Skip to content
Opens in a new window
Listen to this chapter • 4:16

[1] ከምኡ ድማ ኣብ ኢቆንዮን ጳውሎስን በርናባስን ኣብ ቤተ ጸሎት ኣይሁድ ኣትዮም ብዙኃት ኣይሁድን ግሪካውያንን ክሳዕ ዝኣምኑ ሰበኹ።

[2] እቶም ምእማን ዝኣበዩ ኣይሁድ ግና ነቶም ኣሕዛብ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣመንቲ ብጽልኢ ኸም ዝለዓዓሉ ገበርዎም።

[3] ጳውሎስን በርናባስን ግና ብዛዕባ ጐይታ ብትብዓት እናተዛረቡ ንነዊኅ እዋን ኣብኡ ተቐመጡ። ጐይታ ኸዓ በቲ በእዳዎም ክገብርዎ ዝህቦም ዝነበረ ምልክትን ተኣምራትን ነቲ ናይ ጸጋኡ ቓል የጽንዖ ነበረ።

[4] ደቂ እታ ኸተማ ኸዓገሊኦም ምስ ኣይሁድ ገሊኦም ድማ ምስ ሓዋርያት ኮይኖም ኣብ ክልተ ተኸፈሉ።

[5] ኣሕዛብን ኣይሁድን ከዓ ምስ መራሕቶም ኮይኖም ከሳቕይዎምን ብእምኒ ቐጥቂጦም ክቐትልዎምን ተልዓሉ።

[6] ሓዋርያት ድማ እዙይ ምስ ረአዩ ናብ ሊቃኦንያ ልስጥራን ደርቤን ዝበሃላ ኸተማታትን ናብ ከባቢአን ዘሎ ሃገርን ሃደሙ።

[7] ኣብኡ ኸዓ ወንጌል ይሰብኩ ነበሩ።

[8] ኣብ ልስጥራን እግሩ ዝሰለለ መፃጕዕ ኮይኑ ዝተወለደ ፈጺሙ ክወሳወስ ዘይኽእል ሓደ ሰብ ተቐሚጡ ነበረ።

[9] እዝ ሰብዙይ ጳውሎስ ክዛረብ እንተሎ ይሰምዕ ነበረ። ጳውሎስ ከዓ ኣተኲሩ ጠመቶ ክሓዊ እምነት ከም ዘለዎ ርእዩ ድማ

[10] ብዓብዪ ድምፂ፦ ቀጥ ኢልካ በእጋርካ ደው በል! በሎ። ሽዑ ንሽዑ ኸዓ ብድድ ኢሉ ኸደ።

[11] ሽዑ እቶም ሕዝቢ ነቲ ጳውሎስ ዝገበሮ ምስ ረአዩ ድምፆም ዓው ኣቢሎም ብቛንቋ ሊቃኦንያ ኣማልኽቲ ሰብ ተመሲሎም ናባና ወሪዶም በሉ።

[12] ንበርናባስ ድያ ንጳውሎስ ድማ ዋና ተዛራቢ ስለ ዝነበረ ሄርሜስ ኢሎም ሰመይዎም።

[13] ካህን ናይታ ኣብ ማዕዶ ኸተማ ዝነበረት ቤተ መቕደስ ድያ ድማ ኣብዑ ርን ጕንጕን ዕምበባን ናብቲ ኣፍ ደገ ኣምጺኡ ምስቶም ሕዝቢ ኾይኑ ኽሥውዐሎም ደለየ።

[14] እንተኾነ እቶም ሓዋርያት በርናባስን ጳውሎስን እዙይ ምስ ሰምዑ ኃዚኖም ክዳውንቶም ቀደዱ እናእወዩ ድማ ናብቶም ሕዝቢ ኣቢሎም ጐየዩ

[15] ከምዙይ ከዓ በልዎም፦ ኣቱም ሰባት! ስለምንታይ ከምዙይ ትገብሩ? ንሕናውን ከማኻትኩም ሰብ ኢና ነዝ ኸንቱ ነገር ኃዲግኩም ናብቲ ሰማይን ምድርን ባሕርን ኣብኣቶም ዘሎ ዂሉን ዝፈጠረ ሕያው እግዚኣብሔር ክትቀርቡ ወንጌል ንሰብከልኩም ኣለና።

[16] ብዝኃለፈ ዘመናት እግዚኣብሔር ንዂሎም ኣሕዛብ በብዝደለይዎ መንገዲ ክኸዱ ኃደጎም።

[17] ምስዙይ ከዓ ጽቡቕ እናገበረ ካብ ሰማይ ዝናምን ዘመን ፍርያትን እናሃበኩም ብምግብን ብሓጐስን ንልብኹም እናጽገበ ሕያው ከም ዝኾነ ንባዕሉ ብዘይ ምስክር ኣይኃደገን።

[18] እዝ ዂሉ ተዛሪቦምውን እቶም ሕዝቢ ኸይሥውዑ ሎም ብግዲ ኸልእዎም።

[19] ኣይሁድ ግና ካብ ኣንጾኪያን ካብ ኢቆንዮንን መጺኦም ነቶም ሕዝቢ ኣስድዕዎም። ንጳውሎስ ከዓ ብእምኒ ቐጥቀጥዎ፤ ዝሞተ መሲልዎም ድማ ጐቲቶም ካብታ ኸተማ ኣውፅእዎ።

[20] እቶም ደቀ መዛሙርቱ ኣብ ዙርያኡ ደው ምስ በሉ ኸዓ ብድድ ኢሉ ናብ ከተማ ኣተወ ንጽባሒቱ ድማ ምስ በርናባስ ናብ ደርቤን ከደ።

[21] ጳውሎስን በርናባስን ኣብ ደርቤን እናሰበኹ ብዙኃት ደቀ መዛሙርት ኣፍረዩ፤ ናብ ልስጥራንን ናብ ኢቆንዮንን ናብ ኣንጾኪያን ተመልሱ።

[22] ናብ መግሥቲ እግዚኣብሔር ክንኣቱ ዝግብአና ብብዙኅ መከራ እዩ እናበሉ ነቶም ደቀ መዛሙርት ኣጸናንዕዎም ኣብ እምነቶም ጸኒዖም ክነብሩውን ኣተባብዕዎም።

[23] ኣብ ነፍስ ወከፍ ቤተ ክርስቲያን መራሕቲ ምስ ሸሙሎም ድማ ብጾምን ብጸሎትን ናብቲ ዝኣመንዎ ጐይታ ኣማዕቖብዎም።

[24] ብጲስድያ ኃሊፎም ናብ ጵምፍልያ ኸዱ።

[25] ኣብ ጴርጌ ነቲ ቓል ምስ መሃሩ ናብ ኣጣልያ ወረዱ።

[26] ካብኣ ኸዓ ናብ ኣንጾኪያ ናይ ሶርያ ብመርከብ ተሳገሩ፤ ኣንጾኪያ ነቲ ዝፈጸምዎ ሥራሕ ንጸጋ እግዚኣብሔር ኃደራ ዝተወፈዩላ ዓዲ እያ።

[27] ናብኣ ምስ በጽሑ ምእመናን ቤተ ክርስቲያን ኣኪቦም እቲ እግዚኣብሔር ዝገበረሎም ዂሉን ነሕዛብ ከዓ ኣፍ ደገ እምነት ከም ዝኸፈተሎምን ነገርዎም።

[28] ምስቶም ደቀ መዛሙርት ድማ ብዙኅ መዓልቲ ጸንሑ።

ግብሪ ሓዋርያት — Chapters