሚእቲ ሰብ ኲናት ለይቲ ብሣልሰይቲ ሰዓት ኣዳልዉ።
[24] ንጳውሎስ ከዓ መፅዓኛ ቐርቡሉ ናብ ፊልክስ እቲ ገዛኢ ቂሳርያ ኣብጽሕዎ በሎም።
[25] ከምዙይ ኢሉ ድማ መልእኽቲ ጸሓፈ፦
[26] ካብ ቀላውዴዎስ ሉስዮስ ናብ ልዑ ል ሹም ፊልክስ ሰላም ንኣኻ ይኹን።
[27] ነዝ ሰብኣይ እዙይ ኣይሁድ ኂዞም ክቐትልዎ ደልዮም ነበሩ፤ ኣነ ግና ሮማዊ ዜጋ ምዃኑ ምስ ፈለጥኩ ምስ ወታደራት መጺአ ኣናገፍክዎ።
[28] እቲ ዝኸሱሉ ምኽንያት ክፈልጥ ደልየ ኸዓ ናብ መጋባእያኦም ኣቕረብክዎ።
[29] ሽዑ ብዛዕባ ኽርክር ሕጎም ከም ዝኸሰስዎ ደኣ እምበር ናብ ሞት ወይ ናብ ማእሰርቲ ዘብጽሕ ክሲ ኸቶ ኣይረኸብኩሉን።
[30] ነዝ ሰብኣይ እዙይ ይጸናተውዎ ኸም ዘለዉ ምስ ሰማዕኹ ኸዓ ብቕልጡፍ ናባኻ ሰዲደዮ ኣለኹ ነቶም ከሰስቱውን ኣብ ቕድሜኻ ክኸስዎ ኣዚዘዮም ኣለኹ [ ደኃን ኩን] ።
[31] እቶም ወታደራት ድማ ኸምቲ ዝተኣዘዝዎ ንጳውሎስ ወሲዶም ብለይቲ ናብ ኣንቲጳጥሪስ ኣብጽሕዎ።
[32] ንጽባሒቱ ነቶም ፈረሰኛታት ምስኡ ክኸዱ ኃዲጎምዎም ናብ ሰፈሮም ተመልሱ።
[33] እቶም ፈረሰኛታት ናብ ቂሳርያ ምስ ኣተዉ ድማ እታ መልእኽቲ ንፊልክስ ሃብዎ፤ ንጳውሎስውን ኣብ ቕድሚኡ ደው ኣበልዎ።
[34] ነታ መልእኽቲ ምሰንበበ ኸዓ፤ ናይ መን ግዝኣት ተወላዳይ ምዃኑ ጠየቖ። በዓል ቂልቅያ ምዃኑ ምስ ፈለጠ
[35] እምበኣር ከሰስትኻ ምስ መጹ ሽዑ ኽሰምዐኩም እየ በሎ። ኣብ ናይ ሄሮድስ ቤተ መንግሥት ኣእትዮም ንኽሕልውዎ ኸዓ ኣዘዘ።