Skip to content
Opens in a new window
Listen to this chapter • 5:08

[1] ኣቱም ኣቦታተይን ኣኅዋተይን እዝ ሕዚ ኣነ ዝከራኸረሉ ነገር ስምዑ ኒ።

[2] ብቛንቋ ዕብራይስጢ ኽዛረብ ምስ ሰምዕዎ ብዝበለጸ ጸጥ ኢሎም ኣዳመፅዎ ንሱ ኸዓ ኸምዙይ በለ፦

[3] ኣነስ ኣብታ ኣብ ቂልቅያ እትርከብ ጠርሴስ እትበሃል ከተማ ዝተወለድኩ ኣይሁዳዊ ሰብ እየ። ብገማልያል ሕጊ ኣቦታት ኣጸቢቐ እናተምሃርኹ ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ኢየ ዝዓበኹ። ከምዝ ዂልኻትኩም ሎሚ ዘለኹምዎ ኸዓ ብናይ እግዚኣብሔር ነገር ቀናእ ነበርኩ።

[4] ሰብኡትን ኣንስትን ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣኅሊፈ እናሃብኩ ነቶም ነዛ መንገዲ ጐይታ እዚኣ ዝስዕቡ ክሳዕ ሞት ክቐትሎም ኣሳጐጕክዎም።

[5] ከምዙይ ከም ዝገበርኩ ሊቀ ካህናትን ኲላቶም ዓበይትን ይምስክሩለይ እዮም። እቶም ኣብ ደማስቆ ዘለዉ ኣመንቲ ምእንቲ ኽቕጽዑ እናኣሰርኩ ናብ ኢየሩሳሌም ከምጽኦም ዘኽእለኒ ናብቶም ኣብኡ ዘለዉ ኣይሁዳውያን መልእኽቲ ኻብኣቶም ተቐቢለ ነይረ እየሞ።

[6] ናብ ደማስቆ እናኸድኩ እንተለኹ ናብኣ ምስ ቀረብኩ ኣጋ ቐትሪ ድንገት ካብ ሰማይ ዓብዪ ብርሃን ኣብ ዙርያይ ኣንጸባረቐ።

[7] ኣብ ምድሪ ኸዓ ወደቕኩ ሳውል! ሳውል! ንምንታይ እተሳጕጐኒ?› ዝብል ድምፂ ድማ ሰማዕኹ።

[8] ኣነ ድማ መሊሰ ጐይታይ! ንስኻ መን ኢኻ?› በልክዎ። ንሱ ኸዓ ኣነ እቲ ንስኻ እተሳጕጐኒ ዘለኻ ናይ ናዝሬት ኢየሱስ እየ› በለኒ።

[9] እቶም ምሳይ ዝነበሩ ነቲ ብርሃን ረአይዎ ናይቲ ዝዛረበኒ ዝነበረ ድምፂ ግና ኣይሰምዑ ን።

[10] ሽዑ ኸዓ ጐይታይ እንታይ ክገብር?› በልክዎ፤ ጐይታ ድማ ተሢእኻ ናብ ደማስቆ ኺድሞ እቲ ኽትገብሮ ዝግበአካ ኣብኡ ኽነግሩኻ እዮም› በለኒ።

[11] ካብቲ ግርማ ነጸብራቕ ዝተልዓለ ምርኣይ ምስ ሰኣንኩ ድማ እቶም ምሳይ ዝነበሩ እናመርሑኒ ናብ ደማስቆ በጻሕኹ።

[12] ኣብ ደማስቆ ዝነበሩ ኣይሁድ ዝንእድዎ፤ ንእግዚኣብሔር ዝፈርኅን ሕያዋይን ብሕጊ ዝጸንዐን ሓናንያ ዝስሙ ሓደ ሰብ ነበረ።

[13] ንሱ ናባይ መጺኡ ኣብ ቕድመይ ደው በለ፤ ሳውል ኃወይ ረአ› በለኒ፤ ሽዑ ንሽዑ ድማ ንእኡውን ጠመትኩዎ።

[14] ንሱ ኸዓ ፍቓዱ ኽትፈልጥን ነቲ ጻድቕ [ ክርስቶስ] ከዓ ኽትርእዮን ካብ ኣፉውን ቃል ክትሰምዕ ኣምላኽ ኣቦታትና ኃረየካ።

