Skip to content
Opens in a new window
Listen to this chapter • 7:16

[1] ኣብ ቂሳርያ ኢጣልያዊ ጭፍራ ንዝበሃል ክፍሊ ሠራዊት ሓለቓ ሚእቲ ዝኾነ ቆርኔሌዎስ ዝተብሃለ ሰብ ነበረ።

[2] ንሱ ምስ ኲሉ ስድራ ቤቱ ናብ እግዚኣብሔር ዝጽሊ መንፈሳዊ ሰብ ንሕዝቢውን ብዙኅ ምጽዋት ዝምጽውት ዂልሻዕ ኸዓ ንእግዚኣብሔር ዝፈርኅ ነበረ።

[3] ብታሽዐይቲ ሰዓት ናይ መዓልቲ ኣቢሉ ድማ ናይ እግዚኣብሔር መልኣኽ ብገሃድ ተርኣዮ፤ ናብኡ ኣትዩ ቆርኔሌዎስ! በሎ።

[4] ብፍርኂ ናብኡ እናጠመተ ኸዓ እንታይ እዩ ጐይታይ? በሎ፤ እቲ መልኣኽ ድማ ጸሎትካን ምጽዋትካን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ንመዘከርታ ዓሪጉ እዩ በሎ።

[5] ሕዚ ኸዓ ናብ ኢዮጴ ሰባት ልኢኽካ ነቲ ጴጥሮስ ዝበሃል ስምዖን ጸውዓዮ።

[6] ንሱ ምስቲ ቖርበት ዘልፍዕ ገዝኡ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘላ ስምዖን ጋሻ ኾይኑ ኣትዩ ኣሎ በሎ።

[7] እቲ ዝዛረቦ ዝነበረ መልኣኽ ምስ ከደ ኸዓ ካብቶም ሓሻኽሩ ኽልተ ካብቶም ዝሕልውዎ ወታደራት ከዓ ሓደ ፍርሃት እግዚኣብሔር ዘለዎ ጸውዐ እሞ

[8] ነቲ ዝኾነ ነገራት ኣረዲኡ ናብ ኢዮጴ ለኣኾም።

[9] ብጽባሒቱ ንሳቶም ከይዶም ጥቓ እታ ኸተማ ምስ በጽሑ ጴጥሮስ ብሻድሸይቲ ሰዓት ኣቢሉ ኽጽሊ ናብ ናሕሲ ደየበ።

[10] ሽዑ ስለ ዝጠመየ ኽበልዕ ደለየ፤ ምሳሕ ኸዳልዉሉ እንተለዉ ኸዓ ተመሰጠ።

[11] እንሆ ኸዓ ሰማይ ተኸፊቱ በርባዕተ መዓዝኑ ዝተትኃዘ ዓብዪ መጋረጃ ዝመስል ነገር ናብ ምድሪ ኣቢሉ እንትወርድ ረአየ።

[12] ኣብኡ ኸዓ ኣርባዕተ መሓውር ዘለዎም ኲሎምን ኣብ ምድሪ ለመም ዝብሉን ኣዕዋፍ ሰማይን ነበሩ።

[13] ሽዑ ንጴጥሮስ ተሥእ! ሓሪድካ ብላዕ! ዝብል ድምፂ መጾ።

[14] ጴጥሮስ ግና ጐይታይ! ኣይኸውንን! ርኹስ ወይ ዘፈንፍን ፈጺመ በሊዐ ኣይፈልጥን በለ።

[15] መሊሱ ድማ ንኻልኣይ ጊዜ ነቲ እግዚኣብሔር ዘንጽሆ ንስኻ ርኹስ እዩ› ኣይትበሎ ዝብል ድምፂ መጾ።

[16] እዝ ነገር እዙይ ሠለስተ ሻዕ ኾነ፤ ሽዑ ንሽዑ ኸዓ እቲ መጋረጃ ናብ ሰማይ ተወሰደ።

[17] ጴጥሮስ ብዛዕባ እቲ ዝረአዮ ራእይ እንታይ ኮን ይኸውን? እናበለ ብሓሳቡ ኽጭነቕ እንተሎ እንሆ እቶም ካብ ቆርኔሌዎስ ዝተልኣኹ ሰባት እንዳ ስምዖን ኣበይ እዩ ኢሎም እናጠየቑ ኣብቲ ኣፍ ደገ ደው በሉ።

[18] ጸዊዖም ድማ እቲ ጴጥሮስ ዝበሃል ስምዖን ጋሻ ኣብኡ እንተልዩ ጠየቑ።

[19] ጴጥሮስ ከዓ ነቲ ራእይ ከስተንትን እንተሎ መንፈስ ቅዱስ እንሆ ሠለስተ ሰባት ይደልዩኻ ኣለዉ፤

[20] ኣነ እየ ልኢኸዮም እሞ ተሢእኻ ውረድ፤ እንተይተጠራጠርካውን ምስኣቶም ኪድ በሎ።

[21] ሽዑ ጴጥሮስ ናብቶም ሰባት ወሪዱ እንሆ እቲ እትደልይዎ ዘለኹም ሰብ ኣነ እየ፤ ስለ ምንታይ መጻእኹም? በሎም።

[22] ንሳቶም ድማ ቆርኔሌዎስ እቲ ሓለቓ ሚእቲ ብዂሉ ሕዝቢ ኣይሁድ ዝተመስከረሉ ንእግዚኣብሔር ዝፈርኅ ጻድቕ ሰብኣይ ናብ ገዝኡ ኽጽውዐካ ካባኻ ድማ ቃል ክሰምዕ ብቕዱስ መልኣኽ ተነጊርዎ ኣሎ በልዎ።

[23] ሽዑ ጴጥሮስ ኣብ ገዛ ተቐቢሉ ኣኅደሮም። ብጽባሒቱ ተሢኡ ምስኣቶም ከደ፤ ካብ ኢዮጴ ኸዓ ውሑዳት ኣኅዋት ምስኡ ኸዱ።

[24] ብጽባሒቱ ድማ ናብ ቂሳርያ ኣተዉ። ቆርኔሌዎስ ከዓ ኣዝማዱን ዝኣምኖም ፈተውቱን ኣኪቡ ይጽበዮም ነበረ።

[25] ጴጥሮስ ክኣቱ እንተሎ ቆርኔሌዎስ ተቐበሎ፤ ኣብ እግሩ ተደፊኡ ድማ ሰገደሉ።

[26] ጴጥሮስ ግና ተሥእ! ኣነውን ከማኻ ሰብ እየ እናበለ ኣተሥኦ።

[27] ምስኡ እናተዛረበ ኣተወ፤ ኣብኡ ድማ ብዙኃት ሰባት ረኸበ።

[28] ንሓደ ኣይሁዳዊ ሰብ ምስ ካልእ ሕዝቢ ኽሕወስ ወይ ናብ ገዝኦም ክኣቱ ኸም ዘይግብኦ ትፈልጡ ኢኹም፤ ንኣይ ግና ንሓደ ሰብ እኳ ኸይጽየፍ ወይ ርኹስ እዩ› ኸይብል እግዚኣብሔር ኣርእዩኒ እዩ።

[29] ምእንትዙይ ድማ ምስ ለኣኽኩምለይ ሰጋእ እንተይበልኩ መጺአ ኣለኹ፤ እስኪ ንገሩኒ ንምንታይ ኢኹም ዝጸዋዕኹምኒ? በሎም።

[30] ቆርኔሌዎስ ድማ ቕድሚ ኣርባዕተ መዓልቲ ከምዛ እዋን እዚኣ ብታሽዐይቲ ሰዓት ኣብ ገዛይ እጽሊ ነበርኩ፤ እንሆ ኸዓ ዘንጸባርቕ ክዳን ዝተኸድነ ሰብኣይ ኣብ ቕድመይ ደው በለሞ

[31] ቆርኔሌዎስ! ጸሎትካ ተሰሚዑ ምጽዋትካ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ዓሪጉ እዩ።

[32] ስለዙይ ናብ ኢዮጴ ልኢኽካ ነቲ ጴጥሮስ ዝበሃል ስምዖን ጸውዓዮ። ንሱ ኣብታ ገምገም ባሕሪ ዘላ ቤት እንዳ እቲ ቖርበት ዘልፍዕ ስምዖን ተቐሚጡ ኣሎ። ንሱ ምስ መጸ ኽነግረካ እዩ› በለኒ።

[33] ሽዑ ኸዓ ናባኻ ለኣኽኩ፤ ንስኻ ድማ ብምምጻእኻ ጽቡቕ ገበርካ። ሕዚ ኸዓ ካብ እግዚኣብሔር ዝተኣዘዝካዮ ዂሉ ምእንቲ ኽንሰምዕ ዂላትና ኣብ ቕድሚ እግዚኣብሔር ኣብዙይ እኔና በሎ።

[34] -

[35] ሽዑ ጴጥሮስ ፦ ኣብ ዝኾነ ይኹን ሃገር ንእግዚኣብሔር ዝፈርኅን ቅንዕና ዝገብርን ኣብ እግዚኣብሔር ቅቡል እዩ እምበር ኣብኡ ኣድልዎ ኸም ዘየለ ብሓቂ ረአኹ።

[36] እግዚኣብሔር በቲ ጐይታ ዂሉ ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ ንደቂ እስራኤል ሰላም እናብሠረ ዝለኣኾ ቓል እዙይ እዩ፤

[37] እቲ ድኅሪ እታ ዮሓንስ ዝኣወጃ ጥምቀት ካብ ገሊላ ጀሚሩ ኽሳዕ ይሁዳ ዝኾነ ነገር ትፈልጥዎ ኢኹም።

[38] እግዚኣብሔር ከመይ ኢሉ ንናይ ናዝሬት ኢየሱስ ብመንፈስ ቅዱስን ብኃይልን ከም ዝቐብኦ ንሱ ኸዓ እግዚኣብሔር ምስኡ ስለ ዝነበረ ኣብ ኲሉ ጽቡቕ ከም ዝገበረን ንዂሎም ነቶም ሰይጣን ዝኣሰሮም ከም ዘሕወየውን ንስኻትኩም ትፈልጥዎ ኢኹም።

[39] ንሕና ኸዓ ናይቲ ኣብ ሃገረ ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌምን ንዝገበሮ ዂሉ ምስክር ኢና። ንሳቶም ንእኡ ኣብ ዕንፀይቲ ሰቒሎም ቀተልዎ።

[40] እግዚኣብሔር ግና ንእኡ ብሣልሰይቲ መዓልቲ ኣተሥኦ፤ ብገሃድ ከም ዝርአ ኸዓ ገበሮ።

[41] እንተኾነ ጐይታ ብገሃድ ዝተርኣየ ንዂሉ ሕዝቢ ዘይኮነስ ነቶም ምስክር ምእንቲ ክኾኑ እግዚኣብሔር ዝኃረዮም እዩ፤ ካብ ምዉታን ድኅሪ ምትሥኡ ምስኡ ዝበላዕናን ዝሰተናን ንሕና ኢና።

[42] እግዚኣብሔር ንሕያዋንን ንምዉታንን ክፈርድ ዝመደቦ ንሱ ምዃኑ ንሕዝቢ ኽንሰብኽን ክንምስክርን ኣዘዘና።

[43] ብእኡ ዝኣምን ብስሙ ኅድገት ኃጢኣት ከም ዝረክብ ኲሎም ነቢያት መሰኻክሩ እዮም በሎም።

[44] ጴጥሮስ ገና ነዝ ነገር እዙይ እናነገሮም እንተሎ ኣብቶም ነዝ ቓል እዙይ ዝሰምዑ ዂላቶም መንፈስ ቅዱስ ወረደ።

[45] -

[46] እቶም ካብ ወገን ኣይሁድ ዝኾኑ ምስ ጴጥሮስ ዝመጹ ኣመንቲውን እቶም ኣሕዛብ ብቛንቋታት ክዛረቡን ንእግዚኣብሔር ከመስግኑን ስለ ዝሰምዑ ንኣሕዛብ ድማ መንፈስ ቅዱስ ስለ ዝተውሃቦም ተገረሙ።

[47] ሽዑ ጴጥሮስ እዚኣቶም ከማና መንፈስ ቅዱስ ካብ ተቐበሉስ ብማይ ከይጥመቑ ክኽልክሎም ዝኽእል ደኣ መን እዩ? በለ።

[48] ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ክጥመቑ ድማ ኣዘዞም፤ ድኅርዙይ ንቑሩብ መዓልቲ ምስኣቶም ክቕኒ ንጴጥሮስ ለመንዎ።

ግብሪ ሓዋርያት — Chapters