Skip to content
Opens in a new window
Listen to this chapter • 3:54

[1] እንሆ ድማ ጴጥሮስን ዮሓንስን ብታሽዐይቲ ሰዓት ብጊዜ ጸሎት ናብ ቤተ መቕደስ ይድይቡ ነበሩ።

[2] ካብ ዝውለድ ጀሚሩ ዝመጽጕዐ ሓደ ሰብኣይ ነበረ ካብቶም ናብ ቤተ መቕደስ ዝኣትዉ ምጽዋት ምእንቲ ኽልምን ከዓ ፀይሮም ዕለት ዕለት ኣብታ ጽብቕቲ እትብሃል ኣፍ ደገ ቤተ መቕደስ የቐምጥዎ ነበሩ።

[3] ንሱ ድማ ጴጥሮስን ዮሓንስን ናብ ቤተ መቕደስ ክኣትዉ እንተለዉ ምስ ረአዮም ክምጽውቱሉ ለመኖም።

[4] ጴጥሮስ ምስ ዮሓንስ ኮይኑ ናብኡ ኣተኲሩ እናጠመተ ናባና ጠምት! በሎ።

[5] ንሱ ኸዓ ካብኣቶም ምጽዋት ዝረክብ መሲልዎ ኣተኲሩ ጠመቶም።

[6] ጴጥሮስ ድማ ወርቅን ብሩርን የብለይን፤ እቲ ዘለኒ ግና እህበካ ኣለኹ፤ ብስም ናይ ናዝሬት ኢየሱስ ክርስቶስ ተሥእ እሞ ኺድ! በሎ።

[7] ብየማነይቲ ኢዱ ኂዙውን ኣተሥኦ፤ ሽዑ ንሽዑ ኣእጋሩን ዓክዓካሪቶኡን ጸንዐ።

[8] ብድድ ኢሉ ኸዓ ደው በለ እሞ ኽወሳወስ ጀመረ። እናተወሳወሰን እናዘለለን ድማ ምስኣቶም ናብ ቤተ መቕደስ ኣተወ።

[9] ኲሎም እቶም ሕዝቢ ድማ ብእግሩ እናኸደን ንእግዚኣብሔር እናመስገነን ረአይዎ።

[10] ንሱ እቲ ኣብታ ጽብቕቲ እትብሃል ኣፍ ደገ ቤተ መቕደስ ተቐሚጡ ምጽዋት ዝልምን ዝነበረ ምዃኑ ምስ ኣለለይዎ በቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝተገብረ ተኣምር ተደነቑን ተገረሙን።

[11] ነቲ ዝሓወየ ሰብኣይ ምስ ጴጥሮስን ዮሓንስን ኃቢሩ እንተሎ እቶም ሕዝቢ ብምሉኦም ብዓብዪ ምግራም ናብኣቶም ናብቲ ገበላ ሰሎሞን ተብሂሉ ዝጽዋዕ ጐየዩ።

[12] ጴጥሮስ ነዙይ ምስ ረአየ ነቶም ሕዝቢ ኸምዙይ በሎም፦ ኣቱም ሰብ እስራኤል ንምንታይ በዙይ ትግረሙ? ብኃይልና ወይ ብጽድቅና ነዝ ሰብ እዙይ ክኸይድ ከም ዝገበርናዮኸ ንምንታይ ንኣና ትጥምቱ ኣለኹም?

[13] ኣምላኽ ኣቦታትና ኣምላኽ ኣብርሃምን ይስሓቅን ያዕቆብን ንወዱ ኢየሱስ ኣኽበሮ፤ ንስኻትኩም ግና ነቲ ጲላጦስ ይፈታሕ› ኢሉ ዝፈረደሉ ኣኅሊፍኩም ሃብኩምዎ፤ ኣብ ቅድሚ ጲላጦስ ከዓ ኸሓድኩምዎ።

[14] ንስኻትኩም ነቲ ቕዱስን ጻድቕን ክሒድኩም እቲ ቐታል ነፍሲ ኽፍትሐልኩም ለመንኩም።

[15] ነቲ ወሃብ ሕይወት ድማ ቐተልኩምዎ፤ ንእኡ ግና እግዚኣብሔር ካብ ምዉታን ኣተሥኦ፤ ንሕና ኸዓ ነዙይ ምስክር ኢና።

[16] ብስሙ ብምእማን ነዝ እትርእይዎን እትፈልጥዎን ሰብ ኣጽንዖ። እታ ብኢየሱስ ምእማን ድማ ኣብ ቅድሚ ዂልኻትኩም ምሉእ ጥዕና ሃበቶ።

[17] ሕዚ ድማ ኣኅዋተይ! ከምቶም መራሕትኹም ነዙይ ብዘይ ምፍላጥ ከም ዝገበርክምዎ እፈልጥ ኣለኹ።

[18] እግዚኣብሔር ግና ክርስቶስ መከራ ኽቕበል ከም ዘለዎ ኣቐዲሙ ብኣፍ ኲሎም ነቢያት ከም ዝተዛረቦ ኸምኡ ፈጸሞ።

[19] እምበኣር ኃጢኣትኩም ምእንቲ ኽድምሰሰልኩም ካብ ገጽ እግዚኣብሔርውን ዘመን ምሕዳስ ምእንቲ ኽመጸልኩም

[20] ነቲ ኣቐዲሙ ንኣኻትኩም ዝኃረዮ ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንቲ ኽሰደልኩም ተነስሑን ተመለሱን።

[21] ከምቲ ዝተነገረኩም እግዚኣብሔር ካብ ጥንቲ ብኣፍ ቅዱሳን ነቢያቱ ዝተዛረቦ ዂሉ ነገር ዝሕደሰሉ ዘመን ክሳዕ ዝመጽእ ሰማይ ንኢየሱስ ክቕበሎ ይግባእ እዩ።

[22] ሙሴውን እግዚኣብሔር ኣምላኽኩም ከምቲ ንኣይ ዘተሥአ ካብ ኣኅዋትኩም ነቢይ ከተሥአልኩም እዩ፤ ንሱ ዝብለኩም ኲሉ ኸዓ ስምዕዎ።

[23] እንሆ እታ ነቲ ነቢይ እቱይ ዘይትሰምዕ ነፍሲ ኹላ ካብ ሕዝባ ተፈልያ ኽትንቀል እያ› በለ።

[24] ኲላቶም ነቢያት ካብ ሳሙኤል ጀሚሮም ክሳዕ እቶም ብድኅሪኡ ዝነበሩ ብዛዕባ እዘን መዓልትታት እዚኣተን እዮም ዝተናገሩ።

[25] ንስኻትኹም ውሉድ ነቢያትን ውሉድ እቲ እግዚኣብሔር ዝሠርዖ ሥርዓትን ኢኹም። ንኣብርሃም ኲሎም ኣሕዛብ ምድሪ ብዘርእኻ ኽባረኹ እዮም› ኢሉ ምስ ኣቦታትና ዝኣተዎ ውሉድ ኪዳን ኢኹም።

[26] እግዚኣብሔር ንነፍስ ወከፍኩም ካብ ክፍኣትኩም ተመሊስኩም ምእንቲ ኽባርኸኩም ንወዱ ኣተሢኡ ቕድሚ ዂሉ ናባኻትኩም ለኣኾ።

ግብሪ ሓዋርያት — Chapters