[15] እዙይ ድማ በቲ ዝረአኻዮን ዝሰማዕኻዮን ኣብ ኲሉ ሰብ ምስክር ምእንቲ ኽትኮኖ እዩ።

[16] ሕዝኸ እንታይ ትጽበ ኣለኻ? ተሥእሞ ስም ጐይታ እናጸዋዕኻ ተጠመቕ ካብ ኃጢኣትካውን ተሓጸብ› በለኒ።

[17] ናብ ኢየሩሳሌም ተመሊሰ ኣብ መቕደስ ኮይነ ኽጽሊ እንተለኹ ድማ ተመሰጥኩ።

[18] ጐይታ ኸዓ ብራእይ ነቲ ብዛዕባይ እትምስክሮ ኣይቕበሉኻን እዮም እሞ ካብ ኢየሩሳሌም ቀልጢፍካ ውፃእ› ኽብለኒ እንተሎ ረአኽዎ።

[19] ኣነ ኸዓ ጐይታይ! ኣነ ነቶም ብኣኻ ዝኣምኑ ኣኣስሮምን ኣብ ቤተ ጸሎታቶም እወቕዖምን ከም ዝነበርኩ ባዕላቶም ይፈልጡ እዮም።

[20] ደም እስጢፋኖስ ሰማዕትኻ ከፍስሱ እንተለዉ ድማ ባዕለይ ምስኣቶም ተሰማሚዐ ኣብኡ ደው ኢለ ነይረ፤ ናይቶም ዝቐተልዎ ኽዳውንቲውን እሕሉ ነይረ› በልክዎ።

[21] ንሱ ኸዓ ኣነ ርኁቕ ናብ ዘለዉ ኣሕዛብ እልእኸካ ኣለኹ እሞ ኺድ› በለኒ።

[22] ክሳዕ እዝ ዘረባ እዙይ ንጳውሎስ ሰምዕዎ ብድኅሪ እዙይ ግና ድምፆም ዓው ኣቢሎም፦ ከምዙይ ዝበለ ሰብ ብሕይወት ክነብር ኣይግብኦን እዩ እሞ ካብ ምድሪ ኣወግድዎ በሉ።

[23] እቶም ሕዝቢ ኽዳውንቶም እናደርበዩ ሓመድ ንላዕሊ እናብነኑ ዋዕዋዕ ኽብሉ እንተለዉ

[24] እቲ ሓለቓ ሽሕ ነቲ ዋዕዋዕ ዘበሎም ምኽንያት ምእንቲ ኽፈልጥ ኣብ ሥፍራ ወታደራት ኣእቲኹም ብመግረፍቲ መርምርዎ ኢሉ ኣዘዘ።

[25] ክገርፍዎ ምስ ኣሰርዎ ኸዓ ጳውሎስ ነቲ ደው ኢሉ ዝነበረ ሓለቓ ሚእቲ ንሓደ ሮማዊ ዜጋ ብዘይ ፍርዲ ኽትገርፉዶ ተፈቒዱልኩም እዩ? በሎ።

[26] እቲ ሓለቓ ሚእቲ እዙይ ምስ ሰምዐ ከይዱ ነቲ ሓለቓ ሽሕ እዝ እትገብሮ ዘለኻ ፍለጥ፤ ምኽንያቱ እዝ ሰብኣይ እዙይ ሮማዊ እየ› ይብል ኣሎ ኢሉ ነገሮ።

[27] እቲ ሓለቓ ሽሕ ከዓ መጺኡ ኣታ ሮማዊ ዲኻ? እስኪ ንገረኒ በሎ። ጳውሎስ ከዓ እወ በሎ።

[28] እቲ ሓለቓ ሽሕ ኸዓ ኣነስ ነዝ ዜግነት እዙይ ብዙኅ ገንዘብ ብምኽፋል እየ ዝረኸብክዎ በሎ፤ ጳውሎስ ድማ ኣነስ እባ ተወሊደሉ እየ በሎ።

[29] እቶም ክምርምርዎ ኢሎም ኣብኡ ዝነበሩ ቐልጢፎም ካብኡ ኣግለሱ። እቲ ሓለቓ ሽሕ ድማ ሮማዊ ምዃኑ ምስ ኣረጋገጸ ስለ ዝኣሰሮ ፈርኀ።

[30] ንጽባሒቱ ኣይሁድ ብዛዕባ እንታይ ከም ዝኸሰስዎ ንጹር ነገር ክፈልጥ ደልዩ ድማ እቲ ሓለቓ ሽሕ ፈትሖ። ንሊቃውንቲ ኻህናትን ንብዘሎ እቲ ዋዕላን ክእከቡ ኣዘዞም ንጳውሎስ ድማ ኣምጺኡ ኣብ ቅድሚኦም ኣቖሞ።

ግብሪ ሓዋርያት — Chapters