[1] ወንጌል እግዚኣብሔር ክምህር ካብ ዝተኃርየ ኣገልጋሊ ኢየሱስ ክርስቶስን ሓዋርያ ክኸውን ካብ ዝተጸውዐን ካብ ጳውሎስ ዝተልኣኸት መልእኽቲ።
[2] እዝ ወንጌል እዙይ እግዚኣብሔር ኣቐዲሙ ብነቢያቱ ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዘተስፈዎ እዩ።
[3] እዝ ወንጌል እዙይ ብዛዕባ እቲ ሰብ ኮይኑ ኻብ ዘርኢ ዳዊት ዝተወልደ ወዱ እዩ ዝዛረብ።
[4] ካብ ምዉታን ብምትሥኡ ድማ ብመንፈስ ቅዱስ ወዲ እግዚኣብሔር ምዃኑ ብኃይሊ ዝተግሃደ ኢየሱስ ክርስቶስ ጐይታና እዩ።
[5] ኲሎም ኣሕዛብ ከም ዝኣምኑን ከም ዝእዘዙን ክንገብር ብእኡን ምእንቲ ስሙን ጸጋን ሓዋርያነትን ተቐበልና።
[6] ንስኻትኩምውን ከምኣቶም ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ክትኮኑ ተጸዊዕኹም ኢኹም።
[7] ኣብ ሮም ዘለኹም ቅዱሳን ክትኮኑ ዝተጸዋዕኹም ፍቑራት እግዚኣብሔር ኲልኻትኩም ካብ እግዚኣብሔር ኣቦናን ካብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ንኣኻትኩም ይኹን።
[8] ብክርስቶስ ምእማንኩም ኣብ ኲላ ዓለም ስለ ዝተሰምዐት ቅድሚ ዂሉ ብዛዕባ ዂልኻትኩም ንእግዚኣብሔር ብኢየሱስ ክርስቶስ አመስግኖ ኣለኹ።
[9] እንተየቋረጽኩ ዂልሻዕ ኣብ ጸሎተይ ከምዝዝክረኩም እቲ ወንጌል ወዱ እናሰበኽኩ ብምሉእ ልበይ ዘገልግሎ እግዚኣብሔር ምስክረይ እዩ።
[10] ፍቓድ እግዚኣብሔር እንተድኣ ኾይኑ ናባኻትኩምውን ክመጽእ መንገደይ ከቕንዐለይ እጽሊ ኣለኹ።
[11] ብእምነት ምእንቲ ኽትጸንዑ መንፈሳዊ ውህብቶ ኸካፍለኩም ስለ ዝደሊ ኽርእየኩም እናፍቕ ኣለኹ።
[12] እዙይ ከዓ ኣነን ንስኻትኩምን በታ ዘላትና እምነት ንስንሳትና ምእንቲ ኽንጸናናዕ ኢለ እየ።
[13] ኣቱም ኣኅዋተይ! ከምቲ ኣብቶም ካልኦት ኣሕዛብ ዝረኸብክዎ ፍረ ኣባኻትኩምውን ምእንቲ ኽረክብ ናባኻትኩም ንምምጻእ ብዙኅ ጊዜ ከም ዝመደብኩ እንተኾነ ክሳዕ ሕዚ ኸም ዘይተኽኣለኒ ኽትፈልጡለይ እደሊ።
[14] ንግሪኻውያንን ንኻልኦት ኣሕዛብን ንዝተምሃሩን ንዘይተምሃሩን ክሰብኽ ግቡአይ እዩ።
[15] ስለዙይ ከም ሓሳበይ እንተዝኸውንስ ኣብ ሮም ንዘለኹምውን ወንጌል ክሰብከልኩም ብርቱዕ ድልየት ኣለኒ።
[16] ብወንጌል ኣይኃፍርን እየ፤ ወንጌል ንዝኣምን ኲሉ ቅድም ንኣይሁድ ደኃር ንኣሕዛብ ዘድኅን ኃይሊ እግዚኣብሔር እዩ እሞ።
[17] ከምቲ ጽሑፍ ጻድቕ ብእምነት እዩ ዝነብር ዝብሎ ኣብ ወንጌል እቲ ኻብ እግዚኣብሔር ዝርከብ ጽድቂ ማለት እቲ ኻብ መጀመርታ ኽሳዕ መወዳእታ ብእምነት ዝርከብ ጽድቂ ተገሊጹ ኣሎ።
[18] ቊጥዓ እግዚኣብሔር ኣብ ልዕሊ ኽፍኣትን ኃጢኣትን ናይቶም ብኽፍኣቶም ንሓቂ ዝኽውልዋ ሰባት ካብ ሰማይ ክግለጽ እዩ።
[19] እግዚኣብሔር ስለ ዝገለጸሎም እቲ ብዛዕባ እግዚኣብሔር ክፈልጥዎ ዝግባእ ኣብኣቶም ግሉጽ እዩ።
[20] ዘመኻንይዎ ምእንቲ ኽስእኑስ እቲ ዓለም ካብ ዝፍጠር ጀሚሩ ተርእዩ ዘይፈልጥ ባህርይ እግዚኣብሔር ማለት ዘለዓለማዊ ኃይሉን መለኮቱን በቲ ዝፈጠሮ ፍጥረት ኣጸቢቑ ተግሃደ።
[21] ንእግዚኣብሔር እናፈለጥዎስ ከም ኣምላኽነቱ ኣየኽበርዎን፤ ከምኡውን ኣየመስገንዎን፤ እኳ ደኣ ብሓሳቦም ከንቱ ኾኑ፤ እቲ ዘየስተውዕል ልቦምውን ጸልመተ።
[22] ለባማት ኢና እኳ እንተበሉ ዓሻታት ኮኑ።
[23] ንኽብሪ እቲ ዘይመውት ኣምላኽ ናብ ምስሊ መዋቲ ሰብን ኣዕዋፍን ኣርባዕተ መኃውር ዘለዎም እንስሳን ናብ ለመም ዝብሉን ለወጥዎ።
[24] ስለዙይ እግዚኣብሔር ከዓ ንስንሳቶም ሰብነቶም ከኅስሩ ብትምኒት ልቦም ንርኽሰት ኣኅሊፉ ሃቦም።
[25] እዙይ ከዓ ነቲ መለኮታዊ ሓቂ ናብ ሓሰት ስለ ዝለወጥዎ ኽንዲ ፈጣሪውን ንፍጡር ስለ ዘምለኹን ዘገልገሉን እዩ፤ ንሱ ግና ንዘለዓለም ቡሩኽ እዩ፤ ኣሜን።
[26] በዝ ምኽንያት እዙይ ከዓ እግዚኣብሔር ንዘነውር ፍትወት ኣኅሊፉ ሃቦም። ደቂ ኣንስትዮኦም እንተይተረፋ ነቲ ጾታዊ ባህርየን ኃዲገን ንጾታዊ ባህርየን ዘይግባእ ፈጸማ።
[27] ሰብኡትውን ከምኡ ነቲ ምስ ጓል ኣንስተይቲ ዝፍጸም ባህርዮም ኃዲጎም ንስንሳቶም ብፍትወቶም ነደዱ፤ ሰብኡት ኣብ ሰብኡት ነውሪ ገበሩ፤ ናይቲ ዝገበርዎ ስሕተትውን ግቡእ መቕፃዕቲ ኣብ ርእሶም ኣውረዱ።
[28] ከምቲ ንሳቶም ንእግዚኣብሔር ክፈልጥዎ ዘይደለዩ እግዚኣብሔር ከዓ ነውሪ ኽፍጽሙ ንዘየስተውዕል ኣእምሮ ኣኅሊፉ ሃቦም።
[29] ስለዙይ ብዓመፅ ብኽፍኣት ብስስዐ ብቕንኣት ብቕትለት ብባእሲ ብምጥፍፋእ ብእከይ ምሉኣት ኮኑ። ከምኡውን ስም ሰብ ዘጸልሙ
[30] ሓመይቲ ንእግዚኣብሔር ዝጸልኡ ዕቡያት ተጀሃርቲ ኽፍኣት ዝኣልሙ ንወለዶም ዘይእዘዙ
[31] ዘየስተውዕሉ ጠላማት ፍቕሪ ዘይብሎም ጨካናት እዮም።
[32] እዚኣቶም እቶም ከምኡ ዝገብሩ ሞት ይግብኦም እዩ ዝብል ቅኑዕ ፍርዲ እግዚኣብሔር እናፈለጡ ነዝ ዂሉ ይፍጽሙ ኣለዉ፤ እዙይ ከይኣኽሎም ከዓ ነቶም ከምኡ ዝገብሩውን የተባብዑ ኣለዉ።