ግብሪ ሓዋርያት 26
[1] ኣግሪጳ ንጳውሎስ ብዛዕባ ርእስኻ ኽትዛረብ ተፈቒዱልካ ኣሎ በሎ። ሽዑ ጳውሎስ ኢዱ ዘርጊሑ ኸምዙይ እናበለ ኽዛረብ ጀመረ፦
[2] ኦ ንጉሥ ኣግሪጳ! ብዛዕባ እቲ ብኣይሁድ ዝኽሰሰሉ ዘለኹ ነገር ኣብ ቅድሜኻ ሎሚ መልሲ ኽምልስ ስለ ዝተፈቐደለይ የመና ሕጉስ እየ።
[3] ኲሉ ሥርዓት ኣይሁድን ክርክሮምን ኣጸቢቕካ ትፈልጥ ኢኻ፤ ስለዙይ ድማ ብትዕግሥቲ ኽትሰምዐኒ እልምነካ ኣለኹ።
[4] እምበኣርከስ ካብ ንእስነተይ ጀሚረ ኣብ ማእኸል ሕዝበይ ኣብ ኢየሩሳሌም እየ ዝዓበኹ፤ ዘኅለፍክዎ ሕይወትውን ካብ ጥንቲ ጀሚሮም ኲላቶም ኣይሁድ ይፈልጥዎ እዮም።
[5] ክምስክሩ እንተ ደኣ ደልዮምስ ኣነ ኻብቶም ብዛዕባ ሃይማኖትና ኣጸቢቖም ዝጥንቀቑ ወገን ፈሪሳውያን ከም ዝነበርኩ ንሳቶም ካብ ቀደም ጀሚሮም ይፈልጡኒ እዮም።
[6] ሕዚ ድማ ነታ እግዚኣብሔር ነቦታትና ዝሃቦም ናይ ተስፋ ቓል ተስፋ ስለ ዝገብር ኣብ ትሕቲ ፍርዲ ደው ኢለ እኔኹ።
[7] እቶም ዓሠርተ ኽልተ ነገድና ኸዓ ለይትን መዓልትን ተጊሆም ንእግዚኣብሔር እናምለኹ ፍጻሜ ናይዛ ቓል ተስፋ እዚኣ ይጽበዩ ነበሩ። ኣነውን ኦ ንጉሥ ኣግሪጳ! ስለ እዛ ተስፋ እዚኣ እየ ብኣይሁድ ዝኽሰስ ዘለኹ፤
[8] እግዚኣብሔር ንምዉታን ከም ዘተሥኦም ደኣ ስለ ምንታይ ከም ሓደ ዘይእመን ነገር ገይርኩም ትርእይዎ ኣለኹም?
[9] ኣነ ንባዕለይ ብዝከኣለኒ ዂሉ ኣብ ልዕሊ ስም ናይ ናዝሬት ኢየሱስ ዝፃረር ነገር ክገብር ግቡእ እዩ ኢለ ኣኣምን ነበርኩ።
[10] ነዙይ ድማ ኣብ ኢየሩሳሌም ገይረዮ እየ፤ ካብ ሊቃነ ካህናት ሥልጣን ተቐቢለ ንብዙኃት ኣመንቲ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተኽዎም ክቐትልዎም እንተለዉውን ኃቢረ ተሰማማዕኹ።
[11] ኣብ ኲሉ ኣብያተ ጸሎት ድማ ብዙኅ ጊዜ እናቐጻዕኹ እምነቶም ከም ዝኽሕዱ ገበርክዎም፤ የመና እናደድ ስለ ዝነበርኩ ኸዓ ክሳዕ እተን ኣብ ወፃኢ ዝነበራ ኸተማታት እናሰዓብኩ ኣሳጕጎም ነበርኩ።
[12] በዝ ጉዳይ እዙይ ብትእዛዝ ሊቃነ ካህናትን ብፍቓዶምን ናብ ደማስቆ ክኸይድ እንተለኹ
[13] ኦ ንጉሥ ኣግሪጳ! ቀትሪ ኣብ መንገዲ እንተለኹ ካብ ፀሓይ ዝደምቕ ብርሃን ካብ ሰማይ ኣብ ዙርያይን ኣብ ዙርያ እቶም ምሳይ ዝኸዱ ዝነበሩን ከንጸባርቕ እንተሎ ረአኹ።
[14] ኲላትና ኣብ ምድሪ ምስ ወደቕና ኸዓ ብቛንቋ ዕብራይስጢ ሳውል! ሳውል! ስለምንታይ እተሳጕጐኒ በሊሕ ነገር እንተረገጽካ ንርእስኻ እዩ ዝገደካ ኢሉ ዝዛረበኒ ድምፂ ሰማዕኹ።
[15] ኣነ ድማ መን ኢኻ ጐይታይ?› በልክዎ፤ ጐይታ ኸዓ ኣነ እቲ ንስኻ እተሳጕጎ ዘለኻ ኢየሱስ እየ።
[16] ግና ተሥእ እሞ ብእግርኻ ደው በል፤ በቲ ዝረአኻንን ድኅሪ ሕዝውን ክትሪኦ ዘለኻን ኣገልጋልን ምስክርን ክትከውን ስለ ዝመረጽኩኻ እየ ዝተገለጽኩልካ።
[17] ካብ ሕዝብኻን ካብቶም ናብኣቶም ዝልእኸካ ኣሕዛብን ከዓ ኸናግፈካ እየ።
[18] ንኣይ ብምእማን ከዓ ኅድገት ኃጢኣት ክረኽቡ ምስቶም ብእምነት ዝተቐደሱ ድማ ርስቲ ኽቕበሉ ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን ካብ ሥልጣን ሰይጣንውን ናብ ኣምላኽ ክምለሱ ኣዒንቶም ክትከፍተሎም እልእኸካ ኣለኹ› በለኒ።
[19] እምበኣር ኦ ንጉሥ ኣግሪጳ! ነቲ ሰማያዊ ራእይ ምእዛዝ ኣይኣበኹን።
[20] እኳ ደኣ ኽንስሑን ናብ እግዚኣብሔር ክምለሱን ከም ዝተነስሑ ዘርኢ ግብሪ ኽገብሩን ቅድም ኣብ ደማስቆ ደኃር ኣብ ኢየሩሳሌምን ኣብ ኲላ ሃገር ይሁዳን ከምኡ ኸዓ ነሕዛብ ወንጌል ሰበኽኩ።
[21] ብዛዕባ እዙይ ከዓ ኣይሁድ ኣብ ቤተ መቕደስ ኃዙኒ ኽቐትሉኒውን ደለዩ።
[22] እንተኾነ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ረድኤት እግዚኣብሔር ኣይተፈለየንን፤ ስለዙይ ድማ ንንኡስን ንዓብይን እናመስከርኩ ደው ኢለ እኔኹ። ብዘይ እቲ ሙሴን ነቢያትን ክኸውን ከም ዘለዎ ዝተዛረብዎ ኻልእ ሓደኳ ኣይወሰኽኩን።
[23] ንሳቶም ክርስቶስ መከራ ኸምዝቕበል መጀመርታ ካብ ሞት ብምትሥኡውን ንሕዝቢ እስራኤልን ነሕዛብን ብርሃን ከምዘብሥር ተዛሪቦም ነበሩ።
[24] ከምዙይ ኢሉ ብዛዕባ ርእሱ ምስተዛረበ ድማ ፊስጦስ ዓው ኢሉ ጳውሎስ ዓቢድካ ኢኻ! እዝ ብዙኅ ትምህርትኻ ናብ ዕብዳን ኣብጺሑካ ኣሎ በሎ።
[25] ጳውሎስ ከዓ ኦ ኽቡር ፊስጦስ! እታ ጽርይቲ ሓቂ እየ ዝዛረብ ዘለኹ እምበር ኣይዓበድኩን።
[26] እዝ ኣነ ኣብ ቅድሚኡ ደፊረ ዝዛረቦ ዘለኹ ንጉሥ ኣግሪጳ ድማ ነዝ ነገር እዙይ ይፈልጦ እዩ፤ ብኅቡእ ስለ ዘይተገብረ እዝ ነገር እዙይ ከም ዘይስሕቶ እፈልጥ እየ።
[27] ኦ ንጉሥ ኣግሪጳ! ንነቢያትዶ ተኣምኖም ኢኻ? ከም እትኣምኖም ድማ እፈልጥ እየ።
[28] ኣግሪጳ ኸዓ ንጳውሎስ ብሓፂር ጊዜዶ ክርስቲያን ክትገብረኒ ደሊኻ? በሎ።
[29] ጳውሎስ ከዓ እንተ ብሓፂሩ እንተ ብነዊኁ ንስኻ ጥራሕ ዘይኮንካስ ኲሎም እዞም ሎሚ ዝሰምዑ ኒ ዘለዉን ብዘይ እዝ መቝሐይ ከምዝ ኸማይ ክኾኑ ካብ እግዚኣብሔር ዝምነዮ ዘለኹ እዩ በለ።
[30] ሽዑ እቲ ንጉሥን እቲ ሹም ብርኒቄን እቶም መቓምጦምን ተሥኡ።
[31] ካብኡ ወፂኦም ምስ ከዱ ንስንሳቶም እዝ ሰብኣይ እዙይ ናብ ሞት ወይ ናብ ማእሰርቲ ዘብጽሕ ሓንቲ ነገር እኳ ኣይገበረን ተበሃሃሉ።
[32] ኣግሪጳ ኸዓ ንፊስጦስ እዝ ሰብኣይ እዙይ ናብ ቄሣር ይግባይ ኢሉ እንተ ዘይኸውንስ ክፍታሕ ምተገብኦ ነይሩ በሎ።