ግብሪ ሓዋርያት 17
[1] ጳውሎስን ሲላስን ብኣንፊጶልን ብኣጶሎንያን ኣቢሎም ናብ ተሰሎንቄ ኣተዉ። ኣብኡውን ናይ ኣይሁድ ቤት ጸሎት ነበረ።
[2] ጳውሎስ ከምቲ ልማዱ ናብኣቶም ኣትዩ ሠለስተ ሰንበት ካብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ እናጠቐሰ ኸረድኦም ቀነየ።
[3] መሢሕ መከራ ኽቕበልን ካብ ምዉታን ክትሥእ ከም ዘለዎውን ይገልጸሎምን የረድኦምን ነበረ። እዝ ኣነ ዝሰብከልኩም ዘለኹ ኢየሱስ መሢሕ እዩ ኸዓ ይብል ነበረ።
[4] ካብኣቶምውን ገሊኦም ኣሚኖም ንጳውሎስን ሲላስን ዝተኸተሉ ነበሩ ብዙኃት ካብቶም ንእግዚኣብሔር ዘምልኹ ግሪካውያንን ብዙኃት ፍሉጣት ኣንስትን ድማ ኸምኡ ገበሩ።
[5] እቶም ኣይሁድ ከዓ ቐኒኦም ካብቲ ዕዳጋ ኽፉኣት ሰባት ኣምጺኦም ሕዝቢ ኣኪቦም ድማ ነታ ኸተማ ሃወኽዋ፤ ንጳውሎስን ንሲላስን ኣውፂኦም ናብቶም ሕዝቢ ምእንቲ ኸቕርብዎም ድማ ንገዛ ኢያሶን ከበብዋ።
[6] ምስ ሰኣንዎም ግና ንኢያሶንን ንገሊኦም ኣኅዋትን እናጐተቱ ናብቶም ኣሕሉቕ እታ ኸተማ ኣቕረብዎም እዞም ንዓለም ዝሃወኹ ናብዙይ ከዓ መጺኦም ኣለዉ።
[7] ኢያሶን ከዓ ኣብ ገዝኡ ተቐቢልዎም ኣሎ፤ ንሳቶም ኢየሱስ ዝበሃል ካልእ ንጉሥ ኣሎ› እናበሉ ንትእዛዝ ንጉሥ ሮም ይፃረሩ ኣለዉ ኢሎም ከሰስዎም።
[8] እቶም ሕዝብን ኣሕሉቕ እታ ኸተማን ነዙይ ምስ ሰምዑ ተጨነቑ።
[9] ንኢያሶንን ነቶም ካልኦት ብጾቱን ዋሕስ ኣቝጺሮም ሰደድዎም።
[10] ሽዑ ንሽዑ እቶም ኣኅዋት ንጳውሎስን ንሲላስን ብለይቲ ናብ ቤርያ ከም ዝኸዱ ገበርዎም፤ ኣብኡ ምስ በጽሑ ድማ ናብ ቤተ ጸሎት ኣይሁድ ኣተዉ።
[11] እቶም ሰብ ቤርያ ካብቶም ኣብ ተሰሎንቄ ዝቕመጡ ኣይሁድ ብዝበለጸ ዘስተውዕሉ ስለ ዝነበሩ፤ ብምሉእ ልቦም ተቐበልዎ እዝ ነገር እዙይ ከምኡ እንተ ኾይኑ ንኽፈልጡ ቅዱሳት መጻሕፍቲ በብመዓልቱ ይምርምሩ ነበሩ።
[12] ስለዙይ ብዙኃት ካብኣቶም ኣመኑ ካብቶም ግሪካውያን ድማ ብዙኃት ክቡራት ኣንስትን ብዙኃት ግሪካውያን ሰብኡትን ኣመኑ።
[13] እቶም ኣብ ተሰሎንቄ ዝነብሩ ኣይሁድ ከዓ ጳውሎስ ኣብ ቤርያ ቃል እግዚኣብሔር ከም ዝመሃረ ምስ ፈለጡ፤ ናብኡ መጺኦም ነቲ ሕዝቢ ሃወኹዎ።
[14] ሽዑ እቶም ኣኅዋት ንጳውሎስ ቀልጢፎም ክሳዕ ባሕሪ ኣፋነውዎ፤ ሲላስን ጢሞቴዎስን ግና ኣብ ቤርያ ተረፉ።
[15] እቶም ንጳውሎስ ዘፋነውዎ ሰባት ክሳዕ ኣቴና ኣብጽሕዎ፤ ሲላስን ጢሞቴዎስን ቀልጢፎም ይስዓቡኒ ዝብል መልእኽቲ ኂዞም ድማ ናብ ቤርያ ተመልሱ።
[16] ጳውሎስ ድማ ኣብ ኣቴና ኽጽበዮም እንተሎ እታ ኸተማ ጣኦታት መሊኣ ምስ ረአያ የመና ተቖጥዐ።
[17] ስለዙይ ኣብ ቤት ጸሎት ምስ ኣይሁድን ምስቶም ምስ ኣይሁድ ዘምልኹ ግሪካውያንን ኲሉ መዓልቲ ኣብ ዕዳጋ ምስ ዝረኸቦምን ይከራኸሮም ነበረ።
[18] ገሊኦም ካብ ኤጲቆሮስን እስጦኢኮን ዝኾኑ ፈላስፋታት ምስኡ ይካትዑ ነበሩ፤ ገሊኦም ድማ እዝ ለፍላፊ እንታይ ኮን ክብል ደልዩ እዩ? በሉ። ገሊኦም ጳውሎስ ብዛዕባ ኢየሱስን ትንሣኤ ሙታንን ስለ ዝሰበኸሎም ብዛዕባ ሓደስቲ ኣማልኽቲ ዝምህር ዘሎ እባ ደኣ ይመስል በሉ።
[19] ስለዙይ ንጳውሎስ ናብቲ ኣርዮስፋጎስ ዝተብሃለ መጋባእያ ወሲዶም ፦ እዝ ንስኻ እትምህሮ ዘለኻ ሓድሽ ትምህርትስ እንታይ እዩ እስኪ ንገረና? በልዎ።
[20] ሓድሽ ነገር ኣብ እዝንና ተስምዐና ኣለኻ እሞ እዝ ነገር እዙይ እንታይ ምዃኑ ኽንፈልጥ ስለ ዝደለና ንገረና በልዎ።
[21] ኲሎም ሰብ ኣቴናን ኣብኣ ዝነብሩ ኻልኦትን ግና ንሓድሽ ነገር ምዝራብን ምስማዕን እንተ ዘይኮይኑ ንኻልእ ጉዳይ ጊዜ ኣይነበሮምን።
[22] ሽዑ ጳውሎስ ኣብቲ ማእኸል ኣርዮስፋጎስ ደው ኢሉ ከምዙይ በለ፦ ኣቱም ሰብ ኣቴና ብዂሉ ነገርኩም ብሃይማኖት ከም እትግደሱ እርኢ ኣለኹ።
[23] እናዞርኩ እቲ እተምልኽዎ ጣዖትኩም ክርኢ እንተለኹ ንዘይተፈልጠ ኣምላኽ› ዝብል ዝተጽሓፎ መሠውዒ ረኸብኩ፤ እምበኣርከስ ብዛዕባ እዝ እንተይፈለጥኩም እተምልኽዎ ኣምላኽ ኣብሥረኩም ኣለኹ።
[24] ንሱ እቲ ዓለምን ምድርን ኣብኣ ዘሎን ዝፈጠረ ኣምላኽ ጐይታ ሰማይን ምድርን እዩ ብኢድ ሰብ ኣብ ዝተሓንጸ መቕደስ ኣይነብርን እዩ።
[25] ንሱ ሕይወትን እስትንፋስን ዘድሊ ዂሉ ነገራትን ንዂሉ ሰብ ዝህብ ስለ ዝኾነ ዝጐድሎ ነገር የብሉን ብኢድ ሰብውን ኣይግልገልን እዩ።
[26] ንሱ ካብ ሓደ ሰብ፤ ዂሉ ዓሌት ሰብ ፈጠረ ኣብ ዂላ ምድሪ ኸም ዝነብሩ ድማ ገበረ፤ እቲ ዝነብሩሉ ውሱን ዘመናትን ቦታን መደበሎም።
[27] እዙይ ከዓ ካብ ነፍስ ወከፍና ዘይረኃቐ እንተሎስ ንእግዚኣብሔር ምእንቲ ኽደልይዎን ምናልባሽውን ሃሰስ ኢሎም ምእንቲ ኽረኽብዎን ኢሉ ገበሮ።
[28] ገሊኦም ካብቶም ተቐነይትኹም ንሕና ደቂ እግዚኣብሔር ኢና› ከም ዝብልዎ ብእኡ ኢና እንነብርን እንወሳወስን ብእኡ ኸዓ ኢና ዘለና›።
[29] እምበኣርከስ ደቂ እግዚኣብሔር ካብ ኮንናስ ነቲ ብናይ ሰብ ብልሓትን ሓሳብን ዝተገብረ ቕርፂ ወርቂ ወይ ብሩር ወይ እምኒ ከም ዝመስል ጌርና ንእግዚኣብሔር ክነማሳስሎ ኣይግብኣናን እዩ።
[30] እግዚኣብሔር ነቲ ዘመን ድንቊርና ሸለል ኢሉ ኣኅሊፍዎ ኣሎ። ሕዚ ግና ኣብ ዂሉ ዓለም ዘሎ ዂሉ ሰብ ክንሳሕ ኣዚዙ ኣሎ።
[31] በቲ ንሱ ዝሸሞ ሰብ ገይሩ ንዓለም ብጽድቂ ዝፈርደላ መዓልቲ ወሲኑ ኣሎ፤ ነዝ ንዂሉ ሰብ ዘረጋገጾ ድማ ነቲ ዝኃረዮ ሰብ ካብ ምዉታን ብምትሥኡ እዩ በሎም።
[32] ብዛዕባ ትንሣኤ ምዉታን ምስ ሰምዑ ገሊኦም ኣላገጹሉ ገሊኦም ከዓ ብዛዕባ እዙይ ካልእ ጊዜ ኽንሰምዐካ ንደሊ ኢና በልዎ።
[33] ሽዑ ጳውሎስ ካብ ማእኸሎም ወፂኡ ኸደ።
[34] ገሊኣቶም ሰባት ከዓ ኣሚኖም ሰዓብዎ ንሳቶም ድማ ሓደ ካብቶም ናይ ኣርዮስፋጎስ ባይቶ ዲዮናስዮስ ዝበሃልን ደማሪስ እትብሃል ሰበይትን ከምኡውን ካልኦት ሰባት ምስኣቶም ነበሩ